ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ምሕረት ከም ናይ ሮማ ጳጳስ ከመሓላልፎ ዝግብኣኒ መልእኽቲ እዩ

እትህቦን እትቕበሎን ምሕረት ጠሪሹ ዘይፈላለይ እዩ፡ እቲ ሓቂ እዚ ክነሱ ብዙሓት ምሕረት ምሃብ ይሰኣነና

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ብቃልን ምስልን ውሕዘት ብቐጥታ ካብ ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍት ኰይኖም ኣብቲ ኢየሱስ ብዛዕባ ብጽዕና ኣብ ዝሃብዎ ትምህርቲ ኣማእኪሎም ዝጀመርዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቀጺሎም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ፡ “ንፍሲ ወከፍና ምሕረትን ትዕግስትን ዘድልዩ ምዃኑ ይዘክር፡ ምሕረት፡ ምሕረት እናሃብካ ኢኻ እትመሓር፡ ኣብ ምምሓር ምምሓር” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱነቶም ናይቲ ዕለት 18 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ርእሰ ጉዳይ “መሓርቲ ምሕረት ኪረኽቡ እያቶም እሞ ብጹዓን እያቶም” ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ምምሓር ምምሓር፡ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም፡

ብዘይ ምሕረት ክርስትና የልቦን

ምሕረት እግዚኣብሔር ክንቕበል እንከሎና ንሕና እውን ብተራና መሓርቲ ንኸውን፡ እዚ ንመግስቲ ኣምላኽ ርሁዋት ይገብረና፡ ናይ እግዚኣብሔር ሚዛን ምሕረት እዩ፥

ምሕረት ሓደ ካብቶም ማዕዶታት ዘይኰነ ናይ ክርስትና ሕመረት እዩ፡ ብዘይ ምሕረት ክርስትና የልቦን፡ ክርስትናና ናብ ምሕረት ዘብጽሓና እንተድኣ ዘይኰነ መገዲ ተጋጊና ኣሎና ማለት እዩ፡ ናይ ዝዀነ መንፈሳዊ ኪደት ሓቀይናን እንኰን ፍጻሜን መባጼሕን ምሕረት እዩ፡ ምሕረት ዝብል ቃል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ናይ ዝለገስዎ ቀዳማይ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ማእከል ከምዝነበረን ይዝከር፡ ከም ጳጳስ ዕለት ብዕለት ከቃልሖ ዝግብኣኒ መልእኽቲ ምሕረት ዝብል እዩ፡ ካርዲናል ክሳፐር ዝደረስዎ መጽሓፍ ከምዝጠቐሱ እውይ ይዝክሩ። ከም ናይ ሮማ ጳጳስ፡ ዕለት ብዕለት ከቕርቦን ከመሓላልፎን ዝግብኣኒ መልእኽቲ ምሕረት ዝብል እዩ።

ምሕረት እግዚኣብሔር ናጽነትናን ሓጐስናን እዩ፡ … እነስተንፍሶ ኣየር ምሕረት እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ክንምሕር ምሕረት ዘድልየና ኢና

ምሕረት ናይ እግዚኣብሔር ልቢ እዩ

ምሕረት ዝብል ቃል፡ እዚ ልቢ እግዚኣብሔር’ዚ ምስቲ ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ወንጌሉ “እይትፍረዱ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፡ ኣይትዀንኑ ኣይክትኵነኑን ኢዅም፡ ሕደጉ ኪሕደገልኩም እዩ፡ ሃቡ ኪወሃበኵም እዩ፡ በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኪስፈረልኩም እዩ …” ከምዝብሎ እዩ፡ ያዕቆብ ኣብ መልእኽቱ “ … ምሕረት ኣብ ልዕሊ ፍርዲ ስለ እትዕወት እቲ ብምሕረት ዘይገብር ብዘይ ምሕረ ኪፍረድ እዩ” ከምዝብሎ እዩ።

እትህቦን እትቕበሎን ምሕረት ጠሪሹ ዘይፈላለይ እዩ፡ እቲ ሓቂ እዚ ክነሱ ብዙሓት ምሕረት ምሃብ ይሰኣነና፡ እቲ ኣብ ልዕለይ ዝፍጸም ክፍኣት ዓቢይ ስለ ዝዀነ ምሕረት ምሃብ ልክዕ ዘይብጻህ በሪኽ ጉቦ ምሕኳር ከይኑ ይስምዓኒ፡ … ምሕረት ኣይግብኦን፡ ከመይ ገይረ ክምሕሮ ንብል፡ ስለዚህ ኣብ በይንና ብገዛእ ርእስናን ክንምሕር ስለ ዘይከኣለና ጸጋ እግዚኣብሔር የድልየና፡ ምሕረት … እግዚኣብሔር ሓጢኣትና ክሓድገልና እንሓትቶ፡ ምሕረት ስለ ዘድልየናን ዕዳ እውን ስለ ዘሎናን፡

መሓርቲ ይመሓሩ

ምሕረት ካብ ብቕዓት ይቕረ ምባል ፈሊኻ ክረኣይ የብሉን፥

ኵላትና ሰብ ዕዳ ኢና፡ … መብዛሕትና ኣቦን ኣደን ሓውን ሓብትን በዓል ቤትን በዓልቲ ቤትን ኣብ ምዃን ሓላፍነትና እንጐድል ኮይንና ንርከብ፡ ከምቲ ክንጐኖ ዝግብኣና ከይኰንና ንተርፍ፡ ኵላትና ዝቕባበ ዘሎና ኢና፡ ኣብ ሕይወት ማለት እዩ፡ ምሕረት የድልየና፡ ንሕና እውን በዲልና ኢና፡ … እዚ ድኽነትና’ዚ ንኽንምሕር ሓይሊ እዩ ዝዀነና፡ በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኪስፈረልኩም” (ሉቃ. 6. 38) እዩ እቲ ሓቂ፡ ስለዚህ እቲ እንጥቀመሉ መምዘኒ ዝምሕር ይዅን፡ ኵላትና ምሕረት ከምዘድልየናን ክንምሕርን ከምዝግብኣና ምፍላጥ የድሊ፡ ትዕግስቲ ዝሓትት እውን እዩ፡ ናይ ምሕረት ምስጢር፡ ኣብ መሓርነት ተመሓርነት ዝብል እዩ።

እንክብሉ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከዘጠቓለሉ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ፍራንቸስኮ፥ ምሕረት ከም ናይ ሮማ ጳጳስ ከመሓላልፎ ዝግብኣኒ መልእኽቲ እዩ
18 March 2020, 18:10