ድለ

202ጽማሬ ናይቲ ዝተፈተኺ ኣማዞን ዘርእስቱ ቃለ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን 202ጽማሬ ናይቲ ዝተፈተኺ ኣማዞን ዘርእስቱ ቃለ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን 

ጽማሬ ናይቲ ዝተፈተኺ ኣማዞን ዘርእስቱ ቃለ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን

ቅዱስነቶም “ኣማዞናዊ ወጅሂ ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ምምዕባል” ከምዘድልን እዚ ኸኣ ብዓቢይ ልኡካውነት ቃል ብስራት” ኣቢሉ ክኸውን ከምዘለዎ የብርሁ (ፍቕዲ 61)። “ሕብረተ-ሰብኣዊ መልእኽቲ” ጥራሕ ንበይኑ ምብጻሕን ምቕራብን እዅል ኣይኰነን። ሕዝቢ ኣማዞን “ናይ ብስራተ ወንጌል መሰል” ዘለዎ እዩ

ናይ ኣስፍሆተ ወንጌልን ንምክንኻን ከባብን ድኻታትን ሓድሽ ኪደት ዘመላኽት ቃለ ምዕዳን ድሕረ ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን ንንባብ በቒዑ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዝደረስዎ ቃለ ምዕዳን ሓድሽ ልኡካነ ወንጌላውነት ይምነዩን ኣብ ቤተ ክርስቲያናዊ ማሕበረሰብ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ግደ የተባብዑ።

ስሞዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ፍቕርቲ ኣማዞን ምስቲ ዅሉ ግርማኣን ጸገማታን ተኣምራታን ገዛእ ርእሳ ንዓለም ትገልጽ” ዝብል ቃል ናይቲ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተፈተኺ ኣማዞን ብዝብል ዘርእስቱ ዝደረስዎ ቃለ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን የበግሱ፡ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቀዳሞት ፍቅድታት (2-4) ትርጉም ናይቲ ቃለ ምዕዳን፡ ነቲ ናይ ሃገራት ከባቢ ኣማዞን ብፁዓን ጳጳሳት ሰነድን ምስ ኣማዞን ርክብ ዘለዎም ገጣምያን ደረስቲ ተወኪሶም የብርሁ። እቲ ሲኖዶስ ኣብ ውሽጦም ዘለዓዓሎ “መስተጋብእ ክግለጹ” ዝደልዩ እውን ምዃን ዝገልጽ ሓሳብ የስምሩሉ፡ ነቲ ናይቲ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ክትክኡ ወይ ከኣ ከምዘለዎ ክደግምዎ ከምዘድለዩ ኣቐዲድሞም የብርሁ። ነቲ ድሮ ዝተላእከ ቃለ ምዕዳን “ብምልኣት” ክንበብን፡ መላእ ቤተ ክርስቲያን ብኣኡ ክትህብትምን ክትሕተትን ክትፈቅድን ኣብ ኣማዞን እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ኣብ ምትግባሩ ክትነጥፍ ይምዕዱ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ መጻኢ ዕድሉ ንዅላትና ከተሓሳስብ ዝግብኦ “ናትና” እውን እንብሎ ብዛዕባ መሬት “ኣማዞን ዘለዎም ሕልምታቶም” የካፍሉ፡ (ካብ ፍቕዲ 5-7)፡ በዚ መሰረት ዘለዎም ኣርባዕተ ዓበይቲ ሕልምታት ይሰርዑ፡ ኣማዞን “ምእንቲ ናይ ድኻታት መሰልን ክትቃለስን” ባህልታታ ክትከላኸልን፡ ነቲ “ዘይዕገት ተፈጥሮኣዊ ጽባቔኣ ክትዕቅብን”፡ ኣብ መወዳእታ ማሕበረ ክርስቲያን “ኣብ ኣማዞን ብቕዓት ንጥፈታትን ስግውናን” ዘለዎም ክዀኑ ይምዕዱ።

ማሕበራዊ ሕልሚ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድኒ ውጹዓት ክትከውን

ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ፡ ቅዱስነቶም “ኣብ ማሕበራዊ ሕልሚ” የተኩይሮም (ፍቕዲ 8)፡ “እውነተይና ስነ መሓድሮኣዊ መቓርባ” ዝብል ሓሳብ ኣርጊጾም፡ እዚ “ማሕበራዊ መቓርባ” ኰይኑ፡ ነቲ ናይ ቀዳሞት ደቀባት ሰናይ ኣነባብራ ግቡእ ኣድናቖት ንምሃብ ካብቲ ዓቃባውነት መሓድሮ ጥራሕ ካብ ዝብል ኣቃልቦ ምጠት ንኽንጥንቀቅ የተሓሳስቡ፡ ብብርቱዕ ዘበራብር ቃላት ኣቢሎም እውን ብዛዕባ “ኢፍትሓውነትን ገበንን” ይዛረቡ (ካብ ፍቕዲ 9-14)፡ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ልዕሊ “ኣማዞም ዝፍጸም ዕንወት ኵኑን” ዝበለዎ ቃል ዘኪሮም፡ ፍልማውያን ሕዝብታት ካብ ናይ ከባቢ ስልጣናት ድዩ ወይ ካብ ደጋውያን እውን ምልኰ ይወርዶም፡ ዕንወትን ቅትለትን ብልሽውናን ዘተባብዕ ኤኮኖሚያዊ  ስርሒት ኵሉ “ኢፍትሓውነትን ገበንን” ዝብል መጸውዕ እዩ ዝግብኦ ቢሎም፡ ኣብዚ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዓውሎማነት ሓድሽ መግዛእቲ ከይከውን እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ይዝክሩ።

ኣብ ጉዳይ መጻኢ ኣማዞን ድኻታት ክስምዑ

ቅዱስነቶም ኣብ ቅድሚ ማእለያ ዘይብሉ ኢፍትሓውነት “ውርደት ክስምዓናን እሞ ምሕረት ክንሓትት” ይግብኣና ይብሉ (ካብ ፍቕዲ 15-19)። ናይ “ምትሕብባርን ምዕባለን መርበብ” ኣድላይነቱ የተሓሳስቡን ኣብዚ መዳይ ናይ ፖለቲካ መራሕቲ እውን ከይተረፉ ኵሉ ኣበርቲዑ ንኽዓዪ ይጽውዑ፡ ካብዚ ተበጊሶም ቅዱስነቶም “ማሕበራዊ ስቑረት” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ይምዕዱ፡ (ካብ ፍቕዲ 20-22)። ናይ ኣማዞናውያን ሕዝብታት ሰብኣዊ ግብረ መልሲ “ኣብቲ ናይቲ ከባቢ ተፈጥሮ ጭብጢ ኵነት ዝተጠንሰ እዩ” ስለዚህ እዩ ድማ ይብሉ፥ ናብ ከተማታት “ንኽስደዱ ምስ ዝግደዱ” ብሓቂ ካብቲ ከባቢኻ “ተቦንቂስካ” ኣብ ምንባር ዝርከቡ። ኣብ መደምደሚ ቀዳማይ ምዕራፍ፡ ብዛዕባ “ምንቁልቋል ተቕዋማት”ን (ካብ ፍቕዲ 23-25)፡ “ማሕብራዊ ዘተን” (ካብ ፍቕዲ 26-27) ይዛረቡ፡ ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ዝምርዝ ብልሽውናን ተቕዋማዊ ዝኸንን ይዅኑኑ፡ ኣማዞን “መሬት ማሕበራዊ ዘተ ክኽውን ተመንዮም ቅድም ቀዳም “ምስቶም ትሑታትን። ኣብ ጉዳይ ኣማዞን እቲ “ብርቱዕ ድምጺ” ናይ ድኻታት ድምጺ እዩ እንክብሉ የጠንቀቝ።

ባህላዊ ሕልሚ፡ ብዝሓ ወጅሂ ኣማዞን ምክንኻን

ካልኣይ ምዕራፍ፡ ኣብ ዛዕባ “ባህላዊ ሕልሚ” ዘተኵረ ኰይኑ፡ “ንኣማዞን ምንቕቓሕ” ማለት “ባህላዊ መግዛእቲ” ምውራድ ማለት ከምዘይኰነ የብርሁ (ፍቕዲ 28)። ምስ እዚ ኣተሓሒዞም “ብዝሓ ወጅሂ ኣማዞን” ዝብል ብዙሕ እዋን ዝጥቀምሉ ቃል ኣሞርኵይዞም ይዛረቡ (ካብ ፍቕዲ 29-32)። “ድሕረ እዋናውነት ዘሎ መግዛእቲ” ምቅላሱ ኣድላዪ ምዃኑ የብርሁ (ካብ ፍቕዲ 33-35)።  ይሴባ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽትን ክርስቶስ ህያው ዘርእስቱ ሓዋርያው ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ (ብዛዕባ መንእሰያት ዝመኸረ ሲኖዶስ) ጠቒሶም፡ “ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ማዕዶታት ኣህላኽነት” ብዙሕ እዋን “ባህልታት ዕጹእ” ንኽኸውን ዝድርኽን እዚ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዓቢይ ማሕታ ዘለዎ ምዃኑ እውን ይመላኽቱ። መንእሰያት ይብሉ፡ “ናይ መበቆሎም ተሰከምቲ ክዀኑን” ብሕጹጽ ተዘክሮ ከሕውዩን -  ዳግም ክረኽቡ” እንክብሉ ቅዱስነቶም ጽዋዒት የቕርቡ።

ንዕጹው መበቆላውነት ኣይፋል ምባል፡ ርክብ ውስጠ-ባህልታት የድሊ

እቲ ቃለ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ኣስዒቡ እውን ዛዕባ “ርክብ ውስጠ-ባህልታት” (ካብ ፍቕዲ 36-38) ይዛረብ፡  እተን “ምዕቡላት ተመሲለን ዝርኣያ ባህልታት” ይብሉ፡ ካብቶም ኣብ ተፍጥሮ ቅዱዋት ኰይኖም ዝተረፉ ሕዝብታት ዘለዎም ባህላዊ ሃብታት” ክመሃሩ ከምዝኽእሉ ኣተሓሳሲቦም፡ ስለዚህ ብዙሕነት “ናይ ሓደ ዶብ ሓጹር ዘይኰነስ “ድልድል” ክኸውንን ነቲ ዕጽው ዝዀነ ደቀባታውነት (መበቆላውነት) ኣይፋል ይብሉ። መደምደምታ ካልኣይ ምዕራፍ፡ ዛዕባ “ንሓደጋ ዝተቓልዑ ባህልታትን ኣብ ስግኣት ዝርከቡ ሕዝብታት” (ካብ ፍቕዲ 39-40) ይዛረብ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ምእንቲ ኣማዞን ዝሕንጸጽ ዕማም ናይ ሕዝብታት መሰል ግምት ዝህብ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ኣገዳስነት ኣተሓሳሲቦም፡ ከምዚ እንተድኣ ዘይኰነ ግና እቲ ዝነብርሉን ዝተወለድሉን ዝዓበይሉን መሓድሮ ብዘይ ምንም ዓይነት ሃስያ ምዕቃቡ ዝከኣል ከምዘይከውን የብርሁ።

መሓድሮኣዊ ሕልሚክንክን መሓድሮን ክንክን ሰብን ምውሃድ

ሳልሳይ ምዕራፍ፡ ብዛዕባ “ሓደ መሓድሮኣዊ ሕልሚ” ይዛረብ። እዚ ምዕራፍ እዚ ምስታ ይሴባሕ ዘርእታ ዓዋዲት መልእኽቲ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ እዩ። ኣብዚ ናይዚ ምዕራፍ’ዚ መእተዊ (ካብ ፍቕዲ 41-42) ኣብ ኣማዞን ኣብ መንጐ ምዃን ሰብን ተፈጥሮን ጥብቂ ርክብ ከምዘሎ ብኣጽንዖት ተመልኪቱ ንረኽቦ፡ ከምቲ ጐይታ ንዓና ዝከናኸነና ንሕና እውን ነሕዋትና ክንከናኸን ይግብኣና፡ እዚ “እቲ ዘድልየና ቀዳማይ ስነ መሓድሮ እዩ”። ምክንኻን መሓድሮን ምክንኻን ድኻታትን “ዘይነጻጸሉ” ተግባራት እያቶም። ኣስዒቦም ብዛዕባ “ሕልሚ ዝኸውን ማይ” (ካብ ፍቕዲ 43-46) እንክዛረቡ፡ ፓብሎ ነሩዳን ካልኦት ናይቲ ከባቢ ናይ ግጥሚ ደረስትን ስነ ገጣምያንን ብዛዕባ ኣማዞናዊ ውሕጅ ሪዮ ሓይሉን ጽባቔኡን ዝበልዎ ይጠቑሱ፡ እዞም ስነ ገጣምያን እዚኣቶም ብዝደረስውም ግጥምታት ኣቢሎም “ካብቲ ስርዓተ ምልከ ዕደ ጥበብን ኣህላኽነትን ዝብል ተፈጥሮ ዝዕፍን ረባሕታ ሓራ ንኽንከውን ይድግፉና”።

ገዓር ኣማዞን ምስማዕ፡ ምዕባለ ቀጻሊ (ዘላቒ) ክኸውን

ቅዱስነቶም “ገዓር ኣማዞን ምስማዕ ሕጹጽን ኣገዳስን” (ካብ ፍቕዲ 47-52) ምዃኑ የመላኽቱ፡ ናይ ዓለም ውድንነት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ጥዕና ጥቡቕ እዩ፡ ብዙሕ ዞባውን ዓለም ለኻውን ጥቕምታት ከምዘለዉ እውን ጠቒሶም፡ እቲ መፍቲሒ ኣማዞን “ዓለም ለኻውነታዊ” ምግባር ዘይኰነ፡ ናይ ብሔራዊ መንግስታት ሓላፍነት ናይ ምስካም ዓቕሚ ምዕባይ እዩ ዘድሊ፡ ዘላቒ ምዕባለን፡ ተቐማጦ ብዛዕባ እቲ ብቐጥታ ዝምልከቶም መደብ ምዕባለ ሕቡራት ክዀኑን “ክገሃስ ዘይብሉ ወሰን” ዘመላኽት “ሓደ ናይ መቆጻጸሪ ሜላ ወይ ኣገባብ” ምፍጣር ዘለዎ ኣድላይነት የተሓሳስቡ። ነዚ መሰረት ገይሮም “ናይ ኣስተንትኖ ትንቢት” ይምዕዱ (ካብ ፍቕዲ 53-57)። ንመበቆላውያን ሕዝብታት ጽን ምባል፡ ኣማዞን “ንኽንጥቀመሉ” ጥራሕ ዘይኰነስ “ንኸነፍቅሮ” የኽእለናን ኣብኡ ናይ ቲዮሎጊያን እግዚኣብሔር ዝስትርአየሉን ደቁ ዝጽውዓሉን ስፍራ” ክንረክብ ንኽእል። ኣብ መደምደምታ ሳልሳይ ምዕራፍ፥ ቅዱስነቶም ብዛዕባ “ሕንጸትን ስነ መሓድሮ ልምድታትን (ካብ ፍቕዲ 58-60) ኣማእኪሎም ስነ መሓድሮ ተግባረ እዳዊ ሕቶ ዘይኰነስ ናይ “ሕንጸት መዳይ” ዘጠቓልል እውን ምዃኑ ብኣጽንዖት የተሓሳስቡ።

መክብባዊ ሕልሚ፥ ኣማዞናዊ ወጅሂ ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ምምዕባል

ናይቲ ቃለ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን ናይ መወዳእታ ምዕርፍ፡ ኣዚዩ ሰፊሕን ባሃርን ክኸውን እንከሎ፡ “ብቐጥታ ንጓሶትን ካቶሊክ ምእመናንን ዝዛረብ፡ ኣብ መክብባዊ ሕልሚ ዘተኰረ” እዩ። ቅዱስነቶም “ኣማዞናዊ ወጅሂ ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ምምዕባል” ከምዘድልን እዚ ኸኣ ብዓቢይ ልኡካውነት ቃል ብስራት” ኣቢሉ ክኸውን ከምዘለዎ የብርሁ (ፍቕዲ 61)። “ሕብረተ-ሰብኣዊ መልእኽቲ” ጥራሕ ንበይኑ ምብጻሕን ምቕራብን እዅል ኣይኰነን። ሕዝቢ ኣማዞን “ናይ ብስራተ ወንጌል መሰል” ዘለዎ እዩ፡ እንተዘይኰነ እቲ ኵሉ ኣብ ኣማዞን ዝርክበ “ነፍሲ ወከፍ መክበባዊ - ቤተ ክርስቲያን ተቕዋም ኵሉ” ናብ ናይ “ዘይመንግስታውያን ግብረ ሰናይ ማሕበራት ተውቕዋማት መዋቕር” እዩ ዝቕየር። ኣብዚ ምዕራፍ’ዚ እውን ፍስሓ ወተስፋ ኣብ ዝብል ኣብቲ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ውሳኔ ኣማእኪሎም ብዛዕባ “ብህልትውና” (ካብ ፍቕዲ 66-69) ይዛረቡ። ብህልትውና፥ ኣብቲ ኣብ ናይ ኣማዞን ባህሊ ዘሎ ሰናይ ዘበለ ኵሉ ናብቲ ናይ “ወንጌል ምሉእ ብርሃን ዘብጽሕ ኪደት ይኸውን።

ኣብ ኣማዞን ዝተሓደሰ ናይ ወንጌል ብህልትውና

ቅዱስነቶም ጠመተኦም ኣዕሚዪቖም ኣብ “ኣማዞን መገዲ ብህልትውና” ይሕብሩ (ካብ ፍቕዲ 70-74)። ኣብቲ ናይቲ ከባቢ መበቆላዊ ማሕበረሰብ ዘለዉ ዕሴታት “ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ግምት ዝወሃቦም ብዝብል ኣመት” ምዕቃብ፡ ኣብ ዝስዕቡ ክልተ ሕጡብ ጽሑፋት፡ ዛዕባ “ሕብረተ-ሰብኣውን መንፈሳውን ብህልትውና” ይዛረቡ (ካብ ፍቕዲ 75-76)። ነቲ ናይቲ ከባቢ ተቐማጦ ኵነታት ድኽነት እናማዕደዉ፡ ብህልትውና ሕብረተ-ሰብኣዊ ማሕተም” ዘለዎ ክኸውን ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፡ እቲ ሕብረተ-ሰብኣዊ ብህልትውና ብመንፈሳዊ ብህልትውና ክማላእ ከምዘለዉ የዘኻኽሩ።

ቅዱሳት ምስጢራት ብዅሉ ተበጻሒ ክኸውን፡ ብፍላይ ብድኻታት

እቲ ቃለ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፡ ናብቲ “መበገሲ ዝዀነ ኣማዞናዊ ቅድስና” ናብ ዝብል ሓሳብ ምልስ ቢሉ፡ (ካብ ፍቕዲ 77-80)፡ “ናይ ካልኦት ቦታታት ኣገባባት ዝቐድሕ ክኸውን የብሉን፡ “ነቲ ናይ ደቀባት ዝጥቀመሎም ትእምርታት ጣዖታዊ ኣምልኾ መግለጺ ዝብል ፍርዲ ከይሃብካ ንክትርድኦ ዝከኣል” ምዃኑ ብኣጽንዖት የመላኽት፡ ካብቶም ኣብቲ ከባቢ እንረኽቦም ትእምርታውያን ብሂላት ውሽጢ “ሰፊሕ መንፈሳዊ ትርጉም” ንዘለዎ፡ ኣረመናዊ ብዘይብል ግምት ክብሪ ምሃብ ዝከኣል እዩ። እዚ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝዝከሩ በዓላት እውን ዝምልከት መናበቢ እዩ፡ “ነቲ ዘለዎ ቅዱስ ትርጉም” ንምልላይ ምናልባት “ምንጽሓም ዘድልይ” ይኸውን።

ኣብቲ ዝተፈተኺ ኣማዞን ዘርእስቱ ቃለ ምዕዳን፡ ብዛዕባ ብህልትውና ሊጡርጊያ እውን (ካብ ፍቕዲ 81-84) ይዛረብ፡ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን መሰረት ገይሮም፡ ኣብ ናይ ደቀባታውያን ሕዝብታት ባህልታት “ሊጡርጊያ ብህልው” ክኸውን ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብቲ ብዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ ሲኖዶስ፡ ኣማዞናዊ ስርዓተ ሊጡርጊያ ምልላይ ኣድላዪ እዩ እንክብል ዘስመረሉ ሓሳብ መሰረት ገይሮም፡ “ቅዱሳት ምስጢራት ብዅሉ ተበጻሒ ክኸውን፡ ብፍላይ ብድኻታት” እንክብሉ ይምዕዱ፡ ቤተ ክርስቲያን ይብሉ ቅዱስነቶም፡ ነታ ድሕሪ እቲ ዛዕባ ስድራ ቤት ዝመኸረ ሲኖዶስ ዝደረስዎ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ተወኪሶም፡ ናብ ናይ “ግብሪ መቐበሊ ስፍራ” ክትልወጥ ከምዘይብላ የተሓሳስቡ።

ናይ ላቲን ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ናብ ከባቢ ኣማዞን ልኡካነ ወንጌል ክልእኹ

እቲ ቃለ ምዕዳን ኣስዒቡ እውን እቲ ቤተ ክርስቲያን “ተባዕ” መልሲ ንኽትህበሉ ዝጠልባ ብዛዕባ “ኣገልግሎት ብህልትውና” ይዛረብ ( ካብ ፍቕዲ 85-90)፡ ቕዱስነቶም ኣብቲ ከባቢ “መስዋዕተ ቅዳሴ ብቐጻሊ ምስራዕ ውሑስ ክኸውን” ከምዘለዎ የመላኽቱ፡ ነዚ ጉዳይ እዚ ኣመልኪቶም፡ “እቲ  ካህን ዘነጽሮ ፈሊኻ ምውሳን የድሊ” ቢሎም፡ ምስጢረ ቅዱስ ማዕርግ፡ ነቲ ቅዱስ ቁርባን ንኽሰርዕ ሓላፍነት ዝለበሰ ካህን ዝምልከት እዩ፡ ከምዚ ካብ ኰነ ነቲ ተበጻሒ ክኸውን ብዙሕ ኣብ ዘጸግም ከባቢ ኣገልግሎት ካህን ከመይ ገርካ እዩ ውሑስ ዝግበር? ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም፡ ኵሎም ጳጳሳት ብፍላይ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካ “ዝለዓለ ልግስና” ክህልዎምን፡ ነቶም “ልኡካነ ወንጌል ንምዃን ጸዋዕታ ዘለዎም” ኣማዞን ንኽሓርዩ ከመስርቑን ኣብቲ ከባቢ ናይ ካህናት ሕንጸት ክዕዘቡን ይላበዉ።    

ኣብ ሕብረተ-ሰብ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ተዋሳእነት ምድጋፍ

ድሕሪ ቅዱሳት ምስጢራት እቲ ዝተፈተኺ ኣማዞን ዘርእስቱ ቃለ ምዕዳን ድሕረ ሲኖዶስ፡ “ኣብቲ ህያው ዝዀነ ማሕበረ-ሰብ” ኣማእኪሉ (ካብ ፍቕዲ 91-98)፡ ዓለማውያን ምእመናን፡ “ኣገዳስነት ዘለዎ ሓላፍነት ክለብሱ” ይግብኦም፡ እዚ ኸኣ ኣብቲ ከባቢ ማዕርግ ንዝተቐብሉ (ንካህናት) ጥራሕ ምድጋፍ ዝብል ኣመለኻኽታ ክህሉ ከምዘይግብኦ ዘመላኽት እዩ፡ ሓደ ዕማመ “ውሱንነት” ዝህልዎ “ኣብ ሕብረተ-ሰብ ሓድሽ ሕይወት ዘየንቓቕሕ ምስ ዝኸውን እዩ”፡ ምእንቲ’ዚ “ሓደስቲ” ናይ ዓለማውያን ምእመናን “ኣገልግሎታት” የድልዩ፡ ውፉያን ፍሉይ ናይ ገዛእ ርእሶም ቦታ ከምዘለዎም ቅዱስነቶም ኣዘኻኺሮም፡ ናይ ሕብረተሰብ ኣብርኻውያን ማሕበረ-ሰብ ዝዀና ንማሕብራዊ መሰልን ክብርን ዝማጐቱን ብፍላይ “ናይ መላእ ሃገራት ከባቢ ኣማዞን ኣቢያተ ክርስቲያን መርበባዊ ማሕበርን፡ ናይ “ጉጅለ ተጓዓዝያን ልኡካነ ወንጌልን” ዘለዎም ፍሉይ ግደ የዘኻኽሩ።

ብዘይ ምኽህናውነት ንደቀንስትዮ ሓድሽ ቦታ ምሃብ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ንናይ ደቀንስትዮ ሓይልን ጸጋን ኣብ ዝብል ሓሳብ (ካብ ፍቕዲ 99-103) ኣተኵይሮም፡ ኣብ ገለ ገለ ከባቢ ኣማዞም ዝርከብ ማሕበረ-ሰብ ንናይ “ደቀንትዮ ህላዌ ሓይልን ልግስን” ምስጋና ይኹን ጸኒዑ ይረአይ፡ ይዅን ደኣ እምበር ቤተ ክርስቲያን ናብ ተራ ሙያውነት ቅርጺ ትሕት ካብ ምባል ምጥንቃቕ የድሊ፡ ከምዚ እንተዝኸውን ነይሩ፡ ደቀንስትዮ ዝህበኦ ገለ ገለ ኣገልግሎት ማዕርገ ክህነት እንተዘይተቐበላ ክፍቀደለን የብሉን ምተባህለ ነይሩ፡ ስለዚህ ምኽህናውነት ንደቀንስትዮ ኣይፋል ክበሃል ኣለዎ፡ ብኣገባብ ደቀንስቶ ዝቕጽል “ናይ ማርያም ሓይልን ርህራሀን” ዘለዎ ግደ ምእንጋድ የድሊ፡ ስለዚህ ምንቕቓሕ ሓድሽ ዓይነት ኣገልግሎት ኣብ ማሕበረ-ሰብ ውሳኒ ጽልዋ ብዘለዎም ጳጳሳት ወግዓዊ ተፈላጥነት ዝወሃቦ ሓድሽ ናይ ደቀንስትዮ ኣገልግሎት ክነቓቓሕ የተባብዑ።

ንኣማዞናውያን ድኻታት ኣብ ምክልኻል ማሕበረ ክርስቲያን ብሓባር ክቃለስ

“ክንየው ምስሕሓባትን ግጭትን፡ ምዕዶታት ምስፋሕ” (ካብ ፍድቕዲ 104-105) ከምዘድሊ ዘተሓሳስቡ ቅዱስነቶም፡ “ኣዋጋዪ ወይ ኣብ ከፊላዊ መዳይ ዕጹው ኰይኑ ዝተርፍ፡ ድሩታት ንዝዀኑ ትጽቢታት ንምስናፎም” ብኣማዞን ንኽትብዳህ ምፍቃድ የድሊ፡ እቲ ራብዓይ ምዕራፍ “ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሓባራዊ ናብራ” (ካብ ፍቕዲ 106-110) ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ብዘቕርቦ ሓተታት ዝድምደም ክኸውን እንከሎ፡ “ምእመናን - ኣማንያን ንናይ ሓባር ናብራ ብሓባር ዝዋስኡሉን ናይ መዛተይ ዓውዲ” ከለልዩን ቅዱስነቶም የተሓሳስቡ። “ናይ ሓባር ቃልሲ ከመይ ቢሉ እዩ ዘይክኡል ዝኸውን? ንኣማዞናውያን ድኻታት ንምክልኻል ከመይ ቢልካ እዩ ብሓባር ዘይምጽላይን ዘይምዕያይን ዝከኣል”? ዝብል ሕቶ የቕርቡ።

ኣማዞንን ሕዝቢ ኣማዞንን ንማርያም ነወክፍ

ቅዱስነቶም ነቲ ዝተፈተኺ ኣማዞም ዘርእስቱ ቃለ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ፡ ንማርያም እመ ኣማዞን ብዘቕርብዎ ጸሎት (ፍቕዲ 111) ከጠቓልሉ እንከለዉ፡ “እኖ ማርያም ንድኻታት ኣማዞን ቁሊሕ በሊ - እንክብሉ - ስለምታይ ከንቱ ብዝዀኑ ረብሓታት ቤቱ ይባድም ስለ ዘሎ ( … ) ናይ ሓያላን ስምዒት ተንክፊ - ስለምንታይ - ዋላ’ኳ ዝደንጐና ኰይኑ እውን ይሰማዓና፡ ንስኺ ነቲ ሕጂ እውን ህያው ዘሎ ንኸነድሕት ትጽውዕና! ኣንክብሉ ብዘቕርብዎ ጸሎት ይዛዝምዎ።  

ጽማሬ ናይቲ ዝተፈተኺ ኣማዞን ዘርእስቱ ቃለ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ
12 February 2020, 17:10