ድለ

ካብ ሰማየ ሰማይ ብንብዓት ዝጠልቀየ መስቀል: ር.ሊ.ጳ. ንበይኖም ኣብ ቅርዓት ቅ. ጴጥሮስ ካብ ሰማየ ሰማይ ብንብዓት ዝጠልቀየ መስቀል: ር.ሊ.ጳ. ንበይኖም ኣብ ቅርዓት ቅ. ጴጥሮስ  ርእሰ ዓንቀጽ

ካብ ሰማየ ሰማይ ብንብዓት ዝጠልቀየ መስቀል: ር.ሊ.ጳ. ንበይኖም ኣብ ቅርዓት ቅ. ጴጥሮስ

ክንጠፍእዶ ግድና የብልካን” ዝብል ሕቶ መላእ ዓለም ናብ ትርጋጽ እቲ መስቀል ንኸወፍዩ

ምእንቲ መላእ ዓለም ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምስልን ወስታን ቃላትን ዝተሰነየ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለበመዳ ኮቪድ 19 ከብቅዕ ዘዕረግዎ ጸሎት ኣማእኪሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ርእሰ ዓንቀጽ ዋና ኣሰንዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ዓርቢ ስቕለት ዘቐድም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ 19 ማንም ክሳተፈሉ ኣብ ዘይከኣለሉ ኵነት ንበይኖም ክትግምቶ ብዘይከኣል ጥልቂ ጽሞና ኣብ ዝወሓጦ ኩነት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በይኖም ጸሎት ምህለላ ከምዘዕረጉን እቲ ተኣምራዊ ቅዱስ ምስሊ ስቝል ኢየሱስ በቲ ዝሃርም ዝነበረ ዝናም ክጥልቂ ክትርእይ እንከሎኻ እቲ ማይ ካብቲ ብጭማራ ዝተወግአ ጎድኒ ዝፈስስ ዝነበረ ይመስል።

እቲ ሮማውያን ኣብ እዋን ለብዒ ተሰኪሞሞ ዑደት ዝፍጽሙ ዝነበረ ቅዱስ መስቀል ካብ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ዝደሓነ ኣብ 2000 ዓ.ም. ኢየበልዩ ቅዱስ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ንስሓን ዕርቅን ምስጢር ኣብ ዝተሰርዓሉ ዕለት ዝሓቖፉዎን ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንበይኖም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ ናይ ምህለላ ጸሎት ኣብ ኣፈት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስቲ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ብሓባር ከምእተነበረን፡ እቲ ናይ ቅድስቲ ማርያም ቅዱስ ምስሊ በቲ ዝነበረ ዝናብ ዝተኸወለ ይመስል ከምዝነበረን እዙ ኸኣ ብትሕትና እቲ ስቑል ኢየሱስ ደሚቑ ክረአ ምእንቲ ድሕነት ፍጥረት ኣዳሞ ነቲ መድሕን ቦታ ዝሃበ ይመስል ከምዝነበረ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ የመላኽቱ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድሚ እቲ ዓቢይ ምስሊ ስቝል ኢየሱስ ንበይኖም ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣቋሪጾም ናብኡ ክቐርቡ እንከለዉ ድኻም ዝነበሮምን ድንን ቢሎም ናይ መላእ ህዝቢ ስቓይ ተሰኪሞም ናብኡ ከብሉ እንከለዉ ይረኣዩ እሞ እቲ ናብኡ ምባሎም፡ “ክንጠፍእዶ ግድና የብልካን” ዝብል ሕቶ መላእ ዓለም ናብ ትርጋጽ እቲ መስቀል ንኸወፍዩ ምዃኖም ተስተውዕል ፡ እቲ እንነብሮ ዘሎና እዚዩ ዘጨንቕ ቅልውላው፡ “ተኣፋፍነትና ዘቃልዕን ነቲ ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ እቲ ብዝክረ ነገራትና ኩሉ ዝሓነጽናዮናን ውጥናትናን ልማዳትናን ቀዳምነት እንህቦን ኩሉ ናይ ሓሶትን ዘይጥልቂ ግዳማዊ ዝኾነ ውሕስነትናን ኩሉ የቃልዕ፡ ኣብዚ ኣብቲ ብማዕበል ኣብ ዝናወጽ ባሕሪ ኣብ ዘለናሉ እዋን ጎይታ ተንስእ እናበልና ንምሕጸነካ!”

እቶም በዚ ለብዒ’ዚ ዝጥቅዑ ዘለዉ ንምሕካም ብቐዳምነት እቲ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ዘረጋግጽ ናይታ ናይ ሕሙማን መጓዓዝያ ድምጺ ብሓባር ምስ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ደወልን ናይ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ደወል ነቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብቲ ምድረ በዳ ዝመስል ዝነበረ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘዕረጕዎ ጸሎት ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባንን ቡራኬ ቅዱስ ቁርባንን ቡራኬ ንከተማ ሮማን መላእ ዓለምን ዘሰንይ እንኮ ድምጺ ከምዝነበረን፡ ቅዱስነቶም ነዚ ክፍጽሙ እንከለዉ ናይቲ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ተዋሳኢ እቲ ገዛእ ርእሱ ኣሕልሊፉ ብምሃብ ዕለታዊ እንጌራና ዝኾነ ኢየሱስ፡ “ስለምንታይ እዩ ኸምዚ ዝፈራህኩም፧ ከመይ፡ እምነትዶ የብልኩምን”  እንክብል ንደቀ መዛሙርቱ ዘቕረበሎም ሕቶ የቕርበልናን … ኣይትፍርሁ” ይብለና እንክብሉ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዛዚሞም።

(Andrea Tornielli)

 

29 March 2020, 19:16