ድለ

ንቅልውላው ብገባብ ስምርት ምግጣም ንቅልውላው ብገባብ ስምርት ምግጣም 

ንቅልውላው ብገባብ ስምርት ምግጣም

ክርስቲያናዊ ምሕረት - ይብሉ ቅዱስነቶም - ኣብ መንጐ ሃገራትን ተቕዋማተንን ነቲ ህልው ቅልውላው ብስምረት ንምግጣም ናይ ቅኑዕ ምትሕብባር ኣስተንፍሶ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ዛዘሙ፡ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ ንግስተ ሰማያት ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥ “ናይ ክርስቲያን መልሲ ኣብ እዋን ምንዋጽ ሕይወትን ነውጺ ታሪኽን ብጀካ ምሕረት ካልእ ክኸውን ኣይክእልን፡ እዚ ማለት ከኣ ሃይማኖታውነት ወይ ከኣ ናይ ረድኤት ጽግዕተይና ምግብር ማለት ዘይኮነ፥ ካብ ልቢ ብዝነቅል ኣገባብ ናይ ስቓይ ተኻፋሊ ምዃን ማለት እዩ፥ መሎኮታዊ ምሕረት ካብ ልቢ እቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስ እዩ ዝመጽእ፡ ክርስቲያናዊ ምሕረት - ይብሉ ቅዱስነቶም - ኣብ መንጐ ሃገራትን ተቕዋማተንን ነቲ ህልው ቅልውላው ብስምረት ንምግጣም ናይ ቅኑዕ ምትሕብባር ኣስተንፍሶ እዩ”

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምስ በሉ ኣብ መወዳእታ ነተን ዕለት 19 ሚያዝያ በዓለ ፋሲካ ንዘብዓላ ምስራቓውያን ኣሕዋት ኣቢያተ ክርስቲያን ብሩኽ ፋሲካ” እንክብሉ ሰናይ ምንዮቶም ከምዝገለጹ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ዓመታዊ በዓል መሎኮታዊ ምሕረት

ኣብ ሃገረ ፖላንድ ከተማ ፕሎክ ኣብ 1931 ዓ.ም. ቅድስቲ ፋውስቲና ኮዋልስካ ካብ ኢየሱስ ብራእይ ዝተቐበለቶ መልእኽቲ ዓቢይ ግምት ቅድሚ 20 ዓመት ሰንበት ድሕሪ ሰንበት በዓለ ፋሲካ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ክበዓልን ኣብ ግጻዌ ክሳዃዕ ዕለት 30 ሚያዝያ 2000 ዓ.ም.  ንፋውስቲና ኮዋልስካ ቅድስና ኣብ ዝኣወጅሉ ዕለት ዘቕረብዎ ውሳኔ ኰይኑ፡ ኣብታ ዕለት እቲኣ፡ “ኢየሱስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት መንፈሳውን ቁሳውን ሓሳር ኵሉ ገዛእ ርእሱ ኣትሓተ፡ መልእኽቲ ምሕረት ናብቲ ዝሳቐይ ፍጥረት ብዝዝርግሓ ኣእዳዉ ኣቢሉ ይበጽሕ፡ እናቴ ፋውስቲና ኣብቲ ኣብ ክራኮቪያ ኣብ ዝርከብ ገዳም ላጋውንኪ እናነበረት መላእ ህልውናኣ ናይ ምሕረት ማህሌት ገበረት፡ በዚ ዓይነት ኣገባብ’ዚ እያ ዝነበረቶን ንኹሎም ሕዝብታት ክፍለ ዓለም ዘበሰረቶን ከምዝበሉ ሎሞናኰ የዘኻኽሩ።

ቅድስቲ ፋውስቲና ኮዋልስካ

እናቴ ፋውስቲና ዕለት 25 ነሓሰ 1905 ዓ.ም. ኣብ ፖላንድ ቑሸት ክሎጎዋይች ተወሊዳን ብንእስነታ ፈቃር ጸሎት ከምዝነበረትን ኣብ ንዑስ ዕድመኣ ጸዋዕታ ዝተሰመዓን ኣብ 1925 ዓ.ም. ከኣ ናብ ከተማ ቫርሳቪያ ብምኻድ ኣብ ገዳም ቅድስተ ማርያም ዘመሎኮታዊ ምሕረት ከምዝኣተወትን ኣብቲ እተንብሮ ዝነበረ መንፈሳውነት ኣብ ቃል እግዚኣብሔርን ኣብ ዕለታዊ እተስተንትኖኣን ናይቲ መሎኮታዊ ምሕረት ምስጢር ተዓደለት፡

“ዎ ኢየሱሰይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቅዱሳትካ ካብቶም ክብርታትካ ሓደ ይንጸባረቕ፥ ኣባይ ክንጸባረቕ ሃረር ዝብሎ እቲ ኣብ ናይ ካልእ ስቓይ ተኻፋልን ምልኣተ ምሕረት ዝኾነን ልብኻ እዩ፡ ከኽብሮ እደልይ (ካብ ዝኽረ ዕለት ቅድስቲ ፋውስቲና ኮዋልስካ)።”

ዕለት 22 ለካቲት 1931 ዓ.ም. ቅድስቲ ፋውስቲና ኣብ ሎክ ገዳም እንኮላ ዝተጸገወቶ ግልጸት፡ ባዕላ ኣብ ዝክረ ዕለታ ከምዝዘገበቶ፥ ኢየሱስ ነዊሕ ልብሲ ለቢሱን ሓንቲ ኢዱ ንኽትባርኽ ሓፍ ዝበለትን እታ ሓንቲ  ኢዱ ኣብቲ ክልተ ናይ ብርሃን ጮራ ዘውሕዝ ኣፍ ልቡ ኣንቢሩን - ነዚ እትርእዮ ዘሎኹ ምስሊ ኣቕብእዮ ኣብ ትሕቲኡ ድማ ኢየሱስ ኣባኻ እኣምን ዝብል ጽሑፍ ይነበሮ - ከምዝበላን፡ እቲ ሎሚ እንርእዮ ቅዱሱ ምስሊ መሎኮታዊ ምሕረት ነዚ ዝውክል እዩ። እናቴ ፋውስቲና ዕለት 5 ጥቅምቲ 1938 ዓ.ም. ብዝሓደራ ሕማም ምኽንያት ኣብ መበል 33 ዓመት ዕድመኣ ከምዝዓረፈት ናይ ቅዱሳት ናይ ታሪኽ ማህደር የመላኽት።

20 April 2020, 15:01