ድለ

ባሪ፡ ባሰቲ፥ ናይ ሱታፌ ተመክሮ ንመዲትራኒያን ባሪ፡ ባሰቲ፥ ናይ ሱታፌ ተመክሮ ንመዲትራኒያን 

ባሪ፡ ባሰቲ፥ ናይ ሱታፌ ተመክሮ ንመዲትራኒያን

እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሱታፌ ዝተነብረሉ እዩ ቢሎም፡ ኣብ መዲትራኒያን ባህላውን ካልኦት ዝኣመሰሉ ፍልልያት ይሃሉ ብዘየገድስ፡ ብዛዕባ ሕይወትን ሰብኣዊ ፍጥረትን ኣብ ዝምልከት ራእይ ሓድነት ከምዘሎን፡ እዚ ኸኣ ኣብቲ ደቂ ኣብርሃም ኣብ ምዃን ዝጸንዔ ክብሪ እዩ

እቲ 58 ጳጳሳትን ሊቀ ጳጳሳትን ከባቢ ሃገራት ሜዲትራኒያን ኣሳቲፉ ብዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ርክብ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተ-ሰብን ናይታ ኣብ ሃገራት ዞባ መዲትራንያን ዘላ ኣብ ተመሳሳሊ ጸገማትን ብድሆታትን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጥዕናን ዝመኸረን “ንናይ ከባቢ መዲትራኒያን ሃገራት ሕዝብታት ትጽቢታት ጽምጺ ምዃን” ዝብል ዕላማ ዝተሰከመ፥ ሜዲትራኒያን ዶብ ሰላም ብዝብል እርእስቲ ተመሪሑ፡ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምዕዳን መሰረርት ገይሮም ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጓልቲየሪ ብርቱዕ ድላይን ጻዕርን ተነቓቒሑ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ምእመንን ከባቢ መዲትራኒያንን ሃገራት ብድሆታትን መጻእን ዝተመያየጠ ዓውደ ርክብ፡ ዕለት 23 ለካቲት 2020 ዓም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘካየድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ከምእተዛዘመ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣንድረያ ዳማኮ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቤተ ክርስቲያን ናይ ምዃን ሓድሽ ኣገባብ፥ ኣገባብ ዘተን ኣንገዳን ኣብ መንጐ ማሕበረሰብ ምድግጋፍን ነዚ ሓሳብ እቲ ካብ ዕለት 19 ለካቲት ክሳብ ዕለት 23 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ባሪ ዝተኻየደ ናይ መላእ ሃገራት ዞባ መዲትራኒያን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያ  ዓውደ ጉባኤ ዘስመረሉ ሓሳብ ምዃኑ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ባሰቲ ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣሳቲፉ ዕለት 23 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ናይ መዛዘሚ ዋዕላ ኣብ ዝስሞዎ መደረ ከምዝገለጹን፡ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሱታፌ ዝተነብረሉ እዩ ቢሎም፡ ኣብ መዲትራኒያን ባህላውን ካልኦት ዝኣመሰሉ ፍልልያት ይሃሉ ብዘየገድስ፡ ብዛዕባ ሕይወትን ሰብኣዊ ፍጥረትን ኣብ ዝምልከት ራእይ ሓድነት ከምዘሎን፡ እዚ ኸኣ ኣብቲ ደቂ ኣብርሃም ኣብ ምዃን ዝጸንዔ ክብሪ እዩ ቢሎም፡ እቲ ዓውደ ጉባኤ ብጽኑዕ ድላይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተነቓቕሔ ከምዝዀነ እውን ኣዘኻኺሮም፡ ዝተኸተሎ ኣገባብ፡ ሲኖዶሳዊ ከምዝነበረን፡ ኣብ መዲትራኒያን ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ናይ ምዃን ኣገባብ ዘተባበዔን እዩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ዳማኮ ኣስዒቦም፥

ናይ ሕዝብታትን ኣቢያተ ክርስቲያንን ስቓይ

ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ናይ ቦስኒያን ኤርዘጐቪናን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሳራየቮ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ቪንኮ ፑልጂች፥ እቲ ካብ ዕለት 19 ለካቲት ኣትሒዙ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ይብሉ፡ ማዕርነትን ናይ ምንቅስቓስን ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ኣብ ከባቢ ሃገራት መዲትራኒያን ናይ ሕዝብን ናይታ ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ቤተክርስቲያን ስቓይ ብዕምቆት ዝተመያየጠ ከምዝዀነ ሓቢሮም፡ ኣብ መንጐ እታ ኣብ መዲትራኒያን እትርክብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብሓድሽ መንፈስ ሰላምን ዘተን ምትሕብባርን ኣብ መንቕቓሕ ጐዳና ዘተባብዔ እውን እዩ እንክብሉ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከምዝገለጹ ኣፍሊጦም።

ንናይ መዲትራኒያ ገዓር ሰማዒ ምዃን

ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፒዛባላ እውን ብወገኖም፡ ኣብ ዞባ ሜድትራኒያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተመክሮን ሓሳብን ትጽቢታትን ምልውውጥ ዝተኻየደሉን፡ ብሰፊሑ ብምዕራብ ዓለም ዝድገፍ መደብ ልምዓት ኣብቲ ከባቢ ንምትግባር ዝካየድ ጻዕሪ ዝፈጥሮ ዘሎ ዓመጽ ብጥልቂ ኣብሪሆም፡ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን እውን ገዛእ ርእሳ ናይቲ ብምዕራብ ዓለም ዝድገፍ መደብ ልምዓት ኣገልጋሊት ከይና ከምእትራእየትን በዚ ምኽንያት እዚ እውን ብፁዓን ጳጳሳት ከባቢ ሃገራት መዲትራኒያን ንህዝቦም ምሕረት ከምዝሓተቱን፡ እምነት ምንባርን ናይ ቃልን ሕይወትን ምስክርነትን ምትብባዕን ኣብቲ ከባቢ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ሽማግለ ምቛምን፡ ኣብ ዝብል ኪደት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መዲትራኒያን ብዙሕ ከምዝዓየየትን ገሊጾም፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መዲትራኒያን፡ ሓደን እንኰን ነቢያዊ ድምጺ ሓቅን ናጽነትን ክትከውን ዘለዋ ድላይ እውን ብሰፊሕ ዘቃልሔ ዓውደ ጉባኤ ምንባሩ ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣሳቲፉ ዕለት 23 ለካቲት 2020 ዓ.ም., ዝተካየደ ናይ መዕጸዊ ዋዕላ ኣብ ዘስምዕዎ መደረብ ከምዘመላኸቱ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ዳማኮ ሓቢሮም።

ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቃለ ምስጋና ካብ ጳጳሳት

ቅዱስ ኣቦና ንተጋባእያን ብፁዓን ጳጳሳት ድሕሪ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳ፡ ናይ ኣልጀሪ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ሃገራት ስሜን ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ፖውል ደስፋርገስ፡ ብስም ኵሎም ተጋባእያን፡ ቅዱስነቶም ስለ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣመስጊኖም፡ ኣብ ዞባ መዲትራኒያን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምእመናን ኣብ ቅድሚ ዓቢይ ብድሆ ከምዝርከቡን፡ እዚ ኸኣ እንገዳን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተን ዝብልን ስነ መሓድሮን ዝምልከትን ምዃኑ ጠቒሶም፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዕጽው ኣብ ምዃንን ገዛእ ርእስኻ ንብሔርተይናነት ኣብ ምዕጻፍ ብርሁ መጻኢ የሎን ቢሎም፡ እታ ኣብቲ ስዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ኣብላጺ ኣብ ዝዀነለን ሃገራት እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተቐባልነትን ተሰማዕነትን ከምዘለዋ ክምስክር እደልይ ከምዝበኡ ዳማኮ ኣፍሊጦም።

ባሪ፡ ባሰቲ፥ ናይ ሱታፌ ተመክሮ ንመዲትራኒያን
24 February 2020, 17:21