ድለ

ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ኮቪድ 19 ናይ ኤኮኖሚ ጸገም ንዘጋጠሞም ይጽልዩ

“እኣምን እየ ግና ጉድለት እምነተይ ኪርሕቐለይ ደግፈኒ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ከምቲ ልሙድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ለበዳ ኮቪድ 19፡ ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ዕለታዊ ዕዮም ንኸሳልጡ ዘየመችእ ኵነት ብምፍጣሩ ምኽንያት ዘስዕቦ ዘሎ ናይ ኤኮኖሚ ጸገም እናሓሰቡ፡ ነቶም ናይ ኤኮኖሚ ጸገም ዘጓንፎም ንዘለዉ ኣባይቲ ስድራ ከምዝጸለዩን፡ ኣብዚ ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ዝርአየል ዘሎ ጽንኵር ኣዋን ኩሉ ብእምነት ክጽልን ኣብ እምነት ክጸንዕን የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ብቐጥታ ብምስማዐ ርእየት ውሕዘት ኣብ ዝተመሓላለፈ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅድሴ፥ ለብዒ ኮቪድ 19 ካብ ዝተራእየሉ ዕለት ኣትሒዙ ወትሩ ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅድሴ ነዚ ህልዉ ኩነት ሓሳብ ዝገበረ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ናይ ሎሚ ዕለት 22 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡  ናይቲ ናይ ዕለቱ መስዋዕተ ቅዳሴ መኸፈቲ ካብ መዝሙረ ዳዊት 30 (31) ካብ ፍቕዲ 7 ክሳብ 8 ዝተወስደ፥ “ንመከራይ ርኢኻዮ ንብጸበባይ እውን ፈሊጥካዮ ኢኻ እሞ፡ ብምሕረትካ ባህ ኪብለንን ክሕጐስን እየ፡ …” ዝብላ ናይ መእተዉ ጸሎት ኣሞርኵይዞም፥

ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ዜጋታት ኣብ ኣባይቶም ከምእተወሸቡን፡ እዚ ኹሉ ኣብ ናይ ስራሕ ኤክኖሚ ዘስዕቦ ዘሎ ጸገምን ዜጋታት ናብ ስራሕ ዘይወፍሩ ብምዃኖም  እውን ቀስ እናበለ ናይ ኤኮኖሚ ጸገም ይፈጥረሎም ከምዘሎን እዚ ጸገም እዚ እውን ኣብ ኣባይቲ ስድራ ኣሉታዊ ጽልዋ ዘስዕብ ምዃኑ ብምስትውዓል ምእንቲ እቶም ናይ ኤኮኖሚ ጸገም ዘጋጥሞም ዘለዉ ኵሎም ንጸልይ፡

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅዱስነቶም  ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 4 ካብ ፍቕዲ 43 - 54 ዝተወስደ ምንባብ እሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት።

ወደይ ኣሕውየለይ  እንክብል ንጐይታ ዝለመነ ኣቦ፡ ኢየሱስ ዳርጋ ንዅሎም “ትእምርትን ተኣምራትንእ እንተ ዘይረኣዅም እትኣምኑን ኢኹም” (ዮሓ. 4, 48 ረኣ) እንክብል ይነቕፎም፡ እቲ ሹም ሃገር ግና ድሕሪ እቲ ናይ ኢየሱስ ወቐሳ ሱቕ ከይበለ፡ ወዱ ንሞት ቀሪቡ ስለ ዝነበረ ድማ ወሪዱ ምእንቲ ከሕውየሉ ይልምኖ (ፍቕዲ 49 ረኣ) ኢየሱስ ድማ “ወድኻ ሕውዩ እዩ” (ፍቕዲ 50 ረኣ) እንክብል ይምልሰሉ።

እውነተይና ጸሎት ንምቕራብ፡ ቅድም ቀዳድም እምነት የድሊ፡ “እምነት እንተደኣ ዘይብልኩም …” ብዙሕ እዋን ብልሳን ጥራሕ ንጽልይ፡ ካብ ዝኣምን ልቢ ዘይነቐለ ጸሎት ነቕርብ፡ ኣብ ማርቆስ ምዕ. 9 ካብ ፍቕዲ 23-24 እቲ ብኢየሱስ ዝሓወየ ርዅስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብ ንዘክር፡ ኣቦ እቲ ርዅስ መንፈስ ዝሓደሮ ዘቕርቦ ልመና ፈውሲ። ኢየሱስ፥ “ንዚኣምን ኵሉ ይክኣል እዩ” ይብሎ፡ “እኣምን እየ ግና ጉድለት እምነተይ ኪርሕቐለይ ደግፈኒ” እንክብል እቲ ኣቦ እቲ ርዅስ መንፈስ ዝሓደሮ ውላድ ዘቕርቦ ልመና፡ ጸሎት ኣብ እምነት፡ ጸሎት ብእምነት፡ ኣብ ናይ ስግደትን ኣምልዀን ስፍራ ይዅን ካብዚ ስፍራ ወጻኢ እነቕርቦ ጸሎት፡ ጐይታ ኣብ ኵሉ ስፍራ እዩ፡ እምነት ድዩ ዘሎኒ ወይ ከኣ ልማድ እዩ? ክንጽልይ እንኮለና ክንጥንቀቕ እዩ ዘሎና፡ ህላዌ ኢየሱስ ከየስተውዓልና ብልማድ ካብ እነቕርቦ ጸሎት ንጠንቀቕ፡ ምስቲ ጸገማት ኵሉ ዝኣልይ ጐይታ ምዝራብ፡ ስለዚህ ጸሎት እምነት ይሓትት።

ብኻልኣይ ደረጃ፡ ባዕሉ ኢየሱስ ከምዝምህረና፡ ጸሎት ጽንዓት ይሓትት፡ ብዙሓት ይልምኑ እሞ፡ ጸጋ ዘይረኽቡ፡ ብጽንዓት ዘይተሓትቶ እንተድኣ ኰይኑ፡ እቲ እትሓቶ ዘሎኻ ኣየድልየካን እዩ ወይ ከኣ ብዘይ ጽንዓት ኢኻ እትጽልይ፡ … ብጽንዓት ማዕጾ ምዅሕኳሕ (ሉቃ. 11, 5-8 ረኣ)፡ እታ መበለትን ዓመጸይና ፈራድን ንዘክር ኣብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 18, 1-8፡ ኣብ እምነት ጽንዓት የድሊ፡ እምነትን ጽንዓትን ብሓደ እያቶም ዝኸዱ፡ እምነት እንተ ድኣ ኣሎካ፡ ብርግጽ ጐይታ ከምዝምልሸልካ ትኣምን ኢኻ፡ እትሕትቶ ከምዝሕበካ ርግጸይናነት ኣሎካ፡ ብዙሕ ዘጸብየካ እንተ ድኣ ኰይኑ። ተስፋ ከይቆረጽካ ኳሕኩሕ … ኳሕኩሕ … ኳሕኵሕ … ኣብ መወዳእታ ጸጋኡ ክጽግወካ እዩ፡ እዚ ኸኣ ንኽትጽበ ቢሉ ኣይኰነን፡ ክልመን ስለ ዝደልይ እውን ኣይኰነን፡ ከም ሕንጻይ ዘይምዃን … ኢየሱስ እውን ቃላት ኣብ ምብዛሕን ኣብ ቃላትን ስሉጥነት ጸሎት ኣብ ምድግጋም ቃላትን ከምዘይኰነ ይነግረና (ማቴ. ምዕ. 6, 7-8 ረኣ)፡ እምነት ኣብ ጽንዓት እዩ።

ሳልሳይ ደረጃ፡ ኣብ ጸሎት እግዚኣብሔር ዝሓትቶ ትብዓት እዩ፡ ንኽትጽልይን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ንምርካብ ትብዓት ይሓትት? እወ ትብዓት ይድሊ፡ ንኣኡ ዝሕተት ሓቲትካ ንቕድሚት ምጉዓዝ እዩ፡ … ትብዓት ሙሴ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር፡ እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ከጥፍእ ምስ ደለየ፡ ከምቲ ብእግዚኣብሔር ዝተሓርየ ሙሴ ምዃን እዩ (ኦሪት ዝጸኣት ምዕ. 32, 7-14 ርኣ)፡ ኣብርሃም ድሕነት ሶዶማ ክዝትይ (ክልምን/ክጽልን) እንከሎ፡ “ 30 ጻድቃ …. እንተዝህልዉ … 25 ቃድቃን እንተ ዝህልዉኸ … እናበለ ክሳብ ዕስራ ይበድሕ …” (ዘፍ. 18, 22-33)፡ ከምዚ ቢልካ ምስ እግዚኣብሔር ንምዝታይ ትብዓት ይሓትት፡ ንሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ጸሎት እውን ትብዓት ወሳኒ እዩ።

እንክብሉ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ስብከት ዛዚሞምን ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን በስተንትኖን ብቡራኬ ቅዱስ ቁርባን ክዛዝሙ እንከለዉ፥

ኦ ኢየሱሰይ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርካ እሰግደልካን ባዶነተይ ኣብ ትሕቲ ህላዌኻ ትሕት ኣቢለ ጣዕሳ ልበይ አቕርበልካ፡  ኣብቲ ናይ ፍቕሪ ምስጢር ዝዀነ ቅዱስ ቁርባን እሰግደልካን እውድሰካን፡ ኣብታ መንበሪትካ ንኽትከውን ኣብ ዝቕርበልካ ድኻ ልበይ ክቕበለካ ሃረር እብል፡ ኣብ ቅዱስ ቁርባ ናይ ሓሴት ሱታፌ ብተስፋ እናተጸበዅ ብመንፈስ  ክቕበለካ እደልይ፡ ዎ ኢየሱስ ነዓ ናባይ፡ ኣነ ናባኻ መታን ክመጽእ፡ መላእ ሕይወተይንን ኣብ ሞተይን ፍቕርኻ መላእ ምዃነይ ብፍቕርኻ ክነድድ፡ እምነተ ኣባኻ ተስፋይ እውን ኣባኻ፡ አፍቅረካ

ዝብል ቅዱስ ቁርባን ንምቕባል ሃረርታኻ እትገልጸሉ ጸሎት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ኮቪድ 19 ናይ ኤኮኖሚ ጸገም ንዘጋጠሞም ይጽልዩ
23 March 2020, 16:43