ድለ

2020.04.19 Messa nella Domenica della Divinia Misericordia 2020.04.19 Messa nella Domenica della Divinia Misericordia 

ናይ ብሩኽ ፋሲካ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን

“ብሓባር፥ ብሓቂ ክርስቶስ ተንሲኡ እዩ ቢልና ነበስር!። ብፍልይ ኣብዚ ናይ ፈተና እዋን፡ ኣብቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስ ዝተንሳእና ካብ ምዃንና ዝውለድ ዓቢይ ጸጋ ዝኾነ ተስፋ ብዝያዳ ነስተውዕሎ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት ንግስተ ሰማያት ኣብ ዘዕረግሉ እዋን፥ “ኣብዚ ናይ ፈተና እዋን፡ ኣብቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስ ዝተንሳእና ካብ ምዃንና ዝውለድ ዓቢይ ጸጋ ዝኾነ ተስፋ ብዝያዳ ጽን ንብሎ” ከምዝበሉን ንናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማውን ንናይ መላእ ሩሲያን ሞስካን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ኪሪል እውን ብናይ ምስራቕ ስርዓተ ኣምልኾ ዕለት 19 ሚያዝያ በዓለ ትንሳኤ ምኽንያት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጓራሺ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ብሓባር፥ ብሓቂ ክርስቶስ ተንሲኡ እዩ ቢልና ነበስር!። ብፍልይ ኣብዚ ናይ ፈተና እዋን፡ ኣብቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስ ዝተንሳእና ካብ ምዃንና ዝውለድ ዓቢይ ጸጋ ዝኾነ ተስፋ ብዝያዳ ነስተውዕሎ! ብፍላይ ሎሚ (ዕለት 19 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም.) ምስቶም ምስራቓውያን ካቶሊካውያን ማሕበረሰብ ምእንቲ ሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን ምስ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ስለ ዘብዕለዎ በዓለ ትንስኤ ኣብ ሓጐሶም እካፈል፡ እዚ ሕውነት’ዚ ኣብቲ ክርስቲያን ውሁዳን ኣብ ዝኾኑሉ ከባቢ መጸናንዒይዅኖም”።

ከምዝበሉ ዝሓበሩ ጓራሺ ኣስዒቦም፥ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማውን ከምኡ እውን ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ኪሪል በቢ ወገኖም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ብሩኽ ፋሲካ መልእኽትታቶም፥ ኣብዚ ሰብኣዊ ፍጥረት ተኣፋፍነቱ ኣዚዩ ዘስተርኣየሉ ኣብ ዘለሉ እዋን ክልቲኣቶም ፓትሪያርካት ኣብ ኢየሱስ እምነት ምግባርን ኣብ ሓድነቱ ክንጸንዕን ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ገሊጾም።

260 ሚሊዮን ምእመናን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ኣባይቶም

ናይ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን 260 ሚሊዮን ዝግመቱ ምእመናን ክም ኵሉ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ክውሸቡ ብናይ ሃይማኖት መራሕቶም ብዝተወሃቦም ምኽሪ ኣብ ኣባይቶም ክም ኩሉ በዓለ ፈሳካ ብዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝተመሓላለፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ብመንፈስ ከምዝሓበሩን፡ ኣብ ሩሲያ 43 ሺሕ ብኮቪድ 19 ከምእተለኸፉን ኣብታ ሃገር እቲ ለብዒ ካብ ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራት ኤውሮጳ ክልተ ሰሙን ደንጉዩ ዝኣተወ ምዃን ክሕበር እንከሎ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ማሕበረሰብ በዓለ ፋሲካ ከምዘብዓለን ኣብ ቅድስቲ መሬት ኣብ ቤተ መቕደስ ቅዱስ መቓብር ብዘይ ምእመናን ብውሑዳት ካህናት ዝተሰነየ ብናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢየሩሳሌም ፓትሪያርክ ተመሪሖም ስርዓተ ሊጡርጊያ በዓለ ትንሳኤ ከምዝዓረገ ጓራሺ ሓቢሮም።

20 April 2020, 14:57