ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ተወፋይነት ደቀንስትዮን ንስግኣት ዝተቓልዓን ይሓስቡ

ቀዳሞት ኣብሰርቲ ናይ ክርስቶስ ትንሳኤ ደቀንስትዮ ከምዝንበራ ዘብርህዎ ሓሳብ ዘኪሮም፡ ሓሳቦም ናብ ናይ እዋንና ደቀንስትዮ ገይሮም፡

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ሰንበት በዓለ ፋሲካ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዘብዓለቶ በዓለ ሰኑይ ዘመልእክት ምኽንያት፡ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ፥ ኣብ ኣባይቲ ሕክምናን ኣብ ሓለዋ ጸጥታን ኣብ ኣባይቲ መሸጣ መግባውነትን ኣብ ኣባይቲ ስድራኤንን ብጠቕላላ ኣብ ዝተፈላለየ መዳይ ተዋፊረን ንዘገልግላን ኵሉ ኣብ ቤቱ ኣብ ዝተወሸበሉ እዋን ኣብ ዕጹው ኣባይተኤን ከጋጥመን ዝኽእል ሓደጋ ብፍሉይ እሓስብ ቢሎም፡ ተወፋይነትን ደቀንትዮ ኣብ ቅድሜኤን ዝተዓረደ ስግኣትን ዘማእከለ ቃል ከምዘስምዑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ቅድሚ ምድጋሞም ቅድም ክብል ነቲ ለጊሰምዎ ዝነበረ ቃለ ኣስተንትኖ ጠቒሶም፡ “ቀዳሞት ኣብሰርቲ ናይ ክርስቶስ ትንሳኤ ደቀንስትዮ ከምዝንበራ ዘብርህዎ ሓሳብ ዘኪሮም፡ ሓሳቦም ናብ ናይ እዋንና ደቀንስትዮ ገይሮም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት ደቀንስትዮ ሓኻይምን ደቀንስትዮ ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ዝህብኦ ዘለዋ ኣገልግሎት ንህሙማንን ከምኡ  እውን ኣብ ሓይሊ ጸጥታ ተዋፊረንን ኣብ ሓለዋ ጽጥታ ኣባይቲ ማሕቡስ ዘገልግላን ኣብ መሸጣ መግባውነትን ዘገልግላን፡ ብዙሓት ኣዴታትን ኣሓትን ኣብ ቤተ ምስ ስድራ ቤተንን ደቃተንን ድዩ ምስ ኣረጋውያንን ኣካለ ስንኩላንን ዝተወሸባን ብፍሉይ እሓስብ” ከምዝበሉ ማሶቲ ሓቢረን፡ . . . “ኣብ ኣባይተኤን ንሓደጋ ዓመጽ ዝቓልዓን ምእንቲ ንሓባራዊ ናብራ ዓቢይ ከበድ ዝጾራን፡ ጐይታ ሓይሊ ክጽግወንን ማሕበረሰብና ምስ መላእ ኣባይቲ ስድራኤን ክድግፈንን መታን ስሌኤን ንጸልይ፡ ንቕድሚት ንኽንጓዓዝ ናይ ደቀንስትዮ ትብዓት ጐይታ ንኽጽግወና ንጸልይ” ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ብኮቭድ 19 ኣዚየን ዝተጠቕዓ ሃገራት

ቅዱስነቶም ዘስምዕዎ ቃል፥ ነተን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣዚየን ዝተጐድኣ ሃገራት ዘኪሮም፡ ብፍላይ ኢጣሊያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ስፓይናን ፈረንሳን - ካልኦት ብዙሓት ሃገራት እውን ዘርዚሮም - ምእንቲ ኵሉ እጽልይ! ር.ሊ.ጳ. ምእንታዅም ከምዝጽልይን ቀረባዅም ከምዝዀነን ኣይትዘንግዑ” ከምዝበሉ ማሶቲ ገሊጸን።

13 April 2020, 14:57