ድለ

ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ፍራቸስኮ

በይንና ኣይኰንናን፥ እግዚኣብሔር ሓደ ህዝቢ ክንከውን እዩ ዝደልይ፡ መሳንይቲ ክንከውን እዩ ዝደልየና፡ ኢጐነታውያን ንኽንከውን ፈጺሙ ኣይደልይን፡ ኢጐነት ሓጢኣት ስለ ዝዀነ!

ሰሙነ ሊጡርጊያ ሰንበት እቲ ናይ ስርሕ ሰሙን ሰኑይ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓርቢ ሓልዮትን ነቶም ኣብ ድኽነት ዝርከቡ ህሙማንን ድኻታትን ዝተነጸሉን ክፍሊ ሕብረተሰብ ቅርበትን ሓልዮትን እግዚኣብሔር ዝምስክር ተግባር ዝፍጽምሉ ዕለት ስለ ዝዀነ፡ ናቶም ሰሙን ዓርቢ እዩ ዝጅምር፡ ዓርቢ ዘምሕረት ብዝብል መርሓ ግብሪ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘምሕረት ይነብሩን ንኽንነብሮ እውን ይዕድሙ። ስለዚ ናይ ቅዱስነቶም ሰሙን ካብቲ ንእግዚኣብሔር ዘሎካ ፍቕሪ ንብጻይካ ብፍላይ ነቶም ኣብ ሓሳርን መከራን ንዝርከቡ ብጭቡጥ እትነብሮ ናይ ፍቕሪ ስራሕ መምዘኒ ካብ ዝምስክሩሉ ዓርቢ ይብገስ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 14 ለካቲት ኣብ ዓለም መዓልቲ ፍቕሪ ክኽብር እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ዕለት እቲኣ ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 14 ለካቲት ቅዱስ ቫለንታይን ጳጳስን ሰማዕትን ሓላዊ ፍቑራት እትዝክረሉ ዕለት ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብ ልብና እቲ እነፍቅሮ ወይ እነፍቅራ ጥራሕ ዘይኰነስ ነዅሎም ነቶም ኣብ ሕይወትና ዘሰንዩና እውን ክንሓቝፍ ይግብኣና …  ስለ እቶም እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወትና ጥቓና ዘንበሮምን ተኻፈልቲ ሕይወትና ንኽዀኑ ዝጸገወናን ኵሎም ነመስግኖ፥

በይንና ኣይኰንናን፥ እግዚኣብሔር ሓደ ህዝቢ ክንከውን እዩ ዝደልይ፡ መሳንይቲ ክንከውን እዩ ዝደልየና፡ ኢጐነታውያን ንኽንከውን ፈጺሙ ኣይደልይን፡ ኢጐነት ሓጢኣት ስለ ዝዀነ!

ዝብል ሓሳብ ዘስመሩሉ ስብከት ከምዝለገሱ ይዝከር።

ፍትሕን ምሕረትን

ዕለት 15 ለካቲት ቅዱስነቶም ናይ ሃገረ ቫቲካን ኣባይቲ ፍርዲ ናይ 2020 ዓ.ም. መበል 91 ፍርዳዊ ዕዮ ብወግዒ ንምብጋስ ንናይ ሃገረ ቫቲካንን ናይ ኵርያ ሮማናን ኣባይቲ ፍርዲ ላዕለዎት ኣካላትን ደያኑን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ናይ ሃገረ ቫቲካን ብጠቕላላ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣባይቲ ፍርዲ፡ ናይ ወንጌል ሕጊ ጠሪሾም ከይዝንግዑ ሓደራ ቢሎም፡ እቲ ዘተኣታትውዎ መደብ ሕዳሴ ኣካል ናይቲ ጸረ ዝኰነ ይኹን ዓመጽን ናይ ገንዘብን ቁጠባን ገበናትን ዘውግዝ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ተልእዀ መግለጺ እዩ፥

ምሕረት ማለት ፍትሒ ምድስካል ማለት ኣይኰነን፡ ምሕረት ናይ ፍትሒ ፍጻሜ እዩ፡ ምኽንያቱ ኵሉ ናብቲ ልዑል ስርዓተ ዘብጽሕ ብምዃኑ ኣብቶም ከቢድ ገበን ዝፈጸሙን ኣብ ጽኑዕ ፍርዲ ዝቕበሉን ከይተረፈ ተስፋ ዘነቓቕሕ ስለ ዝዀነ!

ዝብል ኣብ መንጐ ምሕረትን ፍትሕን ሕግን ዘሎ ምትእስሳር ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ክዝከር እንከሎ፥

ናይ ውዕዉዕ ስምዒት ግዙኣት ዘይምዃን

ዕለት 16 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ዕለተ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥ ሕጊ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ዝጐስይ ኣይኰነ፡ ፍቕሪ ኣይንጽልን ኣይሕርግን፥ ዝብል ሓሳብ ከምዘብርሁን፡ ኣብ መወዳእታ እውን ንታ ፍቕርትን ኣዚያ ትደምይ ዘላ ሃገረ ሶርያ ዘኪሮም፡

ውግእን ሳዕቤናቱን ኵሉ ንዝክር፡ ብኽትሩ ቁሪ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሕቝፎ ኣቦኣ ሕይወታ ዝሓለፈ ሕጻንን፡  ሰብኣውን ናይ ተፈጥሮ ሓደጋታትን ኩሉ ሕስብ እሞ ነብል፡ ውግእ ዝሓርይን ዝፍጽምን ስምዒታቱ ዘይቆጻጻር፡ እቲ ብሓባር ኣብ ሰላም ንኽንበር ዝድርኸና ሕጊ ኣብ ምኽባሩ ዝቦክር እዩ ዝኸውን፡

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ለዋሃት ብፁዓን እያቶም

ዕለት 18 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ኣብቶም ልቦም ዘትርሩን ርእሰ ብቕዓት ኣሎና፡  ኣነ ንገዛእ ራሰይ እዅል እየ ኣብ ዝብል ልቢ እግዚኣብሔር ክኣትው ኣይክእልን፡ ኣብቶም ብኣምልዀ ጣዖታትን ህልዮታትን ዝተበልዐ ልብታት ቡቕባቐን ክፉት ምዃንን የሎን፡  ዕለት 19 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ‘እቶም ለዋሃት (ልቢ) ብፁዓን እዮም ከመይ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም’ (ማቴ 5.5) ኣብ ዝብል ቃለ ወንጌል ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ካብቲ ንልባትና ከንቅጽን ከመራስሕን ካብ ዝኽእል ኵሉ ንቆጠብ ቢሎም፡ ትረትን ዝኣደፈ ልብን የዕንውን ይንጽልን፡ ትሕትና ግና ይሓንጽን የተሓቛቑፍን ምእንቲ እዚ ትሑታን ንምድሪ ክወርስዋ እያቶም ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ውዕሊ / ቃል ኪዳን ንሰውራዊ መደብ ሕንጸት

ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ዕለት 20 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ፥ ናይ ካቶሊካዊ ሕንጸት ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር እቲ ዕለት 14 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ቃል ኪዳን መደብ ሕንጸት ኣማእኪሉ ንዝመክር ዓውደ ጉባኤ መንጽር ገይሩ ኣብ ዘካይዶ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ምሉእ ጉባኤ ተግባእያን ተቐቢሎም፥ ሰብኣዊ ፍጥረት ሕውነታዊ ሰብኣውነትን ምትሕልላይን ንማንም ዘይንጽል ሓቛፊ መንፈስ ዝዓስሎ ኣብ ሕውነት ዘዕብዮ ሶውራዊ መደብ ሕንጸት ከምዘድልዮ ኣብሪሆም፡

ምእንቲ’ዚ ሕንጸት በቲ ሰላም ዘስርጽ ብርቱዕ ሓይሉ፡ ፍልልያት ንሓድነት ዘተዓናቕፍ ከምዘይኰነ፡ ብዝያዳ እውን ንናይ ገዛእ ርእስኻ መንነትን ነቲ ናይ ካልኦትን ዘህብት ምዃኑ ዝስቆሮም ሰባት ንኸሰናድው (ዝዅስዅስ) ዝተጸውዐ እዩ፡

ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኵስኰሳን (ሕንጸትን) ተልእዀ ወንጌልን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ ሲኖዶስ ኣብ መዛዘሚ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ሓሳብ ዘቕረብዎን ንናይ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ቤተ ክርስቲያናዊ መክብብ ተቕዋም (ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንኽዀኑ ዝሕረዩ ዝሕነጽሉ ተቕዋም) ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ማሪኖ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ንናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ንኽዀኑ ዝሕነጹ ቅድሚ ኣብ ናይ ሓርያዊ ልኡካን ኣባይቲ ጽሕፈት ዝምደቡን ሓርዋርያዊ ልኡካን ኰይኖም ዝስመዩ ንሓደ ዓመት ካብ ዝመጹለን ሰበኻታት ወጻኢ፡ ተመዲቦም ኣብ ተልእዀ ወንጌል ከገልግሉ ዝበልዎ፡ ውሳኔ ገይሮም ካብ ናይ 2020/2021 ዓ.ም. ናይቲ ተቕዋም ናይ ትምህርቲ ዓመት ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዘተሓሳሰቡ የመላኽት።

ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ፍራንቸስኮ
22 February 2020, 17:32