ድለ

ጸሎት ናይ ፍቕሪ ሓይሊ እዩ ጸሎት ናይ ፍቕሪ ሓይሊ እዩ  መዘኻኸሪ

ጸሎት ናይ ፍቕሪ ሓይሊ እዩ

ብሓባር ኣብ ጸረ ንግድ ሰብ ቃልሲ፡ ነዚ ዓቢይ መዓት ንምስናፍን ኣደዳ ንግድ ሰብ ዝዀኑ ንምድሓንን ንምክልኻልን ዝከኣል ብሓባር ኣብ ምትጋህ እዩ። ጸሎት ኣብዚ መዳይ ንእነካይዶ ህርኵት ጻዕሪ ሓይሊ እዩ፡ ዝብልን፡ ቀጺሎም እውን ቅድስቲ ብኪታ ቅድስቲ ሓላዊት ኣደዳ ንግድ ሰብ፡ ንግድ ሰብ ኣብ ሕይወታ ዘጋጠማ ሓደጋን ዝተሞከረትሉን፡ ምስ ጐይታ ምርኻብ ዘዕስሎ ናጽነትን ሓሴት መስካሪት፡ ኵሉ ነዚ ሓሴት ክነብርን ሰንሰለት ጊልያነት ክበትኽን ንጸልይ ዝብል ካልኣይ መልእኽቲ እውን ከምዘመሓላለፉ

ዕለት 8 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተኡ ናይ ኡክራይን ርእሰ ብሔርን፡ ምስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ነጋድያ ጸጥታን ደሕንነት ውሕስ ንምባር ዝዓዪ ናይ ኢጣያልያ ሓይሊ ጸጥታን ወተሃደራዊ ፖሊስ ኣባላትን ተቐቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳንን፡ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ኪያራ ሉብክን። ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝኽሪ ቅድስቲ ባኪታ ኣብ እተብዕለሉ ዕለት 8 ለካቲት ቅዱነቶም ኣብ ጸረ ንግድ ሰብ ዘተባብዕ ዘመሓላለፍዎ ናይ ትዊተር መልእኽትን ደቀንስትዮ ካብ ንግድ ሰብ ሓደጋ ንምድሓን ዝዓያ ማሕበረሰብ ደናግል ዘነቓቐሐዎ መደብ ቅዱስነቶም ብወግዒ ከምዝመረቝሩን ዕለት 24 ግንቦት ቅዱስነቶም ብምኽንያት ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣብ ኢጣሊያ ሰበኻ ኣቸራ ሓውጾቶ ኖልዎ ከካይዱ ምዃኖም ዘማእከለ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቅድስቲ መንበር መርሓ ፍጻሜታት መዘክር ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ለካቲት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ጁዘፒና ባኪታ ሱዳናዊት ንሓደጋ ጊልያነት ተቓሊዓ ዝነበረት ኣብ እትዝክረሉ ዕለት ኣብ ትዊተር ማሕብራዊ መረብት ብዘሎ @Pontefix ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ ብሓባር ኣብ ጸረ ንግድ ሰብ ቃልሲ፡ ነዚ ዓቢይ መዓት ንምስናፍን ኣደዳ ንግድ ሰብ ዝዀኑ ንምድሓንን ንምክልኻልን ዝከኣል ብሓባር ኣብ ምትጋህ እዩጸሎት ኣብዚ መዳይ ንእነካይዶ ህርኵት ጻዕሪ ሓይሊ እዩ፡ ዝብልን፡ ቀጺሎም እውን ቅድስቲ ብኪታ ቅድስቲ ሓላዊት ኣደዳ ንግድ ሰብ፡ ንግድ ሰብ ኣብ ሕይወታ ዘጋጠማ ሓደጋን ዝተሞከረትሉን፡ ምስ ጐይታ ምርኻብ ዘዕስሎ ናጽነትን ሓሴት መስካሪት፡ ኵሉ ነዚ ሓሴት ክነብርን ሰንሰለት ጊልያነት ክበትኽን ንጸልይ  ዝብል ካልኣይ መልእኽቲ እውን ከምዘመሓላለፉ ቸንቶፋንቲ ኣብ ዘቕረብዎ ዝክረ ሓተታ ይሕብሩ።

ናይ ንግድ ሰብ ጸረ ሰብኣዊ ጸያፍ ተግባር ኣደዳ ዝዀና ደቀንስትዮ ኣብ ምእላይ ዝዓያ
ናይ ንግድ ሰብ ጸረ ሰብኣዊ ጸያፍ ተግባር ኣደዳ ዝዀና ደቀንስትዮ ኣብ ምእላይ ዝዓያ

ኣብታ ዕለት እቲኣ እውን ቅዱነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይቲ ታሊታ ኵም እተሰምየ ኣብ ጸረ ንግድ ሰብ ኵለ መደያዊ ኣገግሎት ዘሳልጥ መረብታዊ ማሕበር ኣባላትን ናይ ማሕበር ጋሊለዮን ከምእተራኸቡን ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ ጻዕራማት ፈለስቲ እተን ካብ ዝተፈላለያ ናይ ደናግል ማሕበር ዝተዋጽኣ፡ ኣብ ጸረ ንግድ ሰብ ዝዓያን፡ ናይ ንግድ ሰብ ኣደዳ ንዝዀኑ ካቢቲ ዝወደቓሉ መጻወዲያ ኣላቒቕን ኵለመደያዊ ኣገግሎት ዘቕርባን ነዚ ዘካይድኦ ኣገልግሎት መሳለጢ ዝውል ናይ ገንዘብ ሓገዝ ዝሕተተሉ ድረ ገጽ ከምዝመረቑ ዝሓበሩ ቸንቶፋንቲ ኣስዒቦም፡ ናይ ንግድ ሰብ ጸረ ሰብኣዊ ጸያፍ ተግባር ኣደዳ ዝዀና ደቀንስትዮ ኣብ ምእላይ ዝዓያን፡ ዝተፈላለዩ ጐስጓሳት ዘካይዳ ካብ 70 ሃገራት ዝተዋጽኣ 2000 ደናግል ከምዘለዋን፡  ካብ ዝተፈላለያ ማሕበራት ደናግል ዝተጽኣ እውን ምዃነን ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕላዊ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፍ ብፁዕ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርንይ  ምስ ቫቲካን ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዝሓበሩን፡ እዘን ደናግል ይብሉ ብፁዕነቶም፡ በቶም ንግድ ሰብ ዘካይዱ ናይ ገበን ጉጅለታት ንዝተፈላለየ ሓደጋ ዝተቓልዓ ካብቲ ዝወደቓሉ መጻወዲያ ጊልያነት ተላቒቐን ናጻን ሰብኣዊ ክብረን ዓቲረን ሓድሽ ሕይወት ንክመርሓ ሰብኣውን ስነ ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ሕጋውን ኣገልግሎት ዘቕርባ ከምዝዀና ከምዘመላኸቱ ኣፍሊጦም።

ናይ ንግድ ሰብ ጸረ ሰብኣዊ ጸያፍ ተግባር ኣደዳ ዝዀና ደቀንስትዮ ኣብ ምእላይ ዝዓያ
ናይ ንግድ ሰብ ጸረ ሰብኣዊ ጸያፍ ተግባር ኣደዳ ዝዀና ደቀንስትዮ ኣብ ምእላይ ዝዓያ

ናይ ስሙር ሓድነት መንፈሳዊ ህያብ፡ ነቲ መንፈሳዊ ዕርያን ምልዋጥን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝጠልቦ፡ ቤተ ክርስቲያን ናብቲ ኣናስራ ዝዀነ ወትሩ ሓድሽን እዋናውን ናብ ዝዀነ ናይ ኢየሱስ ወንጌል ንኽተብል ንዝጽውዕ እዋንና ጸጋ እዩ፥ ዝብል ሓሳብ ዘመእከለ መልእኽቲ ቅዱስ እቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ከተማ ትረንቶን ኣብ ከተማ ሎፒኣኖ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ልደት ናይ ኣፍቅሮተ ዘቤት መስራቲት ኪያራ ሉቢክ ናብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ከምዘመሓላለፉን፡ ኣብ መልእኽቶም፡ መንፈሳዊ ህያባት ዘነቓቓሕ መንፈስ ቅዱስ እዩ ጳጳሳት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣፍልጦ ክህብሉን፡ ምስቶም ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ደጋውያን ዝብል መጸዕን ንዝተወሃቦም ማንም ቁልሕ ዘይብሎምን ብርሃንን ሓሴትን ሰላምን ንኸነብጽሕ ንዅላትና ሓደ ዝገብር ስቑል ኢየሱስ ኣብ ምግልጋል ቡሶላ እዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ይብሉ ኣስዒቦም፥ ምስ ኵሉን ምስ ኵለን ባህልታን ሃይማኖታትን ሚሳላዊ እምንቶን ብሓባር ሓድሽ ምርኻብ ዝብል ናይ ፍቕሪ ስልጣነ ንኽንሃንጽ መንፈስ ቅዱስ ንናይ ግብረ ሰናይን ሓቅን ዘተ ርሁዋት ይገብረና ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ኪያራ ሉቢክ
ኪያራ ሉቢክ

ህልው ኩነታት ሰብኣውን ድላይ ሰላምን ከምኡ እውን ክሌኣዊ ምትሕብባርን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘተኰረ ርክብ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ኡክራይንን ምክያዱ ኣብ መዘክር ሓተታ ዘመላኸቱ ቸንቶፋንቲ፥ ዕለት 8 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ናይ ኡክራይን ርእሰ ብሔር ቮሎድይምይር ዝለንስክይ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፡ ርእሰ ብሔር ሃገረ ኡካርይን ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡን፡ ኣብቲ ኣብ መንጐ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊንን ናይ ኡክራይን ርእሰ ብሔር ዘለንስክይን ብዛዕባ ኣብ ኡክራይ ዘሎ ሰብኣዊ ኵነትን እቲ ካብ 2014 ዓ.ም. ኣትሒዙ ንኡክራይ ዘሳቕይ ዘሎ ግጭት ሰላማዊ መፍሒ ክረክብ እቶም ኣብዚ ግጭት እዚ ኢድ ዘለዎም ነቲ ብቐዳምነት ግዳይ ዝኸውን ሕዝቢ ዓቢይ ኣቃልቦ ክገብሩን ኣብ ዘተ ከተኵርን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለን ኣብ ፍጻሜ እቲ ርክብ እውን፡ ብዛዕባ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ኡክራይንን ዘሎ ክሌኣዊ ስምምዓትን ምትሕብባርን እታ ኣብ ኡክራይን ዝተፈላለዩ ስርዓተ ኣምልዀ ኣትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ግደን ኣብ ኡክራይንን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ከምእተመያየጡ የዘኻኽሩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ናይ ኡክራይን ርእሰ ብሔር ቮሎድይምይር ዝለንስክይ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ናይ ኡክራይን ርእሰ ብሔር ቮሎድይምይር ዝለንስክይ

ቅዱስነቶም ድሕሪ እዚ ምስ ናይ ኡክራይን ርእሰ ብሔር ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ፡ ኣብቲ ኢጣሊያን ሃገረ ቫቲካንን ኣብ ዘዳብውን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮን ናይ ቫቲካን ኣባይቲ መዘክርን በጻሕትን መንፈሳውያን ነጋዶን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ሮማን ኢጣሊያን ኣብ ዘካይድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ጸጥታን ደሕንነትን ውሑስ ንምግባር ዝዓዪ ናይ ኢጣሊያ ሓይሊ ጸጥታን ወተሃደራዊ ሓይሊ ጸጥታ ኣባላትን ተቖጻጻሪ ኣካል ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም፡ ዘካይድዎ ኣገልግሎ ዝነኣድ እዩ ቢሎም፡ እቶም ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ክንየው እቲ ዘለዎም ሞያዊ ብቕዓት ንሓዋርያዊ መንበር ዘለዎም ቅኑዕን ሓቀይናን ፍቅርን ተኣማንነትን ዘስተርእይ ከምዝዀነ ገሊጾም፡ እቲ ካብ ስግኣት ምሑር ወይ ናጻ ዘይኰነ ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ወትሩ ብናይ እምነትን ፍቕርን ተስፋን ብርሃ ዝተደገፈን ዝተነቓቕሔን እዩ፡ እዚ ብርሃን ትሑትን ወትሩ ሓቀይናን ልባውን እዩ ከምዝበሉ ቸንቶፋንቲ የመላኽቱ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያታ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ኣብ ኢጣሊያ ሰበኻ ኣቸራ ዕለት 24 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ሓጾተ ኖልዎ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ዘእንግዶም ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ዲ ዶና ዕለት 8 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ብወግዒ ከምዘፍለጡ፡

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኢጣሊያ ኣብቲ እሳተ መሬት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዞባ ካምፓኒያ ኣብ ዝርከብ ሰበኻ ኣቸራ ዘካይድዎ ምብጻሕ፡ ኵሉ ከምዝፈልጦ እቲ ከባቢ ብዝተፈላለዩ ኣብ ልዕሊ መሓድሮ ገበን ብዝፍጽሙ ኣካላት ዝተጐድኤን ብዙሕን ሰፊሕን ናይ ሕርሻ መሬት ዝተበከለን ኰይኑ፡ በዚ ምኽንያት’ዚ እውን እሳተ መሬት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምዃኑ ዝፍከጥ ከይኑ፡ ቅዱስነቶም እቲ ብዛዕባ ክንክን መሓድሮን ማለት ናይ ሓባር ቤትናን ስልጣናዊ ሕንጸት ዘቕርብን ዝምዕድን ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ንንባብ ዝበቐዓሉ ሓምሻይ ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ እዋን ብምዃኑ እቲ ዘካይድዎ ምብጻሕ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎን፡ ነቲ ከባቢ እውን ጸጋ ምዃኑ ናይ ሰበኻ ኣቸራ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ዲ ዶና ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዝሓበሩን፡ በቲ ኣብቲ ከባቢ ዝተፈጸመ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ መሓድሮ ብዘስዓቦ ዝተፈላለየ ሕማም ብፍላይ ሕማም መንሽሮ ምኽንያት ናይ ዝዓረፉ ናይ ምዉታት ኣባይቲ ስድራ ክራኸቡን ከምዝዀኑን እዚ ኸኣ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ቀረባ ምዃና ዝምስክር እዩ ከምዝበሉ ቸንቶፋንቲ ኣብ ዘቕረብዎ መዘክራዊ ሓተታ ይሕብሩ።

ኣብ ኢጣሊያ ሰበኻ ኣቸራ ዕለት 24 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ሓጾተ ኖልዎ ከካይዱ
ኣብ ኢጣሊያ ሰበኻ ኣቸራ ዕለት 24 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ሓጾተ ኖልዎ ከካይዱ

ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣባ ፋቢዮ ባጆ፡ ኣብቲ ሃገረ ኰሎምቢያን ቨነዝወላን ኣብ እተዳብው ከተማ ኩኩታ ብምጻሕ ኣካይዶም ንሃገረ ቫቲካን ምስ ተመልሱ፡ ናይቲ ዘካየድዎ ምብጻሕ ተመክሮ ምስ ቫቲካን ዜና ኣብ ዝካየድዎ ቃለ መሕትት፡ እንክሕብሩ፡ ኣብቲ ኮሎምቢያ ምስ ቨነዝወላ ኣብ ዘዳብው ከባቢ ዝርከቡ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ቨነዝወላውያን ኣብ ኮሎምቢያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ግብረ ሰናይ ኣብ ጐዶቦ ብዝብል መደብ መሰረት እተቕርቦ ኣገልግሎት ብቐረባ ዝተዓዘበን፡ ነቶም ስደተይናታን ተመዛበልንት ከምኡ እውን ኣብ ኮሎምቢያ ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅርበት ቅዱስ ኣቦና ንምርግጋጽን፡ ምስ እዚ ኣተሓሒዚም እውን ቅድስቲ መንበር ኣብ ሶሪያን ዒራቕን ንዝርከቡ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ቀረባ ብምዃን ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓልዮትን ቅርበትን በታ ኣብተን ሃገራት ብእትክረብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣቢላ ብእተቕርቦ ግብረ ሰናይን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ትኣልይን፡ ንዝስደዱን ድኻታትን ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ኵለ መደያዊ ቅርበት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘረጋግጽን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቃልን ሕይወትን መረሕ ዝገበረ እውን እዩ ከምዝበሉ ቸንቶፋንቲ ገሊጾም ዘውጽእዎ መዘክራዊ መሕትት ዛዚሞም።

ኣባ ፋቢዮ ባጆ፡ ኣብቲ ሃገረ ኰሎምቢያን ቨነዝወላን ኣብ እተዳብው ከተማ ኩኩታ ብምጻሕ ኣካይዶም
ኣባ ፋቢዮ ባጆ፡ ኣብቲ ሃገረ ኰሎምቢያን ቨነዝወላን ኣብ እተዳብው ከተማ ኩኩታ ብምጻሕ ኣካይዶም
ጸሎት ናይ ፍቕሪ ሓይሊ እዩ
10 February 2020, 17:30