ምስ ኢየሱስ ኰንካ ዘይውጻእ ዓቀብ ዘይወግሕ ለይቲ የለን! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ወንጌል ናይቶም ድሕሪ ሞትን ቀብርን ኢየሱስ ሽሕ'ኳ ገሊኤን ኣንስቲ ኣብ መቃብር ስኢናዮ እንተበላ ጴጥሮስን ዮሓንስን እውን ከይዶም ኣብ መቃብር ዘይምንባሩ እንተኣረጋገጹ ፍርሕ ረዓድን ወሪርዎም ኣሮማይ ፈሺሉ ኢሎም ብናይ ተስፋ ቊርጸት መንፈስ ካብ ኢየሩሳሌም ተላዒሎም ናብ ኤማኡስ ዝበሃል ዓዲ ክኸዱ እንከለው ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መንገደኛ መሲሉ ሕውስ ዝበሎም እሞ ጉዳዩ ሓቲቱ በብሓደ ንቅዱስ መጽሓፍ ምስ ገለጸሎም ጸሓይ ዓራርቦ ስለዝነበረ ምሳኦም ኪሓድር ለሚኖም ምስ ኣላገሰ እንጌራ ባሪኹ ቈሪሱ ምስ ሃቦም ኣዕይንቶም ከምዝተኸፍታን ካብቲ ኣንቂዶምሉ ዝነበሩ ምዝላቅ ዳግም ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሶም ንሓዋርያት ኢየሱስ ከምዝተንሥኤ ከምዝረኣይዎ ክነግሩ ክብሉ እቲኦም እውን ድሮ ትንሣኤኡ ከምዘረጋገጹ ብታሕጓስ ዘዕለልዎ ዝገልጽ ክፍሊ ወንጌል ሉቃስ 24 ነበረ።
እዚ ፍጻሜ እዚ ሡር ነቀል ለውጢ ኣብ ኣተሓሳስባን ኣብ ሕይወትን ዘምጽእ ንነገራት ብሓዲስ መንገዲ ከምእትጥምቶምን እትርድኦምን ዝገብር ዝዓበየን ሓቀኛ ብዝኾነ ሕይወት ኰይኑ ንሱ ከኣ ፍቅሪ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ቅዱስነቶም ንናይ ዕለቱ ወንጌል መልእኽቲ ሕጽር ብዝበለ እንክገልጹ ወዲሰብ ሽሕ'ኳ ሓዘንን ሓጐስን ዝተፈራረቆ ሕይወት እንተለዎ ብዙሕ ግዜ ካብ ብርቱዕ ሓዘን ናብ ሓጐስ ክትሰጋገር ብጣዕሚ ኣጸጋሚ ከምዝኾነ እቲ ቀንዲ ጸገም ከኣ ኣነ ኣብ ዝብል ኣምር ዕንክሊል ምባል ስለዝኾነ ነዛ ኣነ ትብል ኣምር ብኣምላኽ እንተንትክኣ ብቀሊሉ ንዝኾነ ጸገም ንዝኾነ ሓዘን ክንሰግር ንኽእል ኢሎም።
ክልተ ጒዕዞታት!
ዓሠርተ ሓደ ኪሎሜትር ዝምንውሑ ዓቀብ ኤማሁስ ብሥራት ትንሣኤ ምስ ተርኽበ ዳርጋ ከም ምንክርራው ብሓዲስ ንኢየሩሳሌም ክምለሱ ከም ገመድ ዝጠቅለሉ ሓዋርያት ነቲ ዓቀበት ግን ምስ ጐይታ እዮም ወጺኦሞ፣ ንሱ እናዕለሎምን እናመሃሮምን ኣሰንይዎም፣ እቲ ዓቀበት ዓቀበት ኰይኑ ኣይተሰምዖምን። ኣብ ምቊራስ እንጌራ ምስ ኣለለይዎ ከኣ ነታ ብሥራት ትንሣኤ ናብ ኣሕዋቶም ከብጽሑ ብዓቢ ታሕጓስ እናተቀዳደሙ ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሶም። ኣብታ ጽንክርቲ ጒዕዞ ዓቀበት ሓዘን እውን ተደርቡ ኣብ ዝነበረ ግዜ ኢየሱስ እንከሰንዮም ናብ ኣሕዋቶም እንክምለሱ እውን ብካልእ መልክዕ ኢየሱስ የሰንዮም። እዚኤን ከኣ ክልተ ጒዕዞታት ሕይወት ምኻድ ምምላስን የመልክታ።
ንሕይወት ዝልውጥ ርክብ ምስ ኢየሱስ!
ቅዱስነቶም ብዓቢይ እምነትን ሓይለ ቃልን 'ምስ ኢየሱስ ኰንካ ዘይውጻእ ዓቀብ ዘይወግሕ ለይቲ የለን' እንክብሉ ተመኲሮ ፍቅሪ ኢየሱስን ናይቲ ንኩሉ ነገራት ዝልውጥ ምስኡ ምርኻብን ይገልጾ። ናይዚ ጉዳይ እዚ ቀዳሞት መሰኻኽር ከኣ እቶም ክልተ ኣርድእቲ ኤማሁስ እዮም ይብሉ። ከመይ ልቦም ይኸፍቱ ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ይሰምዑ ንኢየሱስ ከኣ ይዕድሙ።