ድለ

ኮቪድ-19: ር.ሊ.ጳ.፥ ውግእ ኩሉ ደው ክብልን ምእንቲ እሱራትን ጻውዒት የቕርቡ

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ውግእን ኣብ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ዝርከባን ብጠቕላላ ሰብዓ ሃገራት ከምዘለዋን ፡ ካብኣተ ንናይ ብዙሓት ህልቂት ምኽንይት ክነሱ ዝተረስዔ ዘይንገር ውግእ ዝካየደለን ከምዝኾና ክፍለጥ እንከሎ

ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ ካብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ ሕንጻ ካብ ዝርከብ ቤተ መጻሕፍት ብምስማዐ-ርእየት ውሕዘት ዕለት 29 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፡ ምእንቲ መላእ ዓለም ጸሎት ኣቕሪቦም ኣብዚ እዋን ሕጹጽ ናይ ሓደጋ ኣዋጅ ኮቪድ-19 ነቶም ኣዚዮም ንሓደጋ ክቃልዑ ዝኽእሉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘኪሮም፡ ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ፡ ውግእ ኩሉ ደው ክብል ዘቕረብዎ ጻውዒት ጠቒሶም፡ ውግእ ኩሉ ደው ክብልን ናይ ዘተ መትረብን ናይ ሰብኣዊ ድጋፍ መተሓላልፎ ክኽፈት ተማሕጺኖም፡ ነቶም ኣብዚ ዘስግእ ለበዳ ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን ብጉጅለ ንኽነብሩ ዝተገዱ ብፍሉይ ከምዝዘከሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጃዳ ኣኩሊኖ ሓቢረን።

ስምዖን ተ.ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኩሉ ናይ ተጻብኦ ተግባርን ውግእን ደው ይበል”፡ ኣብዚ ዶብ ኣልቦ ዝኾነ ለበዳ ኮቪድ 19 ሕጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ኣብ ዝንበረሉ ዘሎ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ዝካየድ ዘበለ ውግእ ኩሉ “ምሉእ ብምሉእ ደው ክብል” ድምጾ የስምዑ።

መተሓላልፎ ንናይ ሰብኣዊ ረድኤትን ስነ ሜላዊ ርክባትን

ቅዱስነቶም ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ፍጕተረዝ ዓለም ለኻዊ ውግእ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ክረጋገጽ ዘቕረብዎ ጻውዒት ጠቒሶም፥

ዝኾነ ይዅን ዓይነት ተጻብኦን ውግእን ብቕልጡፍ ደው ብምባል ንናይ ሰብኣዊ ሓገዝ መተሓላልፎ ዕድል ክዋሃብን ናይ ዘተ ስነ ሜላዊ ርክባት ክብገስን ነቶም ኣብ ጽንኵር ተኣፋፍነት ንዝርከቡ ቆላሕታ ይገበር!

ምስሕሓብ ኵሉ ይሰገር

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንምብዳህ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ሓባር ጻዕሪ ናብቲ ኣብ መጐና ክህሉ ዝግብኦ ኣገዳሲ ዝኾነ ከም ናይ ሓንቲ ስድራ ቤት ኣባላት ኣሕዋት ናይ ምዃንና ጥምረት ዘሐይል ኣፍልጦ ንምሃብ ዝድርኽ ክኸውን ከተሓሳስቡ እንከለዉ፥

 ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓሳበይ ናብቶም ብጋንታ ወይ ኣብ ጉጅለ ንኽነብሩ ዝግደዱ ተኣፋፍያን ክፍሊ  ሕብረተሰብ እገብር፡ ንኣብነት ኣብ መዓስከር ድዩ ወይ ኣብ መእለዪ ኣረጋውያንን ኣብ ናይ ወተሃደራዊ መዓስክርን … ብፍላይ ነቶም ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስ ዝርከቡ እሱራትን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ሰብኣዊ መሰል ሓልዮ ድርገት ኣብ ዘውጸኦ ሰነድ፡ ኣባይቲ ማሕቡስ ብእሱራት ዘዕለቕለቐ ምዃኑ ዝገለጾ ሓሳብ ከምዘንበብኩን እዚ ዘሕዝን ፍጻሜ ክኸውን ዝኽኣል እዩ፡ ስለዚ ሰበ ስልጣናት ነዚ ከቢድ ጸገም’ዚ ዝርድኡን ዝስቆሮምን ክኾኑን ክኽሰት ዝኽእል ዘሕዝን ፍጻሜ ብዓንተዉ ንምውጋድ ዘኽእል ውሳኔ ክወስዱ ሓደራ እብል።

ድሕሪ ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ጻውዒት ስዕቡ ዝተራእየ ስጉምቲ

ኣብዚ  እዋን’ዚ ኣብ ውግእን ኣብ ሕድ ሕዳዊ  ውግእ ዝርከባን ብጠቕላላ ሰብዓ ሃገራት ከምዘለዋን ፡ ካብኣተ ንናይ ብዙሓት ህልቂት ምኽንይት ክነሱ ዝተረስዔ ዘይንገር ውግእ ዝካየደለን ከምዝኾና ክፍለጥ እንከሎ፡ ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ጕተረዝ ውግእ ደው ክብል ዘቕረብዎ ጻውዒት ስዒቡ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ንኣብነት ኣብ የመንን ፊሊፒንስን ካመሩንን እወታዊ ምላሽ ከምዝተወሃቦን፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶሪያ እውን ዳርጋ ተመሳሳሊ መልሲ ዝተወሃቦ ከምዝመስል እውን ክንገር እንከሎ፡ ዕለት 28 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ኣብ ሶሪያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው እንተዘይበለ በዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ምኽንያት ናይ ብዙሕ ሰለማዊ ዜጋ ሕይወት ንሓደጋ ሞት ክቃላዕ ምዃኑ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ዘውጸኦ ከም ክሕብር እንከሎ ብፍላይ ከኣ ነቶም 6.5 ሚሊዮን ዝግመቱ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ዜጋታት ንዝኸፍኤ ህልቂት ዘቃልዕ ምዃኑ የመላኽት። ታሽዓይ ዓመቱ ዘቝጽር ዘሎ ናይ ሶሪያ ውግእ ንልዕሊ 380 ሺሕ ዜጋታት ናይ ሞት ምኽንያት ከምዝዀነን ናይታ ሃገር መዋቕር ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ከምዘዳኸመን ካብቲ ቅድሚ 2011 ዓ.ም. ዝነበረ 64 ሚእታዊ ጠቕላላ ኣባይቲ ሕክምና እቲ 52 ሚእታዊ ጥራሕ ኣብ ኣገልግሎት ከምዘሎን ልዕሊ 70 ሚእታዊ ዝግመት ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ንስደት ከምዝዳረገን ዓለም ሓቆፍ ውድብ ክንክን ጥዕና ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ይሕብር።

ሓደስትን ዝነበሩን ውጥረታት

ሎሚ እውን ውጥረትን ዓመጽን ከምዘሎን፡ ኣብ ኣፍጋኒስታንን ማሊን ሊቢያን ሶማሊያን ዒራቕን ወሽመጥ ጋዛን ኣብ መክሲኮ ምቅስቓስ ዕጸ ፋርስ ንምቁጽጻር ዝካየድ ዘሎ ውግእን ሰሜን ኮርያ ኣብ ልዕሊ ካባቢ ማያት ባሕሪ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ዝፈነወቶ ሚሳይል ክኸውን ከምዝኽእል ዝጥርጠር ተወንጫፍን ከም ኣብነት ይጥቀስ።

ኮሮና ተህዋስ ኣብ ዓለም

ኣብ ዓለም ለብዒ ኮቪድ 19 ይሰፍሕ ከምዘሎን ልዕሊ 30 ሺሕ ዝግመት ሕዝቢ በዚ ሕማም’ዚ  ከም ዝሞተን እቲ ሓደ ሲሶ ኣብ ኢጣሊያ ክኸውን እንከሎ፡ ጆንስ ሆፕኪንስ መንበረ ጥበብ ብኮቪድ 19 ተህዋስ ምኽንያት 665 ሺሕ ዜጋታት ከምእተለኽፉን፡ ኣብ ኢጣሊያ 12 ሺሕ ብጠቕላላ 140 ሺሕ እውን ከምዝሓወዩ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ የመላኽት።

30 March 2020, 00:33