ድለ

ብለዋህነት ልብና ኣሕዋትና ንማርኽ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ብዛዕባ መንገዲ ብፅዕና ንዝጀምርዎ ትምህርቲ ብምቅጻል ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 19 ለካቲት 2020 ዓም ካብተን ሾመንተ መንገዲ ብፅዕናታት ሳልሰይቲ ዝኾነት ኣብታ ‘እቶም የዋህና ብፁዓን እዮም ከመይ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም’ (ማቴ 5.5) እትብል ትምህርቲ ጐይታ ተመሥሪቶም ‘ብትሕትና ልቢ ኣሕዋትና ንማርኽ!’ እንክብሉ ሰፊሕ ትምህርተ ክርስቶስ ኣቅሪቦም።

 ‘እቶም ለዋሃት (ልቢ) ብፁዓን እዮም ከመይ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም’ (ማቴ 5.5)

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቃል ኣምላኽ፡ - ‘ብእግዚኣብሄር ተማዕቈብ፣ ሰናይ ድማ ግበር ኣብታ ሃገር ተቐመጥ፣ እምነት ከኣ ድለ . . . እኩያት ኪጸንቱ እዮም፣ ንእግዚኣብሄር ዚጽበይዎ ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፣ ኵራ ግደፍ ሓርቖትውን ሕደግ፣ ኣይተንጸርጽር፣ እዝስ ናብ እከይ ጥራይ እዩ ዜብጽሕ። ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን፣ ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ፣ ኣይኪህሉን ድማ እዩ። ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፣ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።’ (መዝ 37.3.8-11)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ኣብ ናይ ሎሚ ትምህርተ ክርስቶስ ናይተን ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ ተጠቂሰን ዘለዋ ሾመንተ መንግዲ ብጽዕናታት ብዛዕባ እታ ሳልሰይቲ ‘‘እቶም ለዋሃት (ልቢ) ብፁዓን እዮም ከመይ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም’ (ማቴ 5.5) እትብል ክንምልከት ኢና።

ለዋህ  (ልቢ) ትብል ቃል ንቃላ ዕጉሥ ጥዑም ሕያዋይ ዓመጽ ዘይብሉ የስምዕ። የዋህነት ኣብ ግዜ ግጭት ይግለጹ! ማለት ኣብ ናይ ግጭት ግዜ ብዝህብዎ ግብረ መልሲ ይምዘኑ። ኩሉ ነገር ጥጡሕን ጥዑምን እንከሎ የዋህ ዝመስል ሰብ ኣብ ትሕቲ ተጽዕኖ ጭንቀት ወይውን ካልኦት ከጥቅዕዎ እንከለው እንታይ ዓይነት ግብረ መልሲ ይህብ እዩ እቲ ነገሩ።

ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ ‘ብትዕግሥቲ ክርስቶስን ብለውሃቱን’ (2ቆሮ 10.1) ብማለት ትዕግስትን ለውሃትን ክርስቶስ የዘኻኽረና። ቅዱስ ጴጥሮስ እውን ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሕማማቱ ዝሃቦ ግብረ መልሲ ብምዝኽኻር ምንም መልሲ ከምዘይሃበን ከምዘይኣፈራርሆምን ይገልጽ ከመይ ‘ንኩሉ ኣብ ኢድ እቲ ብፍትሒ ዝፈርድ ኣሕሊፉ ይህቦ ነበረ’ (1ጴጥ 2,23) ይብል። የዋህነት ወይውን ትሕትና ኢየሱስከስ ብዝለዓለ ኣብ ግዜ ሕማማቱ ይግለጽ።

ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ትሑት ለዋህ  (ልቢ) ትብል ቃል ኣብዚ ምድሪ እዚ ምንም ርስቲ ንዘይብሉ ስለዘመልክት እዚ ትምህርቲ ብፅዕና ግን ‘ትሑታን ወይ የዋሃን ንምድሪ ክወርስዋ እዮም’ ብማለት ዘገርም መግለጺ ይህበና።

ከም ሓቁ እንተተመልከትና ክንበብ ዝሰማዕናዮ መዝ 37 ነዚ ብፅዕና እዚ ይጠቅሶ። ኣብኡ እውን ‘ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም’ እንክብል ይገልጾ። ብኣተሓሳስባ ደቂሰባት እንክንምልከቶም እዞም ክልተ ነገራት ዘይቃረቡ ይመስሉ። ከመይ ቀንዲ ምንጪ ግጭትን ጽልእን ምውራስ መሬት ስለዝኾነ ሰባት ስለ ጭራም መሬት ክዋግኡ ዝሰፍሔ መሬት ክሕዙ ሃነፍነፍ ክብሉ ንርኢ። ኣብ ውግኣት እቲ ዝሓየለ ዝሰፍሐ መሬት ክቆጻጸር ንዕዘብ።

እንተኾነ ነዛ ለዋሃት (ልቢ) ዝወርስዋ መሬት እትገልጽ ዓንቀጽ ይወርሱ እምበር ይምንዝዑ ይቆጻጸሩ ኣይኮነን ዝብል። ይወርሱ እዩ ዝብል ዘሎ። ውርሽእ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ልዕል ዝበለ ትርጉም ኣለዎ። ሕዝበ እግዚአብሔር መሬት እስራኤል ከም ውርሻ ይወሃቦም ይወርሱ እዚኣ ከኣ እታ ምድረ ተስፋ እያ።

እዛ ምድረ ተስፋ ካብ እግዚኣአብሔር እትዕድል ውህበት እግዚኣአብሔር ኰይኑ ክንዮ ማንም ጭራም መሬት ዝለዓለ ትርጉም ኣለዎ። ምድረ ተስፋ ኢሉ ምድሪ ወይውን መሬት ክብል ቊሩብ ናይ ቃላት ጸገም ኣሎ ምድሪ ተስፋ ኣሎና እንክብል ኣብ ሰማይ እዩ! እዛ መሬት እዚኣ ከኣ ንክንወርሳ ንጐዓዝ ዘሎና ሓቀኛ ዓድና እያ። እዚ ጉዳይ እዚ ንሕና ከም እንሓስቦ ከምዚ እንነብረሉ መሬትን ሰማይን ዘይኮነ ከምቲ ነቢያትን ሓዋርያትን ዝሕብርዎ ናብ ‘ሓዲስ ሰማያትን ሓዲስ መሬትን’ ገጽና ኢና እንጐዓዝ (ኢሳ 65.17, 66.22, 2ጴጥ 3.13, ራእ 21.1 ተመልከት)።

ስለዚኸስ እቲ ትሑት ለዋህ ዝወርሶ መሬት ክንዮ እዚ ንሕና እንሓስቦ ልዕል ዝበለ መሬት እዩ። ትሑት የዋህ እንክብል ሓደ ፈራህ ወይውን ምንም ዘይገብር ካብ ኩሉ ግድላት ዝሃድም ኣይኮነን። እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ዓቢ ውርሻ ዝተቀበለን ከየጥፍኦ ብዝተኻእሎ ዝቃለስን እዩ። ትሑት ሰብከስ ክጥዕሞ ኢሉ ሱቚ ዝብል ኣይኮነን እንታይ ደኣ ተኸታሊ ክርስቶስ ኰይኑ ነታ ዝወርሳ ካልእ መሬት ብከመይ ከምዝከላኸለላ ዝተማህረ እዩ። ንሱ ንሰላሙ ይከላኸል ምስ እግዚኣአብሔር ንዘለዎ ርክብ ይከላኸል ንዝተቀበሎም ጸጋታት ንከይጥፍእ ይከላኸል! ነዚ ከኣ ምሕረትን ሕውነትን ምትእምማንን ተስፋን ኣብ ልቡ ብምዕቃብ ይገብሮ። በዚ ከኣ ትሑታን ወይውን የዋሃን ኩሉ ግዜ ምሕረት ዝልማዶም ብሕውነት ዝነብሮ ምትእምማን ዝሕላገቶም ብተስፋ ዝመልኡ እዮም።

ኣብዚ ክንዝክሮ ዘሎና ሓደ ኣርእስቲ ሓጢኣት ኣሎ! ንሱ ከኣ ቊጥዓ ኰይኑ ዓመጽ ዝመልኦ ሳዕቤኑ ኩልና ንፈልጦ ኢና። ካባና መንዶ ኣሎ እዩ ሓንሳእ ሓንሳእ ዘይቚጣዕ! ኲልና ንቊጣዕ ኢና። እስኪ ነዚ ትምህርቲ ብፅዕና ብተገላቢጦሽ ንመልከቶ እሞ ነዛ ሕቶ ንሕተት። ብቚጥዓ ክንደይ ነገራት ኣዕኒና! ክንደይ ጉዳያትከ ኣጥፊእና! ኢልና ንሕተት። ሓንቲ ብልጭታ ቚጥዓ ብዙሕ ነገራት ክተዕኑ ትኽእል ከመይ ቊጽጽር ገዛእ ርእስኻ ስለእተጥፍእ ነቲ እትገብሮ ኣይትግምግሞን ኣድላይነቱ እውን ኣይረደኣካን ሽዑ ምስ ሓውኻ ዘሎካ ርክብ ተዕኑ ወረ ዝገደደ ሓንሳእ ሓንሳእ ዳግም ንክተሕውዮ ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ እውን ትበጽሕ። ብሰንኪ ቚጥዓ ዝሰዓበ ዕንወት ርክብ ብዙሓት ኣሕዋት ነንሕድሕዶም ኣይዛረቡን። እዚ ኣርእስቲ ሓጢኣት እዚኸስ ተጻይ ትሕትና ተጻይ የዋህነት ተጻይ ትዕግሥቲ እዩ። ትዕግሥቲ የተሓቋቊፍ ቚጥዓ ግን ይበታትን ይፈላሊ ፋሕ የብል።

ለዋህነት (ልቢ) ብዙሕ ነገራት ከም እነሸንፍ ይገብረና። ንልቢ ካልኦት ከሸንፍ ንዕርክነት ከድሕን ካልእ ብዙሕ ነገራት እውን ክገብር ይኽእል ከመይ ሰባት ሓንሳእ ሓንሳእ ክቚጥዑ ይኽእሉ ቀስ ብቀስ ግን ይሃድኡ እሞ ንኩሉ ዳግመ ግምት ገሮም ይምልከቱ በተን ዝኸድወን ስጉምታቶም ይምለሱ ከምዚ ብምግባር ከኣ ብየዋህነት ንኩሉ ነቲ ዝዓነወ ዳግም ክትሃንጽ ይከኣል።

እታ ብለዋህነት እትውረስ ምድሪኸስ ድሕነት ናይቲ ወንጌለ ማቴዎስ ዝጠቅሶ ሓውና እዩ። ‘ኃውኻ እንተ በደለካ ኬድካ ንስኻን ንሱን ኣብ ብሕትኹም ኮይንካ ግንሓዮ። እንተሰምዓካ ኃውኻ ረባሕካ’ (ማቴ 18.15) ዝብሎ እዮ ነገሩ። ካብ ልቢ ኃውኻ ካብ ዝበልጽ መሬት የልቦን! ምስ ኃውኻ ዳግም ካብ እትረኽቦ ሰላም ዝበልጽ መሬት የልቦን። እዛ መሬት እዚኣ እያ እምበአር ብለዋህነት ክንወርሳ ዘሎና።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

19 February 2020, 13:30