ድለ

እታ እግዚአብሔር ብርሕራሔኡ ዝዓደለና ሕይወት ንካልኦት ከም እንርሕርሕ ትገብረና! ር.ሊ.ጳ

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ድሮ ሓሙሻይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርባዓ ኣብ ዝተከረሉ ሰንበት ዕለት 29 መጋቢት 2020 ዓም ዓለምና ኸኣ ብለበዳ ተላባዒ ሕማም ኮቪድ 19 ኣብ ዘሎዎ ተዓኒዱሉ ኣብ ዘሎ ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ መሪር ሓዘንን ብኽያትን ኢየሱስ ኣብ ሞት ዓርኩ ኣልኣዛር ዝገልጽ ነቲ ንሕይወት ዝፈጠረና እግዚአብሔር ኣቦ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍና ዘለዎ ፍቅሪ ከምዝገልጽ ብምግላጽ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸኮስ ነቲ ልሙድ ናይ መልኣከ ኣግዚአብሔር ኣስተምህሮ ፍርቂ መዓልቲ ብመራኸቢ ብዙሓን ኣመሓላሊፎም።

ዜና ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ወንጌል ዮሓንስ 11.1-45 ዝተወስደ ኰይኑ ዓርኪ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣልኣዛር ብብርቱዕ ሓሚሙስ እተን ኣሕዋቱ ርዳእ ርዳእ ክብላ መልእኽቲ ሕጹጽ መልእኽቲ እኳ ናብ ኢየሱስ እንተሰደዳ ሞይቱስ ተቀቢሩ ኣብ ሳልስቱ ኢየሱስ ነርድእቱ ኣልኣዛር ደቂሱ ኣሎ እሞ ከተንሥኦ ብማለት ናብቶም ክቀትልዎ ዝደልዩ ዝነበሩ ክኸይድ ምውሳኑ ጋን ኰይንዎም ዋእ ኣብኡዶ ቀስቂሱ ዘተንሥኦ ተሳኢኑ እሞ ኸኣ ኪቀትልዎ ናብ ዝደልዩ ኢሎም እንክጭነቁ ኣልኣዛር መይቱ እዩ ኢሉ የርድኦም እሞ ንሶም እውን ንዑናይ ምስኡ ንሙት እንክብሉ ኢየሱስ ግን ብርሃን ዓለም ከምዝኾነ ብብርሃኑ ክመላለሱ ድሕሪ ኣስተምሂሩ ናብ ቢታንያ ከይዱ ነቲ ድሮ መይቱ ተቀቢሩ ስላስቲ ዝገበረ ኣልኣዛር ድሕሪ ብርቱዕ ሓዘንን ብኽያትን ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ጸሎት ብምዕራግ ካብ ሙታን ከምዘተንሠኦ ዝነግር ታሪኽን እዚ ተኣምር እዚ ኣብ መንጎ እቶም ክቀትልዎ ዝደልዩ ዝነበሩ ኣይሁድ ብርቱዕ ምፍልላይ ኣልዒሉስ ብዙሓት ብኣኡ ከምዚኣመኑ ዝትርኽ ክፍሊ ነበረ።

ኣብዚ ክፍሊ ወንጌል እዚ ክልተ ነገር ንዕዘብ ዝበሉ ቅዱስነቶም እቲ ቀዳማይን ቀንድን ኢየሱስ ጐይታ ሕይወት ምዃኑ እንክገልጽ በቲ ካልእ መዳይ ድማ ኢየሱስ ንኩሉ ሥቃይና ሥቃዩ ገይሩ ብምልባስ ከመይ ብዝበለ ርሕራሔ ተነኽኒኹ ከምዝበኸየ የረጋግጸልና ኢሎም።

ኢየሱስ ንሥቃይና ናቱ ገሩ ይለብሶ!

ኣብቲ ወንጌል ከምዝትርኾ ኢየሱስ ብሞት ዓርኩ ኣልኣዛር ብጣዕሚ ሓዚኑ ተነኽኒኹ ብምብካይ ርሕራሔኡ እንክገልጽ ንሥቃይ ናይ ማርታን ማርያምን ምስታፍ ጥራሕ ዘይኮነ ናቱ ገሩ ከምዝለብሶ እውን የመልክት። ነዚ ፍጻሜ እዚ ምርዳእ ዝጽግመና ኣይመስለንን ምናዳ ሎሚ በዚ ወሪዱና ዘሎ መቅዘፍቲ ብዙሓት ሥድራቤታት ክሰናበትዎም እኳ ንዘይክእሉ ኣባላት ሥድራቤቶም ብሞት ስኢኖም ዘጸናንዖምን ዝእብዶምን ዘይብሎም ኣብ ገገዛኻ ተዓዚኻ ብሓዘን ትልለወሉ ግዜ ሓያል ሓዘን ነበረ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ክብደት ሓዘን ናይተን ኣሓት ኣልኣዛር ኣብ ርእሲኡ ደጋጊመን ንስኻ ኣብዚ እንተትነብር ሓውና ኣልኣዛር እምበይምሞተን ክብላ እናበኸያን እናቆዞማን ምስ ተናገራኦ ልቡ ይትንከፍ ይንኽነኽ ክሳብ እቶም ብዓይኒ ጥርጠራ ዝጥምትዎ ዝነበሩ ኣይሁድ ረኣዩ እሞ ክሳብ ክንደይ የፍቅሮ ከምዝነበረ ዝብሉ ይኸውን። ተነኽኒኹ እናበኸየ ከኣ ኣበይ ቀቢርክምዎ ኢሉ ሣልስቲ ገሩ ሕማቅ ጨና ገሩ ኣሎ እናበልዎ ንዑ ደኣ እንተደኣ ኣሚንኩም ክብሪ እግዚአብሔር ክትርእዩ ኢኺም ኢለኩም እንድየ! ድሕሪ ቢሉ ናብታ መቃብር ከይዱ ጸሎት ኣዕሪጉ ኣልኣዛር ንዓ ውጻእ ክብል ብዘደንቅ ሓይሊ ካብ ሞት ኣተንሥኦ ነቲ ተገኒዝሉ ዝነበረ መግነዝን ተኣሲሩሉ ዝነበረ ኣጭርቅትን ክኣልዩሉ ኣዘዘ (ዮሓ 11.44)።

“ኣብዚ እግዚአብሔር ሕይወት ከምዝኾነን ሕይወት ከምዝዕድልን ብጭብጢ ንዕዘብ ኰይኑ ግን ነቲ ስቃይናን ሞትናን ናብ ገዛእ ርእሱ ወሲዱ ይለብሱ ይመመውት ከኣ። ጐይታና ኢየሱስ ሞት ኣልኣዛር ከወግዶ ይኽእል ነይሩ ኮይኑ ነቲ ስቃይና ስቃዩ ክገብሮ ስለዝደለየ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ሥልጣን እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ሞት ከርእየና ደልዩ ፈቀዶ። በዚ ከኣ ነቲ ከም ዓረ ተሪሩ ዘሎ ልብና ክነለስልሶ ክነራሕርሖ ይጽውዓና፣ ከምቲ ካብ ኣፍ መቃብር ነቲ እምኒ እለይዎ ዝበለ ከኣ ካብ ልብታትና ነቲ ከም እምኒ ዝግለጽ ትሪ ክንኣሊ ይጽውዓና ኣሎ።”

ካብ ልብታትና ነዚ ኣእማን ትሪ ምእላይ!

ቀንዲ ኣብ ክፍሊ ወንጌል ዝግለጽ እንታይ ምዃኑ ንኽገልጹ ቅዱስነቶም እምነት ደቂ ሰባት ከሃሌ ኩሉነት ናይ እግዚአብሔርን ፊት ንፊት ዝገጥማሉ ሁመት ኮይኑ እቲ እምነት ደቂ ሰባት ሰንከልከል ክብል ክልተ ክልተ ኰይኑ ንዕዘቦ ማለት ማርያን ማርታን 'ንስኻ ኣብዚ እንተትነብር ሓውና ኣይምሞተን ነሩ ዝብል በቲ ሓደ ወገን በቲ ሓደወገን ከኣ ኢየሱስ ኣነ ትንሣኤን ሕይወትን እየ እምነት ይሃሉኽን' ዝብል ወጥሪ ይረኤ። ኣብ መንጎ ብኽያት ምስ ንብዓት እምነት ይሃሉኹም ወላውን እታ ሞት ዝሰዓረት ኰይና እንተተሰመዓኩም እምነት ይሃሉኹም። ነታ ንልብኹም ከምዚ ናይ መቃብር ዓጽያ ሒዛ ዘላ እምኒ እለይዋ!

“ቃል እግዚአብሔር ሞት ኣብ ዘለዎ ሕይወት ንክትዘርእ ኣፍቅዱላ። እግዚአብሔር ንመቃብር ኣይፈጠረናን ንሕይወት እዩ ፈጢሩና እዛ ሕይወት እዚኣ ከኣ ጥዕምቲ ጽብቅቲ ናይ ሓጎስ ሠናይ እያ። ስለዚኸስ ነቲ ኢየሱስ ካብ ኣፋፈት መቃብር ኣልኣዛር ነታ እምኒ እለይዋ ኢሉ ዝሃቦ ትእዛዝ ብምድጋም ነፍሲ ወከፍና ነታ ብቅንኢ ሰይጣን ዝኣተወት ኣሠር ሞት ከጥፍኣልና ነዛ እምኒ ካብ ልብና ንእለያ።”

ናይ ሞትን ናብ ሞት ገጹን ናይ ዝወስድ ኣእማን ክንኣሊ ዝተጸዋዕና ኢና ንኣብነት ንእምነት እትቀትል ግብዝና ንካልኦት እተዕኑ ሓሜት ንድኽታት ምውጋን ወዘተ ብዙሕ ካብ ልብና ክእለ ዘለዎ ኣእማን ኣሎ ይብለና ኣሎ እሞ ነቲ ምእንታና ክብል ዝነብርን ሕይወት ዝህበናን ክርስቶስ ነዚ ኣእማን እዚ በብሓደ ክንኣሊ ይሓግዘና። ርሕርሕቲ ድንግል ማርያም ትደግፈና ኢሎም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ኣዕረጉ።

ብድምጺ ንምክትታል!
29 March 2020, 13:36