ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸሎትን ቡራኬ ንከተማ ሮማን መላእ ዓለምን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸሎትን ቡራኬ ንከተማ ሮማን መላእ ዓለምን 

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸሎትን ቡራኬ ንከተማ ሮማን መላእ ዓለምን

ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኮማስትሪ፡ ናይ ምሉእ ስርየት ሓጢኣት ስርዓተ ኣዋጅ ከበስሩ እዮም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 22 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቕዑ፡ ዓርቢ 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ንሶም ባዕሎም ካብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመርሕዎ ስግደትን ኣምልኾን ቅዱስ ቚርባንን ካብ ሰገነት ቅዱስ ጴጥሮስ ንከተማ ሮማን ንመላእ ዓለምን ብቅዱስ ቊርባን ሰዓት 6 ድሕሪ ቀትሪ ብኣቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ሓዋርያዊ ቡራኬን ክህቡ ምዃኖም ገሊጾም ከምዝነበሩን ክዝከር እንከሎ፡

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸሎትን ቡራኬ ንከተማ ሮማን ንመላእ ዓለምን
ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸሎትን ቡራኬ ንከተማ ሮማን ንመላእ ዓለምን

ስምዖን ተ. ኣርኣያ ሃገረ ቫቲካን

ነዚ ናይ ቡራኬን ምህለላን ስነ ስርዓት ኣብ ዝፍጽምሉ እዋን ኣብ ኣፈት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ እውን ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያንን ከምኡ እውን ተኣምራዊ ቅዱስ ምስሊ ስቑል ኢየሱስን ክቕመጥ እውን ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ስግደትን ቡራኬን ቅዱስ ቁርባን ፈጺሞም ንከተማ ሮማን ንመላእ ዓለም ቡራኪ ምስ ሃቡ ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሊቀ ካህናት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኮማስትሪ፡ ናይ ምሉእ ስርየት ሓጢኣት ስርዓተ ኣዋጅ ከበስሩ እዮም።  ነዚ መደብ’ዚ ብናይ ዜና ቫቲካን ወግዓዊ መርበብን ከማኡ እውን፥ ብቲቩ 2000 ብእተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መደብር ተለቪዥን https://www.youtube.com/watch?v=iCONID8PEOo ብዝብል ናይ ዩቲዩብ ኣድራሽ ክትከታተልዎ ከምእትኽእሉ ንሕብር።

27 March 2020, 13:06