ድለ

ሮማ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ከተማ ዝዀነትሉ ዝኽሪ መበል 150 ዓመት ሮማ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ከተማ ዝዀነትሉ ዝኽሪ መበል 150 ዓመት  

ር.ሊ.ጳ.፥ ሮማ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ሃብቲ ዓባይ ከተማ፡ ናይ ሕውነት ከተማ

ኵሉ ኣብ ውልቃዊ ዕዮታቱ ርእሱ ኣድኒኑ ካብ ምንባር ተላቒቑ ኣብ ናይ ጉዳይ ከተማ ናይ ሓባር ድላይ ክሓብር ኣለዎ፡ እዚ ኣብ ናይ ሮማ ከተማ ተክለ ሰብነት ዝተነብረ ምዃናዊ እዩ፡ ስለዚህ እዚ ናይ ከተማ ሮማ ሓባራውነት ንመጻኢ ወለዶ ምስግጋር ዘለዎ ኣገዳስነት ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ኣዘኻኺሮም

ሮማ ርእሰ ከተማ ሃገረ ኢጣልያ ተባሂላ ዝተሰመየትሉ ዝኽሪ መበል 150 ዓመት ንምብዓል ዕለት 3 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ውሁድ ጥዑም ቅንይት ሙዚቃ ቤት ትያትር ናብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ እዛ ዘለዓለማዊት ከተማ በራታ ንዅሉ ዓሌት ሰብ ርህውን ሓቛፊት ኵሉን ዝብል መለለይኣ ክትሕድስን ነቲ ዝተፈላለየ ዓይነት ድኽነትን ሓሳርን ዝረአየሉ ደጋዊ ክፍሊ ከተማን ህልውናን ቀረባ ናይ ምዃን ሓላፍነት ዘለዋ ምዃና ዝገልጽ ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሮማ ናይ ሕውነት ከተማ ምስ እትኸውን ጥራሕ እዩ ኵለንተናዊ ጸዋዕታኣ እትነብርን ኣብ ዓለም ሓድነትን ሰላምን ከተነቓቕሕ እትኽእል፡ ዝብል ሓሳብ ዝተነሮ ናይ ቅዱነቶም መልእኽቲ፡ ነቲ ዓውደ ጉባኤ ዘንበቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምዝዀኑን፡ ኣብቲ ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ኣሳቲፉ ሮማ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ከተማ ዝዀነትሉ ዝኽሪ መበል 150 ዓመት ንምብዓል ዝካየዱ ዝተፈላለዩ ዓውደ በዓላት ንምብጋስ ዝተኻየደ ዓውድ ጉባኤ፡ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም፡ ሮማ ኣብቶም ዝሓለፉ 150 ዓመታት ውሽጢ ካብ ናይ ባህረ ሓደ ናብ ህብረ ባህልን ህብረ ዓሌትን ህብረ ሃይማኖትን ማሕበረሰብ ዝተቐይረት ከተማ ምዃኑ ዘኪሮም፡ ከተማ ሮማ ብሰለስተ ናይ ታሪኽ ፍጻሜታት ብምምልካት፡ ብቐዳምነት ሮማ ብስርዓት ናዚ ዝተወረትሉ እዋን ዕለት 16 ጥቅምቲ 1943 ዓ.ም. ዘኪሮም፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣይህድ ዝተፈጸመ ኣሳዶን፡ ቤተ ክርስቲያን ነቶም ዝሳደዱ ንዝነበሩ መዕቆቢት ብምዃን ዝፈጸመቶ ቅርበት ንዝሳደዱን ነዚ መሰረት ዝገበረ ኣብ ናይ ሮማ ካቶሊክን ኣይሁድን ማሕበረሰብ ዝጸንዔ ሕውነትን ጠቒሶም፡ ብትሕትና፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንናይ ከተማ ሮማ ሰብኣውነት ሃብቲ እያ፡ ስለዚህ ካቶሊካውያን ነዚ መንፈስ ብዓቢይ ተምሳጥን ሓላፍነትን ክነብርዎ ይላበዉ ዝበላ ዶኒኒ ኣስዒበን፡

ዓመታት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን

እቲ ካልኣይ ታሪኻዊ ፍጻሜ ካብ 1962 ክሳብ 1965 ዓ.ም. ዝተኻየደ ዓመታት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቢሎም ኣብ መልእኽቶ ዝሓበሩ ቅዱነቶም፡ ከተማ ሮማ ኣብቲ እዋን ኣበው ሲኖዶስ ዘአንገደት፡ ኣብቲ ታሪኻዊ ጉባኤ ንኽሳተፉ ዝተዓደሙ ናይ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ልኡካንን እውን ዘአንገደት፡ ኵላውነታዊ ጸዋዕታኣ ዘመስከረ ፍጻሜ ቢሎም፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ንናይ ሓባር ዘተን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንናይ ሓባር ርክብን እትዕድም ኵላዊት ከተማ፡ ጀርመናዊ ምሁር ተኦዶሮ ሞምሰን፥ ብዘይ ቆስሞጶሊጣዊ ዕላማ ኣብ ሮማ ንምቕማጥ ዝከኣል ኣይኰነን  ከምዝበሎ እዩ።

ንደጋዊ ክፍለ ከተማታትን ህልውናን ጽን እትብል ከተማ

ቅዱስነቶም ከም ሳልሳይ ፍጻሜ፡ ብፁዕ ካርዲናል ኡጎ ፖለቲ ኣብ 1974 ዓ.ም. ናይ ሮማ ክፋእ ጐድንታት ብዝብል ኣርእስቲ ንኽዳለውን ክካየድን ዝገበርዎ ዓውጸ ጉባኤ ጠቒሶም፡ ናይ ሮማ ኵላውነት ጸዋዕታ፥ ኣብቲ ንዅሉ ሓቛፊት ዝብል መለለይኣ እዩ፡ ብፍላይ ንደጋዊ ክፍለ ከተማ ሮማን ህልውናን፡ ሮማ ቤት ኵሉ ንኽትከውን ዝተጸውዔት እያ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት ኣብ ብሕትውንናን ተነጽሎን ድኽነትን ንበይኖም ተሓዲጐም ንዘለዉ ዘኪሮም፡ ሮማ ሮማውነታ ነዚ ኣብ ምብዳህ ዝግለጽ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ይሕብራ።

ሮማ ካብ ጸላልሞ ተላቒቓ ኣብ ጐደና ሕጻሴ ንኸተብል

ነዛ ከተማና ልክዕ ንውድቀት ከምዘበለት ብጽልሙት ኣጠማምታ ዘይኵነ፡ ዓባይን ንመላእ ዘርኢ ሰብ ዓባይ ሃብትን፡ ናይ ጽባቔን መግለጺትን፡ ከተማ ኵሉን ናይ ኵሉን ፍልይቲ ከተማ ምዃና ብምስትውዓል ሓቛፊት ኵሉ ምዃና ዝገልጻ መንነታ ንኽትነብር ኣብ ዘኽእላ ዕድላት ክትሕደስ ኣለዋ፡ እቲ ኣብ 2025 ዓ.ም. ዝበዓል ኢዮበል ከተማ ሮማ ርሑቕ ኣይኰነን ከምዝበሉ ዶኒኒ ሓቢረን።

ኣድላይነት ሓባራዊ ራእይ

ኵሉ ኣብ ውልቃዊ ዕዮታቱ ርእሱ ኣድኒኑ ካብ ምንባር ተላቒቑ ኣብ ናይ ጉዳይ ከተማ ናይ ሓባር ድላይ ክሓብር ኣለዎ፡ እዚ ኣብ ናይ ሮማ ከተማ ተክለ ሰብነት ዝተነብረ ምዃናዊ እዩ፡ ስለዚህ እዚ ናይ ከተማ ሮማ ሓባራውነት ንመጻኢ ወለዶ ምስግጋር ዘለዎ ኣገዳስነት ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ኣዘኻኺሮም፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፡ ነዛ ዘፍቅርዋ ከተማ፡ ናይ ሰላምን ሕውነትን ከተማ፡ ሮማ ቢልካ ምስ እትጽውዓ ንሳ ፍቕሪ ቢላ ትምልሰልካ፡ (Roma – Amor) ዝብል ሓደ ተወላዲ ፖላንድ ገጣሚ ብዛዕባ ሮማ ብዝበሎ ሓሳብ ይገልጽዋ፡ ጳውሎስ ሻድሻይ እውን ሮማ ማእከል ካቶሊካውነት እንብሉ ይገልጽዋ ከምዝነበሩ ኣብ መልእኽቶም ገሊጾም፡ እዚ ዅሉ ናይዛ ከተማ መግለጺ እዩ ከምዝበሉ ዶኒኒ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ሮማ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ሃብቲ ዓባይ ከተማ፡ ናይ ሕውነት ከተማ

 

04 February 2020, 17:30