መሰኻኽር ምዃን ጸጋ ትዕድልቲ ዕርክነት እግዚአብሔር እዩ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ጸገማት እንከጋጥሙ መፍትሒ ክትረኽበሎም ግድን ብምዃኑ እቶም ቅድሚ ሕጂ ብኣካል ክርከቡ ብዘይምኽኣሎም ብመስኮት ተለቪዥን ከምዚ ዓይነት ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ዝመርሑ ብኣካል ስለዘይክእሉ እንክኸውን ናይዚ ሰንበት ፍጻሜ ግን ብምኽንያት ንኩሉ ዝለኻኽም ሕማም ኰይኑ ምትእኽኻብን ምቅርራብን ንምፍኳስ ተባሂሉ እኳ እንተተገብሩ ቅዱስነቶም ግን ነቲ ፍጻሜ ስግንጢራውን ፍሉይን ምዃኑ ብምግላጽ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበሩ ብመስኮት ተለቪዥን ዳርጋ ምስኦም ከምዘለው ሰላም ከምዚ ክብሉ ሰላምታ ኣቅሪቦም።
ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ካብ ማቴ 17 ትርኢት ኢየሱስ ኣብ ደብረ ታቦር ከምዝተለወጠ ዝገልጽ ኮይኑ ‘ድሕሪ ሹዱሽተ መዓልቲ ከአ ኢየሱስ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሓንስ ሓዉን ወሲዱ ንብሕቶም ናብ ነዊሕ እምባ ኣውጽኦም። ኣብ ቅድሚኦም ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ኸም ጸሓይ ኣንጸባርቀ፡ ልብሱ ድማ ከም ብርሃን ጸዕደወ። እንሆ እውን፡ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እንኪዛረቡ ተራእይዎም። ሽዑ ጴጥሮስ ንኢየሱስ ‘ጐይታይ፡ ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። እንተደኣ ደሊኻስ፡ ኣብዚ ሰለስተ ድንኳን ሓንቲ ንኣኻ ሓንቲ ንሙሴ ሓንቲ ድማ ንኤልያስ ክንሰርሕ’ በሎ፡፡ ጌና ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ፡ ብሩህ ደመና ኣጐልበቦም። ንኣኡ ስምዕዎ!’ ዚብል ድምጺ ወጽአ። እቶም ኣርድእቱ ነዚ ምስ ሰምዑ ብኣፍልቦም ተደፍኡ፡ ኣዝዮም እውን ድማ ፈርሁ። ኢየሱስ ድማ ቀርቡ ተንከዮም፡ ‘ተንሥኡ ኣይትፍርሁውን!’ ከኣ በሎም።’ ዝብል ይርከቦ።
ቅዱስነቶም ቀንዲ መልእኽቲ ናይዚ ፍጻሜ ሓዋርያት ምሥጢረ ክርስቶስ ንምርዳእ ክሕግዝ ከምዝኾነ በዚ ከኣ ንዓና ኣውን በዓለ ደብረታቦር ምሥጢረ ክርስቶስ ንክንርዳእ ይግሕግዘና ኢሎም።
በዓለ ደብረታቦር ምሥጢረ ክርስቶስ ንክንርዳእ ይግሕግዘና!
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጴጥሮስን ያዕቆብን ዮሓንስን ብዛዕባ ሕማማቱን ስቃዩን ሞቱን ኣብ መወዳእታ ከኣ ካብ ሙታን ክትንሥእ ምዃኑ ምስ ገለጸሎም ፈጺሙ ክርድኦም ኣይከኣለን ክቅበልውዎ እውን ብጣዕሚ ጸጊምዎም ስለዚ ኢየሱስ እዚ ምሥጢር እዚ ንከብረሃሎም ናብ እምባ ታቦት ይወስዶም ኣብኡ ከኣ ነዚ ተኣምር እዚ የርእዮም። ኣዕይንቶም ይኽፈት ነቲ ክብሪ ይርእዩ።
ከመይ ገቢሩ ነዚኦም መሪጹ ምስ እንብል ከኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክመርጽ እንከሎ ወትሩ ብመደብ ፍቅሪ እዩ ዝመርጽ።
ኢየሱስ ብመደብ ፍቅሪ ይመርጽ!
ማቴዎስ ወንጌላዊ ነቲ ፍጻሜ እንክገልጽ ‘ገጹ ኸም ጸሓይ ኣንጸባርቀ፡ ልብሱ ድማ ከም ብርሃን ጸዕደወ . . . ደመና ጐልበቦም . . . ንኣኡ ስምዕዎ’ እናበለ እቶም ሰለስተ ዝተመርጹ ዘጓነፎም ነገራት ይዝርዝር። ኰይኑ ግን ኣብዚ ቅጅል ዝብል ስለምንታይ ጐይታ ነዞም ሰለስተ መሪጹ ክትብል ዝገደደ ከኣ እቲ ሓደ ንምኽሓዱ ቀዳማይ ዝኾነ እቶም ክልተ ከኣ ሓደ ብየማኑ ሓደ ብጸጋሙ ኮይኖም ክሽየሙ ሃረር ዝብሉ ዝነበሩ (ማቴ 20.20) ነዚ ሕቶ ቅዱስነቶም ከምዚ ክብሉ ይምልሹ።
ኢየሱስ ንዓና እውን ተንሥኡ ኣይትፍርሁ ይብለና!
ኣብ ጒዕዞ ሕይወት ክርስትና ንሕና እውን ከምዞም ሰለስተ ዝተመረጽና ኢና እዚ ግን ንሕና ኣብ እምባ ታቦር ደዪብና ብዓይንና ገጽ ኢየሱስ ከንጸባርቅ ርኢና ዘይኮነስ እታ ቃል ድሕነት ስለዝተዓደለትናን እምነት ስለዝተዋህበናን እዩ በዚ ከኣ ምስ ኢየሱስ ምስ ተራኸበና ንዝርከብ ሓጐስ ክነስተማቅር ንርከብ። ፍርሂ ክስምዓና እንከሎ ከኣ ናብና ቅርብ ኢሉ ትንክፍ የብለና እሞ ተንስኡ ኣይትርፍሁ ይብለና፣
ጻውዒት ንሰብኣዊ ቅልውላው ሶርያ ደው ንምባል!
ቅዱስነቶም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ደገሙ ብቪድዮ እናተራኣኣዩ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ሰላምታ ኣቅሪቦም። ኣብዚ ግዜ እዚ ካብቲ ነቲ ናይ ዕለቱ ፍጻሜ ብተለቪዥን ንምግባር ዘገደደ ሕማም ለበዳ ኮሮና ቪሩስ ክሳብ እቲ ኣብ ሶርያ ብሰብ ዝግበር ህልቂትን ውግእን ስደትን ንዘሎ ኩነታት ክንወግድ እግዚኣአብሔር ጸጋኡ ክህበና ኣብ ርእሲ ምልማን ንነፍሲወከፍ ጸገም ዝኸውን ጻውዒት ኣቅርቦም።
ብቀዳምነት ቅዱስነቶም ዝዘከርዎም እቶም ብሕማም ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዝሳቀዩ ኮይኖም ንኩሎም እቶም ኣብዚ መዳይ ዝከኣሎም ዘበርክቱ ዘለው ኣለይቲ ሕይሙማትን ሓካይምን ኣጆኹም ክብሉ ድሕሪ ምትብባዕ ነዚ ሓያል ግዜ ንምስጋር ሓይሊ እምነትን ርግጽነት ተስፋን ውዕዋዔ ፍቅርን ሠናይ ተግባርን ብምዝውታር ከምዘድሊ ገሊጾም። ከምኡ እውን ኣብ ሶርያ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ብዝቀልጠፈ ደው ክብል ጻውዒት ኣቅሪቦም።