ድለ

2020.04.22 ሳምታዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ 2020.04.22 ሳምታዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ  

ዓውለማዊ ግድላት ብሓባር ኢኻ እተሸንፎም እሞ ንመሬትና ንምሕዋይ ምንቅስቃስ ካብ ባይታ ንጀምር!

ሎሚ ዓለመለኸ ዕለተ መሬት ካብ ዝጅምር መበል ሓምሳ ዓመቱ ይዝክር ስለዘሎ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ልሙድ ሳምታዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ነታ እግዚአብሔር ክንሕልዋ ሓደራ ዝተዋህበትና መሬት ዝምልከት ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመርኲሶም ምስ መሬትን ኣብኣ ዘሎ ፍጥረታትን ክህልወና ዘለዎ ርክብን ሓድሕዳዊ ሓልዮትን ኣመልኪቶም ነዚ ዚስዕብ ትምህርተ ክርስቶስ ኣቅሪቦም።

ቃል አምላኽ፡  ፟እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ኣብ ኤድን ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ተኸለ። ነቲ ዝገበሮ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣንበሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ምርኣዩ ዜብህግ፡ ምብላዑ ዝጥዑም ኵሉ ኦም ኣብ ምድሪ ኣብቈለ፡ ኣብ ማእከል ገነት ከኣ ኦም ህይወት፡ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ድማ።   እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ወሲዱ፡ ኪዐይያን ኪሕልዋን ኣብ ገነት ኤድን አቐመጦ።፟ (ኦሪት ዘፍጥ 2 .8-9.15)

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ደሓንዶ ሓዲርኩም! ሎሚ መበል 50 ዓመት ዓለምለኸ ዕለተ መሬት ነብዕል ኣሎና። ነዛ ናይ ሓባር ቤትና ዝኾነት ዓለምና ፍቅርና ክነሐድሰላን ንኣኣን ድኽም ዝበለ ኣባላት ሥድራቤትናን ክንከናኸንን ሓላፍነት ዘሰክመና ዕድል እዩ። ከምቲ ኣብዚ ቅንያት እዚ ለበዳ ሕማም ኮረና ባይሩስ ዘግህደልና ዘሎና ኩልና ብሓባር ኰና ድኹማት ወገንና ምስ እንሕግዝ ጥራይ ንዓውለማዊ ግድላት ክንፈትሖም ንኽእል። ሓዋርያዊት መልእኽቲ ላውዳቶ ሲ ስቡሕ ወውዱስ ከም ኣርእስቲ `ብዛዕባ ምንክብኻብ ሓባራዊት ገዛ` መሪጻ። ሎሚ ብሓባር ቁሩብ እንከነስተንትን ከምቲ ኣብ ቊ.160 ተመልኪቱ ዘሎ ነቲ ኣብዛ ዓለም ከም ኣጋይሽ እንሓልፈሉ ዘመናትና ብሓላፍነት ከመይ ኢልና ንነብሮ ንዝብል ሕቶ ኣብ ሕልናና ብምስልሳል እዩ። ነዛ ሓባራዊት ቤትና ኣብ ምሕላው ንዘሎና ኣፍልጦ ክነዕብዮ ኣሎና።

ንሕና መሬት ኢና ካብ መሬት ተፈጢርና ፍረ መሬት ከኣ ብሕይወት ንክንቅጽል ይድግፉና። ኰይኑ ግን ከምቲ ኦሪት ዘፍጥረት ዘዘኻኽረና መሬታውያን ጥራይ ኣይኮነን ጐይታ ድንን ኢሉ ኡፍ ዝበለልና መንፈስ ሕይወት እውን ንውንን ኢና (ዘፍ 2.4-7)። ስለዚ ኣብዛ ሓባራዊት ገዛና ዝኾነት መሬት ከም ሓንቲ ሥድራ ዘመደ ኣዳም ኰና ምስቲ ዝተፈላለየ ፍጥረታት እግዚአብሔር ንነብር። እግዚአብሔር ብኣርኣያኡን ኣምሳሉን ስለዝፈጠረና ከምቲ ናቱ ንኩሎም ፍጡራት ክንሕብሕብን ብፍቅርን ለውሃትን ነሕዋትናን ንኣሓትናን ብፍላይ ከኣ ነቶም ድኽም ዝበሉን ተኣፈፍትን ብምቅላብ ነቲ እግዚአብሔር ኣብ በቲ ንኩነታትና ክሳተፍን ከድሕነናን ሰብ ዝኾነ ብፍቁር ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ገሩ ዝገለጸልና ፍቅሪ ንሕና እውን ብዓቅምና ክንገብሮ ንኽእል።

ንኣይ ይጥዓም ዝብል መንፈስ ዓብሊሉና እብዛ ነዛ መሬት እዚኣ ክንዕቅባን ክነመሓድራን ዝተዋህበትና ሓላፍነት ጐዲልና ንርከብ። ከምቲ ኣብ ስቡሕ ወውዱስ ቊ.61 ተመልኪቱ ዘሎ 'ናይዛ ሓባራዊት ገዛና ዕንወት ንምርዳእ ንነብሮ ንዘሎና ኩነታት ብገርሀይና ልቢ ምዕዛብ ጥራይ ይኣክል'። ንሕይወትናውን ከይተረፈ ኣብ ሓደጋ ብምውዳቅ በኪልናያ ዘይመልክዓ ኣልቢስናያ። ነዚ ንምፍዋስ ከኣ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻውን ዞባውን ምንቅስቃሳት ቈይመን ንሕልናታትና ከነቃቅሓ ፈቲነን። ነዚ ተበግሶ ንዝወሰዱ ብልበይ እንከመስግኖም ካብዚ ብዝለዓለ ከኣ ደቅናን ደቂደቅናን ኣብ መንገድታት ተኣኪቦም ንዓና እንክምህሩና እውን ዘደንቅ ነገር እዩ። እዚ ኸኣ ብግህዶ ዝብሉና ዘለው በዚ ዘሎ ኩነታት እንተቀጺልናን ነቲ ሒዙና ዘሎ ከባቢና እንተኣዕኒናን መጻኢ የብልናን እዮም ዝብሉና ዘለው።

ነዛ ገነት ኤዶምና ዝኾነት ናይ ሓባር ቤትና ሰኣን ምሕላው ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሰኣን ምሕላው ጐዲልና ንርከብ። ተጻይ መሬት ሓጢእና ኣሎና! ተጻይ ብጻይና ሓጢእና ኣሎና ብዝገደደ ኸኣ ተጻይ እቲ ሕያዋይ ኣቦን ፈጣርን ዝኾነ ብሕብረትን ብብልጽግናን ክነብር ዝፈጠረና ኣምላኽ ሓጢእና ንርከብ። እዚ ኩሉ እንክኸውን መሬት እንታይ ዓንየት ግብረ መልሲ ትህብ እንተቢልና ብቋንቋ እስፓኒሽ ዝበሃል ሓደ ብሂል ጽቡቅ ገሩ ይገልጾ። ከምዚ ኸኣ ይብል 'እግዚአብሔር ወትሩ ይምሕር ንሕና ደቂሰባት ሓንሳእ ሓንሳእ ንምሕር ሓንሳእ ሓንሳእ ከኣ ኣይንምሕርን መሬት ግን ፈጺማ ኣይትምሕርን`። መሬት ኣይትምሕርን እንተደኣ ንሕና ንመሬት ኣበላሺናያ ግብረ መልሳ ብጣዕሚ ጨካን እዩ ክኸውን።

እሞኸ ደኣ ምስዛ መሬትናን ምስ ዘመደ ኣዳምን ከመይ ገርና ኢና ተዋሃሂድና ክነብር እንኽእል! እንታይ ንግበር! ሕብረት ውህደት ክንብል እንከሎና ትርጉሙ ይጠፍኣና እንተኾነ ሕብረት ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ እዩ። እንተስ ኣብ ኣብዛ ናይ ሓባር ገዛና እንተስ ምስ ከማና ዚኣመሰሉ ሰባት ዘሎና ርክብ ምስ ብጻይና ምስ ድኻታት ነዚ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ ሕብረት ወይውን ውህደት እዚ ከመይ ገርና ዳግም ነበራብሮ! እታ ዘላትና ምርጫ ብሓዲስ ኣመለኻኽታ ናብዛ ናይ ሓባር ገዛና ቁሊሕ ክንብል ኣሎና። ነዚ ንረዳእ መሬት ክምዝመዝ ዘሎዎ ሃብቲ ጥራይ ዝዓቈረት ኣይኮነትን። ንዓና ንኣመንቲ ወንጌል ፍጥረት እያ። ወንጌል ፍጥረት ኰይና ከኣ ነቲ እግዚኣአብሔር ንኩሉ ክፈጥር ምናዳ ከኣ ንወዲሰብ ሕይወት ክዘርኣሉን ኣብ ናብራኡ ደገፍ ንክትኮኖ ከኣ ክከናኸና ዘለዎ ጸጋ ከምዝዓደሎ ትነግረና። ታሪኽ ፍጥረት ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ በዘን ቃላት እዚአን ይድምድም 'እግዚአብሔር ንዝገበሮ ኩሉ ረኣየ ኩሉ ኸኣ ብጣዕሚ ጽቡቅ ነበረ' (ዘፍጥ 1,31)። ነቲ ኣብ ልዕሊ መሬት ናይ እንገብሮ ዓመጽ ግብረ መልሲ ዝኾኑ ኣብ ዕለታዊ ናብራና ንዘጋጥሙ ባህርያዊ ሓደጋታት እንክርኢ ኣነ ከምዚ ኢለ እሓስብ። 'ንእግዚአብሔር ኣብዛ ሰዓት እዚኣ እንታይ ይሓስብ ይኸውን ኢለ እንተዝሓቶ ከምቲ ኣብ ፍጥረት ዝበሎ ብጣዕሚ ጽቡቅ እዩ ክብለኒ ኣይጽበን' ሥራሕ እግዚአብሔር ካብ ምዕናውከስ ጥንቅቅ ደኣ ንበል።

ዓለምለኸ ዕለተ መሬት እንክነብዕል ነቲ እግዚአብሔር ዝዓደላ ቅዱስ ጐድኒ ዳግም ሃሰስ ምባል ከድልየና እዩ ከመይ ንሳ ገዛና ጥራይ ኣይኮነትን ገዛ እግዚአብሔር እውን እያ። ገዛ እግዚአብሔር ብምዃና ከኣ ኣብኣ እንነብር ኩልና ኣብ ዝተቀደሰ ቦታ ከምዘሎና ክስቆረና የድሊ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ዝጸሓፍክዋ ክብርቲ ኣማዞንያ እትብል ሓዋርያዊት ቃለ ምዕዳን ቊ.56 ዝበልክዎኸስ 'ነቱ እግዚአብሔር ዓዲሉና ዘሎና ዓቢ ውህበት ጽባቄኡ ነስተንትን'። ናይ ምስትንታን ትንቢት ካብ መበቆላውያን ሕዝብታት እንመሃሮ ጉዳይ ኮይኑ ንመሬት እንተደኣ ዘይ ኣፍቂርናያን ዘይእኽቢርናያን ክንሓልየላ ኣይንኽእል እንክብሉ ይምህሩና። ንሳቶም ናይዚ ሠናይ ናብራ እዚ ጥበብ ኣለዎም። ሠናይ መነባብሮ ከምዚ ንሕና ንግንዘቦ ጣዕምን ሸለልትነትን ዘይኮነ ምስ መሬት ተወሃሂድካ ብሕብረት ምንባር እዩ። ንኣታቶም ጽቡቅ ናብራ ማለት ምስ ተፈጥሮ ተወሃሂድካ ምንባር እዩ።

ምስዚ ማዕረ ማዕረኡ ዝኸይድ ክንገብሮ ዘሎና ጉዳይ ከኣ ንከባቢና እንልውጠሉ ጭቡጥ ነገራት ክንገብር ኣሎና። ከም ሓንቲ ሥድራቤት ኰና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ከምዘድልዮ ተረዲእና ብምድግጋፍ ነዚ ንናይ ሓባር ገዛና ከዕኑ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ግድል ብሓባር ክንፈትሖ ንቃለስ። ከምቲ ኣብ ስቡሕ ወውዱስ ቊ.164 ዝበልኩዎ 'ኣብ ነንሕድሕድና ዘሎና ምጽግጋዕ ንእንኮ ዓለምና ከም እንሓስብን ሓባራዊ መደብ ንክንሕንጽጽን ይግድደና'። ከም ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ነዛ ናይ ሓባር ገዛና ንምክልኻል ምትሕብባር ግድን ከምዝኾነ ይርደኣና እዩ። ነቶም ንክመርሑና ሥልጣን ዘለዎም ነተን ብኮፕ15ን ኮፕ16ን ዝፍለጣ ዓለምለኸ ምህጽንታት ኣብ ግብሪ ንከውዕሉ እምሕጸን። ክልቲኤን ብሓቂ ዘድሊ ለበዋታት ኣሕሊፈን።

ነዚ ጉዳይ እዚ ብምዝልከት ማዕረ ማዕረኡ ብደርጃ ሃገርን ክልልን ተመሳሳሊ ምንቅስቃሳት ምውዳብ ከተባብዕ ምድለኹ። ካብ ኩሉ ኩርናዓት ማሕበረሰብና ንዝውፈ ተበግሶ ኣዋሃሂድካ ሕዝባውያን ምንቅስቃሳት ካብ ሓፋሽ ሕዝቢ እንተዝብገስ እውን እብል። እዛ ሎሚ እንዝክራ ዘሎና ዓለምለኸ ዕለተ መሬት እውን ናይ ሎሚ ሓምሳ ዓመት በዚ ኣገባብ እዚ እያ ጀሚራ። ከምቲ ኣብ ስቡሕ ወውዱስ ቊ. 212 ተጻሒፉ ዘሎ ነፍሲ ወከፍና ዝተኻእሎ ከበርክት ይኽእል። 'እዘን ናኣሽቱ ነገራት እዚኤን ንዓለም ዘይልውጣ ኣይምሰልኩም። እዘን ከምዚአን ዝበላ ናኣሽቱ ነገራት ክንዮ ትጽቢትና ዝኽዕነ ፍረ ከፍርያን ከይተራእያ ኣብ መላእ ዓለም ክዝርገሓን ይኽእላ`።

ኣብዚ ናይ ተሓድሶ ዘመን ፋሲካ ነዚ ዘደንቅ ውህበት መሬት ዝኾነ ጸጋ ሃንጐፋይ ቢልና ክንቅበሎን ክነፍቅሮን በዚ ከኣ ንኩሎም ኣባላት ሥድራቤት ዘመደ ኣዳም ክንከናኸን ሓላፍነትና ንልበስ። ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ከኣ ንሰማያዊ ኣቦና 'ፈኑ መንፈሰከ ወይትፈጠሩ መንፈስ ቅዱስ ስደድ እሞ ገጽ ምድሪ ይተሓደ` (መዝ 104.3) እናበልና ብሓባር ንለምኖ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

22 April 2020, 12:05