ድለ

ትዕቢት ዝስነፍ ናይቲ ኢምንት ዝዀነ ዓለምና ንኡስነት ኣብ ምስናፍ እዩ ትዕቢት ዝስነፍ ናይቲ ኢምንት ዝዀነ ዓለምና ንኡስነት ኣብ ምስናፍ እዩ  መዘኻኸሪ

ትዕቢት ዝስነፍ ናይቲ ኢምንት ዝዀነ ዓለምና ንኡስነት ኣብ ምስናፍ እዩ

ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅስ ይኹን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ፈተና ከንቱነት ፈተና ትዕቢት ኣጋጢምዎም እዩ። ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ምድረ በዳ ድሕሪ ጾም ዘጋጠሞ ፈተና ዲያብሎስ ምዝካር ይኣክል። ንዮሓንስ መጥምቅ እውን ሊቃውንቲ ሕግን ፈሪሳውያንን ‘መን ኢኻ ንስኻ! እቲ ነቢይ እንተዀንካ ቊርጹ ንገረና’ ቢሎም ክጭቅጭቅዎ ብትሕትና እዩ ዝመለሰ

ዕለት 7 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርክበ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ስለገስዎ ስብከትን፡ ምስ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ፓትሪያርካት ዘካየድዎ ርክብን፡ ኣብቲ ብዛዕባ ስነ ሕንጸት ኣብ ዘማእከለ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ተቐቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳንን ብናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝመሓደር ቲቩ 2000 ምስ እተሰምየ መደብር ተለቪዥን ዘካየድዎ ቃለ መሕትትን ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ሮማ “ናይ ቅድስና ስነ ምምህርና ንዓለማውያን ምእመናን ኵላዊ ብድሆ” ዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሑ ካቶሊካዊት ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ፒዮስ መበል 11 ማሕበር ካቶሊካዊ ተግባር ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ተሳቲፎም ካብቲ ዓውደ ጉባኤ ወጻኢ ምስ ጋዜጠያናታት ዘካየድዎ ቃለመሕትትን ዘማእከለ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቅድስቲ መንበር መርሓ ፍጻሜታት መዘክር ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫታካን  

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ላቲን ስርዓተ ኣምልዀ ግጻዌ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 6 ካብ ፍቕዲ 14 ክሳብ 29 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኵይዞም፥ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅስ ይኹን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ፈተና ከንቱነት ፈተና ትዕቢት ኣጋጢምዎም እዩ። ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ምድረ በዳ ድሕሪ ጾም ዘጋጠሞ ፈተና ዲያብሎስ ምዝካር ይኣክል። ንዮሓንስ መጥምቅ እውን ሊቃውንቲ ሕግን ፈሪሳውያንን ‘መን ኢኻ ንስኻ! እቲ ነቢይ እንተዀንካ ቊርጹ ንገረና’ ቢሎም ክጭቅጭቅዎ ብትሕትና እዩ ዝመለሰ። ክልቲኦም ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ስልጣን ኔርዎም። ከም መማህራኖም ዘይኮነ ብስልጣን ይምህሩ ከምዝነበሩ ነቲ ስልጣን ከኣ እቲ ሕዝቢ ይርድኦ ከምዝነበረ ይፈልጡ፡ ግን ክንየቱ ኣይደለዩን ንኩሉ ብትሕትና ፈጸምዎ። ክልቲኦም ከኣ ነቲ ዝለዓለ ትሕትና ውርደት ብምቅባል ፈጸምዎ።

ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት
ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት

“ኣብ ቊምስናና ኣብ ቤተክርስትያንና ኣብ ማሕበራትና ሓደ ሓላፍነት ንክንቅበል ወይውን ገለ ተልእኾ ንክንፍጽም ረኣዩኒ ስምዑኒ ንዓይ ምረጹ ንብል እንተዀንና እዚ መንገዲ ክርስትናን መንገዲ ኢየሱስን ኣይኮነን ዓለማዊ መንገዲ እዩ። ንቆሞሳት እዚ ፈተና እዚ ከጋጥሞም ይኽእል እዩ። ወትሩ ናብ ስልጣን ንክድይቡ ክፍተኑ ይከኣል እዩ። ምስ መተሓምይቶም እውን ተጻይ ሓለፍቶም ‘እዚ ኢፍትሓዊ እዩ! እዚ ውርደት እዩ! ነዚ ክጻወሮ ኣይክእልን እየ’ እናበሉ ዕሚም ዝብሉ ኣይሰኣኑን። ኰይኑ ግን ሓደ ጓሳ ኣሰር ክርስቶስ እንተዘይሰዓበ መንገዲ ትሕትና እንተዘይሰዓበ ተኸታሊ ክርስቶስ ኣይኮነን። ቀሚሽ ካህን ተጐልቢቡ ንስልጣን ዝቃለስ እዩ። ኣብዚ ትሕትና የለ ወርደት የለ። ስለዚ ብዘይ ውርደት ትሕትና የለን” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ከምዝለገሱ ቸንቶፋንቲ ኣብ ዘቕረብዎ መዘክራዊ ሓተታ የመላኽቱ።

ዕለት 7 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ካብ ዝፈጽምዎ መርሓ ፍጻሜታት ሓደ ምስቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብዛዕባ ህልው ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ ዝመኸሩ ናይ ሊባኖስን ሶሪያ ዒራቕን ምስርን ፓትሪያርካት ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣማእኪሎም ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ባቢሎን ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ራፋኤል ሳኮ ምስ ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንማእከላይ ምብራቕ ቀረባን ናይቲ ከባቢ ስቓይን ብሓፈሻኡ ህልው ኩነታትን ብቐረባ ዝከታተሉን ብዕምቆት እውን ዝፈልጡን እያቶም ቢሎም፡ ነቲ ናይቲ ክባቢ ህልው ኩነታ መንጽር ዝገበረ ርክብ ምንባሩን፡ ዓመጽን ስደትን ኣኽራርነትን ነቲ ናይቲ ከባቢ ምዕባለ ማሕበራውን ሰብኣውን ህይወት ዘሰናኽልን እዩ ምስ በሉ፡ ምስ ቅዱስነቶም ብዛዕባ ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከምዝመኸሩን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ እውን እንተዀነት ጸዋዕታን ተልእዀን ዘለዋን መስካሪት ወንጌልን እምነትን እያ፡ ስለዚህ ቅዱስነቶም ቅርበቶምን ጸሎቶም ኣረጋጊጾም፡ ኣብ ዒራቕ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንኸካይዱ ዘለዎም ድላይ እውን ከምዝገለጹሎም ይሕብሩ። ይዅን ደኣ እምበር እቲ ኣብ ዒራቕ ዘሎ ብዓሌት ዝተገማምዔ ዓመጽን ውጥረትን ኩነታት ርኢኻ እቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናይ ኵሉ ድላይ እውን እንተዀነ ኣብ ቀረባ እዋን ክፍጸም እዩ ቢልካ ምሕሳብ ብዙሕ የጸግም ምናልባት ኣብዚ ዓመት’ዚ መወዳእታ ክኡል ክኸውን ተስፋ ንገብር ቢሎም፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ማሕበረ ክርስቲያን ውሑዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ እውን እንተዀነ ኣብ ስቓይን መከራን እውን ይዅን እምነቱ ዝምስክር እዩ ከምዝበሉ ቸንቶ ፋንቲ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ የዘኻኽሩ።

ብዛዕባ ህልው ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ ዝመኸሩ ናይ ሊባኖስን ሶሪያ ዒራቕን ምስርን ፓትሪያርካት ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን
ብዛዕባ ህልው ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ ዝመኸሩ ናይ ሊባኖስን ሶሪያ ዒራቕን ምስርን ፓትሪያርካት ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብቲ ጳጳሳዊ ናይ ስመ ማሕበራዊ ስነ ምርምር ተቕዋም ስነ ሕንጸት፡ ዓለም ሓቆፍ ውዕሊ ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ መጽናዕቲ ንዝተሳተፉ ዘለዉ ተጋባእያን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ክምዝለገሱን፡ ናይቲ ኢምንት ዝዀነ ዓለምና ንእሱነት ኣብ ምስናፍ እዩ፡ ንዅለን ካልኦት ባህልታት ርሁዋት መታን ክንከውን ካብቲ ንኡስ ዝዀነ ቁሸታውነት ኣመለኻኽታን ኣነባብራን ምልቓቕ የድሊ፡ መንእሰያት ባህሎምን ያታኦምን ታሪኾምን ክፍለጡ ምድጋፍ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ንዋጋ ዕዳጋ ዘይወርድ ክብሪ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር እዚ ምስ ካልኦት ባህልታትን ንምርኻብ ርሁው ኣብ ምዃን ዘተባብዕ ክኸውን ኣለዎ፡ ምዕባለ ኣብኡ እዩ። ኣብ ምርኻብ፡ ኣብ ርእሰ ብቕዓትን ርእሰ ርድኢትን ዝጸንዔ ብዙሕነት ብምቕባል ንምዕባለ ርሁው ምዃን፡ እዚ ምስ ዝኸውን ኣብ መንጐ ባህልታት ዘተ ምንቕቓሕ ክኡል ይኸውን። ካብ ርክብን ሕድ ሕዳዊ ምርድዳእን ዝነቐለ ሰላምውን ምክብባርን ምቕብባልን ዝዓሰሎ ዓለም ንምሕናጽ፡ ውስጠ ባህላውን ውስጠ ሃይማኖታውን (ኣብ መንጐ ባህልታትን ሃይማኖታትን ሕድ ሕዳዊ ርክብ) ንዝኣምተ ዝዩድ ሰብኣዊ ሕውነት ንምፍጣር ብቕዓት ዘለዎ ኪደት ሰብኣዊ ክብርታት ናይ ምልላይን ምንቕቓሕን ብቕዓት ዘለዎ ሕንጸት ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዓቢይ ናይ ስነ ሕንጸት ብድሆ፡ ሽሕ’ዃ ብዙሕ ምዕባለ ዝተዓትረ እውን ይኹን፡ ናብቶም ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰል ዝተነፍጐ ክፍሊ ሕብረተሰብ ሕንጸት ምብጻሕ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ብድሆ ከኣ፡ እቲ ኣብ መንጐ ኣባይቲ ስድራን ኣባይቲ ትምህርትን ሃገርን ዓለምን ባህልን ምስ ባህልታትን ክህሉ ዝግብኦ ግና ዝተበትከ ርክብ ዳግም ውሑስ ምግባር ዝብል ምዃኑ ከምዘብርሁን፡ ሎሚ ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብ መዳይ ስነ ሕንጸት ኣባይቲ ስድራ ተዋሳኢ ምዃኑ ውሑስ ዝገብርን ብዙሕ እዋን ምስቲ ትሑት ዶሞዝ ዝረክብ ዘሎ ንሕብረሰተሰብ ዓቢይ ኣብርክቶ ምስ ዘለዎም መምሃራን ቃል ኪዳን ዘቕውምን ምስ ካልኦት ናይ መንግስቲ ተቕዋማት እውን ማንም ካብ ዘለዎ ሓላፍነት ከየንሳሕብ መታን ሓድሽ ናይ ስነ ሕንጸት ውዕሊ ምኽዋን ኣገዳሲ እዩ፡ ናይቲ ኢምንት ዝዀነ ዓለምና ንእሱነት ኣብ ምስናፍ፡ ንዅለን ካልኦት ባህልታት ርሁዋት መታን ክንከውን ካብቲ ንኡስ ዝዀነ ቁሸታውነት ኣመለኻኽታን ኣነባብራን ምልቓቕ የድሊ። እዚ ምስ ዝህልው ጥራሕ እዩ ስነ ሕንጸት ብዝያዳ ሰብኣውን ምዕሩይን ዝኸውንን ሕብረተሰብ ብዝያዳ ጥዑይን ጽባቔ ናይ ምፍጣር ብቕዓት ዝህልዎን ከምዝበሉ ቸንቶፋንቲ ኣብ ዘውጽእዎ መዘክራዊ ሓተታ የመላኽቱ።

ስነ ሕንጸት፡ ዓለም ሓቆፍ ውዕሊ ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ መጽናዕቲ ንዝተሳተፉ
ስነ ሕንጸት፡ ዓለም ሓቆፍ ውዕሊ ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ መጽናዕቲ ንዝተሳተፉ

ቅድስ ኣቦና ሎሚ ዕለት 8 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ብናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝመሓደር ቲቩ2000 ምስ እተሰምየ ናይ ቴለቪዥን ጣቢያ ምስ ኣባ ማርኮ ፖዛ ብቃለ መሕትት መልክዕ ዘካይድዎ ዘተ፡ ትዕቢት ልክዕ እምነት ብናይ ምንባር ኣገባብ ኣቢሉ ክኣትው ዝኽእል እዩ፡ ኣብቲ እግዚኣብሔር አይጭበጥ ረቒቕ ገይሩ ኣብ ዘቕርብ ህልዮን ጽንሰ ሓሳብን ነቲ ህላዌኡ ናይ ስነ ኣሃዝ ሕቶ ገይሩ ኣብ ምቕራብ ዘሎ እዩ፡ ትዕቢት ኣብቶም ኵሉ ሓቂ ኣብ ኢዶም ዝዓተሩ ኵይኑ ኣብ ዝስምዖን ገዛእ ርእሶም ንጹሓን ክርስቲያን ገይሮም ዝሓስቡን ኵሉ ቅኑዕን ጠመቓዊ ትምህርትን እቲ እውነተይና ጠመቓዊ ትምህርቲ ፈላጣት ኢና ኣብ ዝብሉ፡ ይኹን ደኣ እምበር ንዝወደቐን ኣብ መከራን ሓሳርን ንዝርከብ ኣጄታቶም ዓጺፎም ንምድጋፉን ካብቲ ዝወደቐሉ ንኸተንስኡ ዘይተግሁን ኣብራዀም ዘይዓጽፉን፡ ትሕትና ቅዱሳት ግና እምነት ኣብ ሓደ ኣቦ ኣብ ዝዀነ እግዚኣብሔር ምእማን ማለት ምዃኑ ዝምስክሩን ካብቲ ናይ ምሁራት በሃልቲ ዘቕርብዎ ቃላት ዝተፈልየ ናይ ፍቕሪ ቃላት ዝጥቀሙ ትሑታን እያቶም። እዚ ዓይነት ክርስትና እዚ ዝነብሩ ክርስቲያን እያቶም ዝሳደዱን፡ እዚ ዓይነት ክርስቲያን እዩ ስደትን መከራን ዝወርዶ፡ ንክነጽት መታን፡ ታሪኽ ክርስትና ታሪኽ ስደትን መከራን እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ዝሃብዎ ሰፊሕ መልስን ትምህርትን ካብ ዕለት 17 ለካቲት ጀሚሩ ብሸሞንተ ፍጻሜታት ተኸፋፊሉ ዝመሓላለፍ ከምዝዀነ ቸንቶቫንቲ ይሕብሩ

ቲቩ2000 ምስ እተሰምየ ናይ ቴለቪዥን ጣቢያ ምስ ኣባ ማርኮ ፖዛ ብቃለ መሕትት መልክዕ ዘካይድዎ ዘተ

“ናይ ቅድስና ስነ ምምህርና ንዓለማውያን ምእመናን ኵላዊ ብድሆ” ዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሑ ካቶሊካዊት ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ፒዮስ መበል 11 ማሕበር ካቶሊካዊ ተግባር ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦምን ነቲ ዓውደ ጉባኤ ብዘስምዕዎ መደረ ዘበገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ካብቲ ዓውደ ጉባኤ ወጻኢ፥ ዛዕባ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያዊ ህልው ኵነታት ቨነዝወላ ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ምስ ጋዜጠይናታት ቃለ መሕትት ከምዘካየዱን፡ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ቅድስና ወትሩ እቲ እዋናዊ ዝዀነ ተስፋ ንዓለም ምብሳር ማለት እዩ ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ቸንቶፋንቲ ኣብ ዝቐረብዎ መዘክራዊ ሓተታ ሓቢሮም።

“ናይ ቅድስና ስነ ምምህርና ንዓለማውያን ምእመናን ኵላዊ ብድሆ”
“ናይ ቅድስና ስነ ምምህርና ንዓለማውያን ምእመናን ኵላዊ ብድሆ”

ብፁዕነቶም ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ቅድስና ንዓለም ተስፋ ዘበስር እዩ፡ እዚ ኸኣ ብቓልን ሕይወትን እዩ፡ እዚ ዓይነት ቅድስና’ዚ ብፍላይ ንመንእሰይ ወለዶ ዝማርኽ ከምዝዀነን፡ ዓለም መምሃራን ዘይኰኑ መሰኻኽር እያቶም ዘድልይዎ፡ ስለዚህ ዝሰብኽ ኣብነታዊ ሕይወት እዩ ዘድልይ፡ እዚ ዓይነት ምስርክነት’ዚ መንእሰይ ወለዶ እቲ ብልቦም ዝሓልምዎ ጽባቔ ዝዀነ ኢየሱስ ዘርእዮም እዩ፡ ቅድስና ስራሕ መንፈስ ቅዱስ እዩ፡ እግዚኣብሔር እቲ ዅሉ ኣባና ዝፍጽሞ መደብ ምድሓን እውን እንተዀነ ብጸቕጢ ዘይኰነ ወትሩ ናጽነትና ብምኽባርን ሓላፍነት ክስምዓና ብምግባር እዩ፡ ስለዚህ ቅድስና ንዅላትና ዝተዓደለ ጸጋ እዩ፡  ኣብ ሓገዝ ብሓገዝን መንፈስ ቅዱስ ዝንበር እዩ ከምዝበሉ ኣዘኻኺሮም ኣተሓሒዞም እውን፥ ካብ ጋዜጠይናታት ዝቐረበሎም ሕቶ መሰረት ገይሮም፡ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለዩ ጸቕጢ ብዝገብሩ ጉጅለታት ዝተመልኤትን፡ ናይ ስልጣን ጉጅለታት ምፍሕፋሕ ዘካይዱላን ናይ ውድባት ስፍራ እያ ቢልካ ምግላጻ ጌጋ እዩ፡ ዝተፈላለየ ኣመለኻኽታ ክህሉ ንቡር እዩ፡ ተጻባእቲ ውድባት ዝተኣኻኸቡላ ቢልካ ካብ ምዝራብ ምጥንቃቕ የድሊ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኩሉ ክትረክብ ዝከኣል እውን እዩ። ስለምንታይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን ሓጢኣት ኣሎ፡ ብባህርእያ ቅድስትን ንጽሕትን እያ ሰብኣዊ ፍጥረት ስለ እትሓቝፍ ከኣ ሓጢይና ትበሃል፡ ምእንቲ’ዚ ኵላትና ዕለት ብዕለት ክንልወጥ ዝተጸዋዕና ምዃንና ትሕብረና፡ ኵላትና ድሮ ዝተኸወነ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይኰናን፡ እንታይ ደኣ ኣብ ጉዕዞ ኢና፡ ንቤተ ክርስቲያን በዚ መዳይ እዚ ጥራሕ ደምዲምካ ምግላጽ ጌጋ እዩ፡ ክንየው እዚ ዓይነት ኣገላልጻ’ዚ ቤተ ክርስቲያን እተካይዶ ሰናይን እተሳልጦ እወንታውን ኣብ ሰብኣዊ ርክባት ጸገም ክህሉ እንከሎ እውን ምእንቲ ሰብኣዊ ፍጥረትን ዓለም እተሳልጦ ኵለንተናዊ ሕንጸት ምምልካት የድሊ ከምዝበሉ ቸንቶ ፋንቲ ኣብ ዘውጽእዎ ሓተታዊ መዘክር የመላኽቱ።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቅድስቲ መንበር መርሓ ፍጻሜታት መዘክር
08 February 2020, 17:26