ድለ

24 ሰዓት ንጐይታ፥ ብሓባር ኣብ ጸሎት መቝጸርያ

ዕለት 19 ብናይ ኢጣሊያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ትሽዓት ምሸት ኩሉ ኣብ ጸሎት መቝጸርያ ክሓብር ሓደራ

ር.ሊ.ጳ. ፍራነስክ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፥ ዕለት 20ን 21 መጋቢት 2020 ዓ.ም. 24 ሰዓት ምስ ጐይታ ዝብል መንፈሳዊ መደብ ከምዝፍጸምን በቲ እንነብሮ ዘሎና እዋን ዓቢይ ጾም ምኽንያት ናይ ምስጢረ ንስሓ እንቕበለሉ ዕለት እውን እዩ፡ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ምኽንያት ኣብ ኢጣሊያ ኰነ ኣብ ካልኦት ሃገራት ክፍጸም ከምዘይከኣልን ምስ ኣዘኻኸሩ፡ ኣስዒቦም ዕለት 19 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ዮሴፍ እተብዕለሉ ዕለት ምዃኑ ዘኪሮም፡ ኣብ ጽንኵር እዋን ነቲ ዓቢይ ቅዱስ ብእምነት ኣማላድነቱ ንሕተት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን 

ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ዘነቓቕሕዎ መደብ ጸሎት መሰረት፡ ኣባይት ስድራን ነፍሲ ወከፍ ምእመንን ማሕበረሰብ ገደማውያንን መንፈሳውያን ማሕበራትን ኩለን ዕለት 19 ብናይ ኢጣሊያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ትሽዓት ምሸት ኩሉ ኣብ ጸሎት መቝጸርያ ክሓብር ሓደራ ቢሎም፡ ከምቲ ዕለት 18 መጋቢት ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ፡ በማላድነት ማርያም ዘቕረብዎ ደጊሞም “ኦ ማርያም፥ ኣባይቲ ስድራ፡ ብፍላይ ህሙማንን ነቶም ኣብ ምክንኻን ህሙማን ዝዓዩ ንዘለዉ ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ሓኻይምን ወለንተይናታን ኣብ ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ሕይወቶም ንሓደጋ ንዝቃላዕ ኵሎም ደገፊ” ከምዝበሉ ሎሞናኰ ኣፍሊጦም።

24 ሰዓት ንጐይታ፥ ብሓባር ኣብ ጸሎት መቝጸርያ
18 March 2020, 18:17