ድለ

ኢራናውያን ደቀንስትዮ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንምቕራብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪኢ ብቐዳምነት ኢራናውያን ደቀንስትዮ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንምቕራብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪኢ ብቐዳምነት 

መልእኽቲ ኢራንያዊ ኣያቶላህ ናብ ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ምግልጋል ጥሙራት

“በተን ናይ ግልጸት ሃይማኖታት ስነ መጐት፡ ክስተት ተፈጥሮኣዊ መዓት፥ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝፍትኑ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ከምዝዀኑን ናብቲ ጥልቂ ኣናስርካ ተመለስ ዝብሉ መዘኻኸሪ፡ ፍርያም ናይ ሓልዮትን ተወፋይነትን መንፈስ ዘመንጭዉ ናይ ምትንሳእ ተኽእሎ እያቶ”

ማሕበረሰብ ናይ ግልጸት ሃይማኖታት ኣብ ምግልጋል ሰብኣውነት፡ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ዓለም ሓቆፍ ሺዓዊ ኣል ሙስታፋ ዶ ቆም መንበረ ጥበብ ሓለቓ ኢራናዊ ኣያቶላህ ኣሊርዛ ኣራፊ ብስሞምን በቲ ብኣኦም ዝምራሕ መንበረ ጠበብ ስም ናብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘመስሓላለፉ ፊደስ ናይ  ዜና ኣገልግሎት ክሕብር እንከሎ፡ እቲ መልእኽቲ ኣብ`ዚ እዋን እዚ ዝርአይ ዘሎ ለብዒ ናይ ኢራን ጭቡጥ ኵነታትን መንግስቲ እታ ሃገርን ናይ ሃይማኖት መራሕትን ብሓባር ነቲ ተኸስቱ ዘሎ ለብዒ’ዚ ንምብዳህ ዝህብዎ ዘለዎ ግብረ መልሲ ዝሕብር እውን ምዃኑ ይግለጽ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ዳርጋ ብምልኣት ክብሃል ብዝኽእል ናይ መላእ ናይ ኢራን ሺዓውያን ምሁራትን ሊቃውንት ስም ኢራናዊ ኣያቶላህ ናይ ቆም መንበረ  ጥበብ ሓለቃ ኣሊረዛ ኣራፊ ኣብዚ ህጹጽ ናይ ሓደጋ ኣዋጅ ኣብ ዝንበረሉ ዘሎ እዋን ናብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሕላለፍዎ፥ ር.ሊ.ጳ. ነቶም ድኻታት ድጋፍ ክቀርብ ብቐዳምነትብ ዘቕርብዎ ጻውዒትን ዘበርክትዎ ዘለዎ ድጋፍን ኣመስጊኖም፡ ሰብኣውነት ንምግልጋል ኣብ መንጐ ማሕበረሰብ ሃይማኖታትን ምስ ካቶሊካውያን ተቕዋማትን ምትሕብባርን ናይ ተመክሮ ምልውዋጥ ክህሉን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ኵሉ ዘካይድዎ ጻዕሪ ኣመስጊኖም፡ ዝበለ ፊደስ ናይ  ዜና ኣግልግሎት፡ ኣብ ቆምን ኣብ መላእ ኢራንን፡ ምስፋሕ ለብዒ ኮቪድ 19ን እዚ ለብዒ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዝፈጥሮ ዘሎ ስቓይ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕትን ሊቃውንትን ነቶም በቲ ለብዒ ዝዓረፉ ናይ እግዝዚኣብሔር ምሕረትን ነቶም ዝሓመሙ ፈውስን ክምሕጸኑን ስም እግዚኣብሔር ንኽጽውዑ ዝገብር ምዃኑ ዘብርህ ሓሳብ ኣብቲ መልእኽቲ ተመልኪቱ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

መዓትን ማሕበራዊ ጥምረትን ምትሕልላይን

“በተን ናይ ግልጸት ሃይማኖታት ስነ መጐት፡ ክስተት ተፈጥሮኣዊ መዓት፥ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝፍትኑ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ከምዝዀኑን ናብቲ ጥልቂ ኣናስርካ ተመለስ ዝብሉ መዘኻኸሪ፡ ፍርያም ናይ ሓልዮትን ተወፋይነትን መንፈስ ዘመንጭዉ ናይ ምትንሳእ ተኽእሎ እያቶ” ዝበሉ ኢራናዊ ኣያቶላህ ኣብ መልእኽቶም - “ኣብ መንጐ ሃይማኖትን ስነ ምርምርምን ምግርጫውን ተጻብኦነትን ኣሎ ዝብል ኣመለኻኽታ ዝኣልይ ኣብ ኩሉን ኣብ ናይ ጉጅለ መራሕቲ እውን ንማሕበራዊ ጥምረት ዝድግፍ ቅኑዕ መቓረብ ምስፋሕ የድሊ” ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ይሕብር።

ናይ ሃይማኖት መራሕትን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንትን ግደ - ይብሉ ኣብ መልእኽቶም ኢራኒያዊ ናይ ሺዓውያን መንፈሳዊ መራሒ - ኵሉ ናይ ገዝእ ርእሱ መሰረተ እምነት ብምሕያል ብሓባር ነቶም ዝኽሰቱ እዋናውያን ሕጹጽ ሓደጋታት ዝበሃሉ ንኣብነት ዘይሰብኣዊ ድንጋጌ ማዕቀባትን ናይ መሓድሮ ቅልውላዋትን ውግእን ግብረ ሽበራን ኣሸባርነትን ሰብኣዊ ፍጥረት ዘዕንው መጋበርያታት ብጠቕላላ ብድሆታት ንምግጣምን ሕብረተሰብ ንምክልኻልን ጸሎትን ምሕጽንታ ንህላዌ እግዚኣብሔር ምንቕቓሕ እዩ” ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎ ኣፍሊጡ።

06 April 2020, 16:22