ድለ

ትንሳኤ ክርስቶስ ትንሳኤ ክርስቶስ  ርእሰ ዓንቀጽ

እምነት ኣብቲ ዝተንስኤ፥ ኵሉ ንሰናይን ዕማማና ኵሉ እውን ይልውጥ

“ኣብዛ ለይቲ እዚኣ - ይብሉ ር.ሊ.ጳ. - መሰረታዊ ዝኾነ መሰል ንዓትር፡ ማንም ክምንዝዖ ዘይከኣሎ፥ ናይ ተስፋ መሰል ክብረትን፡ ሓድሽን ህያውን ካብ እግዚኣብሔር ዝመጽእ። እዚ ሃውጺ ትስፉውነት ወይ ከኣ ኣጆኻ ዝብል ዝባን ጠፍ ምባልን ከከም ኣጋጣሚ በርትዕ ዝብልን ሓላፊ ፍሽኽታን ማለት ኣይኮነን፡ ካብ ሰማይ ዝመጽእ ጸጋ እዩ

ብስራት ትንስኤ ኣብቲ መላእ ዓለም ኣብ ዘሕልፎ ዘሎ ጸላም፡ ዝብል ሓሳብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀዳም ምሸት ኣብ ዋዜማ ፋሲካ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዘስመሩሉን፡ ሰንበት በዓለ ፋሲካ ፍርቂ መዓልቲ Urbi et Orbi - ቡራኬ ንከተማ ሮማን መላእ ዓለም እንክህቡ ኩላትና ናይ ሓንቲ ስድራ ቤት ኣባላት ኰይንና ክስምዓና ዝብል ሓላፍነት ከምዘተሓሳስቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቡ ብዙሓን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ (Andrea Tornielli) ኣንድረያ ትርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀዳም ለይቲ ኣብ ዋዜማ ፋሲካ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ምእመናን ዘይብሉ ጥርሑ ክዉን ብዘይመስል ሃዋሁ ተሸፊኑ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት፥ እቲ ለብዒ ኣብ ዝተቐልቀለሉ እዋን ሕዝቢ ኣብ ሰገነትን ኣብ ኣባይቲ መዓጹን ዝለጠፎን ኣብ ጨርቕን ወረቐትን ዝጸሓፎ “ኵሉ ሰናይ ክኸውን እዩ” ዝብል ጭርሖ ጠቒሶም፡ ፍቱዋቶም ንዝስኣኑን በዚ ለብዒ’ዚ ከቢድ መጉዳእታ ንዘጓነፎምን ኣባይቲ ስድራ ኵሉ ሰናይ ክኸውን እዩ ምባል ከቢድ ይኸውን፡ ምስቲ ለብዒ ተተሓሒዙ ብዝተኣታተወ ቅልውላው ንስእነት ስራሕ ዝተቓልዑን ንቤቶምን ደቃቶም ዝብላዕ ንምቕራብ ክሳብ ዝሰኣኖምን ድሕሪ እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ስዒቡ ዝመጽእ ከቢድ ቅልውላው ንፍርሒ ዝተዳረጉን ዝጽበየና መጻኢ ብርግጽ ከቢድ ከምዝኸውን ርጉጽ ዝኾነን፡ ድሕሪ እዚ ዅሉ “ኵሉ ንሰናይ ክኸውን እዩ ምባል ትርጉም ይህልዎ ዶ?

“ኣብዛ ለይቲ እዚኣ - ይብሉ ር.ሊ.ጳ. - መሰረታዊ ዝኾነ መሰል ንዓትር፡ ማንም ክምንዝዖ ዘይከኣሎ፥ ናይ ተስፋ መሰል ክብረትን፡ ሓድሽን ህያውን ካብ እግዚኣብሔር ዝመጽእ። እዚ ሃውጺ ትስፉውነት ወይ ከኣ ኣጆኻ ዝብል ዝባን ጠፍ ምባልን ከከም ኣጋጣሚ በርትዕ ዝብልን ሓላፊ ፍሽኽታን ማለት ኣይኮነን፡ ካብ ሰማይ ዝመጽእ ጸጋ እዩ፡ ባዕልና ክንረኽቦ ዘይከኣለና”። ኣብ ዝስዕቡ ሰሙናት ብትብዓት ኩሉ ሰናይ ክኸውን እዩ ንበል፡ ማዓልታት ምስ ዝሓለፍን ፍርሒ ኣናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ እዋን እቲ ቆራጽ ተስፋ እንብሎ እውን ከነብንኖ ዝከኣል እዩ፡ እቲ ናይ ኢየሱስ ተስፋ ግና ፍልይ ዝበለ እዩ፡ ኣብ ልባትና እግዚኣብሔር ኵሉ ናብ ሰናይ ይቕይሮ ዝብል እዩ ርግጽነት ዘንብር። ኣብቲ ጽባቔ ሰብኣውነትና ጽሙራት ኰይንና ካብ መዓሙቕ ልባትና ናይ መተባብዒ ቃል ክሳብ ዝምንጭው። ማዓልታት ምስ ዝሓለፍን ፍርሒ ኣናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ እዋንን እቲ ቆራጽ ተስፋ እንብሎ እውን ከነብንኖ ዝከኣል እዩ፡ እቲ ናይ ኢየሱስ ተስፋ ግና ፍልይ ዝበለ እዩ፡ ኣብ ልባትና እግዚኣብሔር ኵሉ ናብ ሰናይ ክቕይሮ እዩ ዝብል ርግጽነት ዘንብር፡ ሰለምንታይ ካብ መቓብር ሕይወት ዘተንስእ ብምዃኑ።

ስለዚ ብርግጽ ኵሉ ሰናይ ኽከውን ኣይኮነን፡ እቲ ዝተሰቅለ ኣካሉ ብዘስካሕክሕ ጭካነ ዝተገረፈን ኣካሉ ዝቖሰለን እቲ ኣብ ዓርቢ ስቕለት ዘስተንተንናዮ በቲ እዚዩ መግለጺ ውርደትን ብዝዀነ ኣገባብ ዝተቕተለ ካብ መቓብር ፈንጺጉ ብሕይወት ተንስኣ እዩ እቲ ርጉጽ ዝዀነ፡ እግዚኣብሔር ስቓይን ሞትን ናይ ንጹሓን ስቓይን ኣብ ገዛእ ወዱ በይንና ከይንኸውን ብዝተመከሮ ነቲ ስለምንታይና ሕቶ መሊስዎ እዩ። ክርስቶስ፥ ተስፋይ ተንሲኡ እዩ! - ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኡርቢ ኤት ኦርቢ - ንከተማ ሮማን ንመላእ ዓለምን ቡራኬ ክህቡ እንከለዉ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ጸገማት ኩሉ ዘጥፍእ ሽሕር ኣይኰነን፡ ናይ ክርስቶስ ትንሳኤ ሽሕር ኣይኰነን፡ በንጻሩ ዓወት ፍቕሪ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ክፍኣት ሱር ስቓይን ሞትን እዩ፡ ሞትን ስቓይን ነጢሩ ዘይከይድ ዓወት፥ እቲ ናይ እግዚኣብሔር ፍሉዩ ምልክታ ክፋእ ናብ ሰናይ ዝልውጥ ኣብቲ ድቕድቕ ዝበለ ደልሃመት መገዲ ኣብ ምፍጣር እዩ።

ናይ ፍራንቸስኮ መልእኽቲ ፋሲካ ብክውንነት “እዚ ዘለናዮ ጊዜ ናይ ዘይተገዳስነት እዋን ኣይኮነን” እንክብሉ ዘሎና ሓላፍነትና የተሓሳስቡና፡ “ስለዚ ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንምብዳህ ዓለም ኩሉ ውህደቱ ክረክብ ኣለዎ” ይብሉ። እቲ ዘሎና ክልተ ህብስትን ሓሙሽተ ዓሳን ከነቕርብን ነቲ ሰራሕ ተኣምር ምስጋና ይዅኖ ነቲ ብዙሕ ሕዝቢ ዝዕግል ይገብሮ፡ “እዚ እዋን’ዚ ናይ ኢጐነት ጊዜ ኣይኮነን፡ ስለምንታይ እቲ ንገጥሞ ዘሎና ብድሆ ንኹላትን ሓደ ዝገብርን ኣብ መንጐ ሰባት ፍልልይ ዘይገብር ብምዃንን (ዘይፈላልይ)”፡ ተባዓት ንኽንከውን ይዕድመና፡ ንሕይወት ሕራይ ንኽንብልን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዋዜማ ፋሲካ ደጋጊሞም፥ “ናይ ለይቲ ገዓር ትም ነብሎ፥ ውግእ የብቅዕ! ምህርትን ንግድን ኣጽዋር ውግእ ደው ይበል፡ ስለምንታይ እንጌራ እምበር ብረት ኣይኮነን ዘድልየና፡ ሕይወት ንጹሓን ዝቕንጽል ጽንሲ ምንጻል ይገታእ፡ ነተን ጥርሐን ዝኾና እዳው ብመሰረታዊ ኣድላዪ ኩሉ ክመልኣ መታን ልቢ ናይቶ ርዅባት ክፉት ይኹን”ከምዝበልዎ።

ኣብዚ ኵነት’ዚ ንኤውሮጳ እውን ጻውዒት ንኸቕርቡ ዕድል እውን ይረኽቡ፥ ስለምንታይ ኣብዚ ናይ ጸላማ ሰዓት’ዚ ተጻባእነት ዘዕትሮ ስድር ኣይክህሉን እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ኣካል ናይ ሓንቲ እንኰ ስድራን ንሓድ ሕዶም ዝደጋገፉ ምዃንና ከነስተውዕል ይግባእ”፡ ናይ ቅዱስነቶም “ኤውሮጳ ኣብ ቅድሚኣ ናታን ናይ መላእ ዓለም መጻኢ ዝውስን መዋእላዊ ብድሆ እዩ ተዓሪድዋ ዘሎ፡ ዝተበጽሑ ሕዳሴታት እውን ብምጥቃም እዚ ኩነት እዚ ናይ ናምድግጋፍን ምትሕስሳብን ተመክሮ ኣትገብረሉ ከይኮነ ከይተርፍ ነዚ ግዜ እዚ ኣይተባኽኖ፡ ናይዚ ተጻራሪ እቲ ዓብይ ስግኣት ናይ ውልቂ ፍሉይ ረብሓታት ዝብል ኢጐነት፡ ነቲ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ናይ ዝመጽእ ወለዶ ምዕባለን ንከቢድ ፈተና ዘቃልዕ ናብቲ ዝተሓልፈ ታሪኽ ምምላስ እዩ ዝኸውን” ከምዝበሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ጠቒሶም ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዛዚሞም።

(Andrea Tornielli)

13 April 2020, 02:52