ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ክርስቲያን ኢየሱስ ዘበስር እምበር ዓድውዒል ኣይኰነን

ማርያምን ዮሴፍን ይብሉ ቅዱስነቶም፡ ብዛዕባ ኢየሱስ ዝበሃል ብዝነበረ ኵሉ ይድነቑን ይግረሙን ከምዝነበሩ ይሕብሩ፡ ምድናቕ ግልጺ ዝዀነ መልሰ ግብሪ እዩ፡ ኣረጋዊ ስምዖን እውን፡ ኣብ ሕጻን ኢየሱስ ናይ እግዚኣብሔር ንሕዝቢ ናይ ምድሓን ተግባር የለልይ፡ እቲ ኵሉ ዝጽበዮ ዝነበረ ምድሓን ኣምላኽ ምብጻሕ ናብ ኩሉ ይርእይ፡ ሃና እውን ልክዕ ከምኡ ንእግዚኣብሔር ትውድስ

ዕለት 2 ለካቲት ናይ ላቲን ስርዓተ ኣምልዀ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን በኣቱ ዘእግዚእነ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ዝቝጸሩ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ብሓባር ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 2 ካብ ፍቕዲ 22 ክሳብ 40 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞኵይዞም፥ እንነብረሉ ዓለም ኣብ ጐደና ሕይወት ናይ ኢየሱስ ቃል ሒዞም ዝጓዓዙ ክርስቲያን የድልዮ፡ ቍምስናታትን ዝተፈላለዩ ማሕበረ ክርስቲያንን ከምኡ እውን መንእሰያትን ኣባይቲ ስድራን ኣረጋውያንን ኣብ ተልእዀ ምስፋሕ ቃል ኢየሱስ ዝተጸውዑ እያቶም። ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ውፉይ ሕይወት ኣብ እትዝክረሉ ዕለት ነቶም ብትሕትናን ብዘይ ረኣዩለይን ስምዑለይን ዘገልግሉ ውፉያን ብፍሉይ ከምዝዘከሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣግልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ከከም ጸዋዕታና ኢየሱስ ምብሳር ኣብ ዝብል ተልእዀ ወንጌል ነሕዋት ንኸነገልግልን በቲ ንኣና ህያብ እግዚኣብሔር ብዝዀነ ኢየሱስ ንኽንማረኽን ንኽምሰጥን ንፍቀድ ዝብል ጸሎት ቅዱስ ኣቦና ዕለት 2 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ኣቕሪቦም፡ እቶም ወንጌላውያን ምዕዶታት (ድኽነትን ንድሕናን ተኣዝዞን) ተናዚዞም ብውፉይ ሕይወት ንጐይታ ምስዓብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ጸጋ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፡

ናይ ዕለቱ ወንጌል ኢየሱስ ድሕሪ 40 መዓልቲ ልደቱ ወለዱ ከምቲ ኣይሁዳዊ ሕጊ (ከም ሕጊ ሙሴ) ንጐይታ ንኸወፍይዎ ናብ ኢየሩሳሌም ሒዞምዎ ከምዝዀዱ ይነግረና፡ ብስርዓተ ባህሊ መሰረት ወለዲ ኢየሱስ ዝፍጽምዎ ተግባር ኣተኵሮና ኣብቶም ኣብቲ ኩነት ዝተረኽቡ ሰባት ንኽንገብር ይድርኸና

መዓልቲ ሕይወት፥ ንዝዀነ ይኹን ጸረ ናይ ሕይወት ክብሪ ኣይፋል ንበል

ኣብቲ ጐይታ ህልውን ንሰብ ቀረባን ኣብ ዝዀነሉ ኩነት ብዙሓት ምስኡ ናይ ምርኻብ ተመክሮ ዝገብሩ፡ እቶም ናይ መሉእ ተወፋይነትን እንገዳን ኣርኣያ ዝዀኑ ማርያምን ዮሴፍን ስምኦንን ሃናን፥

ብመንፈስ ቅዱስ ንኽንምራሕ ንፍቀድ

እቶም ምስኡ ንኽራኸቡ ዝፈቐዱ ዝተፈላለዩ ሰባት እውን እንተነበሩ ብመንፈስ ቅዱስ ንኽምርሑ ዝፈቐዱ እያቶም፡ ወንጌላዊ ሉቃስ፡ እቶም ኣብቲ ቦታ ዝተረኸቡ ዘርእይዎ ምንቅስቓስን ምድናቕን ብኣጽንዖት የመላኽተና፡ ማርያምን ዮሴፍን ናብ ኢየሩሳሌም ስምኦን ብመንፈስ ቅዱስ ተለዓዒሉ ናብ ቤተ መቕደስ፡ ሃና መዓልትን ለይትን ንእግዚኣብሔር እተገልግል፡ በዞም ቅዱሳት ሰባት እዚኣቶም ኣቢሉ ወንጌላዊ ሉቃስ ሕይወት ክርስትና ንጉዕዞ ማለት ብመንፈስ ቅዱስ ንኽትምራሕ ንቑሕን ስንድውን ምዃኑ ዝብል ከምዝዀነ ክሕብር እንከሎ፡

ዕኑድነት ምስ ክርስቲያናዊ ምስክርነትን ተልእዀ ቤተ ክርስቲያንን ዘይሰማማዕ ኩነት እዩ። ዓለም እቶም ናይ ኢየሱስ መጸናንዒ ቃል ንዅሉ ንኸብጽሑ ዝንቀሳቐሱን ናብ ዝብሉን ኣብ ጐደና ህይወት ዘይስልክዩን መሰኻኽር የድልይዎ። ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበለ ኩሉ ኢየሱስ ምብሳር ዝብል ተልእዀ ይቕበል። … ቁምስናታትን ዝተፈላለየ ቤተ ክርስቲያናዊ ክውንታውነት ከምኡ እውን መንእሰያትንኣባይቲ ስድራን ኣረጋውያንን ኵሉ ናይ ቤተ ክርስትያን ተልእዀን ናይ ሕይወት ተዋሳኢ መታን ክኸውን ክርስቲያናዊ ተመክሮ ንኽገንብር ኣብ ተልእዀ ምስፋሕ ቃል ኢየሱስ ዝተጸውዑ እያቶም።

ናይ ምድናቕ ብቕዓት

ማርያምን ዮሴፍን ይብሉ ቅዱስነቶም፡ ብዛዕባ ኢየሱስ ዝበሃል ብዝነበረ ኵሉ ይድነቑን ይግረሙን ከምዝነበሩ ይሕብሩ፡ ምድናቕ ግልጺ ዝዀነ መልሰ ግብሪ እዩ፡ ኣረጋዊ ስምዖን እውን፡ ኣብ ሕጻን ኢየሱስ ናይ እግዚኣብሔር ንሕዝቢ ናይ ምድሓን ተግባር የለልይ፡ እቲ ኵሉ ዝጽበዮ ዝነበረ ምድሓን ኣምላኽ ምብጻሕ ናብ ኩሉ ይርእይ፡ ሃና እውን ልክዕ ከምኡ ንእግዚኣብሔር ትውድስ፡ ብዙሕ ትዛረብ፡ እቲ ብዙሕ ተዛራብነታ ክፋእ ዝወጾ ዘይኰነስ ብዛዕባ ሰናይ ነገራት እዩ ዝነበረ፡ ኢየሱስ ተበስር።

እቶም ኣብ ወንጌል ሉቃስ እንራኸቦም ተክለ ሰብነታት ኵሎም ብምድናቕ ዝተኸቡ እያቶም፡ ምኽንያቱ በቲ ኣብ ቅድሚ የዕንቶም ዝረአይን ዝፍጸምን ብዝነበረ ኵነት ንኽማረኹ ዝፈቐዱ ስለ ዝነበሩ። በቶም ሃይማኖታዊ ተመክሮ ንኽንገር ዝድርዅናን ነቲ ምስ ጐይታ ምርኻብና ፍርያም ብዝገብሩን ነገራት ናይ ምድናቕ ብቕዓት ይሃልወና፡ ንተቓራኒ ናይ ምድናቕ ብቕዓት እንተድኣ ዘይብልና ዘይግዱሳትን ሸለል በሃልትን ይገብረናን ኣብ መንጐ ናይ ሕነት ጉዕዞን ሕይወትን ምርሕሓቕ ይፈጥር፡ ኣሕዋተይ ኣሓተይን ንምድናቕ ገዛእ ርእሶም ዝፈቕዱን ንቝሓት ኣብ ምንቅስቓስን ንዅን!

ምእንቲ ውፉያትን ውፉያንን ንጸልይ

ኣብ ኢየሱስ ወትሩ ህያብ እግዚኣብሔር ንኣና ንኸነስተንት ድንግል ማርያም ትደግፈና፡ ህይወትና ኣብ ምግልጋል ነሕዋት ውዳሴ ንእግዚኣብሔር መታን ክኸውን ኣብ ናይ ህያብ ጐደና ብሓሴትን ብምድናቕን ንኽንጓዓዝ ብኣኡ ንኽንማረኽ ንፍቀድ፡ ምእንቲ’ዚ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ብምኽንያት ሎሚ ዝዝከር መዓልቲ ውፉይ ሕይወት ንዅሎም ውፉያትን ውፉያንን ነቶም ብትሕትናን ብዘይ ረኣዩለይን ስምዑለይን ንዘገልግሉ ነጣቕዓሎምን ስሌኦም ንጸልን … ከምዝበሉ ኣክይሊኖ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ክርስቲያን ኢየሱስ ዘበስር እምበር ዓድውዒል ኣይኰነን
03 February 2020, 17:55