ነዚ ብኣልማማ ወሪዱና ዘሎ ለበዳ ሕማም ከቅልለለና ብሓባር ንማህለል! ር.ሊ.ጳ
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 22 መጋቢት 2020 ዓም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ምሉእ ዓለም ብመራኸቢ ብዙሓ ምስ ደገሙ ነዚ ብኣልማማ ወሪዱና ዘሎ ለበዳ ሕማም ብጸሎት ክንቃለሶ ንዝመጽእ ሮቡዕ ዕለት 25 መጋቢት ኩሎም ክርስትያን ብሓባር ኣቡነ ዘበሰማያት ብምድጋም ከምኡ እውን ዓርቢ 27 መጋቢት 2020 ዓም ንሶም ባዕሎም ካብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመርሕዎ ስግደትን ኣምልኾን ቅዱስ ቚርባንን ካብ ሰገነት ቅዱስ ጴጥሮስ ንመላእ ዓለም ብቅዱስ ቊርባን ሰዓት 6 ድሕሪ ቀትሪ ብኣቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ብዝህብዎ ሓዋርያዊ ቡራኬን ንማህለል ኢሎም።
ዜና ቫቲካን
ኣይረድ ወሪድዎ ዘመደ ኣዳም ብኣልማማ በዚ ለበዳ ኮቪድ 19 ርዒድሉ ኣብ ዘሎ እዋን ቅዱስነቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ካብ ዕለት 9 መጋቢት 2020 ዓም ጀሚሮም ንግሆ ንግሆ ኦ ጐይታ ሕዝብኻ ኣድሕን እናበሉ ክንዲ ኩሉ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ስግደትን ኣምልኾን ቅዱስ ቊርባንን ቡራኬ ቅዱስ ቊርባንን ካልእ ኣብ ልሙድ ትምህርታቶም ዘቅርብዎ ዘለው መጸናንዒ ቃላት ንዓለም ምሉእ ብዘይ ቃለዓለም ዘቅረብዎ ምናዳ እቶም ብክርስቶስ እንኣምን ኩልና ብዘይ ምንም ሌላን ጉሌላን ነታ እንኮ ጸሎት ንሱ ዝመሃረና ብሓባር ኣብ ሓደ ሰዓት ንድግማ ሓደራ ብእምነት ክብሉ ተማሕጺኖም።
ሮቡዕ 25.03. 2020 ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ብሓባር ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር
ዓርቢ 25.03. 2020 ብሰዓት ሮማ ልክዕ ሰዓት 6 ድሕሪ ቀትሪ ቡራኬ ቅ ቁርባን
ኣብ ርእሲ እዚ ሽሕ'ኳ በዚ ጸገም እዚ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ባዶ እንተኾነ ስለ መላእ ዘመደ ኣዳም ንዝመጽእ ዓርቢ ምሸት ኣብ ሰገነት ቅዱስ ጴጥሮስ ስግደትን ኣምልኾን ቅዱስ ቊርባን ምስ ኣቅረቡ ብኣቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ልክዕ ሰዓት 6 ድሕሪ ቀትሪ ኩሎም ኣመንቲ ብመንፈስ ዝከታተልዎ ብኡርቢ ኤት ኦርቢ ዝፍለጥ ኣብ ግዜ ፋሲካን ልደትን ዝግበር ሓዋርያዊ ቡራኬ ከወፍዩን ብኩሉ መራኸቢ ብዙሓን ከኣ ክመሓላለፍ ምዃኑ ሓቢሮም።
23 Mar 2020, 18:28