ድለ

ሰላም ማለት ዝከፈልካ ከፊልካ ዕርቂ ምምጻእ እምበር ቅሳነት ኣይኮነን! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 15 ሚያዝያ 2020 ዓም ነቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ብተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ኣብ ዘመሓላለፈሉ 'ሰላም ክርስቶስ ፍረ ሞቱን ትንሣኤኡን ኰይኑ ገበርቲ ሰላም ምዃን ከኣ ሓደስቲ መንገድታት ፍቅሪ ንምንዳይ ሕይወትካ ምውፋይ እዩ' እንክብሉ ብዛዕባ እታ ሳብዐይቲ መንገዲ ብፅዕና ነዚ ዝስዕብ ሰፊሕ ትምህርተ ክርስቶስ ብቋንቋ ጣልያን ኣቅሪቦም።

ዜና ቫቲካን

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም! ናይ ሎሚ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ እታ 'ገበርቲ ሰላም ብፁዓን እዮም፡ ከመይ ደቂ እግዚአብሔር ክበሃሉ እዮም' ትብል ሻብዓይቲ መንገዲ ብፅዕና ክንምልከት ኢና። ድሕሪ ፋሲካ ክነስተንትና ብምኽኣልና ደስ ይብለኒ፡ ከመይ ኣብ መልእኽቲ ጳውሎስ ከምዝሰማዕናዮ ሰላም ክርስቶስ ፍረ ሞቱን ትንሣኤኡን እያ። ነዛ መንገዲ ብፅዕና ኣዚኣ ብዝበለጸ ንምርዳእ ነታ ብዙሕ ግዜ ዘይትርጉማ ዝወሃባ ሓንሳእ ሓንሳእ ኣብ ዓመጽ እትወድቅ ሰላም ትብል ቃል ትርጉማ ምግላጽ የድሊ።

ክልተ ዝተፈላለያ ትርጉማት ሰላም ክንምልከት የድሊ። እታ ቀዳመይቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ እንረኽባ ጥዕምቲ ቃል ሻሎም እትብል ኰይና ምልኣት ዘለዋ ቅሳነትትን ብልጽግናን ተመልክት እያ። እንተኾነ ኣብ ሓቅን ፍትሕን ዝተመሥረተ በቲ መስፍን ሰላም ዝኾነ ፍጽምና እትረክብ ሰላም እውን ኣላ (ኢሳ 9.6 ሚክ 5.4)። ካልእ ትርጉም ዘለዎ ብዙሕ ግዜ እንጥቀመሉ ካልኣይ ትርጉም እውን ኣሎ። ኣብዚ ትርጉም ሰላም ቅሳነት ውሳጣዊ ቅሳነት ኰይኑ ሰላም ኣሎኹ እንክንብል ውሳጣዊ ቅሳነት ኣሎኒ የስምዕ። እዚኣ ናይ ዘመንና ሓሳብ ኰይና ግላውን ሥነ ኣእምሮኣውን ኩነት ትገልጽ። ብልማድ ነዛ ሰላም እዚኣ ዝውንን ቅሱን ውሳጣዊ ሚዛኑ ዝሓለወ ምስ ኩሉ ዝተወሃሃደ ተስምዕ። እንተኾነ እዛ ሰላም እዚኣ ፍጽምና ወይውን ምልኣት የብላን ከመይ ኣብዚ ቃልሲ ዝኾነ ሕይወት ናይ ዕብየት ሓርጐጽጐጽ ስለዘይተርፍ። ብዙሕ ግዜ ኣብ ሕይወትና ሃረርታን ሓርጐጽጐጽን ዝሰደልና ንኣኡ ሃረር ክንብል እሞ ክሳብ ንረኽቦ ኣብ ልብና ዘውርዶ ጐይታ እዩ። በዚ ከኣ ክሳብ ንጐይታ ረኺብካ ቅሳነት እትረክብ ዘንቀሳቅስ ናይ ዕብየትን ብስለትን ጒዕዞ ግድን እዩ። ብካልእ ወገን እዚ ውሳጣዊ ቅሳነት ኣብ ዝደቀሰ ሕልና እምበር ኣብ መንፈሳዊ ድሕነት ዝተመሥረተ ክኸውን ኣይክእልን። ጐይታ ብዙሕ ግዜ ከምቲ ስምዕን ነቢይ ኣብ ወንጌሉ ዝብሎ `ትእምርቲ ምጽራር' (ሉቃ 2.34) ኰይኑ ነቲ ብኣነነት ንፈጥሮ ግጉይ ውሕስነት ነቅኒቁ ናብ ድሕነት ዘብጽሕ እውን ክኸውን ይኽእል። ኣብ ከምዚ ዝበለ ጒዕዞ ሰላም ዘሎ ኣይመስልን ኰይኑ ግን ጐይታ ባዕሉ እዩ በዚ ከምዚ ገይትሩ ናብቲ ንሱ ባዕሉ ዝህበና ዝኾኖ ሓቀኛ ሰላም ንከብጽሓና ይሰርሕ።

በዚ ከምዚኸስ ጐይታ እታ ንሱ ዝህበና ሰላም ካብቲ ዓለም ዝህበና ሰብኣዊ ሰላም ዝተፈልየ ምዃኑ እንክገልጸልና `ሰላመይ እሓድገልኩም ሰላመይ ከኣ እህበኩም እዛ ኣነ ዝህበኩም ሰላም እዚኣ ከምቲ ዓለም ዝህቦ ሰላም ኣይኮነን' (ዮሓ 14.27) ይብል። ስለዚ እታ ኢየሱስ ዝህበና ሰላም ካብዚ ናይዚ ዓለም ሰላም ዝተፈልየ ሰላም እዩ። እስኪ `ዓለም ከመይ ገሩ እዩ ሰላም ዝህበና!` ኢልና ንሕተት። ብዛዕባ እዞም ከቢቦምና ዘለው ግጭታት ውግእ ብዙሕ ግዜ ብስዕረት ናይቶም ተዋጋእቲ ዝፍጸም ወይውን ብውዑል ሰላም ዝፍጸም ጉዳያት እስኪ ንሕሰብ። ብዙሕ ግዜ እዛ ካልአይቲ ማለት ብውዑል ሰላም ኩሉ ግጭታት ውግእ ደው ክብል ካብ ምምናይን ምጽላይን ካልእ ኣማራጺ የብልናን ከመይ ታሪኽ ቈጺርካ ብዘይውድኡ ዝፈረሱ ውዑላት ሰላምን ውግኣትን ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተለዋወጡ ዝነብሩ ብዙሕ ኣሎ። ኣብዚ ዘመንና እውን እንተኾነ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታን ብዝተፈላለየ ኣገባብን ዝካየድ ዘሎ በብጭራም ዝካየድ ውግእ ንርእዮን ንሰምዖን ዘሎና እዩ። እንተወሓደ ክንግንዘቦ ዘሎና ግሎባላይዘይሽን ወይውን ዓውለማነት እንብሎ ናይ ዘመንና ውህደት ብጥቅሚ ገንዘብ ዝተገብረ ብምዃኑ ናይ ገሊኦም ሰላም ናይ ካልኦት ውግእ ከምዝኸውን ንግንዘቦ እዩ። እዛ ሰላም እዚኣ ናይ ክርስቶስ ሰላም ኣይኮነትን።

እሞኸ ደኣ ጐይታ ኢየሱስ ከመይ ገሩ እዩ ሰላሙ ዝህበና! ነዚ ኣብ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ክንበብ ከምዝሰማዕናዮ 'ንሱ ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጽሪውን ዘፍረሰ፡ ሰላምና እዩ እሞ' (ኤፌ 2,14) ክብል ሰላም ክርስቶስ ንጽልኢ ኣልዩ ዕርቂ ዝህብ ምዃኑ ይገልጸልና። ነዚ ተልእኮ እዚ ዝፈጸመሉ ከኣ ብኣካሉ እዩ። ከምቲ ኣብ ቆላ 1.20 ዝብሎ ኸኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኩሉ ነገራት ኣተዓሪቑ በቲ ኣብ መስቀል ዝፈሰሰ ደሙ ገሩ ሰላም ገበረ። ኣብዚ ኣነ ዝሓቶ ሕቶ ኣሎኒ ኩልና እውን ክንሓቶ ንኽእል! መንከ እዮም እቶም ገበርቲ ሰላም ዝበሃሉ ዘለው! እዛ ሎሚ ንምልከታ ዘሎና ሻብዓይቲ መንገዲ ብፅዕና ልዕሊ ኩለን ተግባር ትሓትት እታ ገበርቲ ትብል ቃል ኣብ መጀመርያ ዘፍጥረት ምስታ እግዚኣአብሔር ሰማይን ምድርን ገበረ ዝብል ናይ ምፍጣር ሓይለ ቃል ዘለዋ እያ። ፍቅሪ ብባህሪኡ ፈጣሪ እዩ ወትሩ ምስ ኣሓደሰን ተበግሶኣዊ ፍጥረት ክገብርን ዝተኸፈለ ይከፈል ዕርቂ ይኹን ይብል። ነዚ ኣምር ሰላምን ዕርቅን ተረዲኦም ሰላምን ዕርቅን ከውርዱ ዝውፈዩ መሥዋዕትነት ሕይወት ከይከፈልካ ዕርቂ ከምዘየሎ ዝፈልጡ ዝኸፈሉ ከፊሎም ሰላም ዝደልዩኸስ ደቂ እግዚአብሔር ይበሃሉ። ብዝኾነ መልክዒ እንትርፊ ሰላም ካልእ ዘይደልዩ እዩ። እዚ ተግባር እዚ ግን ባዕልና እንኽእሎ ተግባር ደቂሰባት በይኑ ኣይኮነን እታ ካብቲ ሰላምና ዝኾነን ደቂ እግዚአብሔር ዝገበረናን ክርስቶስ ዝረኽብና ሰጋ ክርስቶስ እያ።

እታ ሓቐኛ ሻሎም እታ ሓቀኛ ውሳጣዊ ሰላምን ቅሳነትንከስ ካብ ሰላም ክርስቶስ ካብቲ ሓዲስ ዘመደ ኣዳም እተመንጩ መስቀሉ እያ እትውሕዝ። እዚኣ ወሓዚት ሰላም እዚኣ ከኣ መወዳእታ ብዘይብሎም ቅዱሳንን ቅዱሳትን ሰላም ዝፈጠሩ ወትሩ ሓደስቲ መንገድታት ፍቅሪ ብዝመሃዙ ሥጋ ለቢሳ ተገሊጻ እያ። ቅዱሳንን ቅዱሳትን ሰላም ይሃንጹ። እዛ ሕይወት ደቂ እግዚአብሔር ዝኾነት መንገዲ እዚኣኸስ እታ ብደም ክርስቶስ ዝተረኽበት ኰይና ወትሩ ነሕዋቶም ሃሰስ ክብሉን ምስ ረኸብዎም ሓቀኛ ሓጐስ ከምዝሕጐሱን ትገብር። በዛ መንገዲ እዚኣ ዝመላለሱ ብፁዓን እዮም። ሎሚ እውን እንደገና ብሰላም ክርስቶስ ብሩኽ በዓለ ፋሲካ እምነየልኩም።

ብድምጺ ንምክትታል!
15 April 2020, 12:07