ድለ

Vatican News
2020.03.25ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ክርስቶስ 2020.03.25 ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ክርስቶስ   (Vatican Media)

ምዕቃብ ሕይወት ተልእኮ ቤተክርስትያን እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ጳ ፍራንቸኮስ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 25 መጋቢት 2020 ዓም ነቲ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ክርስቶስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ወይውን ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ዘይኮነ ብቅንያቱ ወሪዱ ብዘሎ ጸገም ለበዳ ሕማም ኮረና ቫይረስ ብመራኸቢ ብዙሓን ነቲ ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ኣብ ዕለቱ ተዘኪሩ ንዝውዕል በዓለ ትስብእቱ ዝገልጽን ቅድሚ 25 ዓመት ኣብዚ ዕለት እዚ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ሻድሻይ ንሕይወት ንምክልኻል ወንጌል ሕይወት ኢቫንጀልዩም ቪተ ብዝብል ኣርእስቲ ንዝጸሓፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ብምዝካርን ነዚ ዚስዕብ ትምህርቲ ኣቅሪቦም ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ጽማቊ ናቱን ሰላምታን ምስ ሃቡ ነቲ ሎሚ ኣብ ፍርቂ መዓልቲ ብሓባር እንደግሞ ጸሎት ጐይታ ኣቡነዘበሰማያት ከምኡ እውን ንዝመጽእ ዓርቢ ዝግበር ስግደት ቅዱስ ቊርባንን ቡራኬን ከምብሓዲስ ኣዘኻኺሮም ብሓዋርያዊ ቡራኬ ትምህርቶም ዛዘሙ።

“[ ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም! ዕሥራን ሓሙሽተን ዓመት ይገብር በዛ ናይ ሎሚ ዕለት ማለት 25 መጋቢት በዓለ ብሥራት ገብርኤል ኣብ ዝበዓለሉ ዝነበረ ዕለት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነታ ኢቫንጀልዩም ቪተ እትብል ትርጉሙ ከኣ ናይ ሕይወት ወንጌል ብዛዕባ ክብረተ ሕይወት ወዲሰብ እትገልጽ ሓዋርያዊት መልእኽቶም ኣዊጆም ነበሩ። ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ዘሥመርዎ ኣብ መንጎ ብሥራት ማለት በዓለ ትስብእቱን ወንጌል ሕይወት እትብል ሓዋርያዊት መልእኽትን ዘሎ ምትእስሳርከስ ጥቡቕን ዓሚቚን እዩ። ሎሚ ከምቲ ናይ ሽዑ በዚ ሕማም ለበዳ ሕይወት ደቂሰባትን ቊጠባ ዓለምን ብርቱዕ ሓደጋ ኣንጸላልይዎ ስለዘሎ ነቲ ትምህርቲ እቲ እንደገና ነጋውሖ ኣሎና። ኩነታትና እንተተመልከትናን ምስቲ ናይ ሽዑ ኩነታት እንተኣነጻጸርናን ናይታ ሓዋርያዊት መልእኽቲ መኽፈቲ ቃላት ብትንቢታዊ መልክዕ ንዓና እውን ይምልከታ። ከምዚ ከኣ ይብላ `ወንጌል ሕይወት ሕመረት መልእኽቲ ኢየሱስ ዝሓዘ እዩ። ዕለት ዕለት ቤተክርስትያን ብፍቅሪ ሃንጐፋይ ኢላ ተቀቢላ ትብዓት ብዝመልኦ ምትእምማን ከም ሓዲስ ብሥራት ንዘመደ ኣዳም ናይ ኩሉ ዘመናትን ባህልን ተበሥሮ` (ቊ.1) ይብል። ከም ኩሉ ብሥራት ስብከተ ወንጌል እዚ ክፍሊ እዚ እውን ቅድሚ ምስባኹ ብግብሪ ብሕይወት ክንምስክሮ ኣሎና። ኣብዚ ሁመት እዚ ናይቶም ማእለውያ ዘይብሎም ብዘይ ረኣዩለይ ስምዑለይ ብሱቊታ ኣብ ኣገልግሎት ሕሙማትን ብተነጽሎን ብሕታውነትን በይኖም ዝሽቊረሩ ንዘለው ሽማግለታትን ተዋፊሮም ብሱቊታ ንዝህብዎ ምስክርነት ብምስጋና እዝክር። እዚኦም ሰባት እዚኦም ንመልእኽቲ ወንጌል ሕይወት ከምታ ንብሥራት መልኣኽ ብሱቊታ ተቀቢላ ሓገዝ ናብ ዘድልያ ዝነበረ ኤልሳቤጥ ዘመዳ ንምርዳእ ዝኸደት እኖና ድንግል ማርያም ኣብ ግብሪ የውዕልዎ ኣለው። ከም ሓቁ ከኣ እታ ክነደንፍዓን ክንከላኸለላን ንሕተት ዘሎና ሕይወት ኣብ ሓሳብ ዘላ ዘይኮነስ ዓጽምን ሥጋን ንዝለበሰት ኣብ ቅድሜና ንዘላ ብምግልጋል ኢና እንገብሮ። እዛ ሕይወት እዚኣ ኣብ ሕጂ ሕጂ ዝተጸንሰ ዕሸል ረዳኢ ዘይብሉ ተገሊሉ ኣብ ዘሎ መሽኪን ሰብ በይኑ ብሕማም ማሲኑ ዝረድኦ ኣብ ዘይብሉን ንሞት ዝሰሓግ ዘሎ ሕሙምን ትጉህ ሠራሕተኛ ነሩ ዳግም ሥራሕ ክረክብ ኣብ ዘይክእል ሽቅለት ኣልቦ ብስደት ኣብ ሻውላት ዝነበር ወዘተ ኮታስ ሕይወት ብጭቡጥ ኣብ ህልዋት ሰባት ትግለጽ። ነፍሲወከፍ ወዲሰብ ምልኣት ሕይወት ከስተማቅር ዝተጸውዔ እዩ፡ ኣብ ሕቊፉ ሓላዪት ኣደ ዝኾነት ቤተክርስትያን ዝተዓቊበ ብምዃኑ ከኣ ዝኾነ ንክብሩ ዝፈታተን ኩነታትን ንሕይወት ደቂሰባት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኩነት ክርከብ እንከሎን ርሕሩሕ ማሕጸን ኣደ ሱቊ ኢሉ ከምዘይሓልፎ ርግጽ እዩ። ንቤተክርስትያን ሕይወት ምክልኻል ናይ ሥነ ሓሳብ ወይ ርእዮተ ዓለም ጉዳይ ኣይኮነን ኩነት ደቃ ዝኾኑ ዘመደ ኣዳም ስለዝኾነ ክርስትያን ዘበሉ ኩሎም ክ ዋስኡሉ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። እዚ ከኣ ክርስትያን እውን ሰባት ስለዝኾኑ ክፍሉ ናይዚ ኩነት እዮም እምበር ሥነ ሓሳብ ወይ ርእዮተ ዓለም ኮይኑ ኣይኮነን ዝዋስኡሉ። ኣብዚ ንመሰላት ደቂ ሰባት ክጣበቅ ዝተላዕለ ዝመስል ዘመን እውን እንተኾነ ንክብሪ ደቂሰባትን ንሕይወቶምን ዝጻባእ ዝኾነ ተበግሶ ንቃወም ነቲ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ሓዲስ ግድልን ሓዲስ ባርነትን ንቃለሶ ኣሎና። እዚ ከኣ እቲ ዘሎ ሕግታት ንደገፍ ናይቶም ድኹማትን ኣላዩ ዘይብሎም ተኣፈፍቲ ኣካላት ማሕበረሰብና ኣብ ግምት ዘይእቱ እኳ እንተኾነ ኣቍዋም ቤተክርስትያን ንክብርን ሕይወትን ደቂሰባት ዝቆሙ እዩ። መልእኽቲ ወንጌል ሕይወትከስ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሎሚ ብግህዶ የድሊ ኣሎ። ክንዮ ዘሎ ህጹጽ ጉዳያት ማለት ከምዚ ሕጂ ነሕልፎ ዘሎና ጸገም ንወለዶታት ዝመሓላለፍ ባህልን ትምህርትን ንምስንዳእስ ይኹን ልማድ ደገፍን ምትሕግጋዝን ሃንጐፋይ ኢልካ ምቅባልን ንምስራጽ ኣብ ባህላዊ ደረጃስ ይኹን ኣብ ኲስኰሳ ትምህርቲ ክንሰርሓሉ ዘሎና ጉዳይ ምዃኑ ናይ ክርስትያን ውርሻ ጌርካ ምሕሳብ ጥራይ ዘይኮነ ንኩሉ ዘመደ ኣዳም ዝምልከት ሕውነታዊ ርክብ ንምፍጣርን ንምድንፋዕንስ ይኹን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዋጋን ወፈያን ኣብ ግምት ንምእታው ወላውን እቶም ተኣፈፍትን ኣብ ሥቃይ ዝርከቡን ግደኦም ከበርክቱ ከምዝኽእሉ እንተኣማመነሉ ግዜ ሕጂ ምዃኑ የመልክት። ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ሎሚ ከም ሎሚ ሕይወት ክቡር ወዲሰብ እንኮን ዘይትድገምን ኰይና ብምንም ተኣምር ክትትክኦ ዘይከኣል ባእታ ከምእተቍውም ንግንዘብ። እዚ ብሥራት እዚ ወትሩ ምስ ተበሠረ እዩ። ነዚ ከኣ ብዓቢ ትብዓት ቃልን ግብርን ኢና እንገብሮ። እዚ ከኣ ንምድግጋፍን ሕወነታዊ ፍቅርን ጸዊዑ ንህንጸት ዓቢ ሕውነታዊ ስድራቤት ዘመደ ኣዳምን ነፍሲወከፍ ኣባልን እዩ። በዚ መንገዲ እዚኸስ ምስቲ ነዛ ሓዋርያዊት መልእኽቲ እዚኣ ዘሰናደወ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓቢረ ብሓዲስ መንፈስ ነቲ ቅድሚ 25 ዓመት ዘቅረብዎ ጻውዒት `ንሕይወት ዝኾነ ሕይወት ምናዳ ኸኣ ንሕይወት ወዲሰብ ኣኽብ ተኸላኸል ኣፍቅር ኣገልግል። በዚ መንገዲ እዚ ጥራይ ኢኻ ፍትሕን ምዕባሌን ነጻነትን ሰላምን ታሕጓስን ትረክብ' (ቊ.5) እብለኩም እግዚአብሔር ይሃበለይ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ። ] ”

ብድምጺ ንምክትታል!
25 March 2020, 14:28