ድለ

ኣብ ሶሙነ ሕማማት መስቀልን ወንጌልን ሒዝና ሥርዓተ ኣምልኾ ገዛ ንፈጽም! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ በዚ ዘይንቡር ክንሱ ከምንቡር ንካየደሉ ዘሎና ብመስኮት ተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ካብቲ ንሶም እውን ተወሺቦምሉ ዘለው ከተማ ቫቲካን ነቲ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ሕማማት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣስተምሃሩ ነፍሲወከፍና ኣብዚ ዘመነ ውሸባ ኣብ ገገዛና ኰና መስቀልን ወንጌልን ሒዝና ነቲ ዓቢ ሥርዓተ ኣምልኾ ቤት ዝበልዎ ክንፍጽም ዓዲሞም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም! ኣብዚ ሶሙናት እዚ ለበዳ ለብዒ ሕማም ንዓለም ብዓለሙ ኣብ ዘሰቅየሉ ዘሎ ሁመት ብዙሕ ሕቶታት ንእግዚአብሔር ከይተረፈ ነቅርቦም ኣለው። እግዚአብሔር ኣብ ቅድሚ ስቃይና እንታይ ይገብር ኣሎ! ኩሉ ፋሕፋሕ ክብል እንከሎ እግዚአብሔር ኣበይ ኣሎ! ስለምንታይ እዩ ቀልጢፉ ንጸገማትና ዘይፈትሖ! ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ነፍስወከፍና ብዛዕባ እግዚአብሔር ነልዕሎምን ነውርዶምን ሕቶታት እዮም።

ኣብዚ ኩነት እዚ ክሕግዘና ዝኽእል ኣብዚ ቅዱስ ሶሙን ሕማማት ነስተንትኖ ሕማማት ኢየሱስ እዩ። ኣብዚ እውን እንተኾነ ብዙሓት ዘይተኣደነ ሕቶታት እዮም ዘቅርቡ ከመይ ሕዝቢ እስራኤል ንኢየሱስ ኣብ ኢየሩሳሌም ኪኣቱ እንከሎ ደጊም ኣብቅዔ ካብ ጨቆንትና ሓራ ከውጽኣና እዩ ብዝብል መንፈስ ብዓቢ ሓጐስን ዕልልታን ተቀቢልዎ (ሉቃ 24.21)። እወ ሓደ ሓያልን ዓወት ብዓወት ዝጐዓዝን መሲሕ መውጽኢ ሓራ ምስ ምሉእ ዕጥቁ ይጽበዩ ነሮ። እንተኾነ እቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ መሲሕ ትሑትን ለዋህ ልብን ዝውንን ናብ ንስሓን ምሕረት ዝዕድም ኰይኑ ረኸብዎ። እዚ ሕዝቢ እዚ ከኣ ብዓቢ ሓጐስን እልልታን ተቀቢልዎ እንከብቅዕ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት 'ስቀሎ ስቀሎ' እናበለ ዝጨረሔ (ማቴ 27.23)። እቶም ዝኽተልዎ ዝነበሩ ኸኣ ኩሉ ድንግርግር ኢልዎም ልቦም ምስ ጠፍኦም በይኑ ሓዲጎሞ ሃደሙ። ዋእ ንኢየሱስ እዚ ካብ ወረዶ እቲ መሲሕ ግዲ ዘይኮነ ኰይኑ ኢሎም ሓሰቡ ከመይ እግዚአብሔር ሓያል እዩ እግዚአብሔር ፈጺሙ ኣይሽንፈን ዝብል ናቶም ኣመለኻኽታ ስለዝነበሮ እዮም።

እንተኾነ ነቲ ታሪኽ ሕማማት ኢየሱስ ህድእ ኢልና እንተኣንበብናዮ ሓደ ዘደንቅ ነገር ንረክብ። ኢየሱስ ክመውት እንከሎ እቲ ሓለቃ ሚእቲ ምንም እምነት ዘይነበሮ ሮማዊ ዕብራዊ ዘይኮነስ ኣረማዊ ኢየሱስ ኣብ መስቀል ኪሳቀ ምስ ረኣየን ንኩሎም ክምሕር ምስ ሰምዖን ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሩ ብኣካል ስለዝረኣየ 'እዚ ሰብ እዚ ብሓቂ ወዲ እግዚአብሔር ነሩ' (ማር 15.39) ክብል ምስክርነቱ ሂቡ። እቲ ዘገርም ተጻይ ናይቲ ኩሎም ኣብኡ ዝነበሩ ዝብልዎ ይብል። ኣብኡ እግዚአብሔር ኣሎ ብሓቂ እግዚአብሔር ኣሎ ይብል።

ሎሚ ከም ሎሚ እቲ ሓቀኛ ገጽታ እግዚአብሔር ኣየናይ እዩ! ኢልና ክንሓትት ንኽእል። ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ እግዚአብሔር ክንሓስብ እንከሎና ነቲ እንሓልሞ ዝለዓለ ሓይሊ ዓወት ፍትሒ ኰይኑ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዝስመዓና ቊጥዓን ሕነ ምፍዳይን እውን ብዝለዓለ ጥርዙ ንኣኡ ክንህቦ ንፍትን። እንተኾነ ወንጌል እግዚአብሔር ከምኡ ኣይኮነን ይብለና። ካብቲ ንሕና ብዘሎና ዓቅሚ ክንፈልጦ እንኽእል ክንዮኡ እዩ ይብለና። ስለዝኾነ ከኣ ቀረባና ክኸውን መሪጹ። ንክረኽበና መጺኡ ከኣ ኣብ ዕለተ ፋሲካ ምሉእ ብምሉኡ ተገሊጹልና። ኣበይ እንተበልና ኣብ ዕጸ መስቀል እዩ እቲ መልሱ። ኣብ ዕጸ መስቀል ነቲ ሓቀኛ ገጽታ እግዚአብሔር ንመሃሮ። ኣሕዋተይን ኣሓተይን ነዚ ኣይረስዕ መስቀል መንበረ ታቦት ቤትትምህርቲ እግዚአብሔር እዩ። ኣብዚ ዕለታት እዚ ናብ ኢየሱስ ስቊል ኣተኲርና ብጸጥታ ክንጥምትን ኣምላኽና ወላ ተጻይ ሓደ ኣጻብዕቱ ዘየወጣውጥ ተጻይ እቶም ዝሰቅልዎ ዝነበሩ ምንም ዘይበለ እኳ ደኣ ኣኣዳው ዘርጊሑ ብክብሩ ከይድርጓሕ ዕራቁ ኰይኑ ምእንታና ዝተሰቅለ ብዘረብ ጥራይ ዘይኮነ ብግብሪ ሕይወቱ ምእንታና ዝወፈየ ከም ጓኖትን በደለኛታትን ዘይኮነ ንኩሉ ምሒሩ ሓራ ዝገብረና ንኩሉ ክፍኣትናን ሓጢኣትናን ለቢሱ ምእንታና ዝውፈ ክንርኢ ኢና። ስለዚኸስ ኣበይ ኣሎ እግዚአብሔር እንታይ ይገብር ኣሎ እግዚአብሔር እናበልና ኣብ ልዕሊ እግዚአብሔር ቅድመ ኩነታዊ ፍርዲ ካብ ምሃብ ንክንድሕን ንመስቀል ኢየሱስ ንጠምት። ብድሕርዚ ንወንጌል ንኽፈት። ኣብዚ ዕለታት እዚ ነፍሲወከፍና ኣብ ገገዛና ተወሺብና ኣብ ዘሎናሉ ክልተ ነገር ኣብ ኢድና ንሓዝ ንመስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እናጠመትና በቲ ካልእ ወገን ከኣ ንወንጌሉ ከፊትና ነንብብ። እዚ ኣገባብ እዚ እቲ ዝለዓለ ኣብ ገገዛን ክንፍጽሞ እንኽእል ሥርዓተ ኣምልኾ ክንብሎ ንኽእል ከመይ በዚ ዕለታት እዚ ናብ ቤተክርስትያን ክንከይድ ኣይንኽእልን። መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ቅዱስ ወንጌሉን ሒዝና ንጸሊ ነስተንትን ሥርዓተ ኣምልኾና ኣብ ገገዛና ንፈጽም።

ኣብ ወንጌል እንክንምልከት ዮሓንስ 6.15 ብቁሩብ እንጌራ ኣሽሓት ምስ ኣጽገበ እቲ ሕዝቢ ንከንግሶ ደድሕሪኡ ምስ ከደ ንሱ ግን ሃደመ ዝብል ነንብብ። ሰይጣውንቲ ብኣፍ እቶም ኣጋንንቲ ዝሓዞም ገሮም መልኮታውነቱ ክገልጹ ምስ ዝፍትኑ ብኡ ንብኡ ሱቅ ክብሉ ይእዝዞም ከምዝነበረ እውን ኣብ ማርቆስ 1,24 ነንብብ። ስለምንታይ እንተበልና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ትሑት ፍቅሪ ዝኾነ ሓቀኛ ኣምላኽ ምስቲ ናይ ደቂሰባት ናይ ሓሶት ኣምላኽ ዓለማዊ ኣምላኽ ኮይኑ ብሓይልን ተኣምራትን ዝነግሥ ኢሎም ዝሓስብዎ ከደናግርዎ ኣይደለየን። ጣዖት ኣይኮነን። ሰብ ዝኾነ ኣምላኽ ከም ነፍስወከፍና እናነበረ ብመለኮታዊ ሓይሉ ብትሕትና ዝሰርሕ ዝነበረ እዩ። መኣስ ደኣ እዩ ብዕሊ ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዝተገልጸ ቢልና እንተሓቲትና እቲ ሓለቃ ሚእቲ 'እዝስ ብሓቂ ወዲ እግዚአብሔር እዩ' ኢሉ ኣብ ዝመስከረሉ ሁመት ነበረ። እዚ ምስክርነት እዚ ከኣ ኣብ ዕጸ መስቀል ተሰቂሉ ሕይወቱ እንኪሓልፍ እዩ። እቲ ከኣል ኩሉ ዝኾነ እግዚአብሔር መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሩ ክገልጽ እንክትርኢ ክትጋገ ኣይከኣልን። ከመይ ባህርያቱ ንሱ ስለዝኾነ ንሱ ፍጹም ፍቅሪ እዩ።  

ምናልባት ብኣተሓሳስባ ደቂሰባት ተጸሊና 'ድኹም ኣምላኽ ሱቊ ኢሉ ዝመውት ኣምላኽ እንታይ ክገብረለይ እዩ! ኣነስ ሓያል ዝኾኑ ክኢላ ኣምላኽ ምመረጽኩ! ክትብል ትኽእል። እንተኾነ ሥልጣን ናይዚ ዓለም እንኪሓልፍ ፍቅሪ ንዘለዓለም ይነብር። ነታ ዘላትና ሕይወት ዝዕቅባ ፍቅሪ ጥራሕ እዩ። ከመይ ከምታ ዘላታ ምስ ኩሉ ተኣፋፍነታ ይቅበላ እሞ ይልውጥእ። ኣብ ፋሲካ ንሓጢኣትና ብምሕረቱ ዝፈወሰኸስ ፍቅሪ እግዚአብሔር እዩ። ካብ ሞት ናብ ሕይወት ዘሰጋገረ ንፍርሕና ናብ ምትእምማን ዝለወጠ ንሕዋጼና ናብ ተስፋ ዝለወጠ እዚ ፍቅሪ እዚ እዩ። ፋሲካ ዘበስረናኸስ እግዚአብሔር ንኩሉ ንሠናይና ክልውጦ ከምዝኽእል እዩ። ምስ ኣምላኽ ኩሉ ናብ ሠናይ ከምዝልወጥ ብሓቂ ክንተኣማመን ንኽእል። እዚ ሃለውለው ኣይኮነን ከመይ ሞትን ትንሣኤን ኢየሱስ ብሓቂ ዝተፈጸመ እምበር ሃለፍታ ኣይኮነን። እነሆ እምበኣር ኣብ ጊሓት በዓለ ፋሲካ ነቲ ጐታ ነርድእቱ ዝበሎም 'ኣይትፍርሑ' (ማቴ 28.5) ዝድገመልና በዚ እዩ። ሕሰም ከጋጥም እንከሎ እንቅርቦም ዘሰቅቁ ሕቶታት ብኡ ንብኡ መልሲ ኣይወሃቦምን ኰይኑ ኣብ ትንሣኤ ክርስቶስ ንክጥሕሉ ዘይፍቅድ ድልዱል መሠረት ይረኽቡ።

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጥቃና ብምዃን ንታሪኽ ለዊጥዎ ምስቲ ዘለዋ ኩሉ ክፍኣት ከኣ ታሪኽ ድሕነት ገርዎ። ንሕይወቱ ንሞት ኣሕሊፉ ብምሃብ ንሞት ስዒርዎ። ካብቲ ኣብ ዕጸመስቀል ዝተኸፍተ ልቢ ኢየሱስ ፍቅሪ እግዚአብሔር ናብ ነፍሲወከፍና ይበጽሕ። ንሕና እውን ናብኡ ብምቅራብ ነቲ ዘወፍየልና ድሕነት ብምቅባል ታሪኽና ክንልውጥ ንኽእል። ኣሕዋተይን ኣሓተይን ብጸሎት ልብና ብምሉኡ ንኽፈተሉ። ኣብዛ ሶሙን እዚኣ ኣብዘን ዕለታት እዚኤን መስቀልን ወንጌልን። ሥርዓተ ኣምልኾ ገዛና እዚኣ እያ። ልብና ንጸሎት ጋህ ኣቢልና ንኽፈቶ። ጠመተኡ ኣባና ኪዓርፍ ነፍቅደሉ። በዚ ከኣ ፍቁራቱ እምበር ፈጺምና በይንና ከምዘይኮና ክርድኣና እዩ። ከመይ ጐይታ ፈጺሙ ኣይርስዓናን በይንና እውን ኣይሓድገናን እዩ። በዚ ኣስተንትኖ እዚኸስ ብሩኽ ሶሙነ ሕማማትን ብሩኽ ፋሲካን እምነየልኩም።

ብድምጺ ንምክትታል!
08 April 2020, 11:35