ድለ

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኡክራይ ርእሰ ብሔር ዘለንስክይን ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኡክራይ ርእሰ ብሔር ዘለንስክይን  

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኡክራይ ርእሰ ብሔር ዘለንስክይን

እቶም ኣብዚ ግጭት እዚ ኢድ ዘለዎም ነቲ ብቐዳምነት ግዳይ ዝኸውን ሕዝቢ ዓቢይ ኣቃልቦ ክገብሩን ኣብ ዘተ ከተኵርን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ምይይጥ

ህልው ኩነታት ሰብኣውን ድላይ ሰላምን ከምኡ እውን ክሌኣዊ ምትሕብባርን ኣብ ዝምልከቱ ርእሰ ጉዳይ ዘተኰረ ርክብ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ኡክራይንን ምክያዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ናይ ኡክራይን ርእሰ ብሔር ቮሎድይምይር ዝለንስክይ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፡ ርእሰ ብሔር ሃገረ ኡካርይን ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ኣብቲ ኣብ መንጐ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊንን ናይ ኡክራይን ርእሰ ብሔር ዘለንስክይን ብዛዕባ ኣብ ኡክራይ ዘሎ ሰብኣዊ ኵነትን እቲ ካብ 2014 ዓ.ም. ኣትሒዙ ንኡክራይ ዘሳቕይ ዘሎ ግጭት ሰላማዊ መፍሒር ክረክብ እቶም ኣብዚ ግጭት እዚ ኢድ ዘለዎም ነቲ ብቐዳምነት ግዳይ ዝኸውን ሕዝቢ ዓቢይ ኣቃልቦ ክገብሩን ኣብ ዘተ ከተኵርን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ምይይጥ ምክንያዱ ኣፍሊጡ።

ኣብ ፍጻሜ እቲ ርክብ እውን፡ ብዛዕባ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበር ሃገረ ኡክራይንን ዘሎ ክሌኣዊ ስምምዓትን ምትሕብባርን እታ ኣብ ኡክራይን ዝተፈላለዩ ስርዓተ ኣምልዀ ኣትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ግደን ኣብ ኡክራይንን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ከምእተመያየጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኡክራይ ርእሰ ብሔር ዘለንስክይን
08 February 2020, 17:37