ድለ

ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

እግዚኣብሔር ንከላኸል ኣለና እናተባህለ ኣብ ታሪኽ ዝተፈጥሩ ምስሕሓባትን ውግኣትን ነቲ ካባኻ ዝተፈለይ ናይ ምጥፋእ ድላይ፡ ኣኽራርነትን ጸንፈይናነትን ብስሩ ሰብኣዊ ክብርን ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ዝጻረርን ናይ ግብረ ገብ ምንቁልቋል ምልክታ እዩ

ሰሙነ ሊጡርጊያ ሰንበት እቲ ናይ ስራሕ ሰሙን ሰኑይ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓርቢ ሓልዮትን ነቶም ኣብ ድኽነት ዝርከቡ ህሙማንን ድኻታትን ዝተነጸሉን ክፍሊ ሕብረተሰብ ቅርበትን ሓልዮትን እግዚኣብሔር ዝምስክር ተግባር ዝፍጽምሉ ዕለት ስለ ዝዀነ፡ ናቶም ሰሙን ዓርቢ እዩ ዝጅምር፡ ዓርቢ ዘምሕረት ብዝብል መርሓ ግብሪ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘምሕረት ይነብሩን ንኽንነብሮ እውን ይዕድሙን። ስለዚ ናይ ቅዱስነቶም ሰሙን ካብቲ ንእግዚኣብሔር ዘሎካ ፍቕሪ ንብጻይካ ብፍላይ ነቶም ኣብ ሓሳርን መከራን ንዝርከቡ ብጭቡጥ እትነብሮ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ዝምዘን ምዃኑ ካብ ዝምስክሩሉ ዓርቢ ይብገስ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 21 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ምስራቓውያን ኦርቶዶክስ ኣቢያተ ክርስቲያን ካህናትን መነኮሳንን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፡ “ኣብዚ ንኽትበጽሑ ምድላይኩም ነቲ ኣባዅም ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ህያባቱ ንኸነአንግድ ዓቢይ ዕድል እዩ” ዝብል ሓሳብ ማእከል ዝገበረ መደረ ከምዘስምዑን፡ ከም ኣሕዋት እምበር ኣጋይሽ ኣይኰንኩምን ቢሎም፥

በቲ ኣብ መንጐና ዘሎ ሕውነት ጐይታ ሕጉስ እዩ፡ ምብጻሕኩም ብሓገዝ እግዚኣብሔር፡ ቀጻሊ ክኸውንን ሓሴትን ውዳሴን ንጐይታ እዩ! ኣብዚ ምርኻብኵም ኣብ ማእከልና እቲ ኢየሱስ ብብርቱዕ ድላይ ዝተማሕጸኖ ሓድነት ጭቡጥ ንዝገብር ህያው ሱታፌ ዘጠጥዕ ንእሽተይ ፍርያም ዘርኢ ይዅን

ከምዝበሉ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣድርያና ማሶቲ ኣብ ዘቕረበኦ ጸብጻብ የመላኽታ።

ቅዱስነቶም እቲ 58 ጳጳሳትን ሊቀ ጳጳሳትን ከባቢ ሃገራት ሜዲትራኒያን ኣሳቲፉ ብዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ርክብ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተ-ሰብን ናይታ ኣብ ሃገራት ዞባ መዲትራንያን ዘላ ኣብ ተመሳሳሊ ጸገማትን ብድሆታትን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጥዕናን ዝመኸረን “ንናይ ከባቢ መዲትራኒያን ሃገራት ሕዝብታት ትጽቢታት ጽምጺ ምዃን” ዝብል ዕላማ ዝተሰከመ፥ ሜዲትራኒያን ዶብ ሰላም ብዝብል እርእስቲ ተመሪሑ፡ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምዕዳን መሰረርት ገይሮም ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጓልቲየሪ ብርቱዕ ድላይን ጻዕርን ተነቓቒሑ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ምእመንን ከባቢ መዲትራኒያንን ሃገራት ብድሆታትን መጻእን ዝተመያየጠ ዓውደ ርክብ፡ ዕለት 23 ለካቲት 2020 ኣብ ባሪ ብዘካየድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ከምእተዛዘመ ማሶቲ ኣዘኻኺረን፡ እቲ ዓውደ ርክብ ቅዱስነቶም ብዝለገዎ ቃለ ምዕዳንን ብዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔርን ከምእተዛዘመን፡ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳ፥

እግዚኣብሔር ንከላኸል ኣለና እናተባህለ ኣብ ታሪኽ ዝተፈጥሩ ምስሕሓባትን ውግኣትን ነቲ ካባኻ ዝተፈለይ ናይ ምጥፋእ ድላይ፡ ኣኽራርነትን ጸንፈይናነትን ብስሩ ሰብኣዊ ክብርን ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ዝጻረርን ናይ ግብረ ገብ ምንቁልቋል ምልክታ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ቅኑዕን ምክብባር ዝዓሰሎን ሰላም ንኸነማዕድው ናይ ሓባር ዘተን ርክብን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡

ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ የዘኻኽራ።

ዕለት 25 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ወንጌል ብናይ ዓለም መንፈስ ብምውጋይ ዘይኰነ ንኻልኦትን ንሰብኣውነትን ምግልጋል ዝብል መገዲ ብምሕራይ ዝንበር እዩ ቢሎም” ኣብ ቤተክርስቲያን እቲ ዝዓበየ ዘገልግል ደኣ እምበር እቲ ስልጣን ዘለዎ ከምዘይኰነ ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ማሶቲ ኣብ ዘቕረበኦ ጸብጻብ የዘኻኽራ።

ቅዱነቶም ዕለት 26 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ምጅማር ዓቢይ ጾም፥ ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረብዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንኸነእንግድ ኣተሓሳሲቦም፡ ንቃለ እግዚኣብሔር እቲ ዝዓበየ ስፍራ ክወሃቦ ከዘለዎን ክምዕዱ እንከለው፥

ዘመነ ዓቢይ ጾም፡ ቃል እግዚኣብሔር ንምስማዕ ምሩጽ ግዜ እዩ። ተለቪዥንን ተለፎንን ዓጺና ቅዱስ መጽሓፍ እንኸፍተሉ እዋን እዩ። ካብ ናይ ኢድ ተለፎና ተፈሊና ምስ ቅዱስ መጽሓፍ እንጣመረሉ ግዜ እዩ። … ዘመነ ዓቢይ ጾም ኸስ ምድረበዳ ኰይኑ ንኩሉ ገዲፍካ ምስ ወንጌል እትዛመደሉ እዩ። ንዘይጠቅም ትርፊ ዘረባ ሕሜታን ጸለምን ኣይፋል እትብለሉ ግዜ እዩ። ምስ ጐይታ ልቢ ንልቢ እተዕልለሉ እዋን። ንንጽሕና ልቢ እትሰርሓሉ እዋን። ዓለምና ብዅሉ ተበኪሉ ልብና ረሲሑ ስለዘሎ ካብቲ ኩሉ ናይ ዓመጽ ዘረባን ከንቱነትን ፍልይ ምባል የድሊ። ኩሉ ተገላቢጡ ከምዛ ሓደርካ ዝብለካ ዝጸርፈካ ብዙሕ እዩ።

ከምዝበሉ ዘዘኻኸራ ማሶቲ ኣስዒበ፥ ኣጋ ምሸት ቅዱስነቶም ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 26 ለካቲት 2020 ዓም. ናይ ለምዘበን እዋን ዓቢይ ጾም ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ሳቢና ብዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብወግዒ ንኸበገሱ መስዋዐ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ካብ ልብና ምስሉይነትን እቲ ኵሉ ትእምርቲ ሞት ዝዀነ ልብና ዘእድፍን ዓለም ዘዕንውን ሓመድ ኵሉ ክነወግድ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥

ዓቢይ ጸሞ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ዘይጠቕም ግብረ ገባውነትን ስርዓትን ብጸቕጢ ዝቐርበሉ እዋን ዘይኰነስ፡ ሓመድ ኣብ ምዃንና ዘሎ ሓሳርነትና ብእግዚኣብሔር ዝፍቀር ምዃኑ እነስተውዕለሉ እዋን እዩ፡ ሕይወትና ዝልውጥ ናይ ጸጋን እግዚኣብሔር ኣባና ዘለዎ ፍቕሪ እነአንግደሉን እዋን እዩ። ኣብ ዓለም ካብ ሓመድ ናብ ሕይወት ተጓዓዝቲ ኢና፡ ምእንቲ’ዚ ተስፋና ኣይነብንኖ፡ እግዚኣብሔር ኣባና ዘለዎ ሕልሚ ኣይነምክን፡ ኣይነስተልም።

ዝብል ምዕዳን ብኣጽንዖት ከምዘተሓሳሰቡ የመላኽታ።

ዕለት 27 ለካቲት 2020 ዓ.ም. በቢ ዓመቱ ናይ ሮማ ጳጳስ ብምኽንያት ምጅማር ዓቢይ ጾም ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ምስ ናይ ሰበኻ ሮማ ካህናት ተራኺቦም ናይ ንስሓን ዕርቅን ሊጢርጊያ መሪሖምን ቃለ ምዕዳን ዝልግሱ ምዃኖም ዝፍለጥ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ናይ ለምዘበን ዕለት 27 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ባዚሊካ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ንስሓን ዕርቅን ሊጡርጊያ ፍልይ ብዝበለ ናይ መደብ ምቅይያራት ምኽንያት ክሳተፉ ከምዘይከእሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ኣመሓዳሪ ብሩኒ ቅድም ክብል ኣፍሊጦም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ቅዱስነቶም እቲ ክልግስዎ ዘሰናደውዎ ቃለ ምዕዳን ብጽሑፍ ናብቲ ብህየንተ ሰበኻ ሮማ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ ተመሪሑ ናብ ዝተኻየደ ናይ ንስሓን ዕርቅን ሊጡርጊያ ከምዘመሓላለፉን፡ ብፁዕነቶም ብስም ር.ሊ.ጳ. ከምዘንበብዎን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ቃለ ምዕዳን፥ …  ጓሂ ምስ እምነት ዘሎና ርክብ እንታይ ከምዘስል መዐቀኒ እዩ፡ ንተስፋ ኣቐዲምካ ትጽቢት ብዘንበርካሉ ነገር ምስ ኣትመዓራርያ ዘጋጥም ኵነት እዩ፡ ኵሉ ኣብ ሕይወት ዘጋጥም ዘበለ ብመንጽር ፋሲካ ጥራሕ እዩ ትርጉም ዝህልዎ፡ … እዚ ከኣ ብጸሎትን ኣብ ቅድሚ ናይ እግዚኣብሔር ብርሃነ ቃልን፡ ገዛእ ራስኻ ብምቕራብ እዩ … ኣብ ገለ ገለ እዋን ጓሂ እወታዊ ዝኸውን ናብ እግዚኣብሔር ዝመርሕ ምስ ዝኸውን እዩ፡ ስለዚህ ኣብዚ ዓይነት ኵነት’ዚ እቲ ጓሂ ናብ ምቍርነት እቲ ናይ ዓለማዊ ምቁርነት ከኣ ናብ ጓሂ ይቕየር፡ ብሓጺሩ ናይ እግዚኣብሔር ምዃን ማለት እዩ፡ እዚ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኣብቲ ሓዲግዎ ኣብ ዝሓለፈ ምስክርት የመላኽተና ስለዚህ ህዝበ እግዚኣብሔር ዘተዓርቖን ዕርቂ ዘንብሮን ሰባት እዩ ዝደልይ፡ … ኣብ ማእከል ምድረ በዳ ዝጠልሞ ዘይኰነስ ናብቲ  ልሙዕ ሻኻን ዝስተይ ጽሩይ ናይ ሕይወት ማይ ናብ ዝርከቦ ዒላ ዝመርሖን ጓሳ እዩ ሃረር ዝብል ከምዝበሉ ማሶቲ የዘኻኽራ።

ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

 

 

29 February 2020, 18:09