ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ህልውን ጽባሕን ቤተ ክርስቲያን እያቶም ር.ሊ.ጳ.፥ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ህልውን ጽባሕን ቤተ ክርስቲያን እያቶም 

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ህልውን ጽባሕን ቤተ ክርስቲያን እያቶም

ነዊሕ ዕድመ ከጽግቦ እየ (ኣብ ዕርጋኖም ፍረ ክህቡ እዮም (መዝ. 91. 15 ረኣ)፡ እቲ መደብ ምድሓን እግዚኣብሔር ኣብቲ ድኹም ሰብኣዊ ኣካልን ኣብ ሰብኣዊ ኣካል ኣብ ዘሎ ድኽነትን መኻንነትን ልሙስነትን እውን ዝግለጽ እዩ፡ ካብቲ ናይ ሳራ መኻን ማሕጸንን ካብቲ ኣማኢት ዕድመ ዘቑጽር ኣብርሃምን እቲ ምሩጽ ሕዝቢ ተወልደ (ሮሜ 4. 18-20 ረአ)፡ ካብ ኤልሳቤጥን ኣረጋዊ ዘካርያስን፡ ዮሓንስ መጥምቕ ተወልደ

ቤተ ክርስቲያን ከም ስድራ ቤት ንዅሉ ክፍሊ ሕብረተሰብ በቢ ናይ ዕድመ ጽፍሕታቱ እትሓቍፍን እትኣልይን ብምዃና ንነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝምልከት ናይ ገዛእ ርእሱ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምብቕራብ ተሰንዮ። ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘዳለዎ ካብ ዕለት 29 ጥሪ ክሳብ ዕለት 31 ጥሪ 2020 ዓ.ም.፥ ናይ ዕድመ ሃብቲ ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ናይ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ዝመኸረ ቀዳማይ ዓውደ ጉባኤ ተጋባኣያን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ልኡኽ ጋዜጠይና ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሕይወት ጸጋ እዩ፡ ነዊሕ ዕድመ ትዕድልቲ እዩ፡ ናይ ዕድመ ጸጋ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ዓቢይ ውህበትን ውበትን እዩ፡ እዚ ውህበትን ውበትን ኣብ ጉዕዞ ህይወት ቅርጺ እናሓዘ ዝኸይድ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ሓሳብ ከምዘስመሩሉን፡

ነዊሕ ዕድመ ቡራኬ እዩ

ኣብዚ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን፡ እርጋን ናይ ዘርኢ ሰብ ፍሉይ መለለዪ ባህርይ ኰይን ኣሎ፡ ኣብ ቁስናታትን ሰበኻታትን ኣብ ሕብረተሰብን ሓድሽ መልስን ምልዋጥን ዝሓትት ጉሉሕ ህላዌ ከይኑ ይርከብ እዚ ኵነት’ዚ ነቲ ልሙድ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዓቢይ ሕቶ እዩ ቢሎም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሞርኵይዞም ነዊሕ ዕድመ ቡራኬ ምዃኑ ንኸረድኡ፥

ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ነዊሕ ዕድመ ቡራኬ እዩ፡ ምስ ተኣፋፍነትናን ምስቲ ሕድ ሕዳዊ ተማራዃስነትናን ምስቲ ዘሎና ስድራ ቤታውን ማሕበረሰብኣዊ ምትእስሳርን ብፍላይ ምስቲ ደቂ እግዚኣብሔር (ውላድ መለኰት) ምዃንናን ዝተኣሳሰረ ከምዝዀነን፡ እግዚኣብሔር ንኣኡ እንፈልጠሉ ግዜ ይህበና፡ ምስኡ ጥልቂ ርክብ ንኽህልወናን፡ … ክሳብ ኣብ መጠረሽታ ብውሉድነታዊ እምንቶ እስትንፋስና ኣብ ኢዱ እነብረሉ ግዜ፡ ዕድመ፥ እግዚኣብሔር ዝህቦ ጊዜ እዩ።

እዚ ግዜ እዚ ብፍርያምነት እናተሓደሰ ይኸይድ፥

ነዊሕ ዕድመ ከጽግቦ እየ (ኣብ ዕርጋኖም ፍረ ክህቡ እዮም (መዝ. 91. 15 ረኣ)፡ እቲ መደብ ምድሓን እግዚኣብሔር ኣብቲ ድኹም ሰብኣዊ ኣካልን ኣብ ሰብኣዊ ኣካል ኣብ ዘሎ ድኽነትን መኻንነትን ልሙስነትን እውን ዝግለጽ እዩ፡ ካብቲ ናይ ሳራ መኻን ማሕጸንን ካብቲ ኣማኢት ዕድመ ዘቑጽር ኣብርሃምን እቲ ምሩጽ ሕዝቢ ተወልደ (ሮሜ 4. 18-20 ረአ)፡ ካብ ኤልሳቤጥን ኣረጋዊ ዘካርያስን፡ ዮሓንስ መጥምቕ ተወልደ፡ እቲ ኣረጋዊ ድዅም ኣብ ዝዀነሉ፡ መጋበርያ ድሕነት ክኸውን ዝከኣል እዩ።

ኣረጋውያን ንናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ሓለፋውያን መሰካኽር እያቶም

ብዛዕባ ኣረጋውያን ክሕሰብ እንከሎ፡ ኣብ ግዜ ናይ ኣገላልጻ ግሲ ኣጠቓቕማና ክንልውጥ ግዲ ይብለና፡ ስለምንታይ ኣብ ኣረጋውያን ሕሉፍ ጥራሕ ዘይኰነ መጻእነት እውን ስለ ዘሎ እዩ፡ እርጋን ስሑይ ዝዀነ ዝሓለፈ ናይ ዓመታት ሕይወት ዝንበቦ ኩነት ሕይወት ኣይኰነን፡ ናይ ቅድስናን ኣገልግሎት ጸሎትን ግዜ እዩ፡ ስለዚህ ኣረጋውያን ህልውን መጻእን እያቶም፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ህልውን መጻእን፡ ብሓባር ምስ መእሰያት ዝንበዩን ዝሓልሙን እያቶም፡ በዚ ምኽንያት’ዚ እዩ ድማ ኣብ መንጐ ኣረጋውን መንእሰይን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘተ ክህሉ ዘለዎ።

ምእንቲ’ዚ ንኣቦ ሓጐታትን ኣደ ሓጐታትን ወንጌል ኣብ ምብሳር ከይትስልክዩ ሓደራ፡ ኣብ ኣእዳውኵም ወንጌል ሒዝኩምን ብፍሹኽ ወጅህኹም ናብ ኣረጋውያን ኪዱን ምስ ኣረጋውያን ተራኸቡን፡ ካብ ቁምስናታትኵም ወጹ፡ ነቶም ኣብ ፍቐዶ ኣባይቶም ኣብ ጽሞና ተዓጽዮም ኣብ በይናውነት ናብ ዘለዉ ኣረጋውያን ኪዱ፡ እርጋን ሕማም ኣይኰነን ሓለፋነት እዩ፡ በይናውነትን ብሕትውናን ሕማም ክኸውን ይኽእል፡ ብፍቕርን ብቕርበትን ብምንጽጻርን መንፈሳውነት ክንፍውሶ ዝከኣል እዩ።

ምስ በሉ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን፥ እግዚኣብሔር ኣብ መላእ ዓለምን ፈቖዶ ሃገራትን ብዕድመ ዝደፍአ ብዙሕ ሕዝቢ ኣለዎ፥

ሎሚ ኣብቲ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ግብረ ገብን ሃይማኖትን ዝንጽል ባህሊ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ ዓለም፡ እቲ ኣብዚ ባህሊ እዚ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ ዓለም ወላዲ ንምዃን ዝበቕዐ ወለዶ፡ ክርስትያናውን ናይ እምነትን መዕበያ ዘይረኸበን ዘይብሉን ብምኻኑ እምነት ንደቃቱ ከመሓላልፍ ዘይከኣሎ እዩ፡ ኣቦ ሓጐታትን ኣደ ሓጐታትን ግና ኣብዚ ኢግብረ ገባውን ኢሃይማኖታውን ባህሊ ዝተወልዱ ብዘይ ምዃኖም ንደቂ ደቃቶም እምነት ከመሓላልፉ ዝክእል እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ምዕዶት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎታትና ብዘይ ኣገባብ ኤጲስ ቆጶሳውነት ልክዕ ከም ሓደ ናይ ሕብረተሰብን ህያው ኣካል ንጸንብሮምን ግምት ንሃቦምን፡ ሓገዝን ደገፍን ዘድልዮም ጥራሕ ተይገሮም ክሕሰቡ ዘይኰነ ናይ ሰባኺ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ቀንደይና ተዋሰእትን ናይ እግዚኣብሔር እሙን ፍቕሪ ሓለፋውያን መሰኻኽር ክዀኑ ዝከኣል እዩ፡

እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፥ ናይ ዕድመ ሃብቲ ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ዕለት 29 ጥሪ ክሳብ ዕለት 31 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣብ ናይ ስነ ኣበው ቤተ ክርስትያን ታሪኽን ናይ ስነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ቲዮሎጊያን ኣጐስቲኒያኑም ተቕዋም ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ንኽካየድ ኣብ ዘሰናደዎ ቀዳማይ ዓውደ ጉባኤ ሓዋርያዊ ግብረ ኖሎዎ ንኣረጋውያን ካብ 60 ሃገራት ዝተዋጽኡ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መዳይ ተዋፊሮም ዘገልግሉ ካህናትን ዓለማውያን ምእመናንን ገዳማውያንን ደናግልን ብጠቕላላ ኣስታት 550 ልኡካን ከምእተሳተፉ ሎሞናኰ የዘኻኽሩ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ህልውን ጽባሕን ቤተ ክርስቲያን እያቶም

Photogallery

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ህልውን ጽባሕን ቤተ ክርስቲያን እያቶም
01 February 2020, 18:03