ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ ቤተ ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ ቤተ ጸሎት 

ር.ሊ.ጳ. ብጀካ እቲ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ዘካይድዎ መርሓ ፍጻሜታት ወግዓዊ ክርባቶም የሰጋግሩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን እቲ ካልእ ኵሉ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ከከናውንዎ ዝዀኑ ዝከረ ነገራቶም ኩሉ ከምዝፈጸሙ ዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ኣመሓዳሪ ማተዮ ብሩኒ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ መርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ብዘለዎም መርሕ ፍጻሜታት መሰረት እውን ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ዘካይድዎም ርክባት ከምዘሎ ኰይኑ ካልእ ኵሉ ዝክረ ነገር ወግዓዊ ርክባቶም ክሰጋገር ከምዝገበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ኣመሓዳሪ ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግልጺ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን እቲ ካልእ ኵሉ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ከከናውንዎ ዝዀኑ ዝከረ ነገራቶም ኩሉ ከምዝፈጸሙ ዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ኣመሓዳሪ ማተዮ ብሩኒ፡ ምስ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ሕይወት ስነ ምግባር ማሕበር ኣባላትን ቀጺሉ እውን ምስቲ ጠቕላሊ ዓውደ ኣኼባኡ ምስ ዘካይድ ናይ ጸባኦት ክርስቶስ ማሕበር ውፉያንን ማሕበር ዓለማውያን ምእመናን መንግስተ ኣምላኽን ኣባላት ከካይድዎ ዝነበሮም ወግዓዊ ርክብ ክሰጋገር ከምዝገበሩ ኣፍሊጦም፡ ቅድሚ ቅልተ መዓልቲ ኣቢሎም ባዕሎም ብሩኒ ኣብ ናይ ቅዱስ ኣቦና መርሓ ፍጻሜታት መጠነይና ምቅይያራት ከምዘሎ ኣፍሊጦም ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ።

ዕለት 28 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ምስቶም ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቕዋም ኣብ ዘካይዶ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ምሉእ ጉባኤ ምስ ዝሳተፉ ንኽራኸቡ ዝነበሮም መደብ ክሰጋገር ከምዝገበሩን እቲ ነቶም ተጋባእያን ከስምዕዎ ዝነበረ ቃል ምዕዳን ካብ ቅዱስነቶም ብጽሑፍ ዝተረከቡ ናይቲ ተቕዋም ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ፓሊያ ንተጋባእያን ብስም ቅዱስነቶም ኣስሚዖምን ቃል ሰላምታ ቅዱስነቶም እውን ከምዘመሓላለፉ ብሩኒ ሓቢሮም፡ ከምዝነበሩ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ናይ ሮማ ጳጳስ ብምኽንያት ምጅማር ዓቢይ ጾም ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ መንበረ ጳጳስ ዘሮማ ምስ ናይ ሰበኻኦም ካህናት ተራኺቦም ናይ ንስሓን ዕርቅን ሊጢርጊያ መሪሖምን ቃለ ምዕዳን ዝልግሱ ምዃኖም ዝፍለጥ ክኸውን እንከሎ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እውን በዚ መደብ’ዚ መሰረት ኣብቲ ናይ ለምዘበን ዕለት 27 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ባዚሊካ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ንስሓን ዕርቅን ሊጡርጊያ ፍልይ ብዝበለ ናይ መደብ ምቅይያራት ምኽንያት ክሳተፉ ከምዘይከኣሉን ነቲ ሰነ ስርዓት ናይ ንስሓን ዕርቅን ሊጡርጊያ ዝሰርዑን ቅዱስነቶም እቲ ክልግስዎ ዘሰናደውዎ ቃለ ሞዕዳን ብጽሑፍ ተረኪቦም ዘመሓላለፉን ናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ ምዃኖም እውን ብሩኒ ዕለት 27 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም ከምዝነበሩ ይዝከር።

ር.ሊ.ጳ. ብጀካ እቲ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ዘካይድዎ መርሓ ፍጻሜታት ወግዓዊ ክርባቶም የሰጋግሩ
29 February 2020, 18:02