ድለ

ፍቕርን ፍትሕን ፍቕርን ፍትሕን  መዘኻኸሪ

ፍቕርን ፍትሕን

ናታትኩም ኣብዚ ምብጻሕ ብዛዕባ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለኩም ግንዛበ ንኸተበርኹ ጥራሕ ዘይኰነስ ንኣና ካቶሊካውያን እውን እቲ ኣባኹም ዘሎ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ንኸነአንግድ ዝድግፍ ዕድል እዩ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቅድስቲ መንበርን ናይ ዕለት 21 ለካቲት 2020 ዓ.ም. መረሓ ፍጻሜታት ሓተታዊ መዘክር፡ ቅዱስነቶም ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ዕለት 21 ለካቲት 2020 ዓ.ም.  ኣብቲ  ጳጳሳዊ ናይ ሕጊ ሰነዳት ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘሰናደዎ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ምሉእ ጉባኤ ንዝተሳተፉ ተጋባእያን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱን፡ ዕለት 19 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ጀርመን ከተማ ሃናው ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ዝፍርጠረሎም መሪር ሓዘንን ስለ እቶም ዝተቐትሉ ዝተሰምዖ ጥልቂ ሓዘን ዘረጋግጽ ዘመሓላለፍዎ መልእኽትን፡ ካብ ዕለት 21 ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብድላይን ሓልዮትን ውሳኔን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተነቓቒሑ ናይ መላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርትን ናይ ዝተፈላለያ ገዳማትን መንፈሳዊ ማሕበራትን ኣሕሉቕ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመትን ዝብሉ ዓበይቲ ፍጻሜታት ኣማእኪሎም ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ኣብ ዘቕረብዎ መዘክራዊ ሓተታ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓደ ሕብረተሰብ ብዘይ ስርዓተ ሕጊ ኣልቦ ፍትሒ እዩ ዝኸውን፡ ስርዓተ ሕጊ ናይ ፍቕሪ ኵነት እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ለካቲት 2020 ዓ.ም.  ነቶም ኣብቲ  ጳጳሳዊ ናይ ሕጊ ሰነዳት ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘሰናደዎ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ምሉእ ጉባኤ ንዝተሳተፉ  ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፡ “ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕጊ ክፍለጥን ክትግበርን ከምዘለዎን፡ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ውጽኢታዊ ምዃን ንዝብል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዕንቅፋት ዘይኰነስ በንጻሩ ብዘይ ሃውርን መላኽነትን መፍትሒ ምድላይ ንዝብል ቅኑዕ ኣሰራርሓ ዋሕስን እዩ፡ ስለዚህ ብሓቂ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እዩ፡ ... ሓደ ሕጊ ቅኑዕን ትርጉም ዘለዎ ዝኸውን ናይ ትሑታንን ድኻታትን መሰልን ክብርን ምስ ዝኸላኸል እዩ። ... ምልካዊ ስርዓት ዝውለድን ዝሰፍሕን ኣብ ኣልቦ ስርዓት እዩ፡ ... ኣብ ቤተ ክርስቲያን እዚ ክህሉ የብሉን፡ ናይ ገበንን ሓጢኣትን ትርጉም ምጥፋእ ኣየድልን፡ ቤተክርስቲያን ንናይ ነፍሳት ድሕነት እትግደስ እያ፡ እግዚኣብሔር ንሓጥኣን ከድሕን እዩ ዝደልይ፡ ንዅላትና ማለት እዩ! ስለዚህ ድሕነት ብፍትሒ ዝብገስን ካብ ፍቕሪ ዝምንጨውን እዩ ከዝበሉ ቸንቶፋንቲ የዘኻኽሩ።

ናጻ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ

ዕለት 21 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ምስራቓውያን ኦርቶዶክስ ኣቢያተ ክርስቲያን ካህናትን መነኮሳን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም “ኣብዚ ንኽትበጽሑ ምድላይኩም  ነቲ ኣባዅም ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ህያባቱ ንኸነአንግድ ዓቢይ ዕድል እዩ” .. ፥ እግዚኣብሔር ናይቲ ኣባና ዘሎ ሰናይን ጽቡቕን ቀንደይና ተዋሳኢ እዩ፡ “እቲ መንፈስ ቅዱስ ንዓና ከም ህያብ ኣብ ካልኦት ዝዘረኦ ጸጋ ንኸነእንግድ ንኽእል፡ ስለዚህ እዩ ድማ እቲ ናታትኩም ኣብዚ ምብጻሕ ብዛዕባ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለኩም ግንዛበ ንኸተበርኹ ጥራሕ ዘይኰነስ ንኣና ካቶሊካውያን እውን እቲ ኣባኹም ዘሎ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ንኸነአንግድ ዝድግፍ ዕድል እዩ፡ ስለዚህ ኣብዚ ምርኻብኵም እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ዘሎ ጸጋ ንኽንቋደስን ምኽንያት ሓሴትን እዩ … ናይ ደም ሓድነት፡ ማሕበረ ክርስቲያን ድሮ ኣብ ጸጋ ጥምቀት ስሙራት እያቶም፡ ብዝያዳ እውን ኣብ ናይ ደም ሰማዕትነት፡ … በቲ ኣብ መንጐና ዘሎ ሕውነት ጐይታ ሕጉስ እዩ፡ ምብጻሕኩም ብሓገዝ እግዚኣብሔር፡ ቀጻሊ ክኸውንን ሓሴትን ውዳሴን ንጐይታ እዩ! ኣብዚ ምርኻብኵም ኣብ ማእከልና እቲ ኢየሱስ ብብርቱዕ ድላይ ዝተማሕጸኖ ሓድነት ጭቡጥ ንዝገብር ህያው ሱታፌ ዘጠጥዕ ንእሽተይ ፍርያም ዘርኢ ይዅን” ከምዝበሉ ዘዘኻኸሩ ቸንቶፋንቲ ኣስዒቦም፥

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ጀርመን ከተማ ሃናው ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን ብጥልቂ ከምዘሕዘኖምን፡ ነቶም ዝተቐትሉ 11 ዜጋታት እግዚኣብሒር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን ንኣባይቲ ስድራኦምን ምጽንናዕ ክጽግው እምሕጸን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን የዘኻኽሩ።

ከም ሎሚ ቅድሚ ሓደ ዓመት ካብ ዕለት 21 – 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብድላይን ሓልዮትን ውሳኔን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተነቓቒሑ ናይ መላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርትን ናይ ዝተፈላለያ ገዳማትን መንፈሳዊ ማሕበራትን ኣሕሉቕ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ ኣማእኪሎም ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐርያና መንበረ ጥበብ ማእከል ሓልዮ ሕጻናት ኣቦ መንበርን ጳጳሳዊ ሓልዮ ምክልኻል ሕጻናት ድርገት ኣባል ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ሃንስ ዞልነር ምስ ዜና ቫቲካን ጋዜጠይና መደብ ቋንቋ ጀርመን ጉድሩን ሳይለር ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ናይ ዓለም ብርሃን ኢዅም  ብዝብል ኣርእስቲ ዝጸደቐ 91 ናይ መቅጽዒ ሕግታት ዝተነብሮ፡ ዛዕባ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ዝምልከትን ኣብ ሰበኻታት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ክሲ ዝቐርበሉ ፍሉይ ቤት ጽሕፈትን ጉዳይ ሕጻናት ዝከታተልን ጽን ዝበሃለሉ ኣባይቲ ጽሕፈት ከምዝቖመን፡ ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ብዛዕባ ዝፈልጥዎ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ንዝምልከቶ ኣካል ክጠርዑን ዝብሉ ውሳኔናታት ዘኪሮም፡ ኣተሓሒዞም እውን ኣብ ነፍሲ ሰበኻታት፡ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሃብዎ መራሒ መስመርን እቶም ዝጸደቑ ሓደስቲ ሕግታትን እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ቫቲካን ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባን መሰረት፡ ኣደዳ ዓመጽ ዝዀኑ ጽን ክበሃሉን፡ ፍትሒ ክረኽቡን ሕጻናት ካብ ዝዀነ ይዅን ዓመጽ ኣቐዲምካ ኣብ ምክልኻሎም ህርኵት ጻዕርን ኣብ ምክያድ ዝዓዩ ኣባይቲ ጽሕፈት ከምዝቖመን እዚ ሕርያ ኣይኰነን ናይ ግድን እውን እዩ ኢሎም።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ጉዳይ ኣብ ዝምልከት ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት መዋቕራትን ሰበኻታትን በቶም ናይቲ ዓመጽ ግዳይ ዝዀኑ ዜጋታት ዝቐርብ ክስን ዝወሃቡ ምስክርነትን መርመራ ንዘካይዱ ናይ በርገሳውያን ኣባይቲ ፍርድን ዝምልከቶም ስልጣናትን ክመሓላለፍን ጳጳሳዊ ስቱርነት ከይህሉ ዝእዝዝ ዕለት 4 ታሓሳ 2019 ዓ.ም. ዝደንገግዎን ዕለት 16 ታሓሳስ 2019 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝዀነ ሕጊ ጠቒሶም፡ እዚ ዓቢይ ምልክታ ሓዲጉ ዝሓልፍ ውሳኔ እዩ፡ ስለዚህ እዚ ሓድሽ ሕግ’ዚ ነቲ ጳጳሳዊ ስቱርነት ዝብል ሕጋግ ዝሓክኽ ውሳኔ ነቲ ዮሓንስ ጳውሎ ዳግማዊ ዕለት 8 ሕዳር 1978 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ብዘይ ፍትሒ ፍቕሪ የሎን እንክብሉ ንዝገለጽዎ ዓሚዩቕ ሓሳብ ዘዘኻኽር እዩ እንክብሉ ቸንቶፋንቲ ዘቕርብዎ መዘክራዊ ሓተታ ዛዚሞም።

ፍቕርን ፍትሕን
22 February 2020, 17:23