ድለ

ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ናይ ጸሎትን ቅርበትን ፍትሕን ሰብ ነበሩ! ር.ሊ.ጳ

ናይ ሎሚ ሚእቲ ዓመት ይገብር ጐይታ ንቤተክርስትያኑ ክመርሕ ንዓለም ከብርህ ዝመደቦም ካሮል ቮያቲላ መጻኢ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሃገረ ፖላንድ ተሊዶም። ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ነዚ ዕለት’ዚ ብምዝካር ብሓቂ ናይ ጸሎት ሰብ ምስ መጓሰኡ ብቅርበቱ ዝፍለጥ ንዓለም ከኣ ፍትሒ ንክርከብ ዝተጋደሉ ብሓቂ ናይ ቅርበትን ፍትሕን ሰብ ነበሩ እንክብሉ ገሊጾሞም።

ዜና ቫቲካን

ከምቲ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ግዜ መጻብቦ ሱሳታት ዝገለጽዎ ‘ቤተክርስትያን ናይ ጐይታ ስለዝኾነት ባዕሉ ጓሳኣ ሓላዪኣ ስለዝኾነ ነንዘመኑ ዝኾኑ ጓሶት መሪጹ ይልእኽ’ ዝኾነ እንክመስል ኣብ ታሪኽ ዓለምናን ቤተክርስትያንን ቀውጢ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ በቲ ሓደ ወገን ኮሙኒዝም መብዛሕትኤን ምብራቅ ኤውሮጳውያን ሃገራት ተቈጻጺሩ ምስ ሩስያ ዓባይ በጊዕ ኰይነን ካብ ደቡብ ኣመሪካ ክሳብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ርሑቅ ምብራቅን እግዚአብሔር የለን ኢልካ ኣብ ርእሲ ምጭዳር ንቤተክርስትያን ከዕኑ ብምሉእ ሓይሉ ብዝረኤን ዘይረኤን መንገዲ እንኪዋጋእ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ቤተክርስትያን ነቲ ብካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝመጸ ተሓድሶ ኣብ ግብሪ ክንዲ ምውዓል ዓቃባውያንን ገስገስትን ብዝዓይነቱ ብዙሕ ውረድ ደይብ ኣብ ዝነበሮ ግዜ ብብርቱዕ ፈተና ኰስኲሲ ዘሰናደዎ ጓሳ ቤተክርስትያኑ ክኸውን ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ካብ ኤውሮጳን ሃገረ ጣልያንን ዘይኮነ ር.ሊ.ጳ ኰይኖም ዝተመርጹ ከምኡ እውን ንዝነውሐ ግዜ ካብ ዘገልገሉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብሳልሳይ ደረጃ ዝጥቀሱ ታሪኽ ዝሠርሑ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከምዛ ሎሚ ዕለት 18 ግንቦት 1920 ኣብ ዋዶቪሽ ሃገረ ፖላንዳ ተወልዱ። ታሪኾምን ዝገበርዎ ገድልን ዘምጽእዎ ለውጥን ኣብ ካልእ እንምልከቶ ኰይኑ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብቲ ነዞም ቅዱስ ዝተወሰነ መንበረ ታቦት ኣብ ውሽጢ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ ምስ ውሱናት ሰባት መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም።

ነዚ ዕለት እዚ ታሪኻዊ ዝገብሮ ናይ ግዜና ኩነታት እውን ኣሎ። ሃገረ ጣልያን ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ብምኽንያት ሕማም ለበዳ ኮቪድ 19 ኩልኻ ኣብ ገዛኻ ተወሸብ ንዝብል ትእዛዝ ኣዝሊቃ ንኩሉ ዝኸፈተትሉ ነቲ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ንቅዳሴ ሰብ ከይጋባእ ከልኪላቶ ዝነበረት ሕጊ እውን ብመጠኑ ብምፍኳስ ርሕቀትካ ሓሊኻን ዘድሊ ጥንቃቄ ብምግባርን ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስትያን ቅዳሴ ክቅደስ ዘፍቀደትሉ ዕለት እውን ብምንባሩ ቅዱስነቶም ነቲ ብመስኮት መራኸቢ ብዙሓን ካብ ቤተመቅደስ ቅድስት ማርታ ንግሆ ንግሆ ብቀጻሊ ኣብዚ ግዜ ውሸባ ጸኒዖም ዘጽንዕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ እውን ኣብቒዑ ብዘመስል ንምስጋናን ዘድልየና ጸጋታት ብኣማልነት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንምምላድን ሎሚ ንግሆ ብመራኸቢ ብዙሓን እውን ዝተመሓላለፈ ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞ እውን ውሱናት ምእመናንን ውሉደ ክህነትን ዝተሳተፍዎ ቅዳሴ ኣዕሪጎም። ቅዱስነቶም ስብከቶም እንክጅምሩ ንጸሎተ ዘካርያስ ዝመሳሰል ንሕዝቡ ዝበጽሐ እግዚኣአብሔር ይባረኽ ብዝዓይነቱ እግዚኣአብሔር ሕዝቡ በጽሔ ኢሎም።

እግዚአብሔር ሕዝቡ በጽሐ!

ግዝያት ክጽግሙ ክኸብዱ ዘሸግሩ ክኾኑ ይኽእሉ። ጐይታ ታሪኽ ዝኾነ እግዚአብሔር ግን ነንግዜኡ ዘገልግሉ ቅዱሳን ሰባትን ነቢያትን ብምልኣኽ ሕዝቡ ከምዝበጽሕን ከምዘጸናንዕን ኣብ ኦሪት ብዙሕ ተተሪኽሉ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ከኣ ብምጽኣት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸያሔ ፍኖት ዮሓንስ መጥምቅን ፍልይ ዝበለ ምብጻሕ ከምዝገብረ ርዱእ እዩ። ነታ ተልእኮኡ ክትቅጽል ሓደራ ዝበላ ቤተክርስትያኑ እውን በብግዜኡ ቅዱሳትን ነቢያትን ዝኾኑ ይሰድድ። ቅዷስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እውን ኣብቲ ጽንኩር ጐይታ ንቤተክርስትያኑ ዝለኣኾ ቅዱስን ነቢይን እዩ ክንብል ንኽእል ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣሕጽር ኣቢሎም ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“ኣብ ሕይወት ቅዱስ ዮሓንስ ካልኣይ ብእግዚኣአብሔር ዝተላእከ ሰብ ንርኢ! ምልኣኽ ጥራይ ዘይኮነ ብእግዚኣአብሔር ዝተሰናደወ መዓርገ ጵጵስናን ር.ሊ.ጵጵስናን ኣልቢሱ ንቤተክርስትያን እግዚኣአብሔር ክመርሕ ዝተመዘዘ ሰብ ንዕዘብ። በዚ ከኣ ሎሚ መዓልቲ ጐይታ ንሕዝቡ በጺሑ ክንብል ንኽእል። እዚ ሰብ እዚ ናይ ጸሎት ሰብ እውን ነበረ ኢሎም።”

ናይ ጸሎት ሰብ!

ቅዱስነቶም ከም ልማዶም ሓደ ክልተ እናበሉ ሕይወት ቅዱስ ዮሓንስ ካልኣይ እንክንዕዘብ ሠለስተ ነገራት ንምልከት ማለት ጸሎት ቅርበት ናብ መጓሰኡ ምሕረት ዝመለለዪኦም ነበሩ ኢሎም።

“ጻዕቂ ሥራሖምን መደባቶምን እንክትርእዮ ዕረፍቲ ዘይህብ እኳ እንተነበረ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ወትሩ ንጸሎት ዝኸውን ግዜ ይረኽቡ ነበሩ። ቅድሚ ዝኣገረ ቀዳማይ እጃም ሥራሕ ሓደ ጳጳስ ጸሎት ከምዝነበረ ብሓቂ ተረዲእዎም ነበረ። እዚ ከኣ እቲ ቀዳማይ ትምህርቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ መጽሓፈ ግብረሐዋርያት እንረኽቦ እዩ። ቀዳማይ እጃም ሥራሕ ሓደ ጳጳስ ጸሎት እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ከኣ ነዚ ብሓቂ ፈለጥዎ ቃል ብቃሉ እውን ሰዓብዎ ኣብ ግብሪ ኣውዓልዎ። ብሓቂ ዕውት ሰብ። እታ ካልኣይቲ ባህርዮም ከኣ ወትሩ ኣብ ጥቃ መጓሰኦም ኰይኖም ኣሎኹ ምስ በሉን ቅርበቶም ምስ ገልጹን እዩ።”

ወትሩ ኣብ ጐድኒ ሕዝቡ!

ኣብ ታሪኽ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ንቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ስዒቦም ካብ ቫቲካንን ሃገረ ጣልያንን ወጻኢ ክሳብ ኣፍሪቃ ሓውጾተ ኖልዎ ብምግባር ንዝተኸፍተሎም በሪ ስዒቦም ቅድሚ ሕጂ ዘይተገብረ ድሕሪ ሕጂ እውን እንድዒ ዘብል ንዓለም ምሉእ ካብ ጻት ናብ ጻት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብምግባር ወትሩ ምስ ሕዝቦም ኣብ መንጎ ሕዝቦም ኰይኖም ክምህሩ ከጸናንዑ ክቅድሱ ዝተረኽቡ እዮም። እዚ ቅርበት እዚ እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን እንርእዮ ቅርበት እግዚኣብሔር ምስ ሕዝቡ ዝመሳሰል እዩ። ናይ እግዚኣአብሔር ቅርበት ብምሥጢረ ሥጋዌ ተፈጺሙስ ኢየሱስ ሕያዋይ ጓሳ ኰይኑ ኣብ መንጎ ሕዝቡ ክመላለስ ተራእዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ እውን ነዚ ኣብነት ሕይዋውይ ጓስ ዝኾነ ኢየሱስ ተኸቲሎም ንናኣሽቱስ ይኹን ንዓበይቲ ርሑቅ ንዘለውስ ይኹን ቀረባ ንዘለው ናባኦም ብምስሓብ ኣብ ግብሪ ኣውዓልዎ። ፈታውን ጸላእን ኣብ ዘይትፈልየሉ እውን ነታ ሣልሰይቲ መለለዪቶም ማለት ናይ ምሕረት ሰብ ናይ ፍትሒ ሰብ እኳ ደኣ ናይ ምሕረታዊ ፍትሒ ሰብ ነበሩ።

ናይ ምሕረታዊ ፍትሒ ሰብ!

ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ብብዙሕ ፈተና ዝሓለፉ ፍትሒ ክትጒጸጽ ጽንተት ካልኣይ ውግእ ዓለምን ካልእ ዓመጽን ዝረኣዩ ብምንባሮም ንፍትሒ ዝነበሮም ፍቅሪ ሕሉፍ ምዃኑ ዝገለጹ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እዚ ፍቅሪ ፍትሒ እዚ ግን ዝለዓለ ጥርዙ ብምሕረት ከምዝገልጽዎ ኣመልከቱ። ስለዝኾነ ከኣ ናይ ፍትሕን ናይ ምሕረትን ሰብ ነበሩ። ነዚ ምሕረት እዚ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ንምስፋሕ ከኣ ቀንዲ ኣነቃቃሒ መለኮታዊ ምሕረት ኰይኖም እግዚአብሔር መሓሪ እዩ ፍትሒ እግዚኣብሔር ከኣ ምሕረት እዩ እንክብሉ እዚ ብዓቢ ኣኽብሮት እነብዕሎ በዓል መለኮታዊ ምሕረት ኣወጁ ብዕለቱ እውን ንሰማይ ሓለፉ።

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንኹልና ብሕልፊ ከኣ ንጓሶት ጸጋ ጸሎት ጸጋ ቅርበትን ጸጋ ምሕረታዊ ፍትሕን ፍትሓዊ ምሕረትን ክዕድለና ንለምን እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።  

ብድምጺ ንምክትታል!
18 May 2020, 14:00