ድለ

ምስ ኢየሱስ ኰንካ ዘይውጻእ ዓቀብ ዘይወግሕ ለይቲ የለን! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 26 ሚያዝያ 2020 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ዝትመሓላለፈ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ቅድሚ ምምራሖም 'ልብና ንኢየሱስ ምኽፋትን ወንጌሉ እናኣንበብካ ቃሉ ምስማዕን ዘድልየካ ጸጋ ምልማኑን የድሊ ከመይ እንኮ እውነተኛ መንገዲ ንሱ ስለዝኾነ' እንክብሉ ኣስተምሂሮም።

ዜና ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ወንጌል ናይቶም ድሕሪ ሞትን ቀብርን ኢየሱስ ሽሕ'ኳ ገሊኤን ኣንስቲ ኣብ መቃብር ስኢናዮ እንተበላ ጴጥሮስን ዮሓንስን እውን ከይዶም ኣብ መቃብር ዘይምንባሩ እንተኣረጋገጹ ፍርሕ ረዓድን ወሪርዎም ኣሮማይ ፈሺሉ ኢሎም ብናይ ተስፋ ቊርጸት መንፈስ ካብ ኢየሩሳሌም ተላዒሎም ናብ ኤማኡስ ዝበሃል ዓዲ ክኸዱ እንከለው ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መንገደኛ መሲሉ ሕውስ ዝበሎም እሞ ጉዳዩ ሓቲቱ በብሓደ ንቅዱስ መጽሓፍ ምስ ገለጸሎም ጸሓይ ዓራርቦ ስለዝነበረ ምሳኦም ኪሓድር ለሚኖም ምስ ኣላገሰ እንጌራ ባሪኹ ቈሪሱ ምስ ሃቦም ኣዕይንቶም ከምዝተኸፍታን ካብቲ ኣንቂዶምሉ ዝነበሩ ምዝላቅ ዳግም ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሶም ንሓዋርያት ኢየሱስ ከምዝተንሥኤ ከምዝረኣይዎ ክነግሩ ክብሉ እቲኦም እውን ድሮ ትንሣኤኡ ከምዘረጋገጹ ብታሕጓስ ዘዕለልዎ ዝገልጽ ክፍሊ ወንጌል ሉቃስ 24 ነበረ።

እዚ ፍጻሜ እዚ ሡር ነቀል ለውጢ ኣብ ኣተሓሳስባን ኣብ ሕይወትን ዘምጽእ ንነገራት ብሓዲስ መንገዲ ከምእትጥምቶምን እትርድኦምን ዝገብር ዝዓበየን ሓቀኛ ብዝኾነ ሕይወት ኰይኑ ንሱ ከኣ ፍቅሪ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ቅዱስነቶም ንናይ ዕለቱ ወንጌል መልእኽቲ ሕጽር ብዝበለ እንክገልጹ ወዲሰብ ሽሕ'ኳ ሓዘንን ሓጐስን ዝተፈራረቆ ሕይወት እንተለዎ ብዙሕ ግዜ ካብ ብርቱዕ ሓዘን ናብ ሓጐስ ክትሰጋገር ብጣዕሚ ኣጸጋሚ ከምዝኾነ እቲ ቀንዲ ጸገም ከኣ ኣነ ኣብ ዝብል ኣምር ዕንክሊል ምባል ስለዝኾነ ነዛ ኣነ ትብል ኣምር ብኣምላኽ እንተንትክኣ ብቀሊሉ ንዝኾነ ጸገም ንዝኾነ ሓዘን ክንሰግር ንኽእል ኢሎም።

“ኣብ ጉዕዞ ሓዘን ማርሻ እንድየትሮ ገርካ ንድሕሪት ናብቲ ዝነበረ ሓጎስ ንምስግጋር ምሥጢሩ ካብ ኣነ ዝብል ሓሳብ ናብ እግዚአብሔር ዝብል ሓሳብ ምስጋር እዩ። ብካልእ ኣዘራርባ እንተ ዝከኣል ወይውን ይከኣልዶ ይኸውን ንዝብል ንእግዚአብሔር ሒዝካ ኩሉ ይከኣል ናብ ምባል ምስጋር እዩ። ናይዚ ትርጉም እንታይ እዩ እንተበልኩም! እቶም ሓዋርያት ትጽቢቶም ንክገልጹ 'ንሱ ሓራ ዘውጽኣና መሲሉና ንሱ ኣምላኽ ሓያል ዘይመውት መሲሉና ነሩ' ዚዓይነቱ ኣብ ሕይወትና እንደጋግሞም 'እግዚአብሔር ሓራ እንተዘውጽኣኒ ጸሎተይ እንተዝሰምዓኒ ሕይወተይ ከምቲ ዝሓለምኵዎ እንተትኸይድ እዚ ነገር እዚ እንተዝህልወኒ ወዘተ' እናበልና ብናይ ምቊዛምን ምጒርምራምን ቃና ዕሚም እንብሎ ጉዳይ ማለት እዩ። እዚ እንተ ዝብል ንኩሉ ዘምክን ስለዝኾነ ፈጺሙ ኣይሕግዝን። ምስቶም ክልተ ሓዋርያት ዘማስሉናኸስ እዚኦም እዮም። እዚኦም ሓዋርያት ድሕሪ ተመኲሮ ኤማሁስ `እወ ጐይታ ሕያው እዩ ርኢናዮ ምሳና ኣሎ የሰንየና ሎምን ወትሩን ምሳና እዩ ሃየ እምበኣር ነዚ ዓቢ ጉዳይ ነበሥር' ብማለት ጒዕዞ ሓዘኖም ናብ ታሕጓስ ዝለውጡ ሓጋዚ እዩ። በዚ ከኣ ንሕና እውን ከምዚ እንተ ዝኸውን ካብ ኣነ ነዚ ክገብር እኽእል በዚ ከኣ ሕዝቢ ይሕጐሱ ንካልኦት ንክሕግዝ ነዚ ክገብር እኽእል ምስ እንብል ኩሉ ይቅየር።”

ክልተ ጒዕዞታት!

ዓሠርተ ሓደ ኪሎሜትር ዝምንውሑ ዓቀብ ኤማሁስ ብሥራት ትንሣኤ ምስ ተርኽበ ዳርጋ ከም ምንክርራው ብሓዲስ ንኢየሩሳሌም ክምለሱ ከም ገመድ ዝጠቅለሉ ሓዋርያት ነቲ ዓቀበት ግን ምስ ጐይታ እዮም ወጺኦሞ፣ ንሱ እናዕለሎምን እናመሃሮምን ኣሰንይዎም፣ እቲ ዓቀበት ዓቀበት ኰይኑ ኣይተሰምዖምን። ኣብ ምቊራስ እንጌራ ምስ ኣለለይዎ ከኣ ነታ ብሥራት ትንሣኤ ናብ ኣሕዋቶም ከብጽሑ ብዓቢ ታሕጓስ እናተቀዳደሙ ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሶም። ኣብታ ጽንክርቲ ጒዕዞ ዓቀበት ሓዘን እውን ተደርቡ ኣብ ዝነበረ ግዜ ኢየሱስ እንከሰንዮም ናብ ኣሕዋቶም እንክምለሱ እውን ብካልእ መልክዕ ኢየሱስ የሰንዮም። እዚኤን ከኣ ክልተ ጒዕዞታት ሕይወት ምኻድ ምምላስን የመልክታ።

“ኣብ ሕይወትና ከምታ ቀዳመይቲ ጉዕዞ እዞም ክልተ ሓዋርያት ብተስፋ ቊርጸትን ብሓዘንን ዝለመሰት ካብ ኢየሩሳሌም ንኤማኡስ እትወስድ ጒዕዞ ኣብዛ ጒዕዞ እዚኣ ቀዳምነት ዝሕዙ ኣነ ዝብል ኣምርን ጭንቅታትካን እኳ እንተኾነ እቲ ንበይንና ዘይገድፈና ኢየሱስ ግን ጋሻ መሲሉ ብኣሕዋትና የሰንየና፣ እዚ ከኣ ንዘሰንዩና ኣሕዋትን ኣሓትን ክንቅበሎም ነቶም መሰነይታ ዘድልዮም ከኣ ዝከኣለና ክነወፊ ነዚ ንምግባር ከኣ ነቲ ኣነ ዝብል ሕማም ኣሊና ሕልምታትና ዝቀደሙ ፍሽለታትናን ረሲዕና ኣብ ሕይወትና ንዘጋጠሙ ሕማቅ ጉዳያትን ረሲዕና እዩ ዝግበር። እታ ካልኣይቲ መንገዲ ከኣ ንጐይታ ምስ ረኸብካ ሕይወት ለዊጥካ ብታሕጓስ ክትስነን ክተሰንን እንከሎኻ እዩ።”

ንሕይወት ዝልውጥ ርክብ ምስ ኢየሱስ!

ቅዱስነቶም ብዓቢይ እምነትን ሓይለ ቃልን 'ምስ ኢየሱስ ኰንካ ዘይውጻእ ዓቀብ ዘይወግሕ ለይቲ የለን' እንክብሉ ተመኲሮ ፍቅሪ ኢየሱስን ናይቲ ንኩሉ ነገራት ዝልውጥ ምስኡ ምርኻብን ይገልጾ። ናይዚ ጉዳይ እዚ ቀዳሞት መሰኻኽር ከኣ እቶም ክልተ ኣርድእቲ ኤማሁስ እዮም ይብሉ። ከመይ ልቦም ይኸፍቱ ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ይሰምዑ ንኢየሱስ ከኣ ይዕድሙ።

“ንሕና እውን ንጐይታ ብከምዚ ንምርካብ ስለስተ ነረጋት እየን ኣብ ገዛውትና ክንገብረን ዘሎና ብቀዳምነት ንልብና ንኢየሱስ ንኽፈት ጾርና ድኻምና ኣብ ሕይወትና ዘጋጥሙና ፍሽለታትን እንተ ክንብል ዕሚም ዝበልናዮን ዝሃውተትናዮን ኩሉ ንኣኡ ነሸክሞ ብካልእይ ደረጃ ንኢየሱስ ጽን ኢልና ንስማዕ ከመይ ጌርና ከይትብሉ ንወንጌሉ ውሰዱ እሞ እንተወሓደ ሎሚ ነዛ ክፍሊ ወንጌል ሉቃ 24 ብመንፈስ ነንብባ። ብሳልሳይ ደረጃ ንኢየሱስ ንለምኖ ንዓድሞ ዘረባ እንተጠፍኣና ነታ ክልተ ሓዋርያት ዝበልዋ 'ጐይታ ምሳና ሕደር` (ሉቃ 24.9)። ጐይታ ምሳይ ሕደር ምሳና ምስ ኩልና ሕደር ከመይ ተድልየና ኢኻ መንገዲ ክንረክብ ተድልየና ኣሎኻ ብዘይካኻ ኩሉ ጸልማት እዩ ለይቲ እዩ ኢልና ንዓድሞ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
26 April 2020, 17:25