ድለ

ር.ሊ.ጳ.፡ ክርስቶስ ተንሲኡ እዩ፡ ነቲ ዘጋጥም ዘሎ ኵሉ ብተኣማንነት ንመልከቶ

ክርስቶስ ኣንተድኣ ዝተንስኤ ኰይኑ ዝኾነ ይዅን ናይ ሕይወትና ኵነት እቲ ከቢድ ጭንቀትን ዘይርጉጽነት ዝተጻዕኖ እውን ይዅን ብተኣማንነት ንኽንርእይ ኣኽእሎቱ ይህልወና

ናይ ክርስቶስ ትንሳኤ ንዅሉ ናይ ተስፋ መልእኽቲ እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ ሰንበት በዓለ ፋሲካ ሰኑይ ዘመላእክት ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት ንግስተ ሰማያት ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 28 ካብ ፍቕዲ 8 – 15 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኲይዞም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ክኸውን እንከሎ፡ ቀዳሞት መሰኻኽር ናይ ድሕነት ምስጢር ኣንስቲ ከምዝነበራን ነዚ ዘብቀዔን ከኣ ተኣማንነትንን ተወፋይነተንን እዩ፡ እዚ ተልእዀ’ዚ ደሓር ንጴጥሮስን ሓዋርያትን ጸንቢሩን ናብ መልእ ዓለም እውን በጽሔ፡ እምነት ኣብቲ ዝተንሳኤ ብፍላይ ነቶም ኣብ ስቓይ ንዝርከቡ የበራትዕ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓሴት ናይዛ ዕለት እዚኣ ዋጋን ኣገባብን እዩ፡ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ናይ ክርስቶስ ትንሳኤ ሓሴት ዘቃልሓላ ብምዃኑ ሰኑይ ዘመላእክት ወይ ከኣ ሻምናይ ዘፋሲካ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰኑይ ድሕረ ሰንበት ዘፋሲካ እዩ፡ ”ኪዳ እሞ ነሕዋተይ ናብ ገሊላ ኪኸዱ ንገራኦም፡ ኣብኡ’ውን ኪርእዩኒ እዮም”፡  

እቲ ዝተንስኤ በዘን ቃላት እዚኣተን ኣቢሉ ነተን ኣንስቲ ናብ ሓዋርያት ዘብጽሐኦ ተልእዀ ሓደራ ሃበን፡ ንሳተን ዘድነቕ ናይ ተኣማንነትን ውፉይነትን ፍቕሪ ንኽርስቶስ ኣብቲ ተልእዀኡ ብወግዒ ኣብ ዝጀመረሉን ደሓር  እውን ኣብ ሕማማቱን ንኣኡ ኣብ ምፍቃረን ኣብነት ይዀና፡ እዚ ኸኣ ብፍሉይ ወስታ ናይ ኣተኵሮን ሕሩይነትን ሞሳ ካብኡ የጸግወን።

ምስቲ ዝተንስኤ ሕይወት ኣብ ልዕሊ ሞት ይዕወት

“ወትሩ ኣብ ብጋሴ ኣንስቲ ንረክብ፥ ከም ማርያም” ዝበሉ ቅዱስነቶም ድሓር ነቲ ናይ ኢየሱስ ትንሳኤ ሓዋርያትን ጴጥሮስን ተመክሮ ይገብሩ፡ ክሳብ ሽዑ ግና ኢየሱስ ክትስእ ምዃኑ ኣይተረድኦምን ነይሩ፡ እምነቶም ይብሉ ኣስዒቦም - ብድርዀት መንፈስ ቅዱስ ንቕድሚት ክብል ነይርዎ፡ ስለዚ ደሓር መሰኻኽር ይዀኑ፡ ገሊጾም ከይከወሉ ስሌኡ ይምስክሩን ሕይወቶም እውን ይስውኡ፥

 ካብታ ሰዓት እቲኣ እቲ ብስራት ኢየሱስ ተንስኣ እሙታን ዝብል ይኸውን፡ ናብ ኵሉ ይሰፍሕን ኣብ መላእ ኵርናዕ ዓለም ይበጽሕ፡ ንዅሉ ናይ ተስፋ መልእኽቲ ይኸውን፡ ናይ ኢየሱስ ትንሳኤ፥ እቲ ናይ መወዳእታ ቃል ሞት ዘይኮነ ሕይወት እዩ ይብለና።

ናይ ትንሳኤ ክውንነት ሕይወት ክቕይር ይኽእል

በዚ ኣገባብ’ዚ ኣቢሉ እግዚኣብሔር ፍቕሩን ምሕረቱን “ንናይ ኵሉ እዋን ሰብኣዊ ፍጥረት የስተርእይ”

ክርስቶስ ኣንተድኣ ዝተንስኤ ኰይኑ ዝኾነ ይዅን ናይ ሕይወትና ኵነት እቲ ከቢድ ጭንቀትን ዘይርጉጽነት ዝተጻዕኖ እውን ይዅን ብተኣማንነት ንኽንርእይ ኣኽእሎቱ ይህልወና፡ ናይ ፋሲካ መልእኽቲ ብቓልን ብፍላይ ከኣ ብሕይወት ንኽነበስር ዝተጸዋዕና ምዃንና የመላኽት፡ ኣብ ቤትናን ኣብ ልባትናን እቲ፥ ‘ክርስቶስ፥ ተስፋይ ተንስኣ!’ ዝብል እዩ፡ እዚ ርግጽነት’ዚ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዝተጠመቐ እምነት የበርትዕን ብፍላይ ነቶም ከቢድ ስቓይን ጸገምን ዝገጥሙ ንዘለዉ የበራትዕ።

ምስ በሉ ሓሳቦም ናብታ ናይ ኢየሱስ ሞትን ትንሳኤን መስካሪት ናብ ዝኾነት ማርያም ገይሮም፥ “ብጽንዓት ምስ እተንግዶ ሕይወትካ ዝልውጥ ኣብ ናይ ድሕነት ምስጢር ንኽንኣምን ትደግፈና” እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከምዝዛዘሙ ማሶቲ ኣፍሊጠን።

13 April 2020, 23:55