ድለ

ሽሕ'ኳ ብዙሕ ስደት ክርስትና እንተሎ ከጋግዩ ካብ ዝኽእሉ ስምምዓት ዓለም ንጠንቀቅ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 29 ሚያዝያ 2020 ዓም ነቲ ልሙድ ሶሙና ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ብተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ብዛዕባ መንገዲ ብፅዕና ንዝጀመርዎ ንምዝዛም ብዛዕባ እታ `ምእንቲ ጽድቂ ዝስደዱ ብፁዓን እዮም፡ ከመይ መንግሥተ ሰማያት ናታቶም እያ` እትብል ነዚ ዚስዕብ ትምህርቲ ብቋንቋ ጣልያን ኣቅሪቦም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም! ሎሚ ብእንገብሮ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ መንገዲ ብፅዕና ወንጌል ዝጀመርናዮ ጒዕዞ ክንዛዝም ኢና። ክንበብ ከምዝሰማዕናዮ ናይ መወዳእታ መንገዲ ብፅዕና ስለ እቶም ምእንቲ ጽድቂ ዝስደዱ ዘለዓለማዊ ታሕጓስ ይናገር። እዛ ብፅዕና እዚ ክምታ ናይ መጀመርያ ብፅዕና ማለት ብመንፈስ ድኻታት ብፁዓን እዮም ከመይ መንግሥተ ሰማያት ናቶም እያ እትብል እዚኣ እውን መንግሥተ ሰማያት ነቶም ምእንቲ ጽድቂ ዝስደዱ እያ እናበለት ኣብ መንጎ መኽፈቲትን መዛዘሚትን መንገዲ ብፅዕና ዘሎ ሓድነት ንምልከተ።

ብመንፈስ ድኽነት ብኽያት ሓዘን የዋህነት ንጽድቂ ምጽማእን ምጥማይን ምሕረት ንጽሕና ልብን ምግባር ሰላምን ምእንቲ ክርስቶስ ናብ ስደት ከምርሑ ይኽእሉ እንተኾነ እዚ ስደት እዚ ኣብ መወዳእታ ምኽንያት ሓጐስን መእተዊ መንግሥተ ሰማይን ይኸውን። ጒዕዞ መንገዲ ብፅዕናኸስ ጒዕዞ ፋሲካ ኰይኑ ናብ ሓዲስ ሕይወት እግዚአብሔር ናይዚ ዓለም እዚ ዘይኮነት ክንዮ ሥጋዊ ሸውሃትን ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስ ዓለምን ሰጊራ ብመንፈስ ናብ ዝምራሕ ሓዲስ ሕይወት የብጽሓና።

ዓለምና ምስ ጣዕታቱን መደናገሪ ተስፋታቱን ቅድምያ ዝህቦም ነገራቱን ከምዚ ዓይነት ሕይወት ብፅዕና ከቅርበልና ኣይክእልን እዩ። ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ከምዝገለጽኵዎ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተቊዋማት ሓጢኣት ዘመንና ዝብሎም ፍቅረ ንዋይ ንፍገትን ስስዕትን ብልሽውናን ናይ ዘመንና ዓውለማነትን ሸለልትነትን ውጽኢት ኰይኖም ምስቲ ጐይታ ዘተስፍወና መንፈስ ሓቂ (ዮሓ 14.17) ኣይቃደውን እዮም እዚ መንገዲ ብፅዕና እውን ኣይእንታዮምን እዩ ስለዚ ነቲ ወንጌል ዘቅርበልና ድኽነትን ትሕትናን ንጽሕና ልብን ከም ሓደ ጸገም ከም ሓደ ግድል ስለዝፍርጅዎ ኵውገድ ዘለዎም ጉዳያት እዮም ይብሉ። ዓለምናኸስ ከምዚ እዩ ዚሓስብ ብዛዕባና እንኪዛረብ እዞም ሰባት እዚኦም ሱቊ ኢሎም እዮም ዝህውትቱ እዮም ይብሉና።

ዓለምና ስለ ገንዘብን ንገንዘብን ዝሠርሕ ካብ ኮነ ዝኾነ ብዛዕባ ነጻ ውህበት ዝዝረብ ምናዳ ኸኣ ሕይወት ብነጻ ውህበትን ተወፋይነትን እዩ ትርጉም ትረክብ ዝብል ኣምር ርእሱ የዙሮ ከመይ ኣብ ንፍገት ዝተመሥረተ ስርርዕ ስለዝኾነ። ርእሲ ምዛር ጥራይ ዘይኮነ ቅጭ እውን የምጸኣሎም እዚ ዝኾነሉ ከኣ ምስክርነት ክርስትያን ሠናይ ዝገብር ብዙሓት ሰዓብቲ ስለዘፍሪ ነቶም መንፈስ ዓለምን ኣተሓሳስባ ዓለምን ዘለዎም ክጻወርዎ ኣይኮነሎምን እዩ። ከመይ ንሕልናኦም ስለዝወቅሶም ኣይጻወርዎን። ከምቲ ጥበበ ሰሎሙን 2.14 ዝብሎ እቲ ሠናይ ተግባር ናይቲ ናይቲ ነዘን መንገዲ ብፅዕና ዝኽተል ብትንቢት ከኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕንቅፋት ስለዝኾኖም ንዑ ነወግዶ ክብሎ ከምዝቃወምዎ ነቶም ነዚ መንገዲ ብፅዕናን ቅድስናን ዝኽተሉ ደቂ እግዚአብሔር እውን ዘጋጥሞም ካብቲ ናይ ወልደ እግዚአብሔር ዘይፍለ ስለዝኾነ ከምቲ ናቱ ናብ ሕይወት ዘለዓለም ስለዝሳገሩ ብፁዓን ንብሎም። ሓንሳእ ሓንሳእ ኣብ ስደት ሰማዕታት እቲ ጽልኢ ክሳብ ጥርዙ ይበጽሕ እሞ ጸለመን ሕንክርናን ክዓቢ ክትርኢ እንታይ ኰይኖም ኢልካ ክትሓትት ውጥምና ይሕዘካ። ናይ ዝሓለፈ ዘመን ስደት ክርስትናን ጭቆናታት ኮሙኒስት ኤውሮጳን ምርኣይ እኹል እዩ። ተጻይ ክርስትያን ክሳብ ክንደይ ጸለመን ናይ ሓሶት ክስን ተጻይ ምስክርነቶምን ጅግንነቶምን ዝግበር ዝነበረ ዘመተ ምርኣይ እኹል እዩ።

እንተኾነ እዚ ድራማ ስደት ነቶም ብከንቱነት ዓለም ዝብድዑን ምስ ዓለም ተቆማጢዖም ንዝነብሩን ከም ምልክት ነጻነትን ዓወትን ዝረኣየሉ ኩነት ዶ ኣይኮነንን ክንብል ንኽእል። እቲ ስለ ክርስቶስ ክብል ካብ ኩሉ ናይዚ ዓለም እዚ ጣዕሚ ዝተነጸለስ ብምንታይ እዩ ክሕጐስ እንተበልና! ከምቲ ወንጌል ዝብሎ መላእ ዓለም ረቢሑ ክህቦ ካብ ዝኽእል ሓጐስ ንላዕሊ ስለዝወነነ እዩ ብጣዕሚ ዝሕጐስ መልሱ። ኣብ ማር 8.36 'ሰብ ዓለም ምሉእ ረቢሑ ነፍሱ እንተ ኣጥፍኤ ረብሓኡ ኣበይ ኣሎ' ዝብሎ እዩ ነገሩ። እሞኸደኣ እቲ መኽሰቡ ኣበይ ኣሎ! እንታይ እዩ መኽሰቡ!

ኣብዚ ግዜና ሎሚ ከም ሎሚ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት ዓለምና ብዙሓት ክርስትያን ኣሕዋትና በብዓይነቱ ዝኾነ ስደት ምቅባሎም ብሓቂ ዘሕዝን እዩ ስለዚ ምእንታኦም ክንጽልን እዚ ፈተና እዚ ደው ክብል ክንትስፎን ክንጽልን ኣሎና። ደጋጊመ ከምዝበልኵዎ ናይ ሎሚ ሰማዕታት ካብቶም ናይ መጀመርያ ክፍለ ዘመን ሰማዕታት ንላዕሊ እዩ ብዝሖም። ነዞም ኣሕዋትን ኣሓትን ቅርበን ንግለጸሎም ከመይ ሓደ ሥጋ ኢና እዞም ክርስትያን እዚኦም ናይታ ብደም ተዓሊሳ ዘላ ኣካል ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስትያን ኣባላት እዮም።

ነዛ መንገዲ ብፅዕና እዚኣ ብመንገዲ ግዳይ ምዃንን ነፍስኻ ምትሓትን ምቅጻዕን ገርና ክንምልከታ የብልናን። ከም ሓቁ ብካልኦት ዝተናዓቅካ ምዃን ስደት ማለት ኣይኮነን ከመይ ኢየሱስ ነዛ ትምህርቲ እዚኣ ምሂሩ ኣስዕብ ኣቢሉ ዝብሎ 'ጨው ምድሪ ኢኹም' ጨው መቀረቱ እንተኣጥፌ ንምንታይ ይጠቅም ንደገ ይድርበ ሰብ ይረግጾ (ማቴ 5,13) እንክብል ከም ክርስትያን መቀረትና ከይነጥፍእ ይምዕደና። ስለዚኸስ ካልኦት ዘይቅበሉና ዝንዕቁና ብሕመቅና እውን ክኸውን ይኽእል ነዚ ከኣ ወንጌል መቀረት ጨው መቀረት ክርስቶስ ከይተጥፍኡ ሓደራ ዝብለና። ንትምህርቲ መንገዲ ብፅዕና እሙና ሓለውቲ ትሑታት ክንከውን የድሊ ከመይ ናይ ዓለም ዘይኮነ ናይ ክርስቶስ ምዃና ዝገልጹ ናብ ክርስቶስ ዘብጽሑ ስለዝኾኑ። ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ቆላ 1.24 'ሕጂ በቲ ምእንታኹም ዝዀነ ጸበባይ እሕጐስ አሎኹ፡ ምእንቲ ስጋኡ፡ ንሳ ድማ እታ ማሕበር እያ፡ ብስጋይ ነቲ ጐደሎ መከራ ክርስቶስ እምልእ አሎኹ' እንክብል ንክርስትያን ከሳድድ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ቅኑዕን ጻድቅን ኰይኑ ይስምዖ ከምዝነበረ እንተኾነ ንሱ ክሰደድ ምስ ጀመረ ናይ ፍቅሪ ሰብ ኰይኑ ስቃዩ ብታሕጓስ ከምዝተቀበሎ ይገልጽ።

እግዚአብሔር ክንቅበሎ እንተፈቂዱልና ምጉናይን ስደትን ንኢየሱስ ስቁል ከም እንመስል ይገብሩና! በዚ ከኣ ኣብታ መግለጺ ሓዲስ ሕይወት ዝኾነት ሕማማቱ ንሳተፍ። እዛ ሕይወት እዚኣ ናይ ክርስቶስ ሕይወት እያ። ናይ ክርስቶስ ሕይወት ከኣ ከምቲ ነቢይ ኢሳ 53.3 ግሐ 8.30 ዝመልክቶ ምእንቲ ድሕነትና 'ተናዒቑ ብሰባት ከኣ ተዋሪዱ'። መንፈሱ እንተደኣ ተቀቢልና ንሕይወትና ክሳብ ምውፋይ ንከንፍቅር ፍቅሩ ኣብ ልብና ይዘርእ ነዚ ከኣ ምስ ዓለም ምንም ዓይነት ምውዕዓል ከይገበርና ዘቅርበልና መደናገሪ ነገራት ክሒድካ ነቲ ዘቅርበልና ንዕቀትን ውርደትን ከም ክርስቶስ ንክንቅበል የኽእለና። ካብቲ ቀንዲ ሓደጋታት ሓደ ዓለም ዘቅርበልና ውዑላትን ስምምዓትን ኰይኑ ክርስትያን ዘበለ ኩሉ ወትሩ በዚአን ምስ ተፈተነ እዩ መንፈስ ዓለምን ቃል ዓለምን ሓያል ፈተና እየን። ነዚ ኣይፋል ኢልካ መንገዲ ክርስቶስ ምምራጽከስ ሕይወት መንግሥተ ሰማያት ናይታ ዓባይ ታሕጓስ ናይ ደስታ ሕይወት እያ። ኣብ ግዜ ስደት በይንና ኣይኮናን ኢየሱስ ክርስቶስ ወትሩ ኣብ ስደት የሰንየና እዩ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ንቅድሚት ክንግስግስ ይሕግዘና። ብወንጌል ዝምራሕ ሕይወት ካብ ዓለምን ሕዝቡን ስደት ከምጽኣልና እንከሎ ክንደሃል ተስፋ ክንቈርጽ የብልናን ከመይ ኣብዛ መንገዲ እዚ ዝድግፈና መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ምሳና እዩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
29 April 2020, 12:22