ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ህሙማን ኣብ ምእላይ ሕይወተን ንዘወፍያ ደናግል ይጽልዩ

እቲ መልኣኽ ናብኣ ኣትዩ፥ ኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ እሞ፡ ባህ ይበልኪ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ በላ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ከምቲ ልሙድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ነተን ኣብ ጐድኒ ድኻታን ህሙማንን ኰይነን ዘገልግላን ብፍላይ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንድኻታት መዐደል መድሃኒትን ካልእ ዘድልን ኵሉ ኣብ ዘቕርብ ማእከል ተዋፊረን ንልዕሊ 98 ዓመት ዘገልግላ ንዘለዋ ደቂ ፍቕሪ ዘቅዱስ ቪንቸንሶ ደ ፓውሊ ደናግል ከምዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ከምቲ ልሙድ ሎሚ ንጐሆ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ዕለት 25 መጋቢት ብስርዓተ ኣምልዀ ላቲን ዓመታዊ በዓለ ትስብእቱ ማለት ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ንማርያም ኣደ ወልደ እግዚኣብሔር ክትኸውን ባዕሉ እግዚኣብሔር ከምዝሓረያ ኣብ ዝበዓለሉ ዕለት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ነተን ኣብ ሃገረ ቫቲካን መዐደል ኣፋውስን መሰረታዊ ኣድላይን ንድኻታት ዘቕርብ ማእከል ዘመሓድራን ኣብዚ ኣገልግሎት’ዚ መበል 98 ዓመት ዘቑጽራ ንዘለዋ ቪንቸንዚያውያን  ደናግልን ድኻታን ህሙማንን ኣብ ምእላይ ንዘገልግላ ኵለን ደናግልን ብፍላይ ኣብዚ ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ነቶም በዚ ሕማም’ዚ ንዝተጠቕዑ ኣብ ምእላይ ንዝርከባ ንጸልይ፥

         … ብፍላይ ነትን ህሙማን ዘገልግላን ኣብዚ ኣገልግሎት’ዚ ዝስውኣን፡ ሕይወተን ንሓደጋ ዘቃልዓን ንጸልይ

ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ፥ ትንቢት ኢሳያስ ምዕ. 7 ካብ ፍቕዲ 10-14, ምዕ. 8 ፍቕዲ 10

ዕብራውያን ምዕ. 10 ካብ ፍቕዲ 4-10፡ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 1 ካብ ፍቕዲ 26 – 38 ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥

ወንጌላዊ ሉቃስ ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ዘቅርቦ ታሪኽ ካብ ማርያን ዝተነግሮ እንተዘይከውን ባዕሉ ክፍለጦ እዩ ምባል የጸግም፡ ማርያም ነቲ ምስጢር ተዘንትው፡ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ክንገብሮ እንኽእል ብጽሞና ደጊምና ማርያም ተዘንትዎ ከምዘላ ብምስትውዓል ነዚ ሉቃስ ወንጌል ዘዘንትዎ ትስብእት ምንባብ እዩ።

“ብሻድሸይቲ ወርሒ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ናዝሬት እትብሃል ዓዲ ገሊላ ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ ኣምላኽ ተላእከ። ንሳ ንዮሴፍ ዚብሃል ሰብኣይ ካብ ቤት ዳዊት እተሐጽየት እያ፡ ስም እታ ድንግል እቲኣ ኸኣ ማርያም እዩ። እቲ መልኣኽ ናብኣ ኣትዩ፥ ኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ እሞ፡ ባህ ይበልኪ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ በላ። ንሳ ምስ ረኣየቶ፡ በቲ ዘረባኡ ሰምበደት፥ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰላምታስ እንታይ ኰን ይኸውን፧ ኢላውን ሐሰበት። እቲ መልኣኽ ከኣ በላ፡ ማርያም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ፡ ኣይትፍርሂ። እንሆ፡ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ፡ ስሙ ኸኣ የኢየሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። ንሱ ዓብዪኪኸውን፡ ወዲ ልዑልውን ኪብሃል እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፡ መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን። ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ፥ እዚኸ፡ ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ፡ ከመይ ኢሉ ኪኸውን እዩ፡ በለቶ። እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ፡ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ። እንሆ፡ ኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ፡ ንኣምላኽ ዚሰኣኖ ነገር ስለ ዜልቦ፡ ኣብ እርግናኣ ወዲ ጠኒሳ ኣላ፡ ነታ መኻን እትብሃል እዚ ወርሒ እዚ ሳድሳያ እዩ፡ በላ። ማርያም ከኣ፥ እኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ፡ በለት። ብድሕሪዚ እቲ መልኣኽ ድማ ካብኣ ከደ”።

ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን በስተንትኖን ብቡራኬ ቅዱስ ቁርባን ክዛዝሙ እንከለዉ፥

“ኦ ኢየሱሰይ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርካ እሰግደልካን ባዶነተይ ኣብ ትሕቲ ህላዌኻ ትሕት ቢለ ጣዕሳ ልበይ አቕርበልካ፡  ኣብቲ ናይ ፍቕሪ ምስጢር ዝዀነ ቅዱስ ቁርባን እሰግደልካን እውድሰካን፡ ኣብታ መንበሪትካ ንኽትከውን ኣብ ዝቕርበልካ ድኻ ልበይ ክቕበለካ ሃረር እብል፡ ኣብ ቅዱስ ቁርባ ናይ ሓሴት ሱታፌ ብተስፋ እናተጸበዅ ብመንፈስ  ክቕበለካ እደልይ፡ ዎ ኢየሱስ ነዓ ናባይ፡ ኣነ ናባኻ መታን ክመጽእ፡ ሕይወተይን ሞተይን መላእ ምዃነይ ኵሉ ብፍቕርኻ ክነድድ፡ እምነተይ ኣባኻ ተስፋይ እውን ኣባኻ፡ አፍቅረካ፡ ከምዚ ድማ ይዅን”

ዝብል ቅዱስ ቁርባን ንምቕባል ሃረርታኻ እትገልጸሉ ጸሎት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ህሙማን ኣብ ምእላይ ሕይወተን ንዘወፍያ ደናግል ይጽልዩ
25 March 2020, 16:48