ምዕቃብ ሕይወት ተልእኮ ቤተክርስትያን እዩ! ር.ሊ.ጳ
ቅ.ኣ.ር.ጳ ፍራንቸኮስ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 25 መጋቢት 2020 ዓም ነቲ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ክርስቶስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ወይውን ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ዘይኮነ ብቅንያቱ ወሪዱ ብዘሎ ጸገም ለበዳ ሕማም ኮረና ቫይረስ ብመራኸቢ ብዙሓን ነቲ ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ኣብ ዕለቱ ተዘኪሩ ንዝውዕል በዓለ ትስብእቱ ዝገልጽን ቅድሚ 25 ዓመት ኣብዚ ዕለት እዚ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ሻድሻይ ንሕይወት ንምክልኻል ወንጌል ሕይወት ኢቫንጀልዩም ቪተ ብዝብል ኣርእስቲ ንዝጸሓፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ብምዝካርን ነዚ ዚስዕብ ትምህርቲ ኣቅሪቦም ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ጽማቊ ናቱን ሰላምታን ምስ ሃቡ ነቲ ሎሚ ኣብ ፍርቂ መዓልቲ ብሓባር እንደግሞ ጸሎት ጐይታ ኣቡነዘበሰማያት ከምኡ እውን ንዝመጽእ ዓርቢ ዝግበር ስግደት ቅዱስ ቊርባንን ቡራኬን ከምብሓዲስ ኣዘኻኺሮም ብሓዋርያዊ ቡራኬ ትምህርቶም ዛዘሙ።
25 Mar 2020, 14:28