ድለ

ር.ሊ.ጳ ስለ እቶም ሕሙማት ክበጽሑን ከጸናንዑን ዝሞቱ ካህናት ይጸልዩ!

ኣብ ዜናታትና ክትከታትልዎ ከምዝቀነኹም ለበዳ ኮቪድ 19 ለብዒ ሕማም ኮረና ቫይረስ ብዘስዓቦ ጸገም ቅድሚ ሕጂ ተራእዩን ተሓሲቡን ብዘይፈልጥ ኣብያተ ክርስትያን ተዓጽዩ ኩሉ ጸሎታትን ሥርዓታትን ብመስኮት ተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ኣብ ዝመሓላለፈሉ ግዜ ር.ሊ.ጳ ካብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ነዚ መንገዲ እዚ ብምኽታል ነቲ ዓበይቲ በዓላት ሆሳዕናን ሶሙነ ሕማማትን ትንሣኤን ከይተረፈ በዚ መንገዲ ፈጺሞሞ ይፍጽሙ እውን ኣለው።

ዜና ቫቲካን

ካብ ዓበይቲ በዓላት ቤተክርስትያን ሓደ ዝኾነ በዓል ጸሎተ ሓሙስ ከም ልማድ ንግሆ ናይ ቅዱስ ዘይቲ ማለት ንጥምቀትን ሜሮን ቅብኣ ሕሙማንን ዘገልግል ዝባረኸረሉ ሥርዓት ምሸት ከኣ ድራር ጐይታ ማለት ቅዱስ ቊርባን ዝተሰርዓሉ ዝኽሪ ከምኡ እቲ ዝዓበየ ናይ ትሕትና ትምህርቲ ሕጽበተ እግር ዝፍጸመሉ ኮይኑስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝሕዙ ነቲ ናይ መጨረሽታ ሕጽበተ እግር ሥርዓት ኣብ ፈቀዶ ቤትማእሰርቲ እናፈጸሙ ኣእጋር ኣንስትን ተኸተልቲ ካልኦት ሃይማኖታትን ከይተረፈ ብምሕጻብ ዓቢ ኣብነትን ምልክት ወቀሳን ዝኾኑሉ ሎምዘመን ኣብ መንበረ ጴጥሮስ በይኖም ኮይኖም ብመንፈስ ቅርበቶም እናገለጹ ነታ ዘይትተርፍ ቅዳሴ ጸሎተ ሓሙስ ብመስኮት ተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ኣብ ዘመሓላለፉሉ ግዜ በዓለ ካህናት እውን ብምንባሩ ስለ እቶም ብጅግንነት ንወንጌል ክሰብኩ ኣብ ፈቀዶኡ ሕይወቶም ዝኸፈሉ ሰበኽቲ ወንጌል ከምኡ እውን ኣብዚ ግዜ ቀውጢ ንሕሙማት ክበጽሑን ከጸናንዑን ንባዕሎም ግዳይ ናይቲ ለበዳ ብምዃን ሕይወቶም ዝኸፈሉ ካህናት ብምዝካር ኩሎም ካህናት ቅቡኣትን ሕሩያትን ብምዃኖም ሽሕ'ኳ ከም ደቂ ሰባት ካህናትስ ይኹኑ ጳጳሳት ከምኡ እውን ር.ሊ.ጳ ሓጢኣተኛታት ምዃኖም ተኣሚኖም ምሕረት ክልምኑ ምሕረት ከኣ ክህቡ ተማሕጺኖም።

ሽሕ'ኳ እቲ ዝቅድሱሉ ዝነበሩ ባዚሊካ መንበረ ጴጥሮስ ባዶ ኮይኑ ገልደውደው ይብል እንተነበረ ኣዕይንቲ ብሚልዮናት ዝቁጸሩ ካብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ኣብ መስኮት ተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ተተኺሉ ብመንፈስ ካብ መንበረ ጴጥሮስ ሓሊፉስ መላእ ዓለም ሓድነቱ ዝገለጸሉ ሁመት እውን ብምንባሩ ናይ ዕለቱ ንባባት ብዛዕባ ምሥራዕ ቅዱስ ቊርባን ዘዘንትዋ በታ ኣሕሊፎም ዝሃቡሉ ለይቲ በተን ንጹሓትን ቅዱሳትን ኣእዳው ኅብስቲ ኣልዓለ ጽዋዕ ወይኒ ኣልዓለ ኣዕይንቱ ናብ ከኣል ኩሉ ዝኾነ ኣቡኡ ቊሊሕ ብምባል ከኣ ባሪኹን ቀዲሱን እዚ ሥጋይ እዩ እዚ ደመይ እዩ ንዝኽረይ ግበርዎ እናበለ ንኣርድእቱ ሃቦም ዝብል ነበረ። ቅዱስነቶም ከኣ ነዚ ሓጺር ስብከት ኣቅረቡ።

ቅዱስ ቊርባን ኣገልግሎት ቅብኣት!

ሕመረት በዓለ ጸሎተ ሓሙስ ሠልስተ ኰይነን ሠለስቲኤን ከኣ ኣብ ዙርያ ክህነት እየን። ጐይታ ንወትሩ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳና ኣብ ማእከልና ክነብር ስለዝመደበ ቅዱስ ቊርባን ሠሪዑልና ንሕና ከኣ መንበረ ታቦቱ ኰና ኣብ ልብና ሒዝናዮ ንነብር። ከመይ ብቃሉ 'ሥጋኡ እንተዘይበሊዕና ደሙ እውን እንተዘይሰቲና ናብ መንግሥተ ሰማያት ከምዘይንኣቱ ነጊሩና`። ኣብ መንግሥቱ መንግሥተ ሰማያት ንክንኣቱ ግን ኣገልግሎት እውን ብግዲ የድሊ እዩ።

ኣገልግሎት ግድን እዩ!

ኩልና ክነገልግል ኣሎና። እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ግዜ ሕጽበተ እግር ምስ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተዋስኦ እንክንምልከት ናብ መንግሥተ ሰማይ ክንኣቱ ጐይታ ንከገልግለና ኣእጋርና ንኪሓጽብ ክነፍቅደሉ ኣሎና። እቲ ኣገልጋሊ ጐይታ ኣገልጋሊ ዝኾነሉ ፍጻሜ ንክትርድኦ እኳ ጽንኩር እንተኾነ እታ መንገዲ ንሳ እያ። ነዚ ጐይታ ክነሱ ኣብ ኣገልግሎት ዝወፈረ እንመስለሉ ከኣ ጸጋ ክህነት እዩ።

 ጸጋ ክህነት!

ቅዱስነቶም ብኣባታዊ ቃና ንኩሎም ካህናት ብምዝካር ብመንፈስ ኩሎም ምሳኡ ከምዝኾኑ ቅርበቶም እንክገልጹ ኲልና ካህናት ቅዱስ ቊርባን ንክንሠርዕን ንክነገልግልን ዝተጽዋዕና ፍሉይ ጸጋ ዝተዓደልና ኰይኑ ንጐይታ ሕይወትና ዘወፈና ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ከኣ ኣብ ኣገልግሎት ካልኦት ዝወፈርና ኢና ምስ በሉ ነቶም ኩሎም ብኮቪድ 19 ለበዳ ሕማም ለብዒ ኮረና ቫይረስ ዝሞቱ ካህናት ሕይወቶም ንምውፋይ ድሕር ዘይበሉ ከምኡ እውን ወንጌል ክሰብኩ ሓንሳእ ካብ ቤት ምስ ወጸ ኣብቲ ዝተላእኩሉ ዝሞቱ ብዙሓት ሰበኽቲ ወንጌል ዘኪሮም።

“ሓደ ኣብ ስብከተወንጌል ናብ ብዙሕ ቦታ ዝኸዱ ኣቡን ኣብ ቦታ ስብከተወንጌሎም ምስ በጽሑ ቀዳመይቲ ዝገበርዋ ነገር ናብ መካነ መቃብር ከይዶም መቃብር ናይቶም ቅድሚኦም ኣብቲ ቦታ ወንጌል ክሰብኩ ዝመጹ ይበጽሑ ነሮም ይብሉ። ብዙሓት ካብዞም ሰበኽቲ ወንጌል ናኣሽቱ እንከለው ምስ ብርቱዕ ሃረርታ ኣብቲ ቦታ ይበጽሑ እሞ ብሕማም ተላገብ ናይቲ ዞባታት ዝሞቱ ብዙሓት ኣሽማቶም ዘይንፈልጦም እዮም ይብሉ ነሮም። ሎሚ በዚ ቅዱስ ዕለት ንኩሎም ካህናት ናብ መንበረታቦት ምሳይ ሒዘዮም እንክድይብ ኣጅኹም እንሎም። ኣብዚ ግዜና ካህን ክትከውን ልብሰ ክህነት ለቢስካ ክትንቀሳቀስ ኣጸጋሚ ኣብ ርእሲ ምዃኑ በቲ ኣቀዲሙ ዝተረኽበ ውድቀታት ብዙሓት ጸርፍን ውርደትን ዘለፋን ከምዝቅበሉ እውን ብሩህ እዩ። እንተኾነ በዚ ሎሚ ቅድሚ ዝኣገረ ንርእስና ምሕረት ክንሓትት ንሕናውን ብግደና ክንምሕር ክንዮ መንበረ ንስሓ ምሕረት ከምዘድሊ ንዘክር ከመይ ኩልና ሓጢኣተኛታት ኢና። ኩሉኹም ካህናት ሓንቲ ነገር ክትዝክሩ እላቦ ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ነቃጻታ ኣይትኹኑ ጐይታ ከገልግለኩም ኣእጋርኩም ኪሓጽበኩም ፍቀደሉ። ከመይ ምስ ተፈቀርካን ምስ ተመሓርካን ክትፈቅርን ክትምሕርን ሓጢኣት ካልኦት ይቅረ ክትብልን ቀሊል እዩ። ናይ ምሥጢረ ንስሓ ምሕረት እኳ ክትህቡ እንተዘይከኣልኩ በጃኹም ነቲ መሲልዎ ማዕጾ ጋህ ኣቢሉ ከፊቱ ሓዲግኩም ዝኸደ ሓውኩም ገና ናበይ ከምዝብል ጠፊእዎ ዘዕገንግን ዘሎ ይቅረታ ሂብኩም ንክምለስ ተጸበይዎ እንተኸኣልኩም ኣሰንይዎ ምስ በሉ ኢየሱስ ከምዘፍቅረና ነእጋርና ኪሓጽብ ጥራይ ክንፈቅደሉ ብምልባው ስብከቶም ዛዘሙ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
10 April 2020, 12:21