ድለ

ራብዓይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም ራብዓይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም 

ራብዓይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም

ብጀካይ ካልኣ ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ፡ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ካብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእልን ዘበለ ንኣኻ ኣይትግበር፡ ኣይትስገደሎም ኣይተገልግሎም ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ቀናእ እየ ….

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይቲ ብኵሪያ ሮማና ዝጽውዓ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ሓዋርያዊ ምሕዳራ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ሓዋርያውያን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓለፍትን ዝርከብዎም ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ዘካይድዎ መደብ መንፈሳዊ ሱባኤ ምኽንያት  ክሳብ ዕለት 6 መጋቢት 2020 ዓ.ም ዝቕጽል ብቕዱስነቶም ብዝተሓርዩ ናይ ስነ ቅዱስ መጽሓፍ ሊቅ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፒየትሮ ቦቫቲ ብዝቐርብዎ ቃለ ኣስተንትኖን ስብከትን ተመሪሑ ዕለት 29 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ለምዘበን 2020 ዓ.ም. መንፈሳዊ ሱባኤ ኣብ ዞባ ላዚዮ ከባቢ ከተማ ሮማ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣሪቻ ከምእተጀመረን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ሱባኤ’ዚ ካብ ሃገረ ቫቲካን ኰይኖም ይከታተልዎ ከምዘለዉ ቅድም ክብል ከምእተሓበረ ዝዝከር፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 3 መጋቢት 2020 ዓም. ድሕሪ ቐትሪ ኣባ ቦቫቲ፥ እምነት ብፍልጠት ካብ ምትካእ ምጥንቓቕ ከምዘድልን ብሓጹሩ ኣልቦ እምነት ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ራብዓይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም ከምዘቕረቡ፡ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ኣስዒበን፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ናይ ዑረትን ጣዖታውነትን ብሓጺሩ ኣብ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እምነት ምጕዳልን፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብኡ ኣመኔታ ገይርና ምንባር ዝሰኣነና ኰይና ንርከብ፡ ድሕሪ ጣዖታውነት፡ ምግባረ ብልሽውናን ነፍሲ ወከፍና ናይ ገዛእ ርእሱ እግዚኣብሔር ብምዃን ንእግዚኣብሔር ኣፍልጦ ዘይምሃብ ዝኣመሰሉ ተግባራት ይስዕብ፡ ነዚ ሓሳብ እዚ እቲ ኣብ ኦሪት ዘጸኣት ምዕ. 32 ተመልኪቱ ዘሎ፥ ብወርቂ ዝተገብረ ምራኽ (ብወርቂ ዝተለበጠ)፡ ኣባ ቦቫቲ ሓጢኣት ሕግ ካብ ምፍራስ ዝብል ዘይኰነስ እምነት ካብ ምጕዳል ዝብል ምዃኑ ኣዘኺሮም፡ ቀዳመይቲ ትእዛዝ፡ ኦሪት ዘጽኣት ምዕ. 20፥ ጠቒሶም፡ ብጀካይ ካልኣ ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ፡ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ካብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእልን ዘበለ ንኣኻ ኣይትግበር፡ ኣይትስገደሎም ኣይተገልግሎም ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ቀናእ እየ ….” መብዛሕትና ጣዖታውነት ዝሓለፈን ሎሚ ዘየሎን ገይርና ንሓስቦ ንኸውን፡ … እምነትካ ክብ ንምባል ኣሳእል ምጥቃም ኣብ ብዙሓት ዝርአይ እዩ፡ ኣምልዀ ጣዖት ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ውጉዝን ሓጢኣትን ምዃኑ ዝተነገርን ዝንገርን ዘሎ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ብዙሕ ዘይፍለጥ ሓጢኣት

ሕልና ዘሳቕይ ከቢድ ዝዀነ ዑረት፡ ኣቃልቦ ዘይግብረሉ ዑረት፡ “ዕውራት እንተ ትዀኑስ ሓጢኣት ኣይምዀነኩም ነይሩ፡ ሕጂ ግና ንርኢ ኢና ትብሉ ኣሎኹም ስለዚ ሓጢኣትኩም ኣባኻትኩም ይነብር ኣሎ” ዝብል ቃል ወንጌል ዮሓንስ ጠቒሶም፡ ንሓጢኣት ሓጢኣት ምዃኑ ዘይምፍላጥ ሓጢኣት ማለት እዩ፡ እዚ እቲ መድሃኒት ዘይርከቦ ኣብ ልዕሊ መንፈስ ቅዱስ ዝፍጸም ሓጢኣት እዩ፥

ምስሉይነት ሓሶት እዩ፡ ስለምንታይ ነቲ ሰናይ ተግባር ብደጋዊ ምንባሩን ምትካእ ስለ ዝኸውን፡ ስግደትን ኣምልዀን ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኣክንዲ ዝኸውን ንኽብሪ ሰብ ይኸውን፡ ምስሉይነት ዘየመዛዝንን ኣልቦ እውነተይና ልልያን እዩ፡ ብሓጺሩ ዑረት ማለት እዩ፡ ፍትሒ ኣይፈል ምህረትን ተኣማንነትን ዘይፈልጥ፡ ጸጋ ምስ ግኡዛዊ ነገር ዘመሳስል፡

እቲ ብወርቂ ዝተገብረ ምራኽ፡ ሙሴ ኣብ ሲና ምስ ኣግዚኣብሔር፥ ሕዝቢ ገዛእ ርእሱ ካብ እግዚኣብሔር ኣርሓቐ፡ ድሮ ካብ እግዚኣብሔር ኣዘንበለ፡ እዚ ኸኣ ምግባረ ብልሽውና እዩ፡ እዚ ሓጢኣት እዚ ንእግዚኣብሔር ኣፍልጥ ምንጻግ ማለተ እዩ፡ … ነፍሲ ወከፍ ናይ ገዛእ ርእሱ እግዚኣብሔር ይልብጥ፡ ካብዚ ዓይነት ተግባር’ዚ እዩ ካልእ ኵሉ ሓጢኣት ዝነቅል፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ብፁዕነት ይሕንጽጽ፡ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፉ መልእኽቱ፡ ናይ ኵሉ ዝተፈላለየ ሓጢኣት ምንጪ ናይ እግዚኣብሔር እግዚኣብሔርነት ዘይምፍላጥ ምዃኑ የብርሃልና።

ምስማዕ ምውናን ማለት ኣይኰነን

ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ቦቫቲ ኣስዒቦም፥ ኣምልዀ ጣዖት፡ ርግጸይናነት ካብ ምድላይን ቃል ኣምላኽ ካብ ምስማዕ ምርኣይን ምውናኑን ካብ ዝብል ምድላይ ዝነቅል እዩ፡

ክታብ ጠመቓዊ ተቕዋምን ስርዓተ ሕግን ቅርጺ ክህልዎ ዝከኣል እዩ፡ ኣኽራርነት ድማ ጽንዓትን ቀጻልነትን ውሑስን የምስል፡ ጠመቓውነቱ ብምርምርን መጽናዕትን እተረጋግጾን እትቆጻጸሮን ግልጺ ከምዝዀነ ገርካ ንኽትምልከቶ እውን ይድርኽ፡ ብሓጺሩ እዚ ኸኣ እምነት እግዚኣብሔር ምስዓብ ማለት ምዃኑ ምስ ዝዝንጋዕ ብፍልጠት ትትክኦ፡ ኣክንዲ ትሕትና ብዝዓሰሎ ድልውነት ንኽትሰምዕ ጽን እትብል፡ ሓቂ ኣብ ኢድካ ከምዝጨበጥካያ ከይኑ ይስምዓካ!

ኢየሱስ ንዓለም ስዒሩዋ እዩ

እዚ ብስነ ኣሓዝ ዝተራቐ ዓለም ማሕበራዊ ምስልን፡ ውሩይ ምዃን ዝብል ኣገባብ ዘተባብዕን ብፍላይ ካብ ጭቡጥነት ኣብ ምናባውነት ንኸነድህብ ይድርኽ፡ ኣብ ማሕብራዊ መረብት ከምዝበሃል ክንድዚ ሰዓብቲ ኣለዎ ወይ ኣለዋ ይኸውን፡ እዚ ከኣ ናብ ጣዖታውነት ዘሰንይ እዩ ዝኸውን፡ ኣብ ማተዎስ ወንጌል ኢየሱስ ኣብ ምድረ በዳ ኣብ ዘጋጠሞ ፈተና፡ ተዓዋቲ ኣብ ዝዀነሉ ፈተና፡ ዑረትና ንኸነሰንፍ መታን ክንስዕቦ ዝግብኣና መገዲ የመላኽተና፡ እዚ ኸኣ ምግልጋል ዝብል ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ኣተሓሒዞም መዝሙረ ዳዊት ምዕ. 106፥ ኣብ ታሪኽ እስራኤል እግዚኣብሔር ብናይ ምድሓን ተግባሩ ኣቢሉ ሓልዮቱ ከምዘቕርብ ዝነግር ምዕራፍ ኣብቲ ሱባኤ ንዝሳተፉ ዘለዉ ኵሎም ከስተንትንዎ  ከም ሓሳብ ኣቕሪቦም ዘቕረብዎ ራብዓይ ኣስተንቶ ከም ዘጠቓለሉ ደቦራ ዲኒኒ ኣፍሊጠን።

ራብዓይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም
04 March 2020, 17:14