ድለ

መንፈሳዊ ሱባኤ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ቫቲካን ኰይኖም ክሳተፉ መንፈሳዊ ሱባኤ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ቫቲካን ኰይኖም ክሳተፉ 

መንፈሳዊ ሱባኤ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ቫቲካን ኰይኖም ክሳተፉ

ናይቲ ሱባኤ መርሕ ቃል፥ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ሃልሃልታ ሓዊ ተራእየ (ጸኣት 3.2) ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ርክብ እግዚኣብሔርን ሰብን፡ ዝብል ሓሳብ ድሕረ ባይታ ዝገበረ ኰይኑ ኣብ ኦሪት ዘጸኣትን ወንጌል ማተዎስን ጸሎት መዝሙረ ዳዊትን ዘማእከለ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይቲ ብኵሪያ ሮማና ዝጽውዓ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ሓዋርያዊ ምሕዳራ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ቅዱሳት ማሕበራትን ሓዋርያውያን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓለፍትን ዝርከብዎም ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ዘካይድዎ መደብ መንፈሳዊ ሱባኤ ምኽንያት ናይ ለምዘበን 2020 ዓ.ም. መንፈሳዊ ሱባኤ ኣብ ዞባ ላዚዮ ከባቢ ከተማ ሮማ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣሪቻ ክሳብ ዕለት 6 መጋቢት 2020 ዓ.ም ብቕዱስነቶም ብዝተሓርዩ ናይ ስነ ቅዱስ መጽሓፍ ሊቅ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፒየትሮ ቦቫቲ ብዝቐርብዎ ቃለ ኣስተንትኖን ስብከትን ተመሪሑ ዕለት 29 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሽዱሽተ ከምእተጀመረ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ሱባኤ ንኽመርሑ ብቕዱስነቶም ዝተሓርዩ ናይ ስነ ቅዱስ መጽሓፍ ሊቅ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፒየትሮ ቦቫቲ ዕለት 29 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሽዱሽተ ብዘቕረብዎ ቀዳማይ ኣስተንትኖ ከምእተበገሰን፡ ዕለት 1 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ኣብ ዘዕረግሉ ዕለተ ሰንበት፡ ብዘጋጠሞም መጠነይና ጉንፋዕ ምኽንያት ኣብቲ ሱባኤ ብኣካል ዘይኰነ ካብ ሃገረ ቫቲካን ኰይኖም ክሳተፉን ብመንፈስ ክሓብሩን ምዃኖም ከምዝሓበሩ ካፐሊ ኣፍሊጠን።

ናይቲ ሱባኤ መርሕ ቃል፥ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ሃልሃልታ ሓዊ ተራእየ (ጸኣት 3.2) ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ርክብ እግዚኣብሔርን ሰብን፡ ዝብል ሓሳብ ድሕረ ባይታ ዝገበረ ኰይኑ ኣብ ኦሪት ዘጸኣትን ወንጌል ማተዎስን ጸሎት መዝሙረ ዳዊትን ዘማእከለ ከምዝኸውን ዝሓበራ ልእኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጋብርኤላ ቸራዞ ኣስዒበን፡

በይንኻን ኣብ በይንኻን ምስ ጐይታ፥ እዚ ናይ ጸሎት ምኽንት እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብኣካል ኣብቲ ሱባኤ ክርከቡ እውን እንተዘይከኣሉ ካብ ሃገረ ቫቲካን ኰይኖም ብመንፈስ ከምዝሓብሩ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፡ ንዅሎም ተጋባእያንን ንሰባኬ ሱባኤን ቡርኬኦም ኣመሓላሊፎም ብጸሎት ቅርበቶም ከምዘረጋገጹ ኣፍሊጠን።

ኣባ ቦቫቲ፥ ንመለኮታዊ ግልጸት ንኸነእንግድ ገዛእ ርእና ኣኪብና ደው ንበል፡ ከምቲ ኣብ ኦሪት ዘጸኣት ኣብ ምዕ. 33 ኣነንብቦ፥ ሙሴ ኵሉ ዕማማቱ ሓዲጉ ናብ ድንኳን ኣተወ፡ ነቲ ገጽ ንገጽ ንዝዛረቦ ጐይታ ጽን ንኽብል መታን፡ እቲ ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ሙሴን ዝካየድ ርክብ፡ ሓፈሻዊ ዘይኰነስ ብቐጥታ ግላዊ እዩ፡ ጸሎት ቲዮሎጊያዊ ወይ ውን መጽሓ ቅዱሳዊ ባህሊ ኣይኰነን፡ ምስቲ ዝልውጥን ሓይልን ነቢያዊ ተልእዀን ዝህብን፡ ሓዊ ምርኻብ፡ ስለዚህ ነቲ ናትና ዘይኰነ፡ ዝወሃበና ተልእዀ ምእዙዝን ልኡምን ምዃን። ምስ ሙሴን ከም ሙሴን ምስጓም። ነቲ ንናይ እግዚኣብሔር ስራሕ ልኡም ናይ ዝዀነ ናይ ሙሴ ተክለ ሰብነት ኣማእኪሎም፡ ሙሴ ኣሳእኑ ኣውጸአ፡ ንናይ እግዝኣብሔር ትእዛዝ - ተልእዀ ስንድውን ልሙእን ምዃኑ ዘረጋጽ ኩነት እዩ፡ ኣሳእኑ የውጽእ፡ ኣሳእኑ ዘውጽእ ከኣ እቲ ዝቕበሎ ሓድሽን ቅዱስን ተልእዀ መታን ክስዕብ እዩ፡ ብመገዱ ዘይኰነ ብመገዲ እግዚኣብሔር መታን ክስጉም፡ ኣሳእንካ ምውጻእ ትእምርቲ ናጽነት እውን እዩ ንህዝቡን ኣሕዋቱን እስራኤላውያን ብዛዕባ ናጽነትን ድሕነትን ክነገር፡ እዚ ክርስቶሳዊ ትንቢት እውን ምዃኑ ኣብ ዘስምዕዎ ቀዳማይ ስብከት ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ቸራዞ ኣፍሊጠን።

መንፈሳዊ ሱባኤ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ቫቲካን ኰይኖም ክሳተፉ
02 March 2020, 17:15