ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ሰላምን ሕውነትን ኣብ ዞባ መዲትራኒያን

ናይ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት መባጼሕ ሰላም እዩ፡ በንጻሩ ብጀካ ሰላም ካልኣ ኣማራጺ የሎን፡ ብጀካ ሰላም ካልእ ትርጉም ዘለዎ ኣማራጺ የሎን፡ … ውግእ ዓቢይ ሓጢኣት እዩ

ውግእ ክንለማመዶ ዘይግብኣና ጽላለ እዩ፡ ፈላላይ መናድቕ ኣይነቕውም፡ ኣብ ማያት ባሕሪ ሰኣን ሓገዝ ምቕራብ ዘጓንፍ ሞት ከም ቅቡል ኣይንሕሰቦ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ነቲ ካብ ዕለት 19 ለካቲት ተበጊሱ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ባሪ ዝተካየደ ናይ መላእ ሃገራት ዞባ መዲትራኒያን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ዓውደ ርክብ መዕጸዊ ተረኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃአ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብቲ ብምግምማዕ ዝደምይ ዘሎን ኢማዕርነት ኣብ ዘረኣየሉ ዘሎ ከባቢ መዲትራኒያን፡ ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ሰላም መጋበርያ ክኸውን ዝተጸውዔ እዩ፡ መዲትራኒያን ናይ ሰላምን ዘተን ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራን እንገዳን ዝነበረሉ ስፍራ እምበር ናይቲ ፈላላይ መናድቕ ንኸተቕውም ዝድርኽ ናይ ዘይተገዳስነትን ፍርሕን ስፍራ ኣይኰነን”፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ኒኮላ ንናይ መዲትራኒያን ከባቢ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ባሪ ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 23 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ዘካየድዎ ዓውደ ኣኼባ መዕጸዊ ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ከምዝዀነ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠያን ዜና ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ኣስዒበን፥ ቅዱስነቶም ናይ ሰላምን ናይ ምዕባለን ጐደና ክሕብሩ እንከለዉ፡ እቲ ቡሶላ ክኸውን ዘለዎ ናይ ሓባር ረብሓ ዝብል ረቛሒ እዩ፡ ናይ ሓባር ረብሓ ዝብል ቃል ካልኣይ መጸውዕ ስሙ ሰላም ዝብል እዩ፡ ናይ ጳውሎስ  ሻድሻይ ብስራተ ወንጌል ዘርእቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ጠቒሶም፡ ሰላም ካብ ብስራተ ወንጌል ዘይንጸል ከምዝዀነ ኣብሪሆም፡ እቲ ናይ እምነትን ስነ ጥበባዊ ጽባቔን ዘጣምር ናይ ሓባር ውርሻ ክዕቀብ ከምዘለዎ ይላበዉ።

ዓቢይ ቀላይ ጥብርያዶስ

ቅዱስነቶም ነቲ ህልው ኩነታት ከባቢ መዲትራኒያን ድሕረ ባይታ ገይሮም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ውግእን ዘይምርግጋእን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኰነ ኣብ ከባቢ ሰሜን ኣፍሪቃን ዝረአይ ዘሎ ሃይማኖትን ዓሌትን መሰረት ዝገበረ ውጥረትን ኵሉ ዘርዚሮም፡ እቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዘሎ ገና መፍትሒ ዘይረኸበ ጸገምን፡ ነዚ ውጥረት ንምፍታሕ ዝቐርብ ዘይምዕሩይ ሓሳብ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ውጥረት የብእሶን ከምዘሎን ኣብሪሆም፡ ከምቲ ዮሓንስ መበል 23 ዝበልዎ፡ ውግእ ጸረ ኣምክንዮ እዩ፡ ጽላለ እዩ፡ ኣባይትን ኣባይቲ ሕክምናን ኣባይቲ ዕዮን ምዕናውን ሰባት ምቕታልን ጽላለ እዩ፥

ነዚ ጽላለ’ዚ ክንብርከኽ የብልናን፡ ፍልልያትን ተጻራሪ ረብሓታትን ንምቑጽጻርን ውግእ ክተርፍ ዘይግብኦ ምርጫ እዩ  ምባል እወታውን ቅቡሉን የምስሎ ይኸውን፡  ይዅን ደኣ እምበር ናይ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት መባጼሕ ሰላም እዩ፡ በንጻሩ ብጀካ ሰላም ካልኣ ኣማራጺ የሎን፡ ብጀካ ሰላም ካልእ ትርጉም ዘለዎ ኣማራጺ የሎን፡ … ውግእ ዓቢይ ሓጢኣት እዩ፡ ናይ ሰብ ኰነ መለኵታዊ መደብ ዝጻረር እዩ፡

ናይ ስልጣነ ምስሕሓባት ዝብል ኣዘራርባ ዓመጽ እዩ ዘጓሃህር

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብ ከባቢ መዲትራኒያን ዝርአይ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት እናሓሰቡ፡ ብውግእን ድኽነትን ምቅይያር ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ኣየርን ምኽንያት ብዙሓት ንስደትን ምዝብልናን ይዳርግ ከምዘሎን፡ እዚ እቶም ስደተይናታት ንዝኣትውለን ከም መተሓላለፊ ንዝጥቀሙለን ሃገራት ጥራሕ ዘይኰነ ንመላእ መግንስታት ዓለምን ኣቢያተ ክርስቲያንን ዓቢይ ሕቶ ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብኣውን ማሕብራውን ትርኢት፡ ዘይተገዳስነትን ሸለል ምባልን ምንጻግን ከምዘየድሊ ከተሓሳስቡ እንከለዉ፡

እቶም ብውግእን ዓመጽን ድኽነትን ምቅይያር ናይ ከባቢ ኣየርን ምኽንያት ዝስደዱ ከም ወረርቲ ገርካ ብምስኣል ካብ ወረራ ንምክልኻል ዶባት ምዕጻው ከም መፍትሒ ዝብል ኣበሃህላ’ዚ ዓመጽን ውጥረትን ዘጓሃህር እምበር መፍትሒ ኣይኰነን፡ ስደተይና ከም ወራሪ ምሕሳብ ናይ ፖለቲካ ድኽመትን ምግምማዕን ኣኽራርነትን ኣሸባርነትን ይወልድ …

ናይ ሃይማኖትን ናይ ስደተይናታትን ናጽነት ምክልኻል

ቅዱስነቶም ናይ ማሕበረ ክርስቲያን ኣሳዶን መከራን እናሓሰቡ፡ መንግስታት ናይ ውሁዳንን ናይ ሃይማኖትን ናጽነት ክከላኸሉ ምሕታት ከምዘድልን፡ ብፍላይ ነቶም ብሃይማት ምኽንያት ዝሳደዱን ንኸቢድ ሓደጋ ዝቃልዑን ልቢ ዘድምይ  ዘጓንፍ ፍጻሚታት ኵሉ ሸለል ክበሃል ዘይብሉ ተግባር ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ተስፋ ሰኒቖም ብባሕሪ ዝጓዓዙ ብስእነት ሓገዝ ምኽንያት ንሞት ምሕዳጐምን ነቶም ሓድሽ ጊልያነት ንዘቃልዑዎም ንናይ ገበን ጉጅለታት ኣሕሊፍካ ምሃብ ብጭራሽ ኣይፋል ንበል፡

እንገዳን ሰብኣዊ ክብሪ ሚዛን ዘለዎ ኵለንተናዊ ውህደት ክህልው ዝግበር ጻዕሪ ቀሊል ኣይኰነን፡ ፈላላይ መናድቕ ብምቛም ዝረጋግጽ እውን ኣይኰነን፡ ገለ ገለ እዋን ናይ ሓድሽ ህዝብነት ሰባክያን መራሕቲ ዘስምዕዎ መደረ ክሰምዕ እንከለዅ ኣብ ሳላሳታት ፍርሕን እናበለ ጽልንእ ዘጓሃህሩ ዝነበሩ መደረታት የዘኻኽረኒ፡ …. ስለዚህ ሰብኣዊ ክብሪ ሚዛን ዝገበረ ኵለንተናዊ ውህደት ክህሉ ዝድግፍ መደብ እንገዳ ወሳኒ እዩ፡ ፈላላይ መናድቕ ብምቛም ዝኽወን ኣይኰነን፡

ካብ ናይ መቓብር ስፍራ ናብ ናይ ትንሳኤ

ኣብቲ ፍቕሩ ዝዀነ ዞባ መዲትራኒያ ጐይታ፥

ዝነበሩ ደሓር ዝተዀልፉ ርክባት ዳግም ምትብባዕን ብዓመጽን ውግእን ዝዓነዋ ከተማታት ክትንስኣን ኣብቲ ዝነቐጸ መሬት ተስፋ ምስፋሕን፡ እቲ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝዕጸው፡ ናብ ሓው ክብል ምንቕቓሕን፡ እቲ ሎሚ ናይ መቓብር ስፍራ ኰይን ዘሎ ከባቢ መዲትራኒያን ናይ ትንሳኤ ስፍራ ክኸውን እላበው!

ኣብ መንጐ ዝተፈላለየ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ርክብ

ናይ ዘተ ቲዮሎጊያ ኣማእኪሎም፡ እቲ ኣብ ካልእ ኣብቲ ካባኻ ዝተፈልየ ዝዓዪ መንፍስ ቅዱስ ጽን ምባል፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝዓዪ መንፈስ ቅዱስ ጽን ክበሃል፥

እግዚኣብሔር ንከላኸል ኣለና እናተባህለ ኣብ ታሪኽ ዝተፈጥሩ ምስሕሓባትን ውግኣትን ነቲ ካባኻ ዝተፈለይ ናይ ምጥፋእ ድላይ፡ ኣኽራርነትን ጸንፈይናነትን ብስሩ ሰብኣዊ ክብርን ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ዝጻረርን ናይ ግብረ ገብ ምንቁልቋልን እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ቅኑዕን ምክብባር ዝዓሰሎን ሰላም ንኸነማዕድው ናይ ሓባር ዘተን ርክብን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡

ዝበሉ ቁስነቶም እቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣቡ ዳቢ ምስ ናይ ምስሪ ናይ ኣልኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣልጣይብ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ከቲሞም ብሓባር ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰነድ ጠቒሶም፡ “ኵለን ሃይማኖታት ሰላም ኣብ ምሕናጽን እንገዳን ክውን ንምግባር እጄታኤን ዓጺፈን ክዓያ ምስ ዝጅምራ ብሃይማኖትን እምነትን ምኽንያት ኣይከዋግኣን እያተን” ከምዝበሉ ዝሓበራ ዶኒኒ ኣስዒበን፥

ኣብ ወንጌላዊ ስነ መጐት ፥ ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ዝበሃሉ የለዉን

ቅዱስነቶም ኣብ ዓለም ሰላምን ፍትሕን ንምሕናጽ” ዝሰፍሕ ዘሎ ዘይምዕሩይ መነባብሮን፡ ፍልልያትን ምውጋድ ግድን እዩ፡ ኣብ ከባቢ መዲትራኒያን ሃገራት እውን ገሊኣቶም ሃብቲ ከኻዕብቱ ገሊኣቶም ዕለታዊ እንጌራ ንኽረኽቡ ክቃለሱን ላዕልን ታሕትን ክብሉ ትርእይ፡ ጽጋብን ስእንነትን፡

ሓደ ሕብረተሰብ ብዝተራቀ እደ ጥበብ ዝማዕበለ ግና ነቲ ኣብ ድኽነትን መከራን ዝርከብ ዘይሓስብ እንተድኣ ኰይኑ፡ እቲ ዝዓተሮ ናይ ዕደ ጥበብ ተበጽሖታት እንታይ እዩ ጥቕሙ? ንሕና ብብስራተ ወንጌል ኣቢልና ዝንጸሉን ዝሕረጉን ክህልዉ ከምዘይግባእ ነዘኻኽር፡ ከም ቤተ ክርስቲያንን ኣቢያተ ክርስቲያንን ብናይ ሓባር ህርኵት ጻዕሪ ንድኻታትን ትሑታንን ሓላፋ ንበል፡

ቢሎም፡ እምነት ኣብ ምትሕልላፍ ናይቲ ንፈለማ ጊዜ መዲትራኒያን ናይ ዘቋረጸ ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብነት ምስዓብ ከምዘድልን፡ ኣብቲ ነቢይ ኢሳያስ ኣብ ቅድሚ ድሕሪ ስደት ኢየሩሳሌም ዝተሰመዓ ግሉልነትን ኣብ ዘቕርቦ ናይ ተስፋ ቃል ምዕዳወና ነመስርቕ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጠን። 

ር.ሊ.ጳ.፥ ሰላምን ሕውነትን ኣብ ዞባ መዲትራኒያን
24 February 2020, 17:27