ድለ

2020.03.11 ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ብቀጥታ ብቪድዮ 2020.03.11 ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ብቀጥታ ብቪድዮ 

ኣብ ልቢ እቲ ዝሓሰመ ሰብ እውን ከይተረፈ ዘርኢ ሠናይ ነገር ኣሎ! ር.ሊ.ጳ

ብቅንያቱ ወሪዱ ብዘሎ ጸገም ለበዳ ሕማም ኮረና ቫይረስ ሎሚ እውን ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ብቀጥታ ብቪድዮ ኣመሓላሊፎም። ነቲ ብዛዕባ ብፅዕና ወንጌል ዝጀመርዎ ብምቅጻል ከኣ ‘ንጽድቂ ዝጠምዩ ዝጸምዑን ብፁዓን እዮም፡ ከመይ ክጸግቡ እዮም` ንእትብል ክፍሊ ተንቲኖም።

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ኣብ ናይ ሎሚ ኣስተንትኖና ብዛዕባዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዓደለና ደስ እተብል መንገዲ ብፅዕና ብምቅጻል ነታ ‘ንጽድቂ ዝጠምዩን ዝጸምኡን ብፁዓን እዮም፡ ከመይ ክጸግቡ እዮም’ (ማቴ 5,6) እትብል ራብዓይቲ ክፍሊ ክንምልከት ኢና።

ብዛዕባ እቶም ብመንፈስ ድኻታት ዝኾኑን ዝሓዝኑን ብብፁዓን እዮም ዝብል ድሮ ተመልኪትና ሎሚ ከኣ ካልእ ብጠመተና ሕመቅ ዝመስል ምስ ጽምእን ጥሜትን ዝተታሓሓዘ ክፍሊ ክንምልከት ኢና። ጽምእን ጥሜትን ቀዳሞት ግድነታት ደቂሰባት ኰይኖም ብሕይወት ናይ ምንባር ሕቶ ዝምልሹ እዮም። ስለዚ ብዛዕባ ወሳኒ ናይ ሕይወት ጉዳይ ዝኾኑ እንክዛረብ ማንም ድልየት ወይ ሃረርታ ዘይኮነ ናይ ህልውና ሕቶ ኣዩ ዘቅርብ። እዚ ጽምን ጥሜትን እዚ ከምቲ ናይ ዕለታዊ መግበና ግድነት እዩ።

ብመሠረቱ ጥሜትን ጽምእን ጽድቒ ወይውን ፍትሒኸ እንታይ እዩ ትርጉሙ! ብዛዕባ እቶም ሕነ ክፈደዩ ዝደናደኑ ኣይኮናን ንዛረብ ዘሎና ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ብዛዕባ ብፅዕና ለውሃት ዝበልዮ ማለት እዩ። ርግጽ እዩ ኢፍትሓዊ ተግባራት ንሰብኣውነት የቚስሉ ከመይ ማሕበረሰብ ዘመደ ኣዳም ፍትህን ሓቅን ሕብረሰብኣዊ ማዕርነትን ብግዲ የድልዮ እዩ። እቲ ደቂተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝቅበልዎ ዓመጽን ኣደራዕን ብቀጥታ ናብ ልቢ እግዚኣአብሔር ከምዝበጽሕ ንፈልጥ ኢና። ብስቃይ ደቁ ዘይሳቀ ኣቦ እንታይ ኣቦ እዩ!

ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብዛዕባቲ እግዚአብሔር ዝፈልጦ ዝሳተፎን ስቃይ ድኻታትን ጭቑናትን ይዛረበና። ንኣብነት እቲ ኣብ (ዘፀአ 3.7) ተመልኪቱ ዘሎ እግዚኣአብሔር ገዓር ጭቆና ደቂ እስራኤል ከምዝሰምዔን ንሕዝቡ ሓራ ከውጽእ ከምዝወረደን ዝገልጽ ክፍሊ ኣሎ። እንተኾነ እዚ ኣብዚ ዝዝረበሉ ዘሎ ጥሜትን ጽምእን ናይ ፍትሒ ወይውን ጽድቂ ካብ ብዝዓመቆ መንገዲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ዕመቊ ልቡ ሒዝዎ ንዝጐዓዝ ኣድላይነት ፍትሒ ዘመደ ኣዳም እዩ ዘመልክት።

ኣብዚ ጥቅሲ እዚ ማዕረ ማዕረኡ ብዛዕባ ካብ ሰብኣዊ ፍትሒ ዝለዓለ ከማኡ እውን ካብ ሰብኣዊ ፍጽምና ኣዝዩ ዝለዓለ ፍጽምና እንክዛረብ ‘ጽድቅኹም ካብቲ ናይ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣጸቢቁ እንተዘይዓዚዙ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ከቶ ኣይክትኣትውን ኢኹም’ (ማቴ 5.20) እንክብል ይገልጾ። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዘመልክቶ ከአ (1ቆሮ 1.30) እታ ካብ እግዚኣአብሔር ኣትመጽእ ጽድቂ ወይ ፍትሒ እዚኣ እያ።

ከምኡ እውን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ ኣካላዊ ጽምኢ እትሕይል ኣብ ነፍስና ብዛዕባ ትርከብ ጽምኢ ንረክብ። ኣብ መዝሙረ ዳዊት ‘‘ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ፣ ኣንጊሄ እደልየካ ኣሎኹ፣ ነፍሰይ ንኣኻ ትጸምእ ኣላ፣ ስጋይ፣ ማይ ኣብ ዜብሉ ደረቕን ጽሙእን ምድሪ ዀይኑ፣ ይናፍቐካ አሎ’ (63,1) ክብል ይገልጾ። ኣበው ቤተክርስትያን እውን ናይዚ ኣብ ልቢ ደቂሰባት ዝነብር ሃረርታ ይዛረቡ። ቅዱስ ኣጎስጢኖስ `ኦ ጐይታ ንዓኻ ኢኻ ፈጢርካና ልብና ኣባኻ ክሳብ ዘዕርፍ ዕርፍቲ ኣይረክብን’ (ኑዛዜ 1.1.5) ይብል። ስለዚኸስ ሓደ ዘይረዊ ውሳጣዊ ጽሚ ውሳጣዊ ጥሜት ቅሳነት ዘይህብ ሃረርታ ወትሩ ንልብና ምስ ሃወጾ እዩ።

ኣብ ነፍሲወከፍ ልቢ፡ ኣብ ልቢ እቶም ዝሓሰሙን ካብ ሠናይ ነገር ዝረሓቁን ከይተረፈ ናብ ብርሃን ገጹ ሃረር ዝብል ሓይሊ ኣሎ። እዚ ሃረርታ እዚ ዋላ ኣብ ትሒት ብዙሕ ምጥፍፋእን ጌጋን እውን ይኹን ናይ ሠናይ ነገር ጽምኢ ናይ ሓቂ ጽምኢ ኮታስ ናይ እግዚኣአብሔር ጽምኢ ኰይኑ ይቅጽል። ነዚ ጽምኢ እዚ ዘሕድረልና መንፈስ ቅዱስ እዩ። መንፈስ ቅዱስ መሬት እንክሎና ሕይወት ዝዘርኣልና እቲ ፈጣሪ ኡፍ ኢሉ ብኣኡ ሕይወት ዝሰዂዓሉ እዩ።  

ስለዚ ከኣ እያ ቤተክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ ጸኒሳ ቃል ኣምላኽ ናብ ኩሉ ክተበሥር ተልእኮ ዝተቀበለት። እቲ ዝዓበየ ፍትሂ ዝኾነ ወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ሃረር ዝብሎ ግን ዘየስተውዕለሉ ሕያው ሃረርታ ልቢ ደቂሰባት ምዃኑ እዩ።

ንኣብነት ሓደ ሰብኣይ ወይ ሓንቲ ሰበይቲ ዝዓበየ ሠናይ ነገር ንምፍጻም ብዝብል ዕላማ ይምርዓው! ምስቲ ዘሎ ጸገማት ከኣ ብጸጋ እግዚአብሔር ንቅድሚት ንክስጒሙ ነዚ ሃረርታ እዚ ወትሩ ሕያው ክገብርዎ ይቃለሱ። መንእሰያትና እውን እዚ ጽምኢ እዝን እዚ ጥሜት ኣዝን ኣለዎም ከጥርፍእዎ የብሎምን። ኣብ ልቢ ሕጻናትና ነዚ ክንከላኸሎን ኣብ ልቦም ከኣ ነቲ ብገርሀይናን ኣንጸባራቅን ጠባዮም ዝገልጽዎ ፍቅሪ ርሕራሔን ተቀባልነትን ክንኩስኩሶ ኣሎና።

ነፍሲወከፍ ሰብ ቀንዲ ውራይ ኣብ ሕይወቱ እንታይ ከምዝኾነን ብሓቂ እንታይ ከምዘድልዮን ብጽቡቅ ንክነብር እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ እንታይ ክገብር ከምዘይብሉ ብህድኣት ንክፈልጥ ዝተጸውዔ እዩ።

ኢየሱስ ኣብዛ ብፅዕና ናይ ጽምእን ጥሜትን ንጽድቂ ዘረጋግጸልና ጉዳይ እንተልዩ እዚ ጽምኢ እዝን እዚ ጥሜት እዝን ዘይጥለም ኰይኑ ክንረውን ክንጸግብን ከምዝኾና ኩሉ ከኣ ንሠናይና ከምዝኾነ የረጋግጸልና። እዚ ዝኾነሉ ከኣ መሠረቱ ልቢ እግዚአብሔር ምንጩ ከኣ እቲ ፍቅሪ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ስለዝኾነ እዩ። ኣብ ልብና ዝዘርኦ ከኣ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ጐይታ ነዚ ጸጋ እዚ ይዓድለና። ንእግዚኣአብሔር ክንርኢ ንብጾትና ሠናይ ነገር ንክንገብር ዝደፋፍእ ጽምኢ ናይ ጽድቂ ይዓድለና።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

11 March 2020, 17:28