ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ብመዓልታዊ ስራሕ ዝመሓደሩ ዝፍጸም ከቢድ ምዝመዛ የብቕዕ!

ብጹዕነቶም ይብሉ፥ “ስራሕ ምስ ሰብኣውነት ዝተተሓሓዘ “ቅዱስ ተግባር እዩ”፡ እዚ ድማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ይሴባሕ ሰርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ደጋጊሞም ዝገልጽዎ ሓሳብ እዩ፡ ስራሕ ሰብኣዊ ፍጥረት ምስ ፈጣሪ ዘተሓባብሮ እዩ

ዕለት 6 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፥ ነቶም ኣብ ገጠራት ኢጣሊያ ዝሰርሑ ስደተይናታት እናሓሰቡ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ብመዓልታዊ ስራሕ ዝመሓደሩ ዜጋታት ዝፍጸም ከቢድ ምዝመዛ ከብቕዕ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ጥዕና ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ክብርን ናይ ሰራሕተይናታትን ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ኣብ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን መዳይ ማእከል ክኸውን ተላብዮም፡ ናይቶም ዝተነጸሉን ዝተሓረጉን ብተደጋጋሚ ንከቢድ ምዝመዛ ዝቃልዑ ኣብ ናይ ዓውዲ ሕርሻ ዝዓዩ መዓልታዊ ተመሓዳደርቲ ሰራሕተይናታት ድምጾም ክስማዕ ኣገዳሲ ቢሎም ካብ ምዝመዛ ናጻ ክዀኑ ጻውዒት ከቕርቡ እንከለዉ፥

ባሕቲ ግንቦት ብዛባ ናይ ስራሕ ዓለም ዝምልከቱ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢን ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ኣብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ስራሕ ዓለም ክብረትን ዘማእከሉ መልእኽታት በጺሑንን፥ ብፍላይ እቲ ኣዚዩ ዝተንከፈኒ ብዙሓት ስደተይናታት ዝርከብዎም ጉዳይ ናይቶም ኣብ ዝተፈላለያ ገጠራት ኢጣሊያ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕርሻ ኢኮኖሚ ዝዓዩ፡ ኣብ ናይ ጉልበትን ዕለታውን ስራሕ ማሕረስ ዝተዋፍሩን ኩነታት እዩ፡ ብዙሕ እዋን ንኸቢድ ምዝመዛ ዝቃልዑ እያቶም፡ ንዅሉ ዝትንክፍ ቅልውላው ከምዘሎ ጋህዲ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ክኽበር ዘለዎ እዩ። ምእንቲ’ዚ ናይቶም መልእኽቲ ዘመሓላለፉለይ ሰራሕተይናታትን ናይኵሎም ናይቶም ንምዝመዛ ሓደጋ ዝቓልዑ ሰራሕተይና ጻውዒት ናተይ ገይረ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ናይ ሰራሕተይናታትን ናይ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት መሰልን ክብረትን ማእከል ክኸውን ዝዕድም ኩነት ገይርና ንኽንጥቀመሉ እላበው!

ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ነዚ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ፑሊያ ናይ ዝርከብ ሰበኻ ሳን ሰቨሮ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ጆቫኒ ከኪናቶ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ክፍለ ሃገር ፑሊያ ዞባ ድኻታት ብዝብል መጸውዕ ኣብቲ ዕዮ ሕርሻ ዘለሉ ቦታታት ከምእትርእን፡ እዚ ኸኣ ነቶም ኣብ ናይ ሕርሻ ዕዮ ዘገልግሉ መንበሪ ተባሂሉ ዝቖውም ግዚያዊ ኣባይቲ ዝሓቑፍ እዩ፡ እዚ ብዝሓቂ ዘሕዝንን ቅሉዕን ግብረ ኢፍትሓውነት እዩ፡ ውጽኢት ናይቲ ልዕሊ ኵሉ መኽሰብ ዝብል ኪደት ኤኮኖሚ እዩ- ስራሕ ይብሉ ብጹዕነቶም፥ “ምስ ሰብኣውነት ዝተተሓሓዘ “ቅዱስ ተግባር እዩ”፡ እዚ ድማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ይሴባሕ ሰርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ደጋጊሞም ዝገልጽዎ ሓሳብ እዩ፡ ስራሕ ሰብኣዊ ፍጥረት ምስ ፈጣሪ ዘተሓባብሮ እዩ፡ ስለዚ “ናይ ስራሕ መዓቕኖ ምቁጽጻር ዘይቕኑዕ ተግባር እዩ” ኢሎም።

ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ስራሕን ሰራሕተይናታትን ናይቶም ርሂጸ - በላዕ ክፍሊ ሕብረተሰብ ጽንኩር ናብራን መነባብሮን ንዕለቱን ብእለቱን ሕይወቶም ዝመርሑ ሕይወቶም ክመሓየሽን ካብቲ ዝወርዶም ግሁድ ኢፍትሓውነት ክላቐቑን እቲ ልዕሊ ዝኾነ ይዅንን ዘኽፍል የኽፍል መኽሰብ ጥራሕ ዝብል ስነ ኤኮኖሚያዊ ኣመለኻኽታ ክውገድ ከምዘለዎ ደጋጊሞም ጻውዒት የቕርቡ፡ ኣብቲ ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲት መልእኽቶም ድማ - “ስራሕ ኩሉ ክርስቲያንን መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ምስ እግዚኣብሔር ዘተሓብሮ እዩ” ስለዚህ - ካልእ ሸቶ ኣሚትካ ናይ ስራሕ መዓቕኖ ንምቑጽጻር ዝግበር ፈተና  ሰብኣዊ ምዕባለ ዘተባብዕ ኣይኮነን”።

ብርግጽ እቲ ኣጋጢም ዘሎ ቅልውላው ስግኣት እዩ፡ ይኹንድ ደኣ እምበር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክብረት ስራሕን ክማኣከል ዘነቓቕሕ ኣጋጣሚ ክኸውን ዝከኣል እዩ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዝገለጽዎ ሓሳብ ብጹዕነቶም ዘኪሮም፥ እዚ ክስቆረካ መታን ጥልቂ ምስትውዓል ይሓትት፡ ድሕሪ እዚ ትመክሮ ለብዒ’ዚ ናተይ ጥራሕ እይ ዘገድሰኒ፡ ንውልቀይ ኣብ ዝብል ኣክይዳ ክንቕጽል ዝከኣል ከምዘይኮነ የመላኽተና፡ ነዚ ሞጐተ’ዚ እንተድኣ ኣስተውዒልናን ካብቲ ዘጓነፈ ቅልውላው ብእወታዊ ሕቶታት ክንሕተት እንተድኣ ንፈቅድ ኮይንና ብርግጽ ብሉጻት ኮይንና ክንሰግሮ ኢና፡ ነቲ ዘሎ ናይ ንግድን ቁጠባን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዘየናሕስይ ንስራሕ ዓለም ዝዳርግ ክትገልጾ ዘሕፍር ትሑት ክፍሊትን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ስራሕ ክብረትን ዘየገድሶ መኽሰብ ዝብሉ ሕግታትን ስርዓት ኵሉ ክንቕይር ግዲ ዝብለና ኣጋጣሚ እዩ፡ ኩሉ ከምቲ ዝነበሮ ንቕድሚት ክቕጽል ምሕዳጉ ጥፍኣትን ውድቀትን እዩ ኢሎም።

ኣብ ናይ ኢጣሊያ ናይ ሕርሻ ከባቢታት ዝዓዩ ሰራሕተይናታት የድልዩና እዮም፡ ብዘይ ብኣቶም ብዙሕ ነገር ኣይምሃለወን፥ እቲ ድላይናን ድላዮምን ምጥዕዓምን ምርኻብን እምበር እቲ ናቶም ጸገምን ስራሕ ምድላዮምን ብሓጺሩ ጸገሞም ንኽንምዝመዙ ዘፍቕደሎም ከም ቅኑዕ ምኽንያት ገርካ ምጥቃም ገበን እዩ።

ዝሓለፈ ዓመት እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ሰበኻን ናይ ሳን ሰቨሪኖ ቤት ምኽሪ ምሕደራ ከተማን ነቶም ኣብቲ ናይ ሕርሻ ስራሕ ዝዓዩ ግቡእ መንበሪ ቤት ክወሃቦም ዝብል ስምምዕ ተበጺሑ እዩ፡ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ሰበኻ ብዛዕባ እቶም ሰራሕተይናታት ብዙሕ ዝግደስን ስሌኦም እውን ዝተፈላለዩ ምንቕቓሓት ዘሳልጥ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ፥ . . . እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ነቲ ሰብ ከም ውዳቕን ጓሓፍን ዝሓስብን ዝንጽልን ባህሊ ክቕየርን ነቲ ቅኑዕ መገዲ ዝሕብረና ክኸውን ተስፋ እገብር እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ብመዓልታዊ ስራሕ ዝመሓደሩ ዝፍጸም ከቢድ ምዝመዛ
06 May 2020, 19:00