ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ማርያም ነቲ ከቢድ ፈተና ንኽሰግሮ መታን ክትድግፈና ጸሎት መቝጸርያ ንጸልይ ር.ሊ.ጳ.፥ ማርያም ነቲ ከቢድ ፈተና ንኽሰግሮ መታን ክትድግፈና ጸሎት መቝጸርያ ንጸልይ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ማርያም ነቲ ከቢድ ፈተና ንኽሰግሮ መታን ክትድግፈና ጸሎት መቝጸርያ ንጸልይ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ብሓባር ብልበ ማርያም ንናይ ክርስቶስ ወጅሂ ነስተንትን፡ ኣዴና ማርያም ከም መንፈሳዊት ስድራ ቤት ብዝበለጸ ሕቡራት ትገብረናን ነቲ ዘሎ ፈተና ንኽንሰግሮ ትሕግዘናን”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ብወርሃ ማርያም ዝፈለጥ ወርሒ ግንቦት ዋዜማ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ቤቶም ጸሎት መቝጸርያ ንኽደግሙ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ለበዋን ዕድመን መልእኽቶም፥ እግዚኣብሔር ብብርቱዕ ቅልጽሙ ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዘሰንብድ ለብዒ ናጻ የውጽኣና” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ክሮሊስ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“መቝጸርያ ኣብ ኢድና፥ በዚ ኢና ነቲ ለብዒ እንዋግኦ፡ ዕለት ብዕት ብኮቭድ - 19 ተህዋስ ምኽንያት በራተን ኣብ ዝተዓጽዋ ኣባይቲ ንተስፋ ርሁዋት ናብቲ ልሙድ ናይ ሕይወት ኣንፈት ንኽምለሳ ናብ ማርያም ንጸልይ” ኣብቲ ብናይ ቤተ ክርስቲያን ልምዲ ንማርያም ኣብ ዝውከፍ ወርሒ ግንቦት ዋዜማ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መእልኽቲ ቅዱስነቶም፡ ኣብዚ እዋን ውሸባን እቲ በቲ ለብዒ ዝሞቱን ዝልከፉን ቍጽሪ ሕዝቢ ኣብ ዝንክለየሉ ዘሎ እዋን፡ ብኹሉ ትጽቢት ዝገበረሉ ዝነበረ ናብ ምእመናን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም ኣስዒቦም፥ ኣብዚ ወርሓ ማርያም ጸሎት መቝጸርያ ኣብ ቤትናን ምስ መላእ ስድራን ንኽንጽልይ ምዒዶም፥ እቲ ዝተኸስተ ኣብ ቤትና ንኽንዕጸው ኣብ ዝተገደድናሉ፡ ብመንፈሳዊ መንጽር ክንርእዮ እንከለና ንዘቤታዊ ክብሪ ዓቢይ ግምት ንኽንህብሉ ከምዝገበረ ይሕብሩ።

መቝጸርያ ተራን ብርቱዕን

ጸሎት መቝጸርያ ብሓባር ወይ ውን ብግሊ ምድጋም፡ (ከም ምርጫኹም፥ ከከም ኵነቱን ንኽልቲኡ ኣጸላልያ ብምኽባር)፡ ብገርሄይና መንፈስ ይዕርግ፡ ኣብ መረብታውያን መራኸቢ እውን ንጸሎት ዝድግፉ ኣገባባት ኣለዉ፡ “ብሓባር ምስ ልቢ ማርያም ናይ ክርስቶስ ወጅሂ ነስተንትን” ቢሎም፥ “ከም መንፍሳዊት ስድራ ቤተ ከሕብረና እዩ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ፈተና እውን ንኽንሰግሮ ዝሕግዝ እዩ” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ደ ካሮሊስ ይሕብሩ።

ተወሳኺ ክልተ ጸሎት

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ መወዳእታ ጸሎት መቝጸሪያ ዝድግሙ ክልተ ጸሎት የቕርቡን፥ ኣብ እተቕርብዎ ጸሎት መቝጸርያ ብመንፈስ ምሳዅም ከምዝሓብር አረጋግጸልኩም፡ እታ ቀዳመይቲ ጸሎት ናብ እመ መሎኮታዊ ፍቕሪ ክኸውን እንከሎ፡ . . . እታ ካልአይቲ ከኣ ሰላም ኦ ድንግል ጸሎት ብፍላይ ከኣ “ኣብዚ እዋን ለብዒ የዕንትኺ የዕንቲ ምሕረት ናባና ይጠምታ” ቢልና ንኹሉ ከከም ህሉው ምድባቱን ኩነታቱን፥ ንዝሳቀይን ነቶም ኮቪድ - 19 ተህዋስ ንምብዳህ ዝቃለሱን ብዝሓስብ ጸሎት ንኽስነይ ይምዕዱ።

“ብሓባር ብልበ ማርያም ንናይ ክርስቶስ ወጅሂ ነስተንትን፡ ኣዴና ማርያም ከም መንፈሳዊት ስድራ ቤት ብዝበለጸ ሕቡራት ትገብረናን ነቲ ዘሎ ፈተና ንኽንሰግሮ ትሕግዘናን”

ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝጠፍኡ ኮይኑ ዝስምዖምን ስለ ሙዉታቶም ንዝነብዑን ኣቀባብራኦም መንፈስካ ዘጨንቕን ብዝኣመሰለን እቲ ለብዒ ብዘስዕቦ ናይ ኤኮኖምን ናይ ስራሕ ጸገምን ንዘጓንፎምን ኣብ ጭንቀት ንዝርከቡ እምነት ክጽገዉ በማላድነት ማርያም ዝቐርብን ጸሎት ምእንቲ እቶም ንኮቪድ 19 - ንምብዳሕ ብግንባር ቀደም ብዝተፈላለየ ሞያን ሓላፍነትን ዘገልግሉ ንዘለዉን፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዝፍውስ መድሃኒት ንምርካብ ኣብ ህርኩት ጻዕሪ ንዝርከቡ ናይ ስነ ምርምር ኣካላትን በማላድነት ማርያም እግዚኣብሔር ኣእምሮኦም ንኸብርሃሎምን ነቶም መሰረታዊ ኣድላዪ ዘይብሎም፡ መንግታት ብጥበብን ብተገዳስነትን ለጋስነትን ድጋፍ ከቕርቡን . . . ተመሳሳሊ ከቢድ ህልቂት መታን ከይፍጠር ንውግእ ኣጽዋር ዝፍፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ብቑዕ ሕንጸት ንዘነቓቕሕ መደብ ክውዕልን ዝብል እግዚኣብሔር ካብቲ ለብዒ ናጻ ከውጽኣና ብዝዓርግን ቅድስቲ ድንግል ማርያን ናይ እንኮ ዓብይ ስድራ ቤት ኣካል ናይ ምዃን ምስትውዓል ኣባና ከተዕብይ ብካልኦት ናብ ማርያም ብዝብቐርቡ ጸሎት ዝተሰነየ እውን ክኸውን ከምዝመሓዱ ዝሓበሩ ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስሎ - ናይ እምነት ጽንዓትን ጽንዓት ኣብ ኣገልግሎትን ጽንዓት ኣብ ጸሎትን ይሃሉ፡ እግዚኣብሔር ብብርቱዕ ቅልጽሙ ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዘሰንብት ለብዒ የናግፈና” ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ማርያም ነቲ ከቢድ ፈተና ንኽሰግሮ መታን ክትድግፈና ጸሎት መቝጸርያ ንጸልይ
27 April 2020, 17:56