ድለ

ሸውዓተ ዓመት ምስ ፍራንቸስኮ፥ ኣብቲ ናይ ምርሓሓቕ እዋን ቀረባነት

ናይ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ኣገልጋሊ፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ኣቢሎም ንደቡብ ሱዳን መራሕትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ሰላም ግበሩ እንክብሉ ልመናኦም ከምዘቕረቡን፡ ሓንሳብ ንሓዋሩ ሩምታን ኣጽዋር ውግእ ኣወጊዶም ናይቲ ብውግእን ሰብኣዊ ሽግርን ናይ ዝሳቐይ ሕዝቢ ኣበውን ጓሶትን ክዀኑ

ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ብፁዕ ካርዲናል በጐሊያ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ዝተሓረዩሉን ፍራቸስኮ ዝብል ናይ ር.ሊጵጵስናኦም መጸውዕ ስም ዝሓረዩሉ ዕለት እዩ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ሸውዓተ ዓመታት ቃለ ምዕዳንን ሓዋርያዊ መልእኽታትን ዓዋዲ መልእኽታትን ዝደረሱሉን፡ ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያንን ዘነቓቕሑሉን ሲኖዶስ ጳጳሳት ዝጸውዑሉን ሓዋርያዊ መገሻታን ሓውጾተ ኖልዎን ዝፈጸሙሉን ናይ ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊ ኣገልግሎትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ግብረ ሰናይን ሰብኣውነት ዘነቓቕሑሉን ዓመታት እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 11 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ምእንቲ ሰላም ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ናይታ ሃገር መራሕትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ኣብ ሃገረ ቫታካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ንመንፈሳዊ ሱባኤ ዓዲሞምን ኣብ መዛዘሚ እቲ ሱባኤ፥ “ከም ሓውኹም ኣብ ሰላም ንኽትርከቡን ንሰላም ሓለፋ ክትብሉን እምሕጸነኩም” ዝብል ሓሳብ ዘስመሩሉ ዘስምዕዎ መደረን፡ ኣብ ቅድሚ ናይ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪር ማያርዲትን ኣብ ቅድሚ እቶም ክልተ ምኽትላቶም ራይክ ማቻርን ረበካ ንያንደንግ ደ ማቢዮን ፊት ኣብራዀም ዓጺፎምን ድንን ቢሎም ዘቕረብዎ ናይ ሰላም ምሕጽንታን፡ ተንበርኪኾም ነዚ ልመና’ዚ ንኸቕርቡ ፍቐዱለይ እንክብሉ ሓቲቶም ኣእጋር ናይቶም ናይ መንግስቲ ኣካላት ክስዕሙን ናይ ክርስቶ ኣብነት ብቓልን ሕይወት ዝነበሩሉ እዋን ኣብ ልቢ ኩሉ ተሓቲሙ ዝተረፈ ታሪኽ እዩ።

ናይ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ኣገልጋሊ፡  በዚ ኣገባብ’ዚ ኣቢሎም ንደቡብ ሱዳን መራሕትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ሰላም ግበሩ እንክብሉ ልመናኦም ከምዘቕረቡን፡ ሓንሳብ ንሓዋሩ ሩምታን ኣጽዋር ውግእ ኣወጊዶም ናይቲ ብውግእን ሰብኣዊ ሽግርን ናይ ዝሳቐይ ሕዝቢ ኣበውን ጓሶትን ክዀኑ ከምእተላበዉን፡ ዕርቅን ሰላምን ናይ ዝጸመኦ ሕዝቢ መራሕቲ ምዃን ማለት ደላይ ሰላምን ሰራሕ ሰላምን ምዃን ማለት እዩ ከምዝበሉን፡ ፍቕሪ ኣስተንፍሶ ዝገበረ ር.ሊ.ጵጵስናኦም ልቢ ሰብ ናይ ምፍዋስ ብቕዓት ዘለዎ ከምዝዀነ ዝመስከረ ተግባር እዩ።

ናይ ተስፋ ኣየር

ር.ሊ.ጳ. ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ዞባ ማርከ ኣውራጃ ማቸራታ ኣብ እትርከብ ብርእደ መሬት ኣዚያ ዝተጐድኤት ከተማ ካመሪኖ  ምብጻሕ ኣካይዶም፡ ምስቲ ብርእደ መሬት ዝተጠቕዔ ሕዝቢ ተራኺቦምን፡ ናይቲ ሕዝቢ ዓቕልን ትብዓትን ኣድኒቖም፡ ኣብታ ገና ናይቲ ርእደ መሬት በሰላ ዝረአየላን ዳግም ዘይተሓንጸት ካብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ወጻኢ ኣብ እትርከብ  ካቴድራል ምብጻሕ ኣካይዶም ዘቕረብዎ ጸሎት ብሓቒ ናይ ኵሉ ልብን ቀልብን ዝመሰጠን ቅርበቶምን ቅርበት መላእ ቤተ ክርስቲያንን ዘረጋገጽሉ ተስፋ ዘሰነቐ ሓውጾተ ኖልዎ ምንባሮም ብዅሉ ዝዝከር እዩ።

ካብ ዕለት 4 ክሳብ ዕለት 10 መስከረም2019 ዓ.ም.  ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣፍሪቃ ሓዋርያዊ መገሻ ከምዘካየዱን፡ ኣብ ሞዛምቢክ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ ኣብ ርእሰ ከተማ ማፑቶ ብሕማም ኤይድስ ዝተጠቕዑ ዜጋታት ኣብ ዝእለይሉ ኣብ ክፍለ ከተማ ዚምፐቶ ኣብ ዝርከብ መእለዪ ህሙማን ምብጻሕ ኣካይዶም ዝነበርዎ ኣብ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝጸንዔ ጉስነቶም ኣብቲ ስቓይን ሞትን ጥራሕ ዝንበሮ ዝመስል ስፍራ ተስፋን ሕይወትን ከም ዝመስከሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣስፍሆተ ወጌልን ሰብኣውነት ምንቕቓሕን

ብዙሓት ኣብ ከባቢ ኣማዞን ከቢድ መስቀል ተሰኪሞም ዝጓዓዙ ናይ ቤተ ክርስቲያን ፍቕሪ ይጽበዩ ከምዘለዉ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ነቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ዝጸውዕዎ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ብወግዒ ንኸበሱ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ድሕሪ ዘስመሩሉ ሕሳብ ዝተበገሰን ዛዕባ ኣምዞን ዝመኸረ ሲኖዶስ ኩሉ ዝዝከሮ እዩ፡ ዝተፈተኺ ኣማዞን ብዝብል እርስቲ ዝደረስዎ ቃለ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ዕለት 2 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቐዔን፡ ኣብ ከባቢ ኣማዞን ኣማዞናዊ መገዲ ንኣስፍሆተ ወንጌል ሓቢሮምን ኣብ ከባቢ ኣማዞን ኣማዞናዊ ኣስፍሆተ ወንጌል የተባብዑን።

እንገዳ ንድኻታን ስደተይናታን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድኻታትን ስደተይናታን ክእንገዱን ብቓል ጥራሕ ዝላበዉ ዘይኰነስ ኣብ ዝተላለዩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተቕዋማት ንድኻታት መእለዪ ብምቛምን ስደተይናታት ክእንገዱ ዘብቕዕ መምርሒ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እውን ብምቕራብ ዝነብርዎ ክርስቶሳዊ ፍቕሪ ጭቡጥ እዩ። ሃይማኖትን ዓሌትን ቋንቋን ዜግነትን ዘይብል ናይ ፍቕሪ ስራሕ ብምስፋሕ ዓለምን ሕዝቢ ዓለምን ካብ ጸገም ምድሓንን ሰላምን ንዝተነጸሉን ድኻታትን ስደተይናታትን ካብ ምእንጋድ ዝብገስ ምዃኑ ይምዕዱ።

ውግእ ከም መፍትሒ ምቕባልን ፈጺሙ ከይህሉን

ኑክለሳዊ ኣጽዋር ጸረ ሰላም እምበር ዋሕስ ሰላም ኣይኰነን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ኣብ ውርሒ ሕዳር 2019 ዓም. ኣብ ጃፓን ኣብ ዘካየድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ፡ ኣቶማዊ ጸዓት መጋበርያ ውግእ ምግባር ናይ ሓባር ቤትና መጻእነት ምዕጋት ማለት እዩ ዝብል ሓሳብ ዘመእከለን፡ መጻኢ ንምክልኻል ብሓባር ምጉዓዝ ከምዘድልን ኣብ ሂሮሺማ መዘክረ ሰላም ተርኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘቃልሕዎ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ቅድሚ ዘስምዕዎ መደረ ኣብቲ እዋን ናይ ኣቶሚክ ቦምቢ ኣደዳ ካብ ምዃን ዝተረፉ ዘቕረብዎ ቃል ምስክርነት ልቦም ከምዝተንከፎምን ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ 1.300 ዝግመቱ ዜጋታት ከምእተሳተፉን፡ ምስክርነት ወዲ ሰማንያን ሾሞንተን ዓመት ዮሺኮ ካጂሞቶ ካብ ኣቶሚክ ቦምቢ ዘምለጡን ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ቃል ምስክርነት ከምዘስምዓን ወዲ 91 ዓመት ዝዕድመኦም ኮጂ ሆሶካዋ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቃል ምስክርነት ከምእተነበን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “ኣቶማዊ ጸዓት መጋበርያ ውግእ ክኸውን ምግባር ሎሚ ካብ ቀደም ብዝያዳ ዓቢይ ገበን እዩ፡ ኣብ ልዕሊ ክብሪ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ ጸረ ዝዀነ ይኹን መጻእነት ናይ ሓባር ቤትና እውን እዩ፡ ኣቶማዊ ጸዓት ንውግእ መጋበርያ ምጥቃም ኢግብረ ገባዊ እዩ፡ ምውናን ኣቶማዊ ኣጽዋር እውን ክይተረፈ ኢግብረ ገባዊ እዩ፡ … ብዛዕባ ሰላም ብዙሕ ዝተዛረብናን ይኹን ደኣ እምበር እቲ ብዛዕባ ሰላም ዝበልናዮ ኣብ ግብሪ እንተድኣ ዘየውዓልናዮ ሓድሽ ወለዶ ክፈርደና እዩ” ቢሎም ንውግእን ወረ ውግእን ኢድና ምሩኻት ኣይንግበር ሓደራ ከምዝበሉ ዝዝከር እዩ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ሰላምን ሕውነትን ኣብ ዞባ መዲትራኒያን፡ ኣይፋል ንናይ ግርጭት ስልጣነ ኣበሃህላ

ውግእ ክንለማመዶ ዘይግብኣና ናይ ጽላለ ተግባር እዩ፡ ፈላላይ መናድቕ ኣይነቕውም፡ ኣብ ማያት ባሕሪ ሰኣን ሓገዝ ምቕራብ ዘጓንፍ ሞት ከም ቅቡል ኣይንሕሰቦ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ነቲ ካብ ዕለት 19 ለካቲት ተበጊሱ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ባሪ ዝተኻየደ ናይ መላእ ሃገራት ዞባ መዲትራኒያን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ዓውደ ርክብ መዕጸዊ ተረኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃአ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፡  “ኣብቲ ብምግምማዕ ዝደምይ ዘሎን ኢማዕርነት ኣብ ዘረኣየሉ ዘሎ ከባቢ መዲትራኒያን፡ ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ሰላም መጋበርያ ክኸውን ዝተጸውዔ እዩ፡ መዲትራኒያን ናይ ሰላምን ዘተን ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራን እንገዳን ዝነበረሉ ስፍራ እምበር ናይቲ ፈላላይ መናድቕ ንኸተቕውም ዝድርኽ ናይ ዘይተገዳስነትን ፍርሕን ስፍራ ኣይኰነን”፡ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ኒኮላ ንናይ መዲትራኒያን ከባቢ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ባሪ ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 23 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ዘካየድዎ ዓውደ ኣኼባ መዕጸዊ ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ኣተሓሳሲቦምን፡ ናይ ሰላምን ናይ ምዕባለን ጐደና ክሕብሩ እንከለዉ፡ እቲ ቡሶላ ክኸውን ዘለዎ ናይ ሓባር ረብሓ ዝብል ረቛሒ እዩ ቢሎም፡ ናይ ሓባር ረብሓ ዝብል ቃል ካልኣይ መጸውዕ ስሙ ሰላም ዝብል ምዃኑን ከምዘብርሁን፡ ነቲ ህልው ኩነታት ከባቢ መዲትራኒያን ድሕረ ባይታ ገይሮም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ውግእን ዘይምርግጋእን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኰነ ኣብ ከባቢ ሰሜን ኣፍሪቃን ዝረአይ ዘሎ ሃይማኖትን ዓሌትን መሰረት ዝገበረ ውጥረትን ኵሉ ዘርዚሮም፡ እቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዘሎ ገና መፍትሒ ዘይረኸበ ጸገምን፡ ነዚ ውጥረት ንምፍታሕ ዝቐርብ ዘይምዕሩይ ሓሳብ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ውጥረት የብእሶን ከምዘሎን ኣብሪሆም፡ ከምቲ ዮሓንስ መበል 23 ዝበልዎ፡ ውግእ ጸረ ኣምክንዮ እዩ፡ ጽላለ እዩ፡ ኣባይትን ኣባይቲ ሕክምናን ኣባይቲ ዕዮን ምዕናውን ሰባት ምቕታልን ጽላለ እዩ።

ነዚ ጽላለ’ዚ ክንብርከኽ የብልናን፡ ፍልልያትን ተጻራሪ ረብሓታትን ንምቑጽጻርን ውግእ ክተርፍ ዘይግብኦ ምርጫ እዩ  ምባል እወታውን ቅቡሉን የምስሎ ይኸውን፡  ይዅን ደኣ እምበር ናይ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት መባጼሕ ሰላም እዩ፡ በንጻሩ ብጀካ ሰላም ካልኣ ኣማራጺ የሎን፡ ብጀካ ሰላም ካልእ ትርጉም ዘለዎ ኣማራጺ የሎን፡ … ውግእ ዓቢይ ሓጢኣት እዩ፡ ናይ ሰብ ኰነ መለኵታዊ መደብ ዝጻረር እዩ፡ ከምዝበሉ ክዝከር እንከሎ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌልን ናይ ፍቕሪ ስራሕን ክትነብርን፡ ተክለ ሰብነት ሕያዋይ ሳምራዊ ክትስዕብን ናታ ክትገብር ከምዘለዋ የተሓሳስቡ።

ሸውዓተ ዓመት ምስ ፍራንቸስኮ፥ ኣብቲ ናይ ምርሓሓቕ እዋን ቀረባነት
14 March 2020, 17:51