ድለ

ጸጋ ንብዓት ጸጋ ንብዓት 

ጸጋ ንብዓት

ኢየሱስ ኣብ ሰብኣውነትና ብምሉእ ሱታፌ ይነብር፡ ምንባዕና እውን ይነብዕ፡ ኣብ 11ን 12ን ክፍለ ዘመን ዝነበረ ፈረንሳዊ ጳጳስን ገጣምን ኢደልበርቶ በዓል ላቫርዲን፥ ኣብ ወንጌል ኢየሱስ ነበዐ እንተዘይኮይኑ ሰሓቐ ዝብል ጽሑፍ ኣይንረክብን ይብል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ቅድሚ ሕጂ “ንናይ ምንባዕ ጸጋ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ደግሚሞ ከምዘስመሩሉን፡ ኣብ 2015 ዓ.ም. ብዙሓት ዝበኽዩ እውን እንተዀነ ናይ ንብዓት ጸጋ ዝወሃቦም ውሑዳት እያቶም፡ ስለምንታይ ንብዓት ጥራሕ እዩ ብልብኻ ኢየሱስ ንኽትርኢ ስንድው ዝገብር እንክብሉ ከምዘብርሁ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ማሪያ ሚልቪያ ሞርቺያኖ የዘኻኽራ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምንባዕን ዘየናሕስይ  ዘይሕለል ናይ ስቕይ ፍሉይ ሰብኣዊ ማዕቅን እዩ፡ ክንውለድ ንነብዕ፡ “ሰብ ንጻዕሪ (ንድኻም) ይውለድ፥ ውልደት ስግኣት ሞት ዝሓቖፈ እዩ፡ ብቐዳምነት ሓዘንን ስቓይን” ዝብል ሓረግ ኣብ ናይ ሓደ እስያዊ ተጓዓዛይ ማህሌት ዘሌሊት ኣብ ዝብል ጃኮሞ ሊዮፓርዲ ኣብ ዝጸሓፎ ካብ ፍቕዲ 39 ክሳብ 42 ኣብ ዘሎ ጽሑፍ ነንብብ፡ ኣብ ቀዳሞት ናይ ዕሸልነት ሕይወት ዘድልየና መሰረታዊ ዘበለ ኵሉ ብብኽያት ኢና እንሓቶ፡ ድሓር ግና ኣብ ምዕባይና እቲ ሕት ልሳን ይኸውን።

ኣብ እዋናዊ ሰብ ቡኽረት ንብዓት ይርአይ

ኣብ ቅድሚ ካልኦት ንብዓቱ ዘየርእይን ዘይበክን ክብሩ ዓቒቡ ስቓዩ ኣብ ውሽጡ ናይ ምጻር ብቕዓት ዘለዎን ገዛእ ርእሱ ዝቆጻጸር ተባዕ ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ፡ ልክዕ ምንባዕ ክሳብ ዘሕፍር ዝመስል። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፊሊፒንስ ኣካይዶምዎ ኣብ ዝነበረ ሓዋርያዊ ዑደት ንመንእሰያት፥ “ንሰብ ሎሚ ንብዓት ይሓጽሮ” ስደተይናታትን እቶም ዝንጸሉን ዝሕረጉን ተስፋ ዝቐብጹን ይነብዑ፡ እቶም ኣብ ሕይወቶም ዘድልዮም ነገር ዘሎ ኮይኑ ዘይስምዖን በዓል ኵሉ ኣሎኒ በሃልቲ ግና ንብዓት ዝሓጽሮም እያቶም” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ንዝክር።

ትርጉም ንብዓት - ምብካይ ኣብ ጥንታዊ ዓለም

ኣብ ጥንታዊ ዓለም ምንባዕ ወይ ምብካይ ናይቲ ዝስምዓካ ስቓይን ብስጭትን ቀቢጸ ተስፋን ናፍቖትን ጥልቂ መስተርእዮ ተባሂሉ ይግለጽ፡ ከምዝነበረን ጥንታዊ ናይ ግብጺ ስነ ነበርያ፥ ሰብኣዊ ፍጥረት ካብ ንብዓት ጣዖት ራ ተፈጢሩ ዝብል ጽሑፍ ነንብብ፡ ንብዓት ካብቲ ጥንታውያን መንበሪ  ጥበብን ተምሳጥን ስምዒትን መንበር ሓሳብን ቢሎም ካብ ዝገልጽዎ ልቢ እዩ ዝፍልፍል። ኣብ ናይ ጂጋልመሽ ቅያ እውን ብዛዕባ ንብዓት ተጻሒፉ ንረክብ፡ ከምኡ እውን ኣብ ናይ ሆመሮ ግጥምታትን ኣብ ኢሊያደን ኣብ ኦዲሰያን (ግድላዊ ጉዕዞ) ዛዕባ ንብዓት ዝዛረብ ጽሑፍ ንረክብ። ናይ ኣኪለ ንብዓትን ናይ ኣጋመኖን ናይ ኤቶረን ዲኦመደን ፓትሮክሎን ኡሊሰን ንብዓት፡ መግለጺ ስንፍናን ድኻምን ዘይኮነስ ብትኽኽል ሰብኣውነትካ ምቕባል ማለት ምዃኑ ተመልኪቱ ንረኽቦ፡ ስለዚ ንብዓት ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ውስንነቱ መግለጺ እውን እንተኾነ ብዘየገድስ ሕይወቱ ይመርሕ፡ በዚ መሰረት’ዚ  ድማ መግለጺ ጅግንነት ኮይኑ ንረኽቦ፡ ዘይነብዕ ዘይኮነ እቲ ተባዕ ዝነብዕ እዩ።

ኣብ ናይ ግሪክ ስነ ነበርያ ታሪኽ ፕሪያሙስ ነቲ ኣብ መንጐ ግሪኽን ትሮያን ዝነበረ ውግእ ብንብዓቱ ደው ክብል ከምዝገበሮ ይትረኽ፡ ኣኪለ በቲ ወዱ ዝዓረፎ ኣረጋዊ ንብዓት ተተንኪፉ ንዝዓረፈ ወዶም ክቐብርን ሓዘኖም ንኸውጽእን ከልቅሱን 12 መዓልቲ ይፈቕደሎም፡ ደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣብነት ኣድሮማካ እውን ሰብኣያ ዝሞታ ምእንታኣን ምእንቲ ናይ ወዳን ፍጻሜ ትነብዕ፡ ኣብ እዋን ውግእን ሽግርን መበለት ምዃን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ተመላኽት፡ እዚ ብዙሕ እዋን ዝርአን ኣብ ታሪኽ ሰብኣዊ ፍጥረት ቦታን ባህልን ቋንቋን ሃገርን ዘይብል ሓቂ እዩ፡ ኣብ ታሪኽ ዓበይቲ ተባሂሎም ዝግለጹ ሰባት ኣለክሳንደርን ሰርሰን ፐሪክለን ዩሊዩስ ቀሳር ይነብዑ።

ንብዓት ኣብ ቡሉይን ሓድሽ ኪዳንን ኣብ ታሪኽ ኣበው ቤተ ክርስቲያን

ንብዓት፥ ነበዔ፥ በኸየ፥ ዝብል ቃልን ተግባርን ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብተደጋጋሚ ይግለጽ፡ ኣብ ብሉይን ሓድሽ ኪዳንን፥ ምንባዕ ጾታን ኣርካንን ዘይብል ንኵሉ ዝምልከት ስምዒት ከምዝዀነ ይግለጽ፡ ከም ትእምርቲ ጣዕሳን ልመናን ምጽንናዕን ጓህን ኩነኔን እዩ፡ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 13,42 ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ ዝብል ጽሑፍ ነንብብ፡ ኣብ መጽሓፈ ደጕዓ ኤርሚያስን ብፍላይ ኣብ መዝሙረ ዳዊት ናይ ጣዕሳን ናይ ምጽንናዕን ትእምርቲ ኮይኑ እዩ ዝግለጽ፡ ንኣብነት ኣብ ምዕ. 56,9 በታ ዘእውየላ መዓልቲ ጸላእተይ ንድሕሪት ኪምለሱ እዮም። ኣምላኽ ምሳይ ከም ዘሎ፣ እዚ እፈልጥ ኣሎኹ። እዚ ሓሳብ’ዚ ኣብ ራእይ ዮሓንስ ምዕ. 21,3-4 ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፡ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፡ ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ይቃላሕ።

ኣብ ድርሳናት ኣበው ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ኣብ ምስራቕ፡ ባሕታውያን ኣብ ጥንታዊት ካፓዶቂያን ኤቫግሪዮ ፖንቲቆን ኢሳያስ ዘሸተን ዲያቆን በዓል ፎጢቃን . . . ይስሓቅ ሶርያዊ፡ ኣጐስጢኖስ በዓል ሂፖን ንብዓት ብጭቡጥ ዝንበር ተመኵሮ ምዃኑ ይገልጽዎን ዝነበርዎን ጭቡጥ ዅነት እውን ከምዝኾነ ነንብብ፡ “ፍኖተ ንብዓት” ናብ ምስጢረ እግዚኣብሔር ዘሰንይ ማለት ናብ ድሕንት ዝመርሕ ናይ ጣዕሳን ናይ ስቓይን ጓህን ምንጻሕን መገዲ እዩ፡”ንብዓት ናብቲ ምስጢራዊ ዝኾነ ተራትዖ ዶብ ናይ ምባል ትእምርቲ እንክብል ይሽሓቅ ሶሪያዊ ይጽሕፍ፡ ስምዖን ኣብ ማህሌታዊ ድርሳኑ ምዕ. 15 ካብ ፍቕዲ 259 ክሳብ 260 ብጀካ ንብዓት ነቲ ዓቢይ ምስጢር ንኽትርእይ ዝመርሕ ካልእ መገዲ የልቦን።

ንብዓት ኢየሱስ

ማርያም መግደላዊት እግሪ ኢየሱስ ብንብዓት ሓጸበት፡ ጴጥሮስ እቲ ዶርሆ ክንቍይ እንከሎ ምእንቲ ክሕደቱ ይነብዕ፡ ናይተን ደናግል ንብዓትን ምእንቲ ውላዳ እትነብዕ ኣደን፡ ምእንቲ ነፍሲ ወከፍ ደቃተን ዝነብዓ ኣዴታት።

ኢየሱስ ኣብ ሰብኣውነትና ብምሉእ ሱታፌ ይነብር፡ ምንባዕና እውን ይነብዕ፡ ኣብ 11ን 12ን ክፍለ ዘመን ዝነበረ ፈረንሳዊ ጳጳስን ገጣምን ኢደልበርቶ በዓል ላቫርዲን፥ ኣብ ወንጌል ኢየሱስ ነበዐ እንተዘይኮይኑ ሰሓቐ ዝብል ጽሑፍ ኣይንረክብን ይብል፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 መጋቢት 2020 ዓ.ም. እቲ ዮሓንስ ወንጌላዊ (ምዕ. 11, 32-42) ኢየሱስ ምእንቲ ኣልኣዛር ከምዝነበዓን ኣብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ.19,41 ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ይቐርብን ብዛዕታ ዝተነግረ ዕንወት እታ ከተማ ድማ ነበዐ ዝብል ጽሑፍ ይጠቕሱ፡ ኢየሱስ ኣብ ስቓዩን ሕማማቱን ጭንቀትን ዝስምዖ ሓዘን ኵሉ ብዘይ ብኽያት የስተርእዮ፡ ኣብ ዕብራውያን ምዕ. 5,7 ንሱ ብዘመን ስጋኡ ኸሎ፡ ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ናብቲ ኻብ ሞት ኬድሕኖ ዚከአሎ፡ ጸሎትን ምህልላን ምስ ኣቕረበን፡ ብዛዕባ ንኣምላኽ ምፍራሁ ምስ ተሰምዔን ዝብል ነንብብ።

ንብዓት፥ ብፍሉይ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ዓቕን እዩ

ኣብቲ ብዛዕባ ኣልኣዛር ኣብ ዝምልከት ታሪኽ ኢየሱስ ከምዝነበዔ ነንብብ፡ በኸየ ዝብል ቃል δακρύω ብዝብል ግሲ እዩ ተገሊጹ እንረኽቦ እዚ ንምባክይ ዝብል ግሲ ዓው ዝበለ ምብካይ እዩ ዝወከል፡ ኢየሱስ - ኣልኣዛር (ኢየሱስን - ነፍሲ ወክፍናን፡ (ኢየሱስን - ኢየሩሳሌምን) ኢየሱስን-ኣቡኡን (እግዚኣብሔርን) ኣብ ጌተሰማንየ፥ በዚ መንጽር እዚ ንብዓትን ብኽያትን ብብርቱዕ ዝንበር ተመክሮ ይኸውን።

ክርስቲያናዊ ትርጉም ንብዓት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ኣብ ፊሊፒንስ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ኢየሱስ ዘሕዝን ኩነታትና ብጥልቂ ዘስተውዓሎ ምስ በኸየን ምስ ነበዔን እዩ፡ ምኽንያት ገለ ገለ ኩነታትና ብንብዓት ብዝተሓጸባ የዕንቲ ጥራሕ ስለ ዝስትውዓል ከመዝበሉ ይዝከር።

እግዚኣብሔር እንተድኣ ዝበኸየን ዝነበዔን ኰይኑ፡ ኣነ እውን ዝርድኣኒ ስለ ዝረኸብኩ ክነብዕ እኽእል፡ ናይ ኢየሱስ ንብዓት ኣብ ቅድሚ ናይ ኣሕዋት ስቓይን ንዝንበር ዘይተገዳስነት ዝፍውስ እዩ፡ እቲ ናቱ ንብዓት ናይ ካልኦት ንብዓት ናተይ ንኽገብሮ ይምህረንን ኣብቲ ናይ ካልኦት ስቓይን መከራን ክሳተፍ ዘብቅዓኒ እዩ (ዕለት 5 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ንብዓት ንምድራዝ ብዝብል መርሕ ሓሳብ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጸሎት ዋዜማ ተሳቲፎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ የብርሁ።

ኣብዚ እነሕልፎ ዘሎና ጽንኩርን ዘሕዝንን ኣጋጣሚ ናይ ምንባዕ ጸጋን ንምንባዕ ጽጕው ንምዃን ጸሎት ክተርፍ ዘይግብኦን ካብ መዓሙቕ ልቢ ዝፈልፈለ መታን ክኸውን ምጽላይ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 29 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኦ ጐይታ ምሳኻ ክነብዕን ምስቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ ሕዝብኻ ክነብዕ ግበረኒ፡ ንሕና ካብዚ መንበረ ታቦት ናይ ኢየሱስ መስዋዕቲ’ዚ ኢየሱስ ንኽነብዕ ኣይሓፈረን እሞ፥ ናይ ምንባዕ ጸጋ/ናይ ንብዓት ጸጋ ንለምን እንክብሉ ከምዝጸለዩ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ማሪያ ሚልቪያ ሞርቺያኖ የዘኻኽራ።

31 March 2020, 21:42