ድለ

2ር.ሊ.ጳ.፥ ካህን ሱታፌ ምስ ሕዝቡ ዝነብር እዩ 2ር.ሊ.ጳ.፥ ካህን ሱታፌ ምስ ሕዝቡ ዝነብር እዩ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ካህን ሱታፌ ምስ ሕዝቡ ዝነብር እዩ

ተስፋ ናብ ትጽቢት ብምቕያር ዝፈጠር ቀቢጸ ተስፋነት ከምዘሎን፡ … ስለዚህ ጓሂ ምስ እምነት ዘሎና ርክብ እንታይ ከምዘስል መዐቀኒ እዩ፡ ንተስፋ ኣቐዲምካ ትጽቢት ብዘንበርካሉ ነገር ምስ ኣትትክኦ ዘጋጥም ኵነት እዩ

በቢ ዓመት ናይ ሮማ ጳጳስ ብምኽንያት ምጅማር ዓቢይ ጾም ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ምስ ናይ ሰበኻ ካህናት ተራኺቦም ናይ ንስሓን ዕርቅን ሊጢርጊያ መሪሖምን ቃለ ምዕዳን ዝልግሱ ምዃኖም ዝፍለጥ ክኸውን እንከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እውን በቢ ዓመቱ ከምዝሳተፉን ይዝከር፡ ኣብቲ ናይ ለምዘበን ዕለት 27 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ባዚሊካ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ንስሓን ዕርቅን ሊጡርጊያ ፍልይ ብዝበለ ናይ መደብ ምቅይያራት ምኽንያት ክሳተፉ ከምዘይከኣሉ ክሕበር እንከሎ፥ ቅዱስነቶም እቲ ክልግስዎ ዘሰናደውዎ ቃለ ሞዕዳን ብጽሑፍ ናብቲ ብህየንተ ሰበኻ ሮማ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ ተመሪሑ ናብ ዝተኻየደ ናይ ንስሓን ዕርቅን ሊጡርጊያ ከምዘመሓላለፉን፡ ብፁዕነቶም ብስም ር.ሊ.ጳ. ከምዘንበብዎ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም እቲ መሪር ናብ ዝስተይ ማይ ዝቕይር፡ መሪርን ዕረን ዘምዕር ካህን ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ካህን ተስፋን ዕርቅን ምሕረትን ምጸትን ዘለለየን እሞ እዚ ናብ ምዑርነት ንኽቕየር ሕራይ ዝብል እዩ፡ …

ቅዱስነቶም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ካብ ናይ ሰበኻኦም ካህናትን ተመሃሮ ዘረኣ ክህነት ዝበጽሖም ሕቶን ዘካይድዎ ርክባትን መሰረት ገይሮም ኣብ ዘሰናደውዎ ስልጣናዊ ምዕዳን፡ ከም ካህናት ይብሉ ቅዱስነቶም ንከሃሌኵሉነት ዝተጸውዑ ዘይኰነስ፡ ሓጢኣቶም ከምእተሓደገሎም ተኣሚኖን ንኸገልግሉ እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ሕይወቶም ካብ ዘጓንፎን ጽንኵርን ዕረን ኵሉ ዝሃድሙን ገዛእ ርእሶም ዝንጽሉን ዘይኰነስ ነቲ ዕረ ናብ ምዑር ንኽልውጡ ዝነብሩ እያቶም፡ እዚ ኸኣ ንበይኖም ዘይኰነ ብሓይሊ እግዚኣብሔርን ብጻይካ ብምፍቃርን እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ዶኒኒ ኣስዒበን፡ …

ተስፋ ናብ ትጽቢት ብምቕያር ዝፈጠር ቀቢጸ ተስፋነት ከምዘሎን፡ … ስለዚህ ጓሂ ምስ እምነት ዘሎና ርክብ እንታይ ከምዘስል መዐቀኒ እዩ፡ ንተስፋ ኣቐዲምካ ትጽቢት ብዘንበርካሉ ነገር ምስ ኣትትክኦ ዘጋጥም ኵነት እዩ፡ ኵሉ ኣብ ሕይወት ዘጋጥም ዘበለ ብመንጽር ፋሲካ ትርጉም ኣለዎ፡ … እዚ ከኣ ብጸሎትን ኣብ ቅድሚ ናይ እግዚኣብሔር ብርሃን ቃል ገዛእ ራስኻ ብምቕራብ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

… ኣብ ገለ ገለ እዋን ጓሂ እወታዊ ዝኸውን ናብ እግዚኣብሔር ዝመርሕ ምስ ዝኸውን እዩ፡ ስለዚህ ኣብዚ ዓይነት ኵነት’ዚ እቲ ጓሂ ናብ ምቍርንት እቲ ናይ ዓለማዊ ምቁርነት ከኣ ናብ ጓሂ ይቕየር፡ ብሓጺሩ ናይ እግዚኣብሔር ምዃን ማለት እዩ፡ እዚ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኣብቲ ሓዲግዎ ኣብ ዝሓለፈ ምስክርት ከምዘመልክቶ።

ካህናት ምስ ጳጳሳቶም ክህልዎም ዝኽእል ጸገም፡ …  እቲ ጌጋን ጕድለትን ናይ ኣሕሉቕ ገርካ ምርኣይ ልሙድ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምብር ጕድለት ኣብ ኵሉ ዘሎ እዩ፡ ሓለቓ ዅን ኣይትዅን፡ … ኵሉ ንሰናይን ነገልግሎትን እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ … ጽሞናን ተነጽሎን እወታውን ኣሉታውን ክኸውን ዝከኣል እዩ፡ ንኽትጽልን ንኸተስተንትንን እንተድኣ ኰይኑ እወታዊ እዩ፡ … ብዙሕ ጊዜ እዚ ናይ ጽሞምን ጸሎትን እዋን ክዝንጋዕ ይረአይ፡ … እቲ መሪር ተነጽሎ ግና ኣብ ማእከል ህዝቢ እንከለኻ ዝተነጸለ መንፈስ ምንባር ዘሕድረልካ ምዃኑ ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ዝሓበራ ዶኒኒ ኣስዒበን፥ ህዝበ እግዚኣብሔር ዘተዓርቖን ዕርቂ ዘንብሮን ሰባት እዩ ዝደልይ፡ … ኣብ ማእከል ምድረ በዳ ዝጠልሞ ዘይኰነስ ናብቲ  ልሙዕ ሻኻን ዝስተይ ጽሩይ ናይ ሕይወት ማይ ናብ ዝርከቦ ዒላ ዝመርሖን ጓሳ እዩ ሃረር ዝብል ከምዝበሉ ኣፍሊጠን። 

ር.ሊ.ጳ.፥ ካህን ተነጺሉ ሱታፌ ምስ ሕዝቡ ዝነብር እዩ
27 February 2020, 18:27