ድለ

ናይ “ወንጌል ሓሴትን” ለብዕን፥ ጸብጻብ መዝገበ ዕለት ሻውላይ ናይ “ወንጌል ሓሴትን” ለብዕን፥ ጸብጻብ መዝገበ ዕለት ሻውላይ 

ናይ “ወንጌል ሓሴትን” ለብዕን፥ ጸብጻብ መዝገበ ዕለት ሻውላይ

ቁምስና ቅዱስ ዃዋን ቦስኮ (ዮሓንስ ቦስኮ) ኣብ መዓልቲ ክሳብ 2500 መኣዲ ብወለንተይናታትን ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ኣቢሉ ዘቕርቦ ሓገዝ ከምዘሎን እዚ ሓገዝ እዚ ብፍላይ ነቶም ኣዚዮም ንኽትገልጾ ንዘጸግም ሓሳር ንዝተቓልዑ ዓቢይ ድጋፍ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ናብ ጳጳሳዊ ተልእኮ ወንጌል ተግባር ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ወግዓዊ ኣብ ዝኾነሉ ዕለት “Quarantena - ውሸባ” ብዝብል ኣርእስቲ ቅዱስነቶም ህቡብ ገጣማይን ደራፋውይን (ጀንቫ፣ ዕለት 18 ለካቲት – ሚላኖ፡ ዕለት11 ጥሪ 1999 ዓ.ም.) ፋብሪዚኦ ደ ኣንድረ ብዛዕባ ዝተገድአ ክፍለ ከተማ (ገዛውቲ) ዝበሎ ሓሳብ ዝጠቐሱሉ ናይ መቅድም ጽሑፍ ዘንበሩሉን ብጋዜጠያናን ደራስን አልቨር ሜታሊ ዝተደርሰ ብቤት ማሕተም ቅዱስ ጳውሎስ ዝተሓትመ ጦማራዊ መጽሓፍ (ebook) ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቕዔ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሉቾ ብሩነሊ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅሱነቶም ኣብቲ ዝደረስዎ መቕድም “ነዛ ምጸብጻብ መዝገበ ዕለት” መጽሓፍ ምንባብ ንዓና ክሕሸና እዩ” እክብሉ ይምዕዱ፡ እታ መጽሓፍ ብዛዓባ ኣብ ኣርጀንቲና ዝርከብ እቲ ዝዓበየ ደጋዊ ክፍለ ከተማን ህልውናን ተባሂሉ ዝንገረሉ “La Carcova - ላ ካርኮቫ” ኣብ እተሰምየ ሻውላይ ክፍሊ ከተማ ኣብዚ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ዝንበር ዘሎ ሕይወትን ዝስማዕ ታሪኽን ኣምርን ፍካሬን ገይሩ ከም መዝገብ ዕለት ጸብጻብ ይዝንተው፥ እቲ ዛንታ ምህዞ ወለድ ዘይኮነ ዕለታዊ ተመክሮ ሕዝቢ ላ ካርኮቫ እዩ፡ ጭቡጥ ስቓይን ተነጽሎን ሕራጐትን ነቲ ናይቲ ህዝቢ ስቓይ ንምእላይ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዝፍጽሞ ግብረ ሰናይን ብፍላይ ኣብዚ እዋን ለብዒ ኮቪድ 19 ኣብ ዝብእሰሉ ዘሎ እዋን፡ ኵለ መደያዊ ስቓይ ዝግ ንምባል ዝቐርበሉ ዘሎ ሓገዝ ዝምስከረሉ ዘሎ ቀረባውነትን ብጸብጻብ ዕለታዊ መዝገብ ዘቕርብ መጽሓፍ እዩ። ብፍላይ ምውሻብ እቲ ናይቲ ሻውለይ ተቐማጢ ከከም ኵነትን ዕለትን ዘጓንፎ ዝነበረ መዓልታዊ ስራሕ ክስእን ከምዝገበረን እቲ ቤተ ሓሳር ተባሂሉ ዝግለጽ ሻውላይ ሕዳግ ከባቢ ዕለታዊ መግቢ ንምርካብ ዘጋጥሞ ዘሎ ጸገም ክትገልጾ ዘይከኣል ምዃኑ ዝሕብር መጽሓፍ እዩ።

ቁምስና ቅዱስ ዃዋን ቦስኮ (ዮሓንስ ቦስኮ) ኣብ መዓልቲ ክሳብ 2500 መኣዲ ብወለንተይናታትን ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ኣቢሉ ዘቕርቦ ሓገዝ ከምዘሎን እዚ ሓገዝ እዚ ብፍላይ ነቶም ኣዚዮም ንኽትገልጾ ንዘጸግም ሓሳር ንዝተቓልዑ ዓቢይ ድጋፍ ከምዝኾነን፡ እቲ ለብዒ ንኸይብእስ ዘድሊ ጥንቓቔ ብምግባር እቶም ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ኣመታት ኣዚዩም ውሩይ ንምዃን ዝበቕዑ ጋዜጠይናን ደራስን ከም ተራኺ ዜና መዋዕል ዘጋባይ ብምዃን ዘይኮነ ነቲ ኣብ ማእከል ቦኖስ ኣይረስ ዝርከብ እዋናዊ ቤቶም ሓዲጐም ኣብ ላ ካርኮቫ ንምንባር ዝመረጹን ኣብ መንጐ እቶም ኣብ ሓሳርን መከራን ዝርከቡ ሓደ ከምቶም ናይቲ ሻውላይ ተቐማጢ ኮይኖም ናይቲ ሕዝቢ ተመክሮ ናቶም ገይሮም ዘዘንትውዎ ሓቀይና ታሪኽ እዩ። ናብቲ ሻውላይ ዘኸዶም ከኣ ምስክርነት ኣባ ፐፐ ከምዝኾነን እዚ ድማ ክርስቲያናዊ ጸዋዕታኦም ብሓሴት ንኽነብርዎ ስለ ዝደረኾም ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ብሩነሊ ኣፍሊጦም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝደርዎ መቕድም ደ ኣንድረ፥

“ናይቲ ሰናይ ኣምላኽ ጸሓይ ጮራ ዘይበጽሖ ስለምንታይ እታ ጸሓይ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከብ ካልእ ክፍለ ከተማ ንኸተማሙቕ ስለ ዝተጸምደት” ዝብሎ ጠቒሶም . . .  እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝቐርብ ዘሎ ምስክርነት ብእግዚኣብሔር ዝርሳዕ ሓደ’ኳ ከምዘይህሉ እዩ የረጋግጸልና። ዋላ’ኳ ጸላምን ብርሃን ዘይብሉ ዝመስል እውን ይኹን ናይ እግዚኣብሔር ጩራ ዘይበጽሖን ዘየማሙቖን እንተዝኸውን ነይሩ ዘይፍሉጥን ዘይርእዩን ኮይኑ ምተረፈ

እንክብሉ ከምዘብርሁ ብሩነሊ ሓቢሮም።

እዚ ናይ ወንጌል ሓሴት እዩ፥ ኣብቲ ከባቢ ኣባ ፐፐ ቅድሚ ምብጻሖም ምናልባት ናይ ጨሓይ ጩራ ዘይበጽሖ ዝተረስዔ ነይሩ ክትብሎ ይከኣል፥ ኢድን እግርን እግዚኣብሔር ኮይኖም ናይ ወንጌል ሓሴት ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ዝምስክሩ ናብኡ ከብሉን ኣብኡ ክዓዩን ክትርእይ እንከለኻ ጸሓይ እግዚኣብሔር ዘይበጽሖ ቦታ ከምዘየለ ተስተውዕል፡ ናይ ወንጌል ሓሴት ዝንገር ቅድሚ ምዃን ዝንበር ምስ ዝኸውን ኣስዒብካ ምስ እተነግሮ ሰማኢ ይርከብ።

ናይ “ወንጌል ሓሴትን” ለብዕን፥ ጸብጻብ መዝገበ ዕለት ሻውላይ

 

23 May 2020, 16:34