ድለ

መንፈስ ቅዱስ መንፈስ ቅዱስ  

ጰራቅሊጦስ፡ ንናይ ሎሚ ክርስቲያን እማም መንፈስ ቅዱስ

መንፈስ ቅዱስ “ረቂቕ ነገር ኣይኮነን” ሕይወትና ዝልውጥ ኣካል እዩ፡ ልክዕ ከምቶም ዋላ’ኳ ዝተንስአ ኢየሱስ ብዓይኖም ዝረኣዩ እንተነበሩ ፈሪሖምን ተዓጽዮምን ሕይወቶም ከምዝለወጠሎም፡ ድሕሪ ጰራቅሊጦስ “ናብቲ ዘይፍሉጥ ኩርናዕ ዓለም ቃል ወንጌል ብዘይ ፍርሒ ክሳብ ሕይወት ኣሕሊፍካ ብምሃብ እውን ንኽከበስሩ ህንጡያት ንምዃን ከምዝበቕዑ”

ብዛዕባ ጰራቅሊጦስ ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ዘይፍሉጥ ኣካል እምነትና” ብጽሞናን ዳርጋ ብሕቡእ ክትብሎ ብዝከኣል ኣገባብ ዝዓዪ፡ ሓሴትን ሰላምን ፍቕርን ዝጽግው ትንሱኣት ደቂ ኣግዚኣብሔር ኮይንና ንኽንነብር ዘብቅዕ፡ ንኣኡ ምስጋን ይኹኖ ከም ኣሕዋት ክንርአአይ ኣኽእሎት ኣሎና፡ ብዝብል ሓሳብ ይገልጽዎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መንፈስ ቅዱስ ገባሬ ኵሉ፡ ግና ኣይርኣይን፡ ሳዕቤናቱ እያቶም ዝረኣየኡ፥ ስለዚ ዝተኸፍተ ልቢ ይሓትት፡ ትሑት ዝተሓብኤ ፍቕሪ፥ ገዛእ ርእሱ እግዚኣብሔር ዝኾነ፡ ዕለት ብዕለት ዝዛረብ፡ ኣብቲ ጫውጫውታና ዝተዋሕጠ፡ ስለዚህ ንምስማዑ ጽሞና የድሊ፡ መን እዩ መንፈስ ቅዱስ ኣንታይ እዩ ኸ ዝብለና?

ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ክርስቲያ ኣይኮንናን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ መንፈስ ቅዱስ - “ዘይፍሉጥ ናይ እምነትና ኣካል” እንክብሉ ገሊጾም፥ ይዅን ደኣ እምበር ብዘይ ንሱ ክርስቲያን ምዃን ዝየከኣል እዩ፡ ብዘይ በኣኡ ቤተ ክርስቲያን ኮነት ተልእዀኣ እውን ኣይምሃለወን፡ ብዘይ ብኣኡ ጽምዳዊ ገጽ ዘለዎ ክርስትና ኢና እንነብር፡ ናይ ቃል፡ ብተግባር ግና ናይ ዓለም ዝኾነ ዓይነት ኣነባብራ ክርስትና ምሃለወና።

መንፈስ ቅዱስ ትንሱእ ሕይወት የንብረና

መንፈስ ቅዱስ “ረቂቕ ነገር ኣይኮነን” ሕይወትና ዝልውጥ ኣካል እዩ፡ ልክዕ ከምቶም ዋላ’ኳ ዝተንስአ ኢየሱስ ብዓይኖም ዝረኣዩ እንተነበሩ ፈሪሖምን ተዓጽዮምን ሕይወቶም ከምዝለወጠሎም፡ ድሕሪ ጰራቅሊጦስ “ናብቲ ዘይፍሉጥ ኩርናዕ ዓለም ቃል ወንጌል ብዘይ ፍርሒ ክሳብ ሕይወት ኣሕሊፍካ ብምሃብ እውን ንኽከበስሩ ህንጡያት ንምዃን ከምዝበቕዑ”። ሕይወት ናታቶም “ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስ ብልብኻ እንተድኣ ዘየአንገድካዮ ምርኣዩ ንበይኑ እኹል ከምዘይኮነ የረጋግጸልና። መንፈስ ቅዱስ እዩ ኢየሱስ ኣብ ሕይወትና ዘንብርን ዳግም ዘሀልውን፡ ኣብ ውሽጥና የተንስኦ” (ዕለት 9 ሰነ 2019 ዓ.ም. ስብከት ኣብ በዓለ ጰራቅሊጦስ)።

ንመንፈስ ቅዱስ ምስጋና ይኹኖ፥ ደቂ ኣግዚኣብሔርን ኣሕዋት እውን ንኸውን

እቲ እውነተይና ሓድሽ ናይ ትንሱኣን ሕይወት፥ ብሓጢኣት ዝዓነወ ሕይወትና ምስ ኣቦ ዝነበሮ ርክብ ዳግም ምጥማር ማለት እዩ። ናይ ኢየሱስ ተልእዀ፥ “ካብቲ ዘኽታማት ኩነትና ምውጻእን እቲ ብእግዚኣብሔር ዝተፈቕሩ ውላዱ ምዃንና” ዳግም ምጽጋው እዩ። ናይ እግዚኣብሔር ኣቦነት ኣባና ዝነቓቓሕ ንናይ ክርስቶስ ናይ ምድሓን ተግባርን ንጸጋ መንፈስ ቅዱስን፡ ነዚ ምስ ኣብን ወልድን ንዘሎና ርክብ ምስጋና ይኹኖ “መንፈስ ቅዱስ ሓድሽ ናይ “ሕውነት መንፈስ” ኣባና የስርጽ። “ብኢየሱስ ኵላዊ ሓው፡ ምስ ካልኦት ሓድሽ ርክብ ይህልወና፡ ከም ዘኽታማት ዘይኮኑ ከም ደቂ ሓደ ሰናይን መሓርን ኣቦ ንኽንከውን የብቅዓና።  እዚ ኩሉ ይልውጥ! ከም ኣሕዋት ንኽንረኣኣይ የኽእለና” (ዕለት 15 ግንቦት 2016 ዓ.ም. በዓለ ጰራቅሊጦስ)።

መንፈሳዊ ሰብ ኣብቲ ግጭት ዘለሉ ስኒት የብጽሕ

ኣባና ኢየሱስ ክብ ክብልን ክዓብን መታን ንሕና ትሕት ንክንብል፡ እቲ ስግኣት ንኢየሱስ ኣክንዲ ምግልጋል ንኣኡ ንረብሓና መገልገሊ ምግባር ዝብል እዩ፡ እቲ መገዲ ካብ ኢጐ-ማእከላውነት ብምርሓቕ ካብ ገዛእ ርእስና ምውጻእ እዩ፡ እዚ ዝከኣል በቲ መንፈስ ቅዱስ ኣባና ብዘነቓቕሖ ጸሎት እዩ፡ “እቲ ናይ ኢጐነት ቀጽሪ እንተድኣ ኣሊናዮ ካብ ገዛእ ርእስና ክንወጽእ ኢና ምስ ካልኦት ንኽንራኸብን ንኽንድግፎምን ናብኦም ክንብል ኢና። መንፈስ እግዚኣብሔር እዩ ነዚ ኣባና ክኡል ዝግበር፡ ኣባና እቲ ዘይንፈልጦ፡ ነቲ ጽቡቕና ዘይደልይ ናይ ምምሓርን ምፍቃሩን ብቕዓት ንኸነስተውዕል ዝድርኸና መንፈስ እግዚኣብሔር እዩ” (ዕለት 29 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ኣብ ኢስጣምቡል ኣብ ዝለገስዎ ስብከት)። ብመንፈስ ቅዱስ ዝነብር ምስሕሓብ ኣብ ዘለሉ ሰላም የብጽሕ፡ “መንፈሳውያን፥ ኣክንዲ ክፋእ ሰናይ፡ ኣክንዲ ትምክሕቲ ጥበብ፡ ኣክንዲ ተንኰል ሕያውነት ኣክንዲ ሕሜታን በለካን ለኸዓካን ጸሎት፡ ኣክንዲ ተሰዓርነት ፍሽኽታ” ዝነብሩ እያቶም፡ መንፈሳዊ ንምዃን ኣብ ቅድሚ ጠመተና ናይ መንፈስ ቅዱስ ጠመተ ምንበር ይሓትት” (ዕለት 9 ሰነ 2019 ዓ.ም. ስብከት ኣብ በዓለ ጰራቅሊጦስ)።

መንፈስ ቅዱስ ኣብቲ ብዙሕነት ሓድነት ይፈጥር

ምግምማዕ ኣብ መንጐ ክርስቲያን እቲ ዝዓበየ ካብ እምነት ዘርሕቕ ዕንቀፋት እዩ፡ ዲያብሎስ ይገማምዕ “መንፈስ ቅዱስ ግና ነቲ ሓድሽ ሕዝቢ ሓዋርያ ይግበር” ስለምንታይ “ሓድሽ ልቢ ስለ ዝፈጥር”፡ “ንነፍሲ ወከፍ ጸጋ ይጽግውን ንኹሉ ኣብ ሓድነት የጠራንፍ፡ ብኻልእ ኣገላልጻ፥ ንሱ እቲ መንፈስ ቅዱስ ብዙሕነትን ሓድነትን ዝፈጥር እዩ”፡ “እቲ እውነተይና ሓድነት ካብ እግዚኣብሔር ዝመጽእ ሓደ-ዓይነታውነት ማለት ዘይኮነ፡ ኣብ ብዙሓነት ሓድነት ማለት እዩ። ስለዚ እቲ ብዙሕ እዋን ኣብ ቅድሚ ዝረአይ ፈተና ብቐዳምነት ብዙሓነት ብዘይ ሓድነት ዝብል፡ እዚ ኸኣ ጉጅላውነትን ሰልፍታትን ምስ ዝቐውም ኣብ ዝንጽሉ መትከላት ንቕጽ ምስ ዝበሃል . . . ገዛእ ርእስኻ ብሉጽ ገርካ ምሕሳብን . . . ኣክንዲ ኣሕዋት ምዃን ናይትን ናይዝን ደገፍ ብምዃን ምፍልላይን . . . ዘመም የማን ክርስቲያን ወይ ከኣ ዘመም ጸጋም ክርስቲያን ቅድሚ ናይ ኢየሱስ ምዃን ምስ እነቐድም፥ . . . እዚ ብዙሕነት ብዘይ ሓድነት እዩ፡ ናይዚ ተጻራሪ ገጽ ከኣ ብዘይ ምፍልላይ ሓድነት ምፍጣር ዝብል እዩ”። ሓደ ዓይነታውነት ኩሉ ብግዲ በዚ ኣገባብ እዚ ክሓብርን ክወሓሓጥን ወይ ሓደ ዓይነታውነት ምግባር፥ ንኹሉ ብሓደ ሓሳብ ብጥቕልሉ ምምልካት” ዝብል፥ መንፈስ ቅዱስ ግና “ብዙሓነት ይፈጥር” ኣስዒቡ “ሓድነት ይኽውን፥ የራኽብ ስኒት ይፈጥር” (ዕለት 4 ሰነ 2017 ዓ.ም. ኣብ በዓለ ጰራቅሊጦስ)።

ናይ ምሕረት መንፈስ የጠራንፈና

ሓድነት ዝከኣል ኣብ ምሕረት እዩ፡ “ኢየሱስ ነቶም ንበይኑ ጠንጢኖምዎ ዝኸዱ ሰዓብቱ ኣይኮነኖምን፡ ኣብ ሕማማቱ ተኻሒዱን፡ ይኹን ደኣ እምበር ንኣኣቶም ናይ መሕረት መንፈስ ዓደሎም፡ መንፈስ ቅዱስ እቲ ናይቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስአ ቀዳማይ ህያብ (ጸጋ) እዩ። እዚ ብጋሰ ቤተ ክርስቲያን እዩ፡ ዘጠራንፍ፡ ንሕጡብ ማቶኒ ዘላግብ ቸመንቶ - ቤት ዝፈጥር፡ ቤተ ምሕረት፡ ምሕረት ናይ ጸጋ ሓይልን እቲ ዝዓበየ ፍቕርን እዩ፡ እቲ ዘሕብር ምፍራስን ምፍርኽኻስን ከይህሉ ዝገብር፡ ምሕረት ልቢ ናጻ ይገብርን ዳግም ብጋሴ የኽውንን፡ ተስፋ ዝህብ፡ ብዘይ ምሕረትን ይቕረ ምብህሃልን ቤተ ክርስቲያን ምሕናጽ ዘይከኣል እዩ፡ ናይ ምሕረት መንፈስ ኩሉ ኣብ ምስምማዕ ዝዛዝም ካልእ መገዲ ንኸይንስዕብን ኣይፋል ንኽንብል ይድርኸና፡ ናይ ህዉኽ ፈራድነትን መውጽኢ ኣብ ዘይብሉ መገዲ ኩሉ ኣይፋል ንኽንብል ይድርኸና . . . ሓደ መውጽኢ ዘይብሉ እቲ ንኻልእ ምፍራድ ዝብል ዘይኮነ ካልእ ክልተ መተሓላለፊ ዘለዎ መገዲ፡ ንሱ ኸኣ ምሕረት እትቕበለሉል እንትህበሉን ዘቕውም እዩ” (ጵዕለት 4 ሰነ 2017 ዓ.ም. በዓለ ጰራቅሊጦስ)።

እግዚኣብሔር ሎሚ እውን ይዛረብ

መንፈስ ሓቂ ወትሩ ተራኻቢ እዩ (ይዛረብ) ናብቲ ናይ ኢየሱስ ቃል ብምልኣት ንኽንኣቱ የብቅዓና፡ ናይ ወንጌል ሕዳሴን ሕያው ቃልን ንኽንነብር፡ ስለምንታይ ከምቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዝገበ ትምህርቲ ሃይማኖት ዝብሎ፥ ወንጌል “ናይ ሃይማኖት መጽሓፍ” ኣይኮነን፡ ዝተቐለመ ዓባስ ቃል ኣይኮነን፡ በንጻሩ ናይ እግዚኣብሔር ቃል እዩ፡ ማለት እቲ ዝተሰግወ ህያው ቃል ማለት እዩ፡ ስለምንታይ ኩሉ ትሕቲ ቁጽጽርና ምስ ዝኸውን ባዕልና ምስ እንሓንጾን ውሕስነት ስለ ዝስምዓናን፡ ሓድሽ ነገር ወይ ሕዳሴ ዘበለ ኵሉ ብዙሕ እዋን ኣባና ፍርሒ ይፈጥር፡ ብእንሕንጽጾ መደባት ሕይወትና ስለ ንውጥንን ባዕልና ከም ቃሕታና እንኽውኖ ስለ ዝኸው ውሕስነት ይስምዓና፡ እዚ ኣገባብ’ዚ ንእግዚኣብሔር ንስዕብ ክንብል እንከለና እውን ንነብሮ ክኸውን ዝክኣል እዩ፡ ብዙሕ እዋን ንስዕቦን ንቕበሎን እዚ ግን ክሳብ ዝብል እዩ፡ ብምሉእ ተኣማንነት ገዛእ ርእስ ነቲ መንፈስና ንዝመርሕ መንፈስ ቅዱስ ከይሓደግና ኣብኡ ዘይነወክፍ ምስ እንኸውን፡ ኣብ ኩሉ ምርጭታትና . . . ነቲ ኣብ ሓደስቲ መገዲ ንኽንጓዓዝ ዘብቅዓናን ካብቲ ናይ ገዛእ ርእስና ውሱን ዕጽውነትን ንኣይነትን ዝብል ጥማቶና ንኽንወጽእ ዝገብረና እግዚኣብሔር ንፈርሖ፡ ኣብቲ ናይ ድሕነት ታሪኽ ኩሉ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ሓድሽነት እዩ ዝግለጽ፡ . . . ዝልውጥን ምሉእ ብምሉእ ኣብኡ ንኽትኣምን ዝሓትት” (ዕለት 19 ግንቦት 2013 ዓ.ም. በዓለ ጰራቅሊጦስ)።

ንመንፈስ ቅዱስ ምቅዋም፥ ንኸተዘበይቶ - ንኽትውንኖን ናይ ምድላይ ፈተና

ብዙሕ እዋን ኣባና ንመንፈስ ቅዱስ ናይ ምቅዋም ፈተና ህልው እዩ፡ ስለምንታይ መንፈስ ቅዱስ ኩሉ ውጥናትካን ልምድታትን ዝልውጥን ዘንቀሳቕስን ስለ ዝኾነ፡ ንኽትጓዓዝ ይገብር፡ ቤተ ክርስቲያን ንቕድሚት ንኽትብል ይድርኽ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ መርገጺ ኣጣጢሕካ ምትራፍ ቀሊል እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ንመንፈስ ቅዱስ እምንቲ ምዃና እትምስክር ንኣኡ ከተዘበይቶን ክትቖጻጸሮን ይግብኣኒ ምስ ዘይትብል ጥራሕ እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ገዛእ ርእሳ ተዓጽያ ካብ ገዛእ ርእሳ  ምጥማት ፈተና ምስ እትርሕቕ ንመንፈስ ቅዱስ እምንቲ ምዃና እያ ትገልጽ፡ ንሕና ክርስቲያን ልኡኻትን ሕልና እነነቓቕሕን ንሕልና ሕቶ እንኸውን ገዛእ ርስና ካብ ምክልኻል ተላቒቕና ብመንፈስ ቅዱስ ንኽንምራሕ ምስ እንፈቕድ እዩ። ንሱ “ሕዳሴን መሃዝነትን” እዩ፡ “መንፈስ ቅዱስ ቀልብና ብሚሳል ዝመልእ ዘይኮነ ልቢ ዘጎሃህር (ዘወዓውዕ) እዩ”። “ኩሉ ክርድኦ ዝኽእል ኣገልግሎት ፍቕሪ ንምቕራብ ይድርኽ” (ዕለት 29 ሕዳር 2014 ዓ.ም.)።

ተልእኾ ናይ መንፈስ ቅዱስ ናብ ዓለም ኩሉ ምብጻሕ እዩ

ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ተልእኾ የሎን - ኣይምሃለወን እውን። ተልእኾ ናትና ተግባር ዘይኮነ ጸጋ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ፍርሒ ንናይ “መንፈስ ቅዱስ ተግባር” ክፉታት ዝኾኑ፡ ወንጌል ብትብዓትን ብናጽነት ኩሉን ብዓውታን ኣብ ኩሉ ግዜን ቦታን ብዘይ ምምስሳል ዝምስክሩን ወንጌላውያን እዮም ዘድልይዋ (ናይ ወንጌል ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ፍቕዲ 259)። “ተልእኾ ንኢየሱስን ንሕዝበ እግዚኣብሔር  ውዕዉዕ ፍቕሪ ከምዘሎካ ምስትዓል እዩ፥ እዚ ዝስቆሮም ወንጌላውነት ማለት እዩ” (ናይ ወንጌል ሓሴት ፍቕዲ 270)። “እቲ ምስ ዓለም ዘሎና ርክብ ንዘሎና ተስፋ ምኽንያት ምሃብ እምበር ንኻልኦት ከም ጸላኢ እናጠመትካ ኣእዳውካ ዊጥ እናበልካ ብምፍራድ ኣይኮነ” (ናይ ወንጌል ሓሴት ፍቕዲ 271)። ናይ ብጻዩ ሰናይ ዝደልን ናይ ካልኦት ሓሴት ዝምነን ጥራሕ እዩ ልኡኽ ክኸውን ዝክእል” (ናይ ወንጌል ሓሴት ፍቕዲ 272)፡ ንሓደ ጥራሕ እውን ይኹን ጽቡቕ ንኽነበር እንተድኣ ሓጊዘ እዚ ንገዛእ ርእሱ ሕይወተይ ምውፋየይ እዩ ዘረጋግጽ” (ናይ ወንጌል ሓሴት ፍቕዲ 274)፡ ሓሴትን ሰላምን ፍቕርን ናይ መንፈስ ቅዱስ ፍረ እያቶም።

ጰራቅሊጦስ፡ ንናይ ሎሚ ክርስቲያን እማም መንፈስ ቅዱስ
30 May 2020, 15:50