ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ መጻኢ ሓዋርያዊ ልኡካን ቅድስቲ መንበር ንሓደ ዓመት ኣብ ኣገልግሎት ተልእዀ ወንጌልን ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ መጻኢ ሓዋርያዊ ልኡካን ቅድስቲ መንበር ንሓደ ዓመት ኣብ ኣገልግሎት ተልእዀ ወንጌልን 

ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ መጻኢ ሓዋርያዊ ልኡካን ቅድስቲ መንበር ንሓደ ዓመት ኣብ ኣገልግሎት ተልእዀ ወንጌልን

መደረ፡ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽነት ንኸገልግሉ ዝምደቡ ቅድሚ ነዚ ተልእዀ’ዚ ምምዳቦም ንሓደ ዓመት ኣብ ተልእዀ ወንጌል ንኸገልግሉ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ቤተ ክርስቲያናዊ መክብብ ተቕዋም (ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንኽዀኑ ዝሕረዩ ዝሕነጽሉ ተቕዋም) ኣቦ መንበር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ንናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ንኽዀኑ ዝሕነጹ ቅድሚ ኣብ ናይ ሓርያዊ ልኡካን ኣባይቲ ጽሕፈት ዝምደቡን ሓርዋርያዊ ልኡካን ኰይኖም ዝስመዩ ንሓደ ዓመት ኣብ ዝተፈላለየ ሰበኻታት ተመዲቦም ኣብ ተልእዀ ወንጌል ከገልግሉ ዝብል ናይ ውሳኔ ሰነድ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ ሲኖዶስ ኣብ መዕጸዊ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽነት ንኸገልግሉ ዝምደቡ ቅድሚ ነዚ ተልእዀ’ዚ ምምዳቦም ንሓደ ዓመት ኣብ ተልእዀ ወንጌል ንኸገልግሉ ዝብል ዘስመሩሉ ሓሳብ ዕለት 11 ለካቲት 2020 ዓ.ም.  ናብ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ቤተ ክርስቲያን መክበብ ተቕዋም - ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን (ናይ ቅድስቲ መንበር ኣምባሳድራት) ዝሕነጽሉ ተቕዋም ኣቦ መንበር ብዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ኣብ ግብሪ ክውዕ ከምዝወሰኑን፡ እቶም ንናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ንኽዀኑ ዝሕነጹ ካህናት ኰኑ ካልኦት ካህናት ካብ ሰበኻታቶም ወጻኢ ንሓደ ዓመት ኣብ ተልእዀ ወንጌል ከገልግሉን ናብ ዝተፈለለየ ከባቢ ዓለም ክልኣዅ፡ “ኣብዚ ተልእዀ’ዚ ዘኻዕብትዎ ተመክሮ ማዕዶታቶም ከምዘስፍሕ ርግጸይና እየ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ቫቲካን ዜና ኣስዒቡ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ተልእዀ ወንጌልን ንተልእዀ ወንጌልን ስለ ዝዀነት፡  ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ስነ ሜላ ርክባት ጉዳይ ተመዲብካ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ናይ ከካቢ ቤተ ክርስቲያን ምግልጋልን ናይ ስነ ሜላ ስነ ምርምር ፍልጠት ንበይኑ እዅሉ ኣይኰነ ከምዝበሉ እፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ኣብ 2015 ዓ.ም. ንናይቲ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ርክብ ሜላ ተቕዋም ተመሃሮን መምሃራንን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ “እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ንኽትለኣዅ ዝገብረኵም እትቕበለዎ ሓላፍነት ነቲ ኣብ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ሰሜን ኣመሪካን ላቲን ኣመሪካን እስያን ኦቻይናን ብዝተፈላለየ መዳይ ዝግለጽ ጽምኣት ዕርቅን ድላይ ምትንሳእን፡ ውሳጣውነትን ናይ ባህልታት ብዶሆታትን ንዝኣመሰሉ ብድሆታት ብቑዕ መልሲ ንምሃብ ስንድዋት ምዃን የድሊ፡ እዚ ንምፍጻም ክህነታውን ሓዋርያዊ ኖልዎን ሕንጸትን ከምኡ እቲ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ርክብ ሜላ ተቕዋም ብፍሉይ ዘቕርቦ ሕንጸት ኣገዳሲ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር እቶም ኣብዚ ተቕዋም’ዚ ዝሕነጹ ቅድሚ ሓዋርያዊ ልኡካን (ኣምባሳድራት) ኰይኖም ዝለኣዅ ካብተን ዝመጹለን ሰበኻታት ወጻኢ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ ከስተማቕሩ መታን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ኣብ ልኡካነ ወንጌላውነት ንሓደ ዓመት ተላኢዀም ከገልግሉ መሰረታዊ  እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ነቲ ዘቕረብክዎ ምዕዳን ናይቲ ተቕዋም ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ማሪኖ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ናይ 2020 -2021 ናይ ተምህርቲ ዘመን ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ሓደራ ከምዝበሉ የመላኽት። ኣብዚ ናይ ቅዱስነቶም ድላይ ኵለን ሰበኻታት ክተሓባበራን ክሳተፋን ጽዉዓት ከምዝዀናን፡  እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ መጻኢ ሓዋርያው ልኡኽ ኣብ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ ስንድው ክኸውንን” ኣብዚ መደብ እዚ እውን ናይ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ክተሓባበራን ኣብ ካልኦት ናይ ከባቢ ኣቢያተ ክርስቲያን ጸዋዕታ ልኡካነ ወንጌል ዘነቓቕሕን ከምዝኸውን ተሰፈይና ምዃኖም ገሊጾም ነቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽት ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።  

ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ መጻኢ ሓዋርያዊ ልኡካን ቅድስቲ መንበር ንሓደ ዓመት ኣብ ኣገልግሎት ተልእዀ ወንጌልን
17 February 2020, 17:52