ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥  ኣሕዋት ኣብ መንጐ ኣሕዋት ኰይንኩም ይሰመዓኵም ር.ሊ.ጳ.፥ ኣሕዋት ኣብ መንጐ ኣሕዋት ኰይንኩም ይሰመዓኵም 

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣሕዋት ኣብ መንጐ ኣሕዋት ኰይንኩም ይሰመዓኵም

በቲ ኣብ መንጐና ዘሎ ሕውነት ጐይታ ሕጉስ እዩ፡ ምብጻሕኩም ብሓገዝ እግዚኣብሔር፡ ቀጻሊ ክኸውንን ሓሴትን ውዳሴን ንጐይታ እዩ! ኣብዚ ምርኻብኵም ኣብ ማእከልና እቲ ኢየሱስ ብብርቱዕ ድላይ ዝተማሕጸኖ

ዕለት 21 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ምስራቓውያን ኦርቶዶክስ ኣቢያተ ክርስቲያን ካህናትን መነኮሳን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፡ “ኣብዚ ንኽትበጽሑ ምድላይኩም  ነቲ ኣባዅም ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ህያባቱ ንኸነአንግድ ዓቢይ ዕድል እዩ” ዝብል ሓሳብ ማእከል ዝገበረ መደረ ከምዘስምዑ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብናይ ጐይታ ፍቕሪ ተነቓቒሕካ ነቲ ኣብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ናይ ጸጋ ብርሃን ንምክፋል ርክብ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን፥ “ከም ማርያምን ኤሊዛቤጥን፡ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ውሽጠን ኣብ መንጐኤን ሓሴትን ንናይ ሓባር ረብሓን ንኽቋደሳ መታን ዝተፈላለዩ ጸጋታት መንፈስ ቅዱስ ዝተዓደላ እያተን” ዝበሉ ቅዱስነቶም፡ ናይተን ናይ መላእ ምብራቓውያን ኦርቶዶክስ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉጅለ ልኡካን ካህናትን መነኮሳንን ክቕበሉ፥

እቲ መንፈስ ቅዱስ ንዓና ከም ህያብ ኣብ ካልኦት ዝዘረኦ ጸጋ ንኸነእንግድ ንኽእል፡ ስለዚህ እዩ ድማ እቲ ናታትኩም ኣብዚ ምብጻሕ ብዛዕባ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለኩም ግንዛበ ንኸተበርኹ ጥራሕ ዘይኰነ ንኣና ካቶሊካውያን እውን እቲ ኣባኹም ዘሎ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ንኸነአንግድ ዝድግፍ ዕድል እዩ፡ ስለዚህ ኣብዚ ምርኻብኵም እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ዘሎ ጸጋ ንኽንቋደስን ምኽንያት ሓሴትን እዩ

ከምዝበሉ ዝሓበሩ ሎሞናኰ ኣስዒቦም፡

እግዚኣብሔር ናይ ሰናይነት ቀንደይና ተዋሳኢ እዩ

ቅዱስነቶም ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ተመስሪቶም፡ “ስለ እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተወሃበኵም ጸጋ ኣምላኽ ብዛዕባዅም ኵሉ ጊዜ ንኣምላኸይ አመስግን ኣሎዅ” እንክብሉ ጳውሎስ ንናይ ቆሮንጦስ ክርስቲያን ዘቕረቦ ሰላምታ ናቶም ገይሮም፡

ኣነ እውን ሎሚ ልክዕ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ስለ እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተወሃበኵም ጸጋ አመስግን፡ ኵሉ ካብዚ እዩ ዝብገስ፡ ካብቲ ነቲ ጸጋ ካብ ምልላይ፡ ካብቲ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ሓልዮት ተግባራቱን ካብቲ ንሱ ናይቲ ኣባና ዘሎ ሰናይ ቀንደይና ተዋሳኢ እዩ ካብ ዝብል እምነት እዩ ዝብገስ፡ እዚ እቲ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ ሕይወት ናይ ዘለዎ ምስትውዓል ጽባቔ እዩ፡ ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝምህረና፡ ንሓውኻ ንምቕባል ዘተኣማምን ኵነት እዩ።

ፍርያም ዘርኢ  

እተን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስትያን ዘቕርበኦ ስለ እቲ ብደም ዝተሓትመ እምነት ኣብ ክርስቶስ ምስክርነቶም ቅዱስነቶም ኣመስጊኖም፡ እዚ ምስክርነት እዚ ኣብቲ ብዙሕ እዋን ዓመጽን ውግእን ዝረአየሉ ከባቢ ናይ እምነትን ተስፋን ዘርኢ ኰይኑ ይቕጽል ከምዘሎን ገሊጾም ኣብ መወዳእታ ነቶም ካህናትን ገመነኰሳንን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ “ኣሕዋት ኣብ መንጐ ኣሕዋት እምብር  መጻእይተይና ኰይንኵም ኣይሰማዓኩም” ቢሎም፥

በቲ ኣብ መንጐና ዘሎ ሕውነት ጐይታ ሕጉስ እዩ፡ ምብጻሕኩም ብሓገዝ እግዚኣብሔር፡ ቀጻሊ ክኸውንን ሓሴትን ውዳሴን ንጐይታ እዩ! ኣብዚ ምርኻብኵም ኣብ ማእከልና እቲ ኢየሱስ ብብርቱዕ ድላይ ዝተማሕጸኖ ሓድነት ጭቡጥ ንዝገብር ህያው ሱታፌ ዘጠጥዕ ንእሽተይ ፍርያም ዘርኢ ይዅን

ምስ በሉ ብሓባር ነታ ኢየሱስ ዝመሃራ ጸሎት ንድገም ቢሎም ነፍሲ ወከፍ ተጋባእያን በቢ ቋንቋኡ ኣቦና ኣብ ሰማይ ትነብር ጸሎት ከምዘዕረገ ኣፍሊጦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቶም ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝተራኸቡ ንመላእ ኦርቶዶካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝውክሉ መንእሰያት ካህናትን መነኰሳንን ናይ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ኣርመንያ ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ኣንጽዮኪያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ኢትዮጵያ ተዋህዶ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርቲያንን ናይ ማላንካረሰ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ብጠቅላላ ካብ ምስርን ኣርመኒያን ሊባኖስን ሶሪያን ህንድን ኢትዮጵያን ዝተዋጽኡ ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሮማ ኣብ ዘዳለዎ ናይ መጽናዕቲ ዓውደ ጉባኤ ንኽሳተፉ ብዘቕረበሎም ዕድመን ብናይ ነፍሲ ወከፎም ፓትሪያካት ተሓርዮም ዝተላእኵ ከምዝዀኑ፡ ኣብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ሓዋርያዊ ኣባይቲ ምሕደራ - ኵሪያ ሮማና  ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብን ተቕዋማትን ምብጻሕ ከምዘካየዱን፡ ምስ ማሕበረሰብ ክርስቲያን እውን ከምእተራኸቡ፡ ቅዱስ ኣቦና ቅድሚ ዘስምዕዎ ቃል፡ ነቶም ኣብቲ ምብጻሕ ዝተረኽቡ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘላለዩን ብስም ኵሎም ናይ ሰላምታ ቃል ዘስምዑ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሓዋርያዊት ኣርመናዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡኽ ኣብ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ባርሳሚያን ከምዝዀኑ ሎሞናኰ ኣፍሊጦም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣሕዋት ኣብ መንጐ ኣሕዋት ኰይንኩም ይሰመዓኵም

Photogallery

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣሕዋት ኣብ መንጐ ኣሕዋት ኰይንኩም ይሰመዓኵም
21 February 2020, 17:49